ፕሪሚየር ሊግ ቤትኪንግ ሓደሽቲ ተሳተፍቲ ተፈልዮም

 ብሰለስተ ምድብ ተኸፊሉ እናተካየደ ዝፀንሐ ናይ 2014 ዓ.ም ላዕለዎት ናይ ኢትዮጵያ ሊግ ኩዕሶ እግሪ ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ከምዝተዛዘመ ዝዝከር ‘ዩ፡፡ እዚ ስዒቡ ኣብ ቀፃሊ 2015 ቤትኪንግ ኢትዮጵያ ፕሪሚየር ሊግ ውድድር ዝሳተፉ ሰለስተ ሓደሽቲ ክለባት ዕብየት ከምዘርኣዩ ኣረጋጊፆም ‘ዮም፡፡ ናብ ቀዳማይ ሊግ ዝወረዱ ክለባት ምሉእ ብሙሉእ ተፈልዮም ‘ዮም፡፡

ኣብ ሰለስተ ምድባት 36 ክለባት ዘጋጠመ ላዕለዎት ሊግ ውድድር እንትዛዘም ምድብ ‹ሀ› ተመዲቦም እንትወዳደሩ ካብ ዝነበሩ 12 ክለባት ኢትዮ ኤሌክትሪክ ሓደ ፀወታ እናተረፎ ‘ዩ ናብ ፕሪሚየር ሊግ ምዕባዩ ብምርግጋፅ ናይ መጀመር ክለብ ዝኾነ፡፡ ኢትዮጵያ ኤሌክትሪክ ናይ መወዳእታ ፀወታ ኣብ ስታድየም ባህርዳርን ከተማ ባቱ ኽልተ ንዜሮ ብምስዓር ድሕሪ ዉሑዳት ዓመታት ናብ ፕሪሚየር ሊግ ምምላሱ ኣረጋጊፁ ‘ዩ፤ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 1990 ጀሚሩ ከም ሓድሽ ምክያድ ካብ ዝጅምር ቻምፒዮን ብምዃን ኣብ ኢትዮጵያ ኩዕሶ እግሪ ዓብይ ታሪኽን ሽምን ዘለዎም ሓደ ዝኾነ ነበር ‹‹መብራት ሓይሊ›› ናይ ኸዚ ኢትዮ ኤሌክትሪክ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ካብ ፕሪሚየር ሊግ ምውራዱ ብዙሓት ዘናሰሐ ከምዝነበረ ዝዝከር ‘ዩ፡፡ እዚ ‘ውን ኮይኑ ካብቲ ፕሪሚየር ሊግ ወሪዱ ምምላስ ከቢድ ፈተና ኣብ ዝኾነሉ ዓብይ ፍኽኩር ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እናተጋጠመ ፀኒሑ ሎሚ ናብቲ ዓብይ ሊግ ምዕባዩ ርግፅ ኾይኑ ‘ዩ፡፡ ኢትዮ ኤሌክትሪክ ምዕባዩ ኣብ ዘረጋገፀሉ ኣብዚ ምድብ ጌዲኦ ዲላ ን ኣምቦ ከተማን ምውራዶም ዘረጋገፁ ክለባት ኾይኑም ‘ዮም፡፡

 ተቐራራቢ ነጥቢ ሒዞም ብዓብይ ፉክክር ካብ ምድብ ‹ለ› ናብ ፕሪሚየር ሊግ ንምዕባይ ዕድል ዝነበሮም ለገዳዲ ለገጣፎን ቤንች ማጂ ቡና ናይ መወዳእታ ግጥምያ ብዓወት ዛዚሞም ‘ዮም፡፡ ዝነበረ ናይ ሰለስተ ነጥቢ ምፍልላይ ክሕሉ ዝኽኣለ ለገዳዲ ብታሪኽ ንመጀመርያ እዋን ፕሪሚየር ሊግ ተሳታፊ ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ ‘ዩ፡፡ ስታድየም ባቱን ሰንዳፋ በኬን ኣርባዕተ ንዜሮ ብምስዓር ናብ ዓብይ ውድድር ምሕላፍ ዘረጋገፀ ለገዳዲ ለገጣፎ ኣብ 2015 ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ዝሳተፍ ብሕታዊ ኾይኑ ‘ዩ፡፡

 ኣብ መወዳታ ምድብ ‹ሐ› ኣብ ዝተገበሩ ግጥም ክሳብ መጨረሻ ናብ ፕሪሚየር ሊግ ዝዓቢ ክለብ ኣይተፈለየን ነይሩ፡፡ ብሓደ ነጥቢ ምፍልላይ እቲ ምድብ እናመርሐ ዝፀንሐ ኢትዮጵያ መድሕን ብ37 ነጥቢ ከምኡ ‘ውን ነቀምት ከተማ ብ36 ሰንጠረዥ ቀዳሞት ዝኾኑ ጉጅለ ኾይኖም ‘ዮም፡፡ ኣብ ሃዋሳ ደቡብ ፖሊስ ዝገጠመ ኢትዮጵያ መድህን ሓደ ንዜሮ ብዝኾነ ፀቢብ ውፅኢት ስዒሩ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ናብ ፕሪሚየር ሊግ ክሓልፍ ክኢሉ ‘ዩ፡፡ ነቀምት ከተማ ብወገኑ ወሳኒ ግጥምያ ምስ የካ ክፍለ ከተማ ኽልተ ማዕረ ብዝኾነ ውፅኢት ብምፍልላዩ ናብ ፕሪሚየር ሊግ ከይሓለፈ ተሪፉ ‘ዩ፡፡

ኣብ ምድብ ‹ሀ› ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ግጥምያ ኣብ ሃዋሳ ዩኒቨርሲቲ ሜዳ እንትዛዘም ባህልን ስፖርትን ዴኤታ ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት፣ ሓላፊ ቢሮ ስፖርት ክልል ሲዳማ፣ ፕሬዝዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ትካል መድህን ኢትዮጵያ፣ደቡብ ፖሊስ ላዕለዎት ሓላፍቲ ስራሕ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ፀወታታት ብምጅማር ንተሳተፍቲ ሽልማት ኣበርኪቶም ‘ዮም፡፡ ኣብ ካልኦት ምድብ ፀወታ ድማ ካልኦት ስራሕ ሓለፍቲ መንግስቲ ተረኺቦም ሽልማት ኣበርኪቶም ‘ዮም፡፡

 መሰረት ገ/ዮሃንስ

ጋዜጣ ወጋሕታ  29 መጋቢት 2014 ዓ.ም

Recommended For You