ጠንካራ ብሄራዊ ጋንታ ንምህናፅ ኣብ ተተካእቲ ትኹረት ምግባር

ካብ መላእ ዓለም ዝተወፃፅኡ 16 ሃገራት ዘሳታፍ ትሕቲ 20ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ፅዋዕ ዓለም ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ኮስታሪካ ክግበር ‘ዩ። ብምኽንያት ኮቪድ 19 ዝተናወሐ ኮስታሪካ ምስ ፓናማ ብጥምረት ካብ ምድላው ናብ ሓደ ሃገር ምድላውነት ዝተቐየረ እንትኸውን ኣብዚ ንሕንሕ ተወዳደርቲ ዝኾኑ መብዛሕትኦም ጋንታት ተፈሊጦም ‘ዮም።

ካፍ ድማ ዝውክሎም ክልተ ሃገራት ፈልዩ ‘ዩ፤ ናይ ኣህጉርና ተፈለጥቲ ዝኾኑ ናይጀርያን ጋናን ብጋንታ መናእሰይ ሽም ሃገሮም ንከፀውዑ ኣብ መድረኽ ፅዋዕ ዓለም ከምዝሳተፉ ኣረጋጊፆም ‘ዮም።

ብተቃራኒ ድማ ኣብ መፃረይ ዓብይ ብቅዓት እናርኣየ ዝፀንሐ ብፅዋዕ ዓለም ተፎካካሪ ንምዃን ዘኽኣሎ ቅዋም ዘርኣየ ናይ ኢትዮጵያ ትሕቲ 20 ዓመት ብሄራዊ ጉጅለ ንምስታፍ ዝሞከረ ከይተሳኸዐሉ ተሪፉ ‘ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ተሳትፎ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ዝገብሮ ዝነበረ ተሳትፎ ይትረፍ ‘ምበር ተስፋ ዘሎ ጋንታ ከምዝኾነ ግና ኣሪኡ ‘ዩ። ኣብ ሴካፋ ብሰዓሪነቱ ሓድሽ ታሪክ ብምፅሓፍ ብቀጥታ ብምሕላፍ መፃረይ ካብ ካልኣይ ዙር ካብ ዝበፅሑ ጋንታታት እቲ ሓደ ምዃን ክኢሉ ‘ዩ።

ኣብ መጀመርያ መፃርይ ፀወታ ሩዋንዳ ሸሞንተ ንዜሮ ዝኾነ ውፅኢት ዝሳዓረ እቲ ጋንታ ኣብ ቀፃሊ ፀወታ ድማ ቦትስዋና ሸሞንተ ን ኽልተ ስዒሩ ‘ዩ። ኣብ ራብዓይ ዙር ምስ ታንዛንያ እንትራኸብ ሓደ ንዜሮ እንተተሸነፈ ‘ኳ ኣብ መልሲ ፀዋታ ክልተ ንዜሮ ብዝኾነ ውፅኢት ስዕረቱ ብምምላስ ናብ መወዳእታ ዙር ብምሕላፍ እቲ ጉጅለ ጠንካራ ክባሃል ኣኽኢልዎ ‘ዩ።

ናይ መወዳእታ ዝኾነን ንዓለም ፅዋዕ ንምስታፍ ወሳኒ ዝኾነን ሓምሻይ ዙር መፃረይ ውድድር ኢትዮጵያ ምስ ጋና ፣ናይጄርያን ሴኔጋል ክትበፅሕ ክኢላ ‘ዩ። ናይ ኣሰልጣኒ ፍሬው ሃይለገብርአል ጠንካራ ጋንታ ምስ ካልእ ብርቱዕ ጋንታ ጋና ተመዲቡ ናይ መጀመርያ ፀወታ ኣብ ኣበበ በቂላ ስታድየም ሰለስተ ሽቶታት ተቖፂሮምዎ ተሸኒፉ ‘ዩ። ኣብ ኣክራ ስፖርት ስታድየም ኣብ ዝተገበረ ወሳኒ ፀወታ እቲ ጋንታ ሓደ ሽቶ የቑፅር ‘ምበር ሓሙሽተ ን ሓደ ተሸኒፉ ካብ ፅዋዕ ዓለም መገዱ ተዓጊቱ ‘ዩ።

ኣብ ሜድኡ ካብ ዝገበሮ ብዝበለፀ ምስ ተጋጣሚኡ ሜዳ ኣብ ዝገበሮ ምንቅስቃስ ዝሓሸ ፀወታ ዘርኣየ ሓደ ሽቶ ካብ ምቑፃሩ ብዝሓለፈ ተወሳኺ ሽቶ ንምቑፃር ብተደጋጋሚ ሙከራ እናገበረ ከመዝነበረ ተራእዩ ‘ዩ ፤ ኾይኑ ግና ብሓላዊ ማዕፆ ብቅዓት ምንኣስን ኣወዳድኣን ድኽመት ካልኣይ ከይደገመ እቲ ፀወታ ክዛዘም ክኢሉ ‘ዩ። ብኣናእሽተይ ስሕተት ዋጋ ዝኸፈለ እቲ ብሄራዊ ጋንታ ፅቡቕ ምንቅስቃስ ከምዝገበረ ዘመስከረ እንተኾነ ‘ውን ከም ሃገር ከም ስፖርት ዝረአ ክፍተት ዝተስተውዓለሉ ‘ዩ።

እዚ ጋንታ ትሕቲ ዒስራ ዓመት ስለዝኾነ በዚ መልክዑ ኣብ ዓበይቲ ውድድራት ተሳትፎ ኾነ ሃገር ናይ ምውካል ልምዲ የብሉን። ስለዝኾነ እተን ተፃወቲ ዘለወን ዕድመን ካብ መንፃር ኣካይዳ ሓለሓሊፉ ምድንጋፅን ዘይምርግጋዕን ምትእንጋድ ርግፅ ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ዝተረኸቡ ናይ ሽቶ ዕድል ብዝግባእ መልክዑ ክጥቀምሉ ኣይካኣሉን፤ ብምዃኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ዕድመ ገደብ ሃገር ዝውክሉ ዝኽእሉ ውድድራት ዝረኸብሉ መድረኻት ምድላውን ከምኡ ‘ውን ምህናፅ ስነ ልቦና ካብቲ ፌደሬሽንን ካብ መሰልጠኒ ትካላት ትፅቢት ይግበር ‘ዩ።

ኣብ ዕሸላትን መናእሰይን ዝተመስረተ ስልጠናን ክትትልን ብዙሓት ጉድለት ዝራኣዩ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብዙሕ ክስራሕ ዝግባእ ዘርኣየ ጋንታ ‘ዩ። ስኬታማ ብሄራዊ ጋንታ ምህናፅ ዝካኣል ተተካእቲ ምስራሕ እንትካኣል ከምዝኾነ እሙን ‘ዩ፣ ንሃገር ስም ንምፅዋዕ ‘ውን ሓደ ስጉምቲ ‘ዩ ዝኾን።

እዚ ጥራሕ እንተይኾነስ ሓደ ውድድር ጥራሕ መሰረት ገይርካ ካብ ምህናፅ ዝበለፀ ተስፋ ዘርኣየ ጉጅለ ኣድላይ ክትትልን ድጋፍን ምግባር ዓብይ ብርኪ ንምብፃሕ ኣድላይ ‘ዩ። ብምዃኑ ፌዴሬሽኑ ኾነ ቤተሰብ ስፖርት ነቲ ጉጅለ ቅድሚ ኸዚ እናገበርዎ ዝፀንሑ ድጋፍ ድሕሪ ኸዚ ‘ውን ኣጠናኺሮም እንተቀፂሉ ዓብይ ብርኪ ምብፃሕ ይካኣል ‘ዩ።

 መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 22 መጋቢት 2014

Recommended For You