ሕጋዊ ተሓታትነት ሳዕቤን ምፍፃም ግብረ ራዕዲ

‹‹ህወሓትን ሸኔን ›› ብግብረ ራዕዳውያን ንክስየሙ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ቐረባ እዋን ናይ ውሳነ ሓሳብ ከምዘመሓላለፈ ዝዝከር እዩ።ነዚ ስዒቡ ቤት ምኽሪ ፌዴሪኢ ንቲ ውሳነ ሓሳብ ብሓደ ድምፀ ተዓቕቦ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ። እዞም ኽልተ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ራዕዲ ዝፍፅሙ፣ መሰረተ ልምዓታት ዘውድሙን ሕገ መንግስቲ ዝጥሕሱ ከምዝኾኑን ይግለፅ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ገበን ግብረ ራዕዲ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝወፀ ኣዋጅ ቑፅሪ 1176/2012 ዓ.ም ራዕዲ ዓብይ መጉዳእቲ እናብፀሐ ዝርከብ ገበን እዩ ይብል።እዚ ገበን ንሃገርናን ንድሕንነት ህዝቢ ዓለምን ዓብይ ስግኣት ከምዝኾነ ብምግንዛብ፤ መንግስቲ ደሕንነት ህዝብን ሃገርን ናይ ምሕላው ሓላፍነት ስለዘለዎ ገበን ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ጥንኩር ዓቕምን ምድላው ምግባርን፤ ጥፍኣተኛታት ምስ ድርጊቶም ዝመጣጠንን መምሃራይን መቕፃዕቲ ክገብሩ ንምግባር ጥንኩር ናይ ሕጊ ማእኸል ስለዘድሊ ዕላማ ናይቲ ኣዋጅ ከምዝኾነ ይግለፅ።

ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ናይ ራዕዲ ተግባር ዝበሃል ዝኾነ ሰብ ናይ ፖለቲካ፣ ሃይማኖት፣ ወይ ድማ ዕላማ ርእዮተ ዓለም ንምስኻዕ ብምሕሳብ ህዝቢ ወይ ድማ ዝተወሰነ ክፋል ማሕበረሰብ ንምርዓድ ወይ ድማ መንግስቲ፣ናይ ወፃኢ ሃገር መንግስቲ፤ ወይ ‘ውን ዓለምለኸ ትካል ንምግዳድ፣ ኣብ ልዕሊ ኣካል ሰብ ልዑል ጉድኣት ዘብፀሐ፤ ህይወት ሰብ ኣብ ጉድኣት ዘውደቐ፣ናይ ህዝቢ ወይ ድማ ማሕበራዊ ግልጋሎት ንኸይወሃብ ብልዑል ኹነታት ዘተኣጓጎለ፣ ካብ ዓሰርተ እስካብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ዝበፅሕ ማእሰርቲ ይቕፃዕ እዩ ይብል። በቲ ኣዋጅ ዝተፈፀመ ተግባር፣ ሰብ ምቕታል፣ ኣብ ታሪኻዊ ይኹን ኣብ ናይ ባህሊ ቅርሲ፣ ኣብ መሰረተ ልምዓት ዓብይ ጉድኣት ብምብፃሕ እንተኾይኑ እስካብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ፅኑዕ እስራት ወይ ድማ ብሞት ከምዝቕፃዕ የቐምጥ።

ኣብዚ ኣዋጅ ዓንቀፅ 3 ብዝምልከት ዕዮ ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም ዝተሓነየ ሰብ ካብ ሓደ ዓመት እስካብ ሓሙሽተ ዓመት ዝበፅሕ ፅኑዕ እስራት ይቕፃዕ። ምሕናይ ዘቕፅዕ፤ እቲ ዝተሓነየ ሰብ ክገብሮ እየ ወይ ድማ ንኽግበር ክገብር እየ ዝበሎ ኹነታት ወይ ድማ ዘለዎ ዕድል፤ ወይ እቲ ዝተሓነዮ ኣፍቲ ሕብረተሰብ ወይ ኸዓ ማሕበረሰብ ዝፈጠሮ ወይ ድማ ክፈጥሮ ዝኽእል ራዕዲ ብምግንዛብ ይኸውን።

ገበን ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም ምትላምን ምስንዳእን፤  ዝኾነ ሰብ ኣብ ኣዋጅ ዓንቀፅ 3 ብዝምልከት ገበን ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም ወይ ድማ ክፍፀም ንምግባር እንተለዓዒሉ ካብ ሓሙሽተ እስካብ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ዝበፅሕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ይቕፃዕ። ብሕሶት ናይ ግብረ ራዕዲ ምፍርራሕ ብዝምልከት እቲ ኣዋጅ ዘርዚሩ እዩ። ብፍላይ ዝኾነ ሰብ ሕሶት ምዃኑ እናፈለጠ ህውከትን ረብሻን እንተፈጢሩ ወይ ድማ ስግኣት እንተፈጢሩ፤ ብቐሊል ማእሰርቲ ወይ ኸዓ እቲ ነገር ጉድኣት እንተብፂሑ ካብ ሰለስተ እስካብ ዓሰርተ

 ዓመት ዝበፅሕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ከምዘቕፅዕ እዩ ተቐሚጡ። ብግብረ ራዕዲ ንዝተፈረጀ ጉጅለ ይኹን ትካል ድጋፍ ምግባር ተሓታትነት ዘስዕብ እዩ። ዝኾነ ሰብ ኣፈፃፅማ ገበን ግብረ ራዕዲ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መገዲ እናበታተዐ ወይ ኸዓ እናረድአ ከምዘሎ እናፈለጠ ወይ ድማ ንምርዳእ ብምሕሳብ፣ ብምቕራብ፣ ምኽሪ ብምሃብ፣ ናይ ሞያ ድጋፍ ዝሃበ፣ ዝኾነ ነታጒ፣ ዝቀፃፀል ንጥረ ነገር፣ኣፅዋር ወይ ድማ ኻሊእ ቐታሊ ናውቲ ወይ ድማ መረዝቲ ንጥረ ነገራት ዘዳለወ፣ ዘቕረበ፣ ዝሸጠ ወይ ድማ ስልጠና ዝሃበ ወይ ድማ ኣባላት ዝመልመለ፤ ካብ ሸውዓተ እስካብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ዝበፅሕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ይቕፃዕ። እቲ ኻሊእ ዝግበር ድጋፍ ናይ ንብረት እንተኾይኑ ብገበን ዝተረኸበ ገንዘብ ወይ ድማ ንብረት ሕጋዊ ኣምሲልኻ ምቕራብን ግብረ ራዕዲ ብገንዘብ ምርዳእ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ብዝወፀ መሰረት ኣዋጅ ቑፅሪ 780/2005 ዓ/ም ይቕፃዕ።

እቲ ፈፃሚ ዋና ዕዮ ግብረ ራዕዲ ተዘይፈፀመ’ውን ድጋፍ ከምዝገበረ ተፈልዩ እንተተፈሊጡ፤ምስቲ ድጋፍ ዝገብር ሰብ ርክብ ተዘይሃለዎ ‘ውን ደጋፊ ግብረ ራዕዲ ብምዃኑ ይቕፃዕ። እቲ ዕዮ ዝፈፀሞ ብሸልተኝነት እንተኾይኑ እቲ መቕፃዕቲ ካብ ሓደ እስካብ ሓሙሽተ ዓመት ዝበፅሕ ቐሊል ማእሰርቲ ይኸውን። ንተግባር ግብረ ራዕዲ ምልዕዓል ‘ውን ሕጋዊ ተሓታትነት የምፅእ እዩ። ዝኾነ ሰብ ኾነ ኢሉ ነቲ ኻሊእ ሰብ ብምቕስቓስ፣ ተስፋ ብምሃብ፣ ብገንዘብ፣ ብውህብቶ፣ ብምፍርራሕ ወይ ድማ ዝኾነ ኻሊእ ሜላ ብምጥቃም ገበን ንክፍፅም ምግባር ብዘረባ፣ ብፅሑፍ፣ ብስእሊ ወይ ድማ ብኻሊእ መልክዑ ነቲ ወንጀል እንተፈፂሙ ወይ ድማ ፈተነ እንተገይሩ፤ ከምዚ ዓይነት ትሕዝቶ ከምዘለዎ እናፈለጠ ዘሐተመ፣ ንኽሕተም ዝገበረ፣ ዘመሓላለፈ፣ ዘሰራጨወ፣ ዝኸዘነ፣ ዝሸጠ ወይ ድማ ብዝኾነ መገዲ ንህዝቢ ተበፃሒ ዝገበረን እቲ ገበን እንተተፈፂሙ ወይ ድማ ፈተነ እንተተገይሩ፣ ካብ ሰለስተ እስካብ ሸውዓተ ዓመት ዝበፅሕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ይቕፃዕ።

ብተመሳሳሊ ድርጊት እቲ ገበን ተፈፂሙ፤እቲ ክፍፀም ዝተደለየ ግብረ ራዕዲ ዘይተፈተነ ወይ ድማ ዘይተፈፀመ እንተኾይኑ ኣፍቲ ንኡስ ዓንቀፃት ዝተብሃሉ ግብርታት ዝፈፀመ ሰብ ካብ ሓደ ዓመት እስካብ ሓሙሽተ ዓመት ዝበፅሕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ይቕፃዕ። ስለዝኾነ ግብረ ራዕዲ ዘኸትሎ ሕጋዊ ተሓታትነት ብምግንዛብ ካብ ምትንኻፍ ምስ ህወሓትን ሸኔን ናፃ ምዃን የድሊ። እዞም ኽልቲኦም ራዕዳውያን ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ንዘብፅሕዎ ጥፍኣት ብሓባር ብምዃን ምቅላስ የድልይ።

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 5 ጉንበት 2013

Recommended For You