ህዝባዊ ሰላምን ምርድዳእን ኣብ ትግራይ ንምርግጋፅ ንዝቐረበ ፃውዒት ኣወንታዊ ምላሽ ምሃብ ይግባእ

ህዝቢ ትግራይ ንዴሞክራሲን ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ዝተቓለሰ ህዝቢ እዩ።ንዚ’ውን ኣብ 17 ዓመታት ብረታዊ ቓልሲ ልዕሊ 60ሺ መላምል ደቁ ሰዊኡ፣ልዕሊ 100ሺውን ኣካል ጉዳኣት ኮይኖም።ኮይኑ ግና ክንዲቲ ዝተቓለሶ፣ክንዲቲ ዝተሰውኦን ኣካሉ ዝጎዶሎን ተረባሒ ኣይኮነን።ምኽንያቱ ድማ ኣብ ስልጣን ዝወፅአ ጉጅለ ኣብ ክንዲ ንረብሓ ህዝቢ ዝሰርሕ ንውልቀ ተረባሕነት ዒላማ ገይሩ ይንቀሳቐስ ስለዝነበረ እዩ።ኣብ መዳይ ሰናይ ምምሕዳርን ኣብ ኣተሓሕዛን ኣከባብራ ሰብኣዊ መሰላትውን ንህዝቢ ናብ ናዕቢ ዝደፍኡ ናይ ግህሰት ተግባራት ይፍፅም ስለዝነበረ ለውጢ ክመፅእ ግድን ኮይኑ።

ይኹን’ምበር ንዚ ለውጢ ዘይተቐበለን ሓቢሩ ንምስራሕውን ድልው ዘይኮነ ጉጅለ ህወሓት ንሓድነት ህዝብታት ዝጎድእ ተግባር እናሰርሐ፣ሸርሕታት እናፋሓሰ ምፅንሑ ይፍለጥ። ኣብ መውዳእታ’ውን ምስ ፌደራል መንግስቲ ናብ ጎንፂ ኣትዩ እቲ ጎንፂ ናብ ኲናት ተቐይሩ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ክልል ትግራይ ብግዝያዊ ምምሕዳር እናተመረሐት ትርከብ።እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ቕልውላው ኣትዩ ኣሎ።ንዚ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዋና ስራሕ ፈፃሚ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝነበሩ ዶክተር ሙሉ ነጋ ዝከኣሎም ሰሪሖም ሐዚ ብዶክተር ኣብርሃም በላይ ተተኪኦም ኣለው።

ዶክተር ኣብርሃም በላይ ንመራኸቢ ሓፋሻት ‹‹ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ህዱእ ህዝባዊ ሰላምን ምርድዳእን ኣብ ትግራይ ንምርግጋፅ ዝቐረበ ፃውዒት›› ብዝብል ኣብ ዝዘርግሕዎ ፅሑፍ፣ ‹‹ኣብ ክልል ትግራይ ካብ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ጀሚሩ ብዝተፈጥረ ጎንፂ ምኽንያት ብርክት ዝበለ ሰብኣዊን ንዋታውን ዕንወት ከምዝበፅሐ ይፍለጥ። ሞት ወገናት፣ ጉድኣት ኣካል፣ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ምምዝባልን ልዑል ጉድኣት ስነ-ልቦናን ስነኣእምሮን፣ ብኽነትን ምንዘዐ ውልቃዊን መንግስታዊ ንብረትን ብሓፈሻ ዘየድልዩ ምትፍናናትን ምድፍፋእን ኣጓኒፎምዎ እዮም። እዚይን ካልኦት ኣብ ህዝብና ዘንፀላልዩ ፀገማትን ንምፍታሕ ዘኽእል ብግልፂ ብምትእምማን፣ ግቡእ ፍትሒን ፍታሕን ብምሃብ ቁስልን በሰላን ህዝብና ምቕናስ ኢሉ እውን ብምፍዋስ ከምኡ እውን ኣብ መሬት ዘሎ ወድዓዊ ኹነታት ብተግባር ብምልዋጥን እዩ። ስለዝኾነ ድማ ብመንፈስ ይቅርታን ሰላም ብዘረጋግፁ ቆራፅ ስጉምትታትን ብምውሳድ ሃገረይን ህዝበይን ከገልግል ዝተውሃበኒ ዓብዪ ሓላፍነት ተመዲበ ስራሐይ

 እንትጅምር ዕውት ንክኸውን ሙሉእ ሓገዝን ድጋፍን ብህዝብና፣ ብመንግስቲ ፌደራል፣ ብመላእ ህዝብታት ሃገርና፣ ብማሕበረሰብ ዲያስፖራን ማሕበረሰብ ዓለምን ከምዝረክብ በዓል ምሉእ እምነት እየ›› ክብሉ ዕውት ስራሕ ንክሰርሑ ሓገዝ ኩሉ ህዝቢን መዳርግቲ ኣካላትን ከምዘድልዮም ገሊፆም እዮም።ስለዚ ስርሖም ዕውት ንክኾን ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ህዝብን መንእሰይ ትግራይን ብቕንዕና ክሕግዞም ይግባእ።እዚ ሓገዝ ህዝቢ ትግራይ ዝተረጋገዐ ሰላም ንክህልዎን ናብርኡ ናብ ዝነበሮ ንምምላስን ይሕግዞ እዩ።

ዶክተር ኣብርሃም ‹‹ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ወድዓዊ ነባራዊ ኹነታት ብፍላይ ፀገማት ብእሩይ ቁፅር መሚኻ ብምውፃእ ፍታሕ ክረኽቡ ምግባር ፈላሚ ስራሕቲ እዮም። ብተወሳኺ ድማ፣ ባህሪን መንቀልን እዞም ፀገማት ምርዳእ፣ ፅዕንቶ ተተሓሓዝቲ ጉዳያት ምፍላይ በቢብርኩ ዝትግበሩ መፍትሒ ሓሳባት ምምንጫይ፣ ዝመንጨዉ መፍትሒ ሓሳባት ብህዝባዊ ተቐባልነትን ርብርብን ብድፍረትን ብጥበብን ዝፍፀም ቆራፅነት ዝሓትት ስራሕ ከምዝኾነ እውን ምርዳእ የድሊ›› ክብሉ ኣብ ፃዊዕት መልእኽቶም ኣተሓሳሲቦም እዮም።ስለዚ ኣብቲ ክልል ዘለዉ ፀገማት ብዕርይ ቑፅር ፈሊኻ መፍትሒ ንምንዳይ ዋኒን ግዝያዊ ምምሕዳር ጥራይ ክኸውን ኣይግቦኦን።

ዋላኳ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብቲ ክልል ዘሎ ወድዓዊ ነባራዊ ኹነታት ንምልዋጥ ዝተሰርሑ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ተሰሪሖም ዋላ እንተኾኑ፣ ጭቡጥ ውፅኢት ንምምፃእ ዝኾልፉ ርኡያት ዕንቅፋታት ነይሮም እዮም። ቀንዲ ስራሕቲን ቐዳምነት ዝውሃቦ ህይወት ሰብ ኣብ ምድሓን፣ ሰብኣዊ ቕልውላዋት ከይበኣኣሱ ፃዕሪ ተገይሩ እዩ። ኮይኑ ግና እዚ ንፅባሕ ዘይበሃል ስራሕና ኣብ እንሰርሐሉ እዋን ከቢድ ዝገብሩን ንተወሳኺ ጉድኣት ዝዕድሙን ርኡያት ፀገማት ምንባሮም ምርዳእ የድሊ። ስለዚ ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ፣ሰላምን ምርግጋዕን ብዘተኣማምን ደረጃ ንክህልው እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ እዋናዊ ፀገማት ክልልና ኣብ ምፍታሕ ብኹሉ መዳይ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዝሕግዙ ሃነፅትን ሰላማውን ሕጋዊን መማረፅታት ምስዘለዎ ኣካል ኩሉ ብቐረባ ንምስራሕ ምሉእ ድልውነት ስለዝኾነ ኩሉ ክሕግዞ ይግባእ።

 ወጋሕታ 5 ጉንበት 2013

Recommended For You