
ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ እቲ ንክልተ ዓመት ዝፀንሐ ኹናት ጠጠው ብምባል ኣብ ትግራይ ድምፂ ጥይት ንክይስማዕ ብምግባር ንህዝቢ ትግራይ ሩፍታ ኣምፂኢሉ ‘ዩ። በቢመዓልቱ ዝነበረ ሞት ደቁ ኣድሒኑ ‘ዩ።ናብ ንቡር ናራኡ ንክምለስ ብምግባር’ውን ህዝቢ መሰረታዊ ግልጋሎት ንክረክብ’ውን ዕድል ፈጢሩ፡፡
ኣብ ትግራይ ተቋሪፁ ዝነበረ ግልጋሎት ቴሌኮሙኒኬሽን ፣መብራህቲ ፣ባንኪ ፣መጓዓዝያ ኣየር ፣ትምህርቲ ፣ፋብሪካታት ስራሕ ብምጅማሩ ኢኮኖሚያዊን ማህበራዊን ምንቅስቓስ እቲ ክልል ናብ ንቡር ንክምለስን ሰብ ናብ ስራሑ ክወፍር ገይሩ። ተምሃሮ ናብ ቤት ትምህርቶም፤ሓረስታይ ናብ ማሕረሱ፣ነጋዳይ ናብ ንግዱ፣ሰራሕተኛ መንግስቲ’ውን ናብ ስርሑ ንክምለስን ስሩዕ ናብራኡ ንክመርሕን ምቸው ኹነታት ፈጢሩ’ዩ፡፡
ብዛዕባ ዝተመዛበለ ህዝቢ ብዝምልከት’ውን ራያን ፀለምትን ሙሉእ ብሙሉእ ተመሊሱ ‘ዩ፡፡ ካብ ወልቃይት ዝተመዛበሉ ኣይተመለሱን፣ኮይኑ ግና መንግስቲ ንዞም ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስ ድልው ምዃኑ ብተደጋጋሚ ገሊፁ ኣሎ።ዲዲኣር ድማ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብዝግባእ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን። ብሓፈሻ ግና ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ንህዝቢ ትግራይ ብዙሕ መኽሰብ ኣለዎ።
ሓደ ሓደ ግዜ እዞም ክልተ ጉዳያት ማለት’ውን ምምላስ ተመዛበልትን ዲዲኣርን ከም ፀገም ፌደራል መንግስቲ ተገይሮም ንምስኣል ይፍተኑ። እዚ ጌጋ ‘ዩ። መንግስቲ ፌደራል ጉዳይ ትግራይ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ልዑል ድሌት ከምዘለዎ ብተደጋጋሚ ገሊፁ’ዩ።ተመዛበልቲ ንክምለሱ ቅሩብ ምዃኑ’ውን ብተደጋጋሚ ይገልፅ ምንባሩ ይፍለጥ፡፡
ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ግና ኣብ ትግራይ ኣብ ሞንጎ ነበር መሪሕነት ህወሓትን ኣመራርሓ ሓይልታት ፀጥታን ብዝተፈጠረ ኣፈላላይ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ሓደጋ ይርከብ፡፡ደበና ኹናት ኣንፀላልዩ ኣሎ፡፡ጠጠው ዝበለ ድምፂ ጥይት ዳግም ንክስማዕ ሒርዲግ ዝበሉ ኣካላት’ውን ኣለው፡፡እዚ ግና ድሌት ህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን፡፡ ድሌት ህዝቢ ትግራይ ሰላም’ምበር ኹናት ኣይኮነን፡፡
ብዛዕባ ጎንፂን ኹናትን ምዝራብ ንገሊኡ ጉድኣት ዘይብሉ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ፤ ምኽንያቱ እቶም ዋና ተዋሳእቲ ስለዘይሞቱ። ንመንእሰያትን ንህዝብን ግና ከቢድ ጉድኣት ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ልቦና ዘለዎ ደላይ ሰላም ዝኾነ ህዝቢ ስለዝኾነ ኹናትን ወረ ኹናትን ኣይደልይን፡፡
መንግስቲ ፌደራል ብተደጋጋሚ ኣብ ትግራይ ካብ ዘለው ነበር መሪሕነት ህወሓት ዝረኣዩ ዘለው ፃሕታሪ ጎንፂ ዝኾኑ ዘረባታት፣ኹነታትን ተግባራትን ልብ ኣዕብዩ ብትዕግስቲ ይከታተሎ ከምዘሎ ምርዳእ ይግባእ፡፡ህዝቢ ትግራይ’ውን ንዚ ተግባር ዘይቕበሎን ዘይድግፎን ምዃኑ ብዝተፈላለየ መገዲ ይገልፅ ኣሎ፡፡ምኽንያቱ መላእ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ኣይደልን ‘ዩ። እዚ ዘጠራጥር ኣይኮነን።ኣብ ኹናት ዕንወት’ምበር መኽሰብን ልምዓትን የለን።ስለዚ ድሌት ህዝቢ ክፅማዕን ክኽበርን ይግባእ፡፡
ኹናት እንተተወሊዑ ሰብኣዊን ኢኮኖሚያዊን ኺሳራኡ ዓዝዩ ከቢድ’ዩ፡፡ኣብ ሐዚ እዋን ኢኮኖሚ ዓለም ኣብ ዓለም ንዘለዉ ፅጉማት ሰባትን ጎንፅታትን ንምሕጋዝ እኹል ኣይኮነን። ስለዚ ብሰንኪ ኹናት ኣብ ህዝቢ ትግራይ ንዝበፅሕ ፀገም ዓለም ትኹረት ዝህበሉ ዕድል ውሑድ ምዃኑ ምርዳእ ይግባእ፡፡ስለዚ ንትግራይ ዘድልያ ሰላም ‘ዩ። ንትግራይ ዘድልያ ፀገማት ብዝርርብን ዘተን ምፍታሕ ‘ዩ።
ድሌት ህዝቢ ትግራይ ሰላም ዝለዝኾነ ድማ መራሕቲ ሃይማኖት ኩለን እምነታትን ብቕልጡፍ ትግራይ ናብ ጎንፂን ኩናትን ከይትኣቱ ክሰርሑ ይግባእ፡፡ ድሕሪ ምጅማሩ ምዝራብን ምጉያይን ረብሓ የብሉን። ስለዚ ሐዚ ግቡእኹም ተዋፅኡ፡፡
ብወገን መንግስቲ ፌደራል ‹‹ኣብ ትግራይ ሓንቲ ጥይት ናይ ምትኳስ ድሌት የብልናን›› ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ምዝራቦም ይፍለጥ፡፡ካብዚ ምርዳእ ዝከኣል ድሌት መንግስቲ ሰላምን ልምዓትን ምዃኑ ‘ዩ፡፡ ስለዚ ዘሎ ኣፈላላይ ብሰላምን ዘተን ምፍታሕ ይግባእ፡፡ ጎንፅን ኹናትን ኣድላይ ኣይኮነን፡፡
እቲ ዝሓለፈ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ንህዝቢ ብዙሕ ዋጋ ስለዝኸፈለ ድሕሪ ደጊም ካሊእ ክሳራን ዕንወትን ክህሉ የብሉን። ህዝቢ ትግራይ ድማ ምልዛብ ይፈልጥ ‘ዩ።ስለዝኾነ ነበር መሪሒነት ህወሓት ፀገማት ብህልኽን ብደዐን ዘይኮነስ ብዘተ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ክህልዎ ግድን’ዩ፡፡ምኽንያቱ ድሌት ህዝቢ ሰላም’ምበር ኹናት ኣይኮነን፡፡
ወጋሕታ 10 ሓምለ 2017 ዓ.ም