
• ንኣትሌታት ኣቀባብላ ተገይሩሎም
ኣብ ቤልግሬድ ኣብ ተኻየደ ናይ ዓለም ገዛ ውሽጢ ኣትሌቲክስ ቻምፒዮና ደሚቓ ዝተርኣየት ኢትዮጵያ 4ወርቂ ፣3ብሩርን 2ነሓስን ብድምሩ 9ሜዳልያታትን 3ዲፕሎማታትን ብምምዝጋብ ተዓዋቲት ክትኾን ክኢላ ‘ያ። ንዚ ዓወት ዘምፅኡ ኣትሌታት ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይርሎም። ኣብቲ ቻምፒዮና ኣትሌታት ኢትዮጵያ ብሰለስተ ርሕቐት (800 ሜትር ደቂ ኣንስትዮ፣ ብኽልቲኦም ፆታ 1ሽሕ500ን 3ሽሕን ሜትሮ ) ብ9 ደቂ ኣንስትዮን ብ5 ደቂ ተባዕትዮን ብደምር 14 ኣትሌታት ተሳቲፎም ‘ዮም። ብዘመዝገበቶም ብዝሓት ሜዳልያ ‘ውን ኣብ ቻምፒዮና ካብ ዝተሳተፉ ሃገራት ቀዳሚ ስፍራ ክትድሕዝ ክኢላ ‘ያ። እዚ ድማ ብቻምፒዮና ተሳትፎኣ ኣብ ታሪኽ ናይ መጀመርያኣ ክኾን ክኢሉ ‘ዩ። ካብዚ ብዝዘለለ ከዋክብት ኢትዮጵያውያን ሃገሮም ብቐዳምነት ንክትዛዝም ዘኽኣሉ ብደቂ ኣንስትዮ 3ሽሕ ሜትሮን ብደቂ ተባዕትዮ 1ሽሕን 500ን ሜትሮ ናይቲ ሻምፒዮና ክብረ ወሰን ብምምዝጋብ ብምሽናፎም ተወሳኺ ዓወት ኾይኑ ‘ዩ። ኣብ ሰርቢያ ቤልግሬድ ኣብ ዝተዳለወ መበል 18 ቻምፒዮና ዓለም ኢትዮጵያ ዝወከለ ጉጅለ ኣቐዲሙ ብቤተሰብ ስፖርት ዓብይ ናይ ኣሸናፊነት ግምት ዘተውሃቦ ‘ዩ ነይሩ። ዓለም ለኸ ማሕበር ፕሬስ ስፖርት (AIPS) ኣብ ፀብፃቡ ናይ ኣሸናፊነት ግምት ንኢትዮጵያውያን ዝሃበ እንትኾን፣ ኣብ ኣፍሪካ ዘለዉ ጉጅለታት ውፅኢታዊ ምዃኑ ኣዘኪሮም በዚ ውድድር ጠንካራ ጉጅለ ከምዝኾነ ፀብፂቡ ነይሩ ‘ዩ። ኣትሌቲክስ ዓለም ሓዊሱ ኣብ ቤተሰብ ስፖርት ተመሳሳሊ ግምት ከምዝረኸበ ዝዝከር ‘ዩ።
ብስራሕ ጉጅለ ፅቡቕ ልምዲ ዝተርኣዮ እዚ ቻምፒዮና ብለምለም ሃይሉ 3ሽሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ውድድር ብወርቂ ሜዳልያ ዝተጀመረ ሳሙኤል ተፈራ ብ1ሽሕን 500ሜትሮ ሜዳልያ ወረቂ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ምሸት ረኺቡ ‘ዩ ፤ በዚ ቻምፒዮና ከም ኣውሮፓ ኣቖፃፅራ 2018 በርሚንሃም ኣሸናፊ ዝኾነ ብተኸታታሊ ሰዓራይ ምዃኑ ኣብዚ ርሕቀት ዘለዎ ተስፋ ዘረጋገፀ ‘ዩ ፤ ኣብ 21 ዓመት ናይ ባዕሉ ሰዓት ልዕሊ ሓደ ሰከንድ ብምምሕያሽ 3፡32.77 ብዝኾነ ሰዓት ዝኣተወ እንትኾን ኣብቲ ቻምፒዮና ቕልጡፍ ሰዓት ብዝብል ተዳሒዙ ‘ዩ። ናይቲ ውድድር ከምኡ ‘ውን ቻምፒዮና ኦሎምፒክ ዝሓቖፈ እቲ ጉጅለ ፤ድሕሪ ቅሩብ ዓመታት እናቐነሰ ዝመፀ ሓምለዋይ ውሕጅ ኣወዳድኣ ተራእይሉ ‘ዩ። ኢትዮጵያውያን ካብ ሓደ ክሳብ ሰላስተ ብዘለዎ ብርኪ ተኸታቲሉ ብምእታው 1500ሜትሮ ድማ ብጉዳፍ ፀጋይ 3፡ 57.19 ክብረወሰን ኣመዝጊባ ‘ያ፤ኣብ ቶክዮ ኦሎምፒክ 5ሽሕ ሜትሮ ሜዳልያ ነሓስ በዓል ዋና ፅቡቕ ቕዋም ኣሪኣ ‘ያ፤ ኣብ ታሪኽ ቻምፒዮና ኣብ ዝኾነ ውድድር ተራእዩ ዘይፈልጥ ኽልትኤን ኢትዮጵያውያን ኣኸቲላ ፈጣን ኣትሌት ተባሂላ ‘ያ።
ካልእ ትፅቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ናይ 3ሽሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ዙር ውድድር ዘደንቕ ቅዋም ዘርኣዩ ዝፀንሑ ኽልቲኦም ኢትጵያውያን ሕድ ሕዶም ብምፉኽኻሮም ንቤተሰብ ስፖርት ሰሓቢ ነይሩ ‘ዩ። ኽልቲኦም ብ 25 ማይክሮ ሰከንድ ምፍልላይ ቻምፒዮና ቶኪዮ ሰሎሞን ባረጋ ንካልኣይ እዋን ናይ ቻምፒዮን ክብሪ ንክድርብ ምኽንያት ኾይንዎ ‘ዩ። ኣብ ዓለም ቻምፒዮና ቻምፒዮን ዝኾነት ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ገዛ በዓል ሻምፒዮና ኣብ ዝተሳተፈትሎም ውድድራት 31ወርቂ ፣13ብርን 15ነሓስን ብሓፈሻ 59 ሜዳልያታት ረኺባ ‘ያ ፤ በዚ ድማ ቐዳመይቲ ብምዃን ውድድራ ዛዚማ ‘ያ። ንሰለሰተ መዓልቲ ዝተኻየደ ቻምፕዮና ብሓደ ወርቂ ሜዳልያ ተበሊፃ ብሓፈሻ ብብዝሒ ሜዳልያ ካልኣይ ብርኪ ዝሓዘት ኣሜሪካ ‘ያ። 3ወርቂ ፣7 ብሩርን 9ነሓስ ብሓፈሻ 19 ሜዳልያታት ኣቑፂራ’ያ። ኽልተ ወርቂ ሜዳልያ ዝረኸበት ቤልጄየም ሳልሳይ እንትትኸን ስዊዘርላንድ ብሓደ ወርቅን 2 ብሩር ሜዳልያታት ራብዓይ ፣ስዊድን ብሓደ ወርቂ 1ብሩር ሓደ ነሓስን ሓምሻይ ብርኪ ብምሓዝ ብሃገራት ኣብ ሜዳልያ ሰንጠረዥ ተቐሚጠን ‘የን። ቐዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣትሌታት ዘመዝግብዎ ዓብይን ታሪኻውን ውፅኢት ዝተሰመዖም ሓጎስ ኣብ ማሕበራዊ ገፆም ገሊፆም ‘ዮም። ትማሊ ንግሆ ድማ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብቲ ውድድር ንዝተሳተፈ ጋንታ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይርሉ’ዩ። ኣብ ናይ ኣቀባብላ ስነስርዓት ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ፣ፕረዝደንት ፌደሬሽን ኣትሌትክስ ኢትዮጵያ ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓለፍትን ፕረዝደንታት ፌደሬሽናት ስፖርት ተረኺቦም’ዮም። ዝተፈላለዩ ናይ ኣፍልጦን መበረታትዒ ሽልማት ስነስርዓት’ውን ተኻይዱ ኣሎ።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 15 መጋቢት 2014 ዓ.ም