
ስፖርት ማሕበራዊ ክዋነ ስለዝኾነ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጉዳያት መልዓሊ ብምግባር ውድድር ምግባር ዝተለመደ ‘ዩ:: ኣብ ዝሓዝናዮ ወርሒ ኣብ ምኽባር ዘሎ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምኽንያት ብምግባር ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዝሳተፋሉ፣ ዝፎኻኸራሉን ውድድራት ይካየዱ ‘ዮም:: ካብዚኦም ድማ ዓብይ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ በቢ ዓመቱ ዘካይዱ ዋና ዋና ውድድራት ሓደ ዝኾነ ቐዳምነት ንደቂ ኣንስትዮ 5 ኪሎሜትሮ ጉያ ‘ዩ:: መልዓልን መባፅሕን ኣብ ከባቢ ኣትላስ ብምግባር ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 10ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ተኻፈልቲ ኾይነን ‘የን:: ካብ ተፈለጥቲ ኣትሌታት ብተወሳኺ ኣብ ስራሕ መንግስቲ ዘለዉ፣ ብትምህርቲ ዓብይ ብርኪ ዝበፅሑ፣ ፈጠርቲ ስራሕ፣ ብስራሕቲ ጥበበ ውፅኢታዊ ዝኾኑ ብሰናይ ተግባራት ዝተዋፈራ ከምኡ ድማ ብዝተፈላለየ ሙያ ተፈለጥቲ ዝኾናን ንካልኦት ኣብነት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ተሳቲፈን ‘የን:: ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ‘ውን ናይ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣምባሳደራት፣ ዜጋታት ወፃኢ ከምኡ ‘ውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ናይቲ ጉያ ድምቀት ነይሮም ‘ዮም:: ፕረዝዳንት ፌዴሪኢ ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ድማ ንካልኣይ እዋን ኣብቲ ስፍራ ተረኺበን እቲ ጉያ ዘጀመራ እንትኾና፣ ንተሳተፍቲ ‘ውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን ‘የን:: ‹‹እዚ ጉያ ዝካየድ ኣብ ወርሒ ደቂ ኣንስትዮ ማርች ‘ዩ:: ብዙሕ እንሰርሖ ስራሕ ስለዘሎ ናትና ወርሒ ማርች ጥራሕ እንተይኾነስ 365መዓልቲ ‘ዩ:: ደቂ ኣንስትዮ ብምብቃዕ መሰል መዓርነት ብምኽባር ብዙሕ እናተሰርሐ እንተኾነ ‘ውን ብዙሕ ትፅቢት ይግበር ‘ዩ ኢለን:: ኣብ ጉያ ኣሸነፍቲ ከምዝኾንክን ኣርእያ ከምዝኾንክን፣ ግና እዚ ጉያ ሃገር ንምዕባይ ደቂ ኣንስትዮ ዝግበአን ቦታ ንምብፃሕ ‘ዩ ኢለን:: ‹‹እዚ ጉያ ሓደ ኾይና ብሓባር ንክንነብር ‘ዩ፤ ኢትዮጵያ ጊዜ የብላን ንዓኻትክን ትደሊ ‘ያ ››ኢለን:: ጉያ ኣብ ኩሉ ቦታ ክኾን ይግባእ፤ ደቂ ኣንስትዮ ዝግበአን ቦታ ንምብፃሕ ዝተጀመረ ስራሕ ንምቕፃል ከምዝግባእ ዘልዓላ እተን ፕሬዝዳንት ‹‹ንሕልሚ ገደብ የብሉን ፣ዓብይ ነገር ሕለማ ትበፅሓ ኢኽን›› ክብላ ኣበረታቲዐን ‘የን::
ኣብዚ ዓብይ ጉያ ንቐዳምነት ደቂ ኣንስትዮ ጉያ ኣምባሳደር ኣትሌት መሰረት ደፋር ብወገና፣ እዚ ውድድር ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናዓበየን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ‘ውን እናሳተፈ ከምዘሎ ገሊፃ ‘ያ:: ‹‹እዚ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ብምስታፍ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጀመረ ብምዃኑ ካብ መጀመርያ ጀሚሩ ናይ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ መሰብሰቢ፣ መራኸቢ መዛተይን መነቃቅሕን ብምዃኑ ብዙሕ ዕድል ይፈጥር ‘ዩ›› ክትብል ጥቕሙ ኣረዲኣ ‘ያ:: ብዙሓት ኣትሌታ ዝሳፈተፍሉ ውድድር ብምዃኑ ኣትሌታ ናብ ቕድሚት ነምፅእን ‹‹ምጉያይ ከቢድ ነገር ‘ዩ፤ ኣትሌታት ናብ ቅድሚት ንምምፃእን ዓብይ ቦታ ንምብፃሕን ከቢድ ኣይኾንን›› ክትብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ ‘ያ:: ኣብ መንጎ ኣትሌታት ዓብይ ንሕንሕን ዝተርኣየሉን ተቀራራቢ ሰዓት ዝተመዝገበሉ ‘ዩ ነይሩ:: ኣብቲ ውድድር ተዓዋቲት ዝኾነት ካብ ኤሌክትሪክ ኣትሌት ፋንታዬ በላይነህ እንትትኾን ዝኣተወትሉ ሰዓት ድማ 15ደቂቓ 30ሰከንድ ኾይኑ ተመዝጊቡ ‘ዩ:: ሰለስተ ሰከንድ ጥራሕ ብምድንጓይ ካልኣይ ብምዃን ዝወፀት ድማ ካብ ክለብ ቤት ህንፀት ኣምሓራኣትሌት መቅደስ ኣበበ ፣ ሳልሳይ ዝኾነት ድማ ኣትሌት ቃልኪዳን ፈንቴን ‘ያ:: እተን ኣትሌታት ናይ ዋንጫን ሜዳልያን እንትሽለማ ፣ተዓዋቲት ኣትሌት ድማ 50ሽሕ ብር ተሸላሚት ኾይና ‘ያ:: ናይ ሜዳልያ ተሸለምቲ ኣትሌታት ምስ ኣዲስ ዘመን ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ፣ኣብቲ ውደድር ዝነበረ ንሕንሕ ከምኡ’ውን ኩነታት ኣየር ንምጉያይ ከቢድ እንተኾነ’ውን እዚ ብምፅዋር ተዓወቲ ክኾኑ ከምዝኻኣላ ገሊፀተን ‘የን:: ኣብ ቐፃሊ ዝካየዱ ኢትዮጵያ ኣትሌቲክስ ቻምፒዮና ከምኡ’ውን ንኣትሌቲክስ ዓለም ቻምፒዮና ሃገረን ንምውካል ኣብ ምድላው ከምዝኾና ገሊፀን’የን:: ኣብ ምድብ ኣካል ጉድኣት ብብዙሕ ተሳትፎ ብዓወት እትዛዛም ኣንቺነሽ ንብረት ኣብዚ ውድደር ‘ውን ተዓዋቲት ብምዃን ሜዳልያ ወርቂ ወሲዳ ‘ያ:: ሕብረተሰብ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ገዛ ሓሊፉ ናብ ደገ ንምውፃእ ዝበረታተዓሉ ስለዝኾነ ከምዚ ዝበሉ ውድድራት ብዙሕ ጥቕሚ ከምዘለዎ ገሊፃ ‘ያ:: ሽልማት ኣትሌታት ጎኒ ንኒ ድማ ብኣብነት ደቂ ኣንስትዮ ኣምባሳደራት፣ ኣካል ጉድኣት፣ ምጉያይ ፅባቐ ቲሸርት ብካልኦት ዘፈርን ተዓወቲ ንዝኾኑ ተሳተፍቲ ሽልማት ተበርኪቱ ‘ዩ::
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 8 መጋቢት 2014 ዓ.ም