‹‹ቴሌብር›› ብፋይናንስ ንዘይተሓቖፉ ክፋል ሕብረተሰብ ግልጋሎት ሞባይል ዘባፅሕ እዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፡- “ቴሌብር” ብፋይናንስ ዘይተሓቖፉ ክፋል ሕብረተሰብ ግልጋሎት ሞባይል ንምብፃሕ ዘኽእል እዩ ክብላ ዋና ስራሕ መካየዲት ኢትዮ- ቴሌኮም ወይዘሪት ፍሬሕይወት ታምሩ ገሊፀን፡ ወይዘሪት ፍሬህይወት ታምሩ ነዚ ዝገለፃ ኢትዮ-ቴሌኮም ኣብ ‹‹ኣደባባይ ወዳጅነት›› ኣብ ዘዳለዎ መርሃ ግብሪ ምጅማር ስርዓት ‹‹ቴሌብር›› (ክፍሊት ሞባይል) እዩ፡፡

እቲ ስርዓት ክፍሊት ቴሌ-ብር ኣየር ሰዓት ሞባይል ንምምላእን ክፍሊት ካልኦት ግልጋሎታትን ንምፍፃምን ዘኽእል እዩ፡፡ ክፍሊት ሞባይል ኔትወርክ ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ዝኾነ ይኹን ዓይነት ቆፎ ስልኪ ብምጥቃም ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፀን።ዓማዊል እቲ ኩባንያ ስርዓት ክፍሊት ብዘይ ካሽ ወይ ድማ ቼክ ዝኾነ ዓይነት ክፍሊት ንኽፍፅሙ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ወሲኸን ሓቢረን።

እዚ ስርዓት እዚ ብብርኪ ሃገር ኮነ ዓለምለኸ ገንዘብ ንምልእኣኽን ኣቁሑት ንምዕዳግን ዝግበሩ ናይ ገንዘብ ምልውዋጥ ንምፍፃም ከም ዝጠቕም ሓቢረን፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውን ገንዘብ ንምዕቋር፣ ንምቕባል፣ ልቓሕ ንምርካብን ከምኡ ‘ውን ባንኪ ኣካውንት ምስ ‹‹ቴሌብር›› ንምትእስሳር ዘኽእል እዩ ክብላ ኣረዲአን፡፡

እቲ ኩባንያ ኣብዝሓለፉ 127 ዓመታት ካብ ዘቕርቦም ዝነበረ ግልጋሎታት ዝተፈለየ ስርዓት ግልጋሎት ‹‹ቴሌብር›› ምጅማሩን እዚ ስርዓት እዚ ዘመናዊ ስርዓት ኢኮኖሚ ንምዝርጋሕ ዝሕግዝ እዩ ኢለን፡፡ መሰረተ ልምዓት ቴሌኮም ብምስፍሕፍሑ ብግልጋሎት ፋይናንስ ተበፃሕነት ንኽህሉ ረብሕኡ ዝላዕለ ከምዝኾነ ሓቢረን፡፡ ኣብ ገጠር ዝርከቡ ትሑት እቶት ዘለዎም ክፋል ሕብረተሰብ ብፋይናንስ ተጠቐምቲ ንምግባር ዓሊሙ ዝተዳለወ እንትኽውን ገንዘብ ንምልኣኽ፣ ንምቕባል ከምኡ ‘ውን ክፍሊት ንምፍፃም ዘኽእል ስርዓት ምዃኑ ኣርዲአን፡፡

‹‹ቴሌብር›› ንሕትመት ጥረ ገንዘብ ዝወፅእ ዝነበረ ወፃኢ ብምቕናስ ድሌት ልምዓት ሕብረተሰብ ተበፃሕነት ንምግባር ዝሕግዝ እዩ ኢለን፡፡ 53 ሚልዮን ዜጋታት ቴሌብር ክጥቐሙ ትፅቢት ከም ዝግበርን እቲ ግልጋሎት ብሓሙሽተ ቋንቋታት ምርካብ ከምዝከኣል ወይዘሪት ፍረህይወት ተዛሪበን፡፡ ብኻሊእ ወገን ኣብቲ ስነስርዓት ናይ ክብሪ ጋሻ ኮይኖም ዝተረኸቡ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ከም ዝገለፅዎ፣ ‹‹ቴሌብር›› እንትጅመር ኣለምለኸ ፅዕንቶታት ብምፅዋር እዩ፡ ፡

ከምሃገር ብሞባይል ግልጋሎት ብር ምዝውዋር እንትጅመር ንትካላት ዓለምለኸ ፍቓድ ዘይምሃብ ፅዕንቶ ዋላ የሕድር ብቐዳምነት ንሃገር ብምሕሳብ ተገይሩ ከምተሰርሐ ሓቢሮም፡፡ ቴሌብር ብሞባይል ገንዘብ ንምዝውዋር ፍቓድ ንኢትዮ ቴሌኮም እንትውሃብ እቲ ትካል ዓቕሚ ኣዕብዩ ምስ ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ትካላት ናይ ምውድዳር ዓቕሙ ከዕቢ ተሓሳቢ ብምግባር ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 5 ጉንበት 2013

Recommended For You