ኣዲስ ኣበባ፡-ኣብ ቶኪዮ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑዎም። ብደቂ ተባዕትዮ ታምራት ቶላ ብ2 ሰዓት 2 ደቒቓን 14 ሰከንድን ብምእታው ኣብቲ ውድድር ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ እንትዛዝም፣ ሹራ ቂጣታ 5ይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ። ኣብቲ ውድድር ኪኒያዊ ኤሉድ ኪፕቾጌ 2 ሰዓት 2 ደቂቃን 40 ሰከንድን ብምእታው ቀዳማይ ብምውፃእ ተዓዊቱ።
ብደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር እሸቴ በከሪ ብ2 ሰዓት 17 ደቂቃን 58 ሰከንድን ብምእታው ካልኣይ ደረጃ ሒዛ እንትትዛዝም፣ ጎይተቶም ገብረስላሴን ህይወት ገብረኪዳንን 3ይቲን 5ይቲን ብምውፃእ ውድድረን ከምዝዛዘማ ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 1 መጋቢት 2014 ዓ.ም