
ብኣዳላውነት ኮስታሪካ ዝካየድ ትሕቲ ዒስራ ዓመት ፅዋዕ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም 2022 ንምሕላፍ እናተኻየደ ዘሎ ውድድር መፃረይ ውፅኢታዊ ጉዕዞ እናገበረ ኣብ ምዕራፍ መወዳታ ዝበፅሐ ብሄራዊ ጋንታ ትሕቲ ዒስራ ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ናይ መወዳእታ መፃረይ ኣብ ወርሒ መጋቢት ምስ ጋና ፀወታ ከካይድ ‘ዩ። እዚ ጋንታ ንምብርትታዕ እንግዶት ድራር ዝተኻየደ እንትኸውን ኣብቲ እንግዶት ድራር ዋና ፀሓፊ ፌደሬሽን እግሪ ኩዕሶ ኢትዮጵያ ኣይተ ባህሩ ጥላሁን፣ ምኽትል ዋና ፀሓፊ ኣይተ ሰለሞን ገብረስላሴ፣ ነባር ብሄራዊ ጉጅለ ተፃዋታይ ንጉሴ ገብሬ፣ ደገፍቲ፣ ባዓል ሞያታት ኪነጥበብ ከምኡ ‘ውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ‘ዮም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ መኽፈቲ መደረ ዝገበሩ ነባር ኣንጋፋ ተፃዋታይን ኣሰልጣንን ኣይተ ንጉሴ ገብሬ ብሄራዊ ጋንታ ናብ ኮስታሪካ እንተምርሕ ንቲ ጋንታ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም ‘ዮም። ዋና ፃሓፊ ፌደሬሽን እግሪ ኩዕሶ ኢትዮጵያ ኣይተ ባህሩ ጥላዉን ኣብ ዝገበርዎ መደረ ‹‹መጀመርያ እቲ ጉጅለ ኣብ ቢሾፍቱ ተሰባሲቡ ልምምድ እንትጅመር ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝተረኸብክሉ ሰዓት ኣብ ኮስታሪካ ንራኸብ ‘ዩ ዝብል ነይሩ። ንሳተን ድማ ኣየሕፈራንን ንክኸዳ ቅሩብ መዓልቲ ጥራሕ ተሪፍዎን ኣለዎ። ነዚ መፃረይ ንክዳለዉ እዚ ጋንታ ናብ ሴካፋ ንከምርሕ ገይርና ነይርና ኢና።
ንሕና ንምስታፍ ዝብል ሓሲብና ልኢኺና ንሳተን ግና ብፍላይ ኣብ መወዳእታ እቲ ፀወታ ንቡዙሓት ትምህርቲ ዝኾን ስዒረን ፅዋዕ ሒዘን መፂአን’የን። ኸዚ’ውን ፀወታ ጋና ኣሸኒፈን ናብ ኮስታሪካ ሓቢርና ክንጓኣዝ ኢና›› ኢሎም። ቀፂሉ ድማ ነቲ ብሄራዊ ጋንታ ካብ ዝተፈላለየ ትካላትን ውልቀሰባትን ሓገዝ ገንዘብ ዝተበርከተ እንትኸውን እቲ መረሃ ግብሪ ንክዳሎ ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ ኣካላት ‘ውን ምስክር ወረቐት ተባሂቡ ‘ዩ። ትሕቲ ዒስራ ዓመት ብሄራዊ ጋንታ ብምውካል ዋና ኣሰልጣኒ ፍሬው ሃይለገብርኤልን ኣምበል ናርዶስ ጌትነት ተዛሪቦም ‘ዮም። ብሄራዊ ጋንታ ምድጋፍ ካብ ኹሉ ኣካላት ትፅቢት ዝግበር ከምዝኾነ ኣብ መደረኦም ገሊፆም ‘ዮም። ብፍላይ እታ ኣምበል ናብ ኮስታሪካ ንዝግበር ጉዕዞ ትኬት ንምቑራፅ ድልዋት ከምዝኾኑ ብዓርሰ እምነት ተዛሪባ ‘ያ። እቶም ዋና ኣልጣኒ ብወገኖም ካብ ቁሳዊ ነገራት ብዝዘለለ ዝተፈላለዩ ኣካላት ናበቲ ጉጅለ ተፀጊዖም መበረታትዒ ንክልግሱ ፃውዒት ኣቕሪቦም ‘ዮም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኢንተርናሽናል ኣርቢትር ሊድያ ታፈሰ፣ ኣሰልጣኒ ኤልያስ በቀለ ከምኡ ‘ውን ደገፍቲ ኣቸኖን ኣዳነ ሽጉጤን ነቲ ብሄራዊ ጋንታ ዘነቃቅሕ መደረ ዘካየዱ እንትኾን ኣብ መወዳእታ እቲ ፕሮግራም ብሄራዊ መዝሙር ምስ ተዘመረ ናይቲ ዕለት ኽቡር ጋሻ ንጉሴ ገብሬ ንኣሰልጣኒ ፍሬው ሃይለገብርኤልን ንኣምበል ናርዶስ ጌትነትን ባንዴራ ኢትዮጵያ ኣረኪቦም ‘ዮም።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 1 መጋቢት 2014 ዓ.ም