
ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዝተገበረ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ውድድር ጉያ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ኣመዝጊቦም፡፡ ኣትሌት የኣለምዘርፍ የኋላው ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ስፔን ላ ፕላና ብዝተኻሄደ ውድድር ጉያ ጎዳና 10 ኪሎ ሜትር ሓዱሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊባ። እታ ኣትሌት 29:14 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው’ያ ሓዱሽ ወሰን ኣመዝጊባ ዘላ፡፡ ቅድም ኢሉውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ኣብ ለንደንን ራስ ኣል ካምሃ ከምተዓወቱ ዝፍለጥ ‘ዩ ፡፡ በዚ ድማ ሰሉስ(15 ለካቲት2014 ዓ.ም)፣ ቀዳምን ሰንበትን(12ን13 ለካቲት 2014ዓ.ም/ ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ጉያ ናይ ዓለም ገዛ ውሽጢ ቱር ውድድር ፣ ስግረ ዶብን ጎደናን ከምኡ ‘ውን ኣብ ስፔን ከተማ ሲቪያ ብዝተገበረ ውድድር ማራቶን ብክልቲኡ ፆታ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም’ዮም። ኣብ ፖላንድ ኣብ ዝተገበረ ቱራን ናይ ዓለም ገዛ ውሽጢ ቱር ውድድር ኣትሌታት ሃገርና ዓወት ረኺቦም እዮም፡፡ በዚ ድማ ብደቂ ተባዕትዮ 3000ሜትሮ ቀዳማይ ዝወፀ ለሜቻ ግርማ ካልኣይ ዝወፀ ድማ ሰሎሞን ባረጋ ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም፡፡ ደቂ ኣንስትዮ 800ሜትሮ ትዕግስት ግርማ ሳልሳይ ብርኪ ሒዛ ዝዛዘመት እንትትኃን ወርቅነሽ መሰለ ድማ መበል ሓምሻይ ኾይና እያ፡፡ ደቂ ኣንስትዮ 1500ሜትሮ ድማ ቀዳመይቲ ኾይና ውድድራ ዝዛዘመት ጉዳፍ ፀጋየ እንትትኸውን ለምለም ሃይሉ ካልአይቲ ኾይና ዛዚማ፡፡ ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ሲቪያ ብደቂ ተባዕትዮ ኣስራር ሃይረዲን ተዓዋቲ ኮይኑ፡፡ ኣደላድለው ማሞ 2ይ፣ ኣዱኛ ታከለ 4ይ፣ ኣብዲ ዓሊ 8ይ፣ ረጋሳ ምንዳዬ መበል 11፣ ኤባ ቱሉ መበል 30፣ ዓብዱ እንድሪስ መበል ሳላሳን ሓሙሽተን ከምኡ ‘ውን መሌ መበል 44 ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም፡፡ ብደቂ ኣንስተዮ ድማ መገቱ ኣለሙ ቐዳመይቲ ኮይና ውድድራ ዛዚማ፡፡ መሰረት ጎላ ካልአይቲ፣ የሺ ካልኣዩ ሳልሰይቲ ብምዃን ውድድረን ዛዚመን፡፡ ብኻሊእ መዳይ ኣብ ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ጉዋዳላጃራ ብደቂ ኣንስትዮ በሱ ሳዶ 1፡09፡12 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ተዓዋቲት ኮይና፡፡ ኣትሌት ዳዊት ስዩም ክብረ ወሰን 5 ኪ.ሜ ሌቪን ብምምሕያሽ ካብ 48 ሰዓታት ብዝነኣሰ ፃንሒት ኣብ 1500 ሜትሮ ውድድር ውሽጢ ገዛ ተሳቲፋ 4፡04.35 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ውድድራ ብዓወት ምዝዛማ ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸበርናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ራስ ኣል ካምሃ ኣትሌት ግርማዊት ገ/እግዚአብሄር ተዓዊታ። ኣትሌት ግርማዊት ገ/እግዚአብሄር 1:04:14 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ኢያ ተዓዊታ። ኣብቲ ውድድር ኣትሌት ቦሰና ሙላቴ 1:05.46 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ነቲ ውድድር ሓምሻይ ደረጃ ብምሓዝ ከምዝዛዘመቶ ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 24 ለካቲት 2014 ዓ.ም