ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ- ሓይሊ ራዕዲ ክእለ ኣለዎ

ፖለቲከኛ ምዃን ማለት ንህዝቢ ረብሓ ክትብል በይዛ ህዝቢ ምዃን እዩ። ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፀገም ህዝቢ ከም ባዓልኻ ምርኣይ፣ ቓንዛ ህዝቢ ወሲድኻ ምቑንዛው፣ ዝተሰበረ ልቢ ህዝብካ ምምላስን ምእንተ ህዝብኻ መከራ ክሳብ መስዋእትነት ንምኽፋል ድልው ምዃን’ዩ። ኩሉ ሰብ ፖለቲከኛ ክኸውን ኣይኽእልን፣ ድሌትን ውህብቶን የድልዮ’ዩ። ፖለቲከኛ ክኸውን ዝግባእ ሓላፍነት ክወስድ ድልው ዝኾነ ክኸውን ኣለዎ። ፖለቲከኝነት ንረብሓ ውልቀ ዘይኮነስ ንረብሓ ሓፋሽ ህዝቢ ዝሰርሕ’ዩ። በይዛ ህዝቢ ዝኸውን ብተፈጥሮ ንዚ ዝኸውን ወይከዓ በኣተዓባባይኡን ብትምህርቱን ባዕሉ ዘዕበየ ሰብ ‘ዩ።ኣብ ዓለም ዝርከቡ ፖለቲከኛታት ዋላ’ኳ ዘመሳስሎም ነገር እንተሃለወ ከም ምዕባለ ሃገሮም ዝበፅሕ ፀገም ህዝቢ’ውን ዝተፈላለየ ብርኪ ኣለዎ። ናብ ኣፍሪካ እንትመፂና ድማ ብፃምእ ስልጣን ዝተሳቐየ ፖለቲከኛ ምርኣይ ዝተለመደ ‘ዩ። ብኽንደይ መከራ ዝረኸቦ ስልጣን ብኸመይ መገዲ ከምዝረኸቦ ‘ኳ ብምዝንጋዕ ስልጣኑ ንከይሓፅር ብሰብ ደም ምርምማድ ዝተለመደ ‘ዩ። ንካልኦት ስልጣን ክባሃል ታሪኽ ህዝቢ ምጥፋን ፀለሎ ምኽዳንን ግና ክንደይናይ ከምዘሕምም መቼስ ባዓል ዋና ታሪኽ ዝኾነ ባዕሉ ህዝቢ ይፈልጦ ‘ዩ። ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ’ውን ስልጣን ብሰላማዊ መገዲ ምስግጋር ብዙሕ ዝተለመደ ኣይኮነን፤ ኮይኑ ግና ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ምልምማድን ምህናፅን ዘላ ሃገር ስለዝኾነት ካብ ቀረባ ግዜ ናብዚ ግና ናይ ምምሕያሽን ዝንባለታትን ተርእዮታት ዋላ እንተሃለው ፖለቲከኛ እዛ ሃገር ግና በይዛ ህዝቢ ናይ ምዃን ዓቕምን ድልውነትን ኣዝዩ ውሑድ’ዩ። መብዛሒቲኡ ብፍላይ ከምራዕዳዊ ህወሓት ዝበለ ንውልቀ ረብሓ’ምብር ንረብሓ ህዝቢ ጠጠው ዝበለ የለን። ኣብ ዘመነ ህወሓት ዝነበረ ፀገም’ውን እቶም ፖለቲከኛታት ሰብኣውነትን ዘይብሎምን በይዛ ህዝቢ ንምዃን ዘለዎም ድልውነት ውሑድ ምዃን’ዩ ። ኣመራርሓ ህወሓት ነቲ መተካእታ ዘይብሉ ህይወት ደቁ ዘበርከተ ህዝቢ ‘ውን ተረባሒ ክገብሩ ኣይከኣሉን። ስልጣን ማእኸላይ መንግስቲ ሒዞም ን27 ዓመታት ቁልሕ ኢሎም ኣይረአይዎን። ልዕሊ 1.8 ሚሊዮን ህዝቢ ተፀባይ ሴፍቲኔት ክኸውን ኪኢሉ’ዩ። ኣመራርሓ ራዕዳዊ ህወሓት ሐዚ’ውን ንባዕሉ ንስልጣኑ ንምንዋሕን ንምንታይ ኽብረይ ተነኻእኹ ብዝብል ዝኣረገ ኣተሓሳስባኡ ናብ ስልጣን ንምምላስ፣ ህይወት ህዝቢ ትግራይ ክልውጥ ዘይኮነስ ስልጣኑ ዝያዳ ንምድልዳል ክብል ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ትግራይ መሊሱ ናብ ሓዊ ኣእትይዎ ‘ዩ። ራዕዳዊ ህወሓት ስነልቦና ህዝቢ ትግራይ ኣፀቢቑ ዝፈልጥ ‘ዩ። ብህወሓት ኣእምሮን ኣተሓሳስባን ንክቕረፅ ንምግባር ንብዙሕ ዓመታት ሰሪሑ ‘ዩ። መሓውሩ ስጋብ ሓደ ንሓሙሽተ ዘርጊሑ ሰርሑን ተሳኺዕሉ ‘ውን ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ደቁ ንስልጣን ህወሓት ንመስዋእትነት ንከቕርብ ግቡኡ ከምዝኾነ ኣሜን ኢሉ ክቕበል ንዝሓለፉ ዓመታት ከቢድ ፕሮፖጋንዳ ሰሪሑ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ደብርዩ ከምዘይድርብዮ ይፈልጥ ‘ዩ። ንነዊሕ ዓመታት ዝተሰርሐ ፕሮፖጋንዳን ናይ ስለያ መሓውርብ ከቢድ ከምዝኾነ ስለዝርዳእን ስለዘይኽእልን’ዩ። ነዚ ‘ውን ‘ዩ ህዝቢ ትግራይ መጥቃሚ ህወሓት እናኾነ ዘሎ። ክኸውን ዘለዎ ህዝቢ ዝመርሕ ሓይሊ’የ በሃላይ ምእንቲ ድሕንነት ህዝቢ በይዛ ምዃን’ዩ። ንረብሓ ህዝቢ ቀዳምነት ምሃብ’ዩ። ኣብ እንዳ ራዕዳዊ ህወሓት እናኾነ ዘሎ ግና ምእንቲ ውሑዳት ፃምእ ስልጣን ዘለዎም ኣመራርሓታት መላእ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቕልውላው ምእታው’ዩ። ጥሜት ከም ፖለቲካ መሳርሒ ተጠቒሙ ጉጅላዊ ረብሓኡ ምርዋይ’ዩ። ኣብ ዕጥቓሚ ቓልሲ ዝነበረ ህወሓት ብመስዋእቲ ህዝቢ ትግራይ ዝተመስረተ ‘ዩ። ኸዚ ዘሎ መንእሰይ ትግራይ በዚ ታሪኽ እዚ እናተነገሮ ዝዓበየ ትውልዲ ‘ዩ። ብቀሊሉ ካብ ልቡ ዝፏሓቅ ኣይኮነን። እዚ ታሪኽ ንብዙሕ ዓመታት በቢ ዓመቱ እናተኸበረ ዝመፀን ኣብ ሕድ ሕድ ትግራዋይ ዝተሓተመ ታሪኽ ‘ዩ። ኾይኑ ግና እዚ ቓልሲ ተጨውዩ ንረብሓ ውሑዳት ከምዝወዓለ ዘረድእን ዝተረደኦን ሰብ ብዙሕ ኣይኾነን። ዕላማ እቲ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ናብራኡ ንክመሓየሽ፣ ሰላምን ዴሞክራሲን ንክሰፍን ኮታስ ኩለ መዳያዊ ምዕባለ ንክመፅእ ነይሩ። እዚ ግና ኣይኾነን። ሐዚውን ህዝቢ ትግራይ ሰላም፣ ዴሞክራሲን ራህዋን ኣይረኸበን። ብኣውርኡ ካብ ድኽነት ኣይወፅአን። እዚ ዝኾነ ዕላማ ዕጥቓዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብውሑዳት ስለትጨወየ’ዩ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ራዕዳዊ ሓይሊ ኣብ ማእኸላይ መንግስት ኣብ ስልጣን እናሃለወ ኮነ ሐዚ ታሪኽ ህዝቢ ናይ ባዕሉ ጥራሕ ምግባር፤ ንሳቶም ጥራሕ ዝተቃለሱ ብምምሳል ገበርትን ሓደግትን ኾይኖም ኣነ ብዝበልኹካ ጥራሕ ተመራሕ እናበሉ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ምጥፈኦም ከይኣኽሎም፤ ኩናት ወሊዖም ንቲ ህዝቢ ብጥምየትን መከራን እናበታተንዎን እናሰቓይዎን ይርከቡ። ነዚ ወለዶ ኣብ ክንዲ ዝሓሸ መገዲ ምርኣይ፣ ኣብ ክንዲ ዝሓሸ ኣተሓሳስባ ፈጢሩ ሃገር ንምርከብ ምብርትታዕ ብኹናት ጀሚሩ መወዳትኡ ‘ውን ኹናት ዝኾነ እዚ ጉጅለ መጨረሽኡ ‘ውን ኣይሰመረን። መንእሰይ ትግራይ ኣደናጊሩ ንውልቀ ረብሓኡ ንምርዋይ ኽንደይ መስዋእትነት ኸፊሉ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣትዩ በወፍሪ ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ተወቒዑ፣ መናእሰይ ኣወዲኡ ናብ ትግራይ ተመሊሱ ኣሎ። ሐዚ’ውን ናብ ክልል ዓፋር ኣትዩ መስመር መእተዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ዓፅዩ ፀገም ህዝቢ ትግራይ እናጋደደ ይርከብ። ደርጊ ንምውዳቕ እቲ ኹሉ ህዝቢ መስዋእትነት ዝኸፈለ እዚ ወለዶ ሰላምን ቅሳነት ንክህልዎ ነይሩ። ሓሳቡ ብናፅነት ብምግላፅ ምስ ዝሰልጠነ ዓለም ማዕረ ንምራመድ ‘ዩ ነይሩ መስዋእቲ ዝኾነ። ኣበይ እሞ ሰላምን ኽብርን ዘይፈልጡ፤ ሓድነትን ፍቕርን ብበዝሒ ማቻ ቀንጢጦም ካብ ልዕሊኦም ዝደብረዩ ንባዕሎም ካብ ፀልማት ዘይወፁ ኣመራርሓ ህወሓት ህዝቢ ትግራይን መንእሰይን ሒዞም ናብ ደልሃመት እናምርሕዎ ይርከቡ። ትግራይን ህዝባን ክነቅሑ ኣለዎም። ስምዒታዊ ምዃን ፀገም ህዝብ የጋድድ’ምበር ጀግና ኣየብልን። ህዝቢ ትግራይ ከስተውዕል ዘለዎ ኣብ ዝሞቐ ገዝኡ ኾይኑ በሎ ፍለፆ ዝብሉ ኣካላት ብምግዳፍ ንሰላም ቅሩብ ክኸውን ይግባእ። እዚ ድማ ቐዳማይ ተረብሒ ዝኸውን ባዕሉ እቲ ህዝቢ ‘ዩ። ተግባራዊ ክገብሮ ዝኽእል ድማ ባዕሉ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ። ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ ድማ ብፍላይ ድማ ፖለቲከኛታት ህዝቦም ኣብዚ መከራ ኾይኑ ‘ውን ሕድ ሕዶም በቢ ደንበኦም ኣብ ምምጓስን ምንቕቓፍን እንተዋዓሉ ‘ውን ናብ ልቦነኦም ተመሊሶም ህዝቦም ኣትይዎ ካብ ዘሎ ፀገም ናይ ምውፃእ ስራሕ እንተዝሰርሑ ድሕሪ ሰላም ዝስዕብ ስልጣን ‘ውን በሪ ይኸፍተሎም ይኾን። ኣብ ፀገሙ ዘይበፃሕኻሉ ህዝቢ ደሓር ኣለናልካ እንተበልም ክሰምዓኩም ስለዘይኽእል ንራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ምእላይ ትኹረትኩም ገይርኩም ኣብ ምድሓን ህዝብኹም ተሳትፎ ግበሩ ይብል ። ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ግድን ሓይሊ ራዕዲ ክእለ አለዎ። ሰላም!

መሰረት ገ/ዮሃንስ

17  ለካቲት 2014 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 

Recommended For You