
ሰላም መሰረት ልምዓትን ዕቤትን ‘ዩ፡፡ ቅድሚ ኩሉ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ወይ ኢሊት ንሰላምን ልምዓትን ክሰርሕ ኣለዎ፡፡ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ከንርኢ እንተለና ኣብዚ መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን፡፡
ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ ኣብዝጠቕም ክሰርሑ ኣለዎም፡፡ እዚ ናብ ሕቶ ዝኣቱ ጉዳይ ክኸውን ኣይግባእን፡፡ ቀዳሚ ኣጀንዳ ክኸውን ይግባእ፡፡ ምኽንያቱ ህዝቢን ልምዓትን ዘይሓዝካ ድልዱል ፖለቲካዊ ሓይሊ ከትምስርት ኣይትኽእልን፡፡ ንኹሉ መሰረቱ ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ‘ዩ፡፡ ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ዘይሓዝካ ነዊሕ ርሕቐት ከትጎዓዝ ኣይትኽእልን፡፡
ሰላምን ልምዓትን ዘይነፃፀሉ መሰረታዊ ዕቤት ሃገርን ህዝብን ‘ዮም፡፡ ልምዓት ክረጋገፅ ዝኽእል ሰላም ምስ ዝህሉ ‘ዩ፡፡ ልምዓትን ሰላምን ብእኹል መልክዑ ኣብ ዘይተረጋገፀሉ መሰረታዊ ድሌታት ምምላእ ኣፀጋሚ ‘ዩ። ነዚ ‘ዩ ድማ ልምዓትን ሰላምን ‹‹ክልተ ገፅ ናይ ሓደ ሳንቲም›› ‘ዮም ዝበሃሉ። ንሰላምን ልምዓትን ብመንፈስ ሕውነት ጠጠው ምባል የድሊ፡፡ ልምዓት ንምርግጋፅ እቲ እንኮ መገዲ ንሰላም ቀዳምነት ምሃብ ‘ዩ፡፡ ሰላም እንትረጋገፅ ድማ ማዕረ ማዕሪኡ መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ምምላስ ኣገዳሲ ይኸውን።
ካብ ነንበዓልና ብምጉናፅ ብሓድነት ደው ኢልና ኣብ ሓባራዊ ሓቂ ዝተመስረተ ሰላምን ልምዓትን ትግራይ ክነረጋግፅ ኣለና፡፡ ብዝተዋደደ መንገዲ ሰላም ብምዕቓብ ዘለዉ ፀጋታትና ተጠቒምና እንተሰሪሕና ንህዝቢ ካብ ፀገም ዘይነውፀሉ ኩነታት ኣይህሉን፡፡
እቲ ወለዶ ብውህደት ክሰርሕ፣ ኣብቲ ዝሓሰቦ ምዕባለ ክበፅሕ ኩነታት ክነማቻችወሉ ይግበአና፡፡ ድሌት ህዝቢ ሰላምን ልምዓትን ‘ዩ፤ ኣብ ዝሓሸ ምዕባለ ምብፃሕ ‘ዩ። ስለዚ ዝሓሸ ሕልምን ራእይን ሒዝካ ንቕድሚት ምስጓም የድሊ፡፡ ዝሓሸትን ምዕብልትን ትግራይ ከንፈጥር እንተኾይና ካብ ምስሕሓብ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ወፂና ኣብ ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ንስራሕ፡፡ ቐንዲ ዕላማና ሰላምን ልምዓትን ንግበር፡፡
ኩሉ ኢሊትን ፖለቲካዊ ሓይሊን ትግራይ ካብ ናይ ውልቀ ድሌት ወፂኡ ኣብ ልምዓትን ምዕባለን ትግራይ ክዓስል ኣለዎ፡፡ ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ምዕባለ በፂሖም ዘለዉ ሃገራት ናይ ህዝብን ሃገርን ረብሓ ኣቐዲሞም ብምስራሕ ‘ዩ፡፡ ፖለቲካዊ ፓርትታት ትግራይ ንሓፈሻዊ ለውጢ ሓሲቦም ክሰርሑ ኣለዎም፡፡
ናይ ሰላምን ልምዓትን ተወፋይነት ከርእዩ ኣለዎም፡፡ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ እንተተኸቲሎም ህዝቢ ትግራይ ኣብ መራሕቱ እምነት ከሕድር ይኽእል ‘ዩ፡፡ ናይ ፀጥታ፣ ልምዓት ፀገማት ክፍትሑ እንተኾይኖም ፣ ናይ ሰላምን ልምዓትን ተወፋይነት ክህሉ ኣለዎ፡፡ ኩሉ ሰብ ድማ ንልምዓትን ንሰላምን ሃገር ኣብ ጎኒ መንግስቲ ደው ኢሉ ናብቲ ዝድለ ደረጃ ክበፅሕ ክሕግዝን ክሰርሕ ይግባእ፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ሰላምን ልምዓትን ምርግጋፅ ‘ዩ ድሌቱ፡፡ ምሕጋዝ ድማ የድሊ፡፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ፖለቲካዊ ሓይልታት ይኹኑ ህዝቢ ከም ህዝቢ ራእይ መንግስቲ ክሳኻዕ ብምድጋፍ እጃሙ ክዋፃእ ይግባእ። ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ንህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ረብሓ ኣምፂእሉ ‘ዩ። እዚ ተዓቒቡ ክኸይድ ኣለዎ፡፡ ብውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ዝተረኽበ ሰላም ብምዕቓብ ልምዓት ምስላጥ የድሊ፡፡
ውዕል ፕሪቶርያ ንህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ረብሓታት ከምዘምፀአሉ ኣብ ዝሓለፈ ቐረባ እዋን ኣተገባብራ ባጀት መንግስቲ 2017 ብዝምልከትን ካልኦት ጉዳያትን ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረቡ ዝተፈላላዩ ሕቶታት ምላሽ ምሃቦም ዝዝከር ‘ዩ። ብፍላይ ምስ ትግራይ ዝተኣሳሰሩ ሕቶታት ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መልስታትን መብርሂታትን ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም ነይሮም፡-
ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ንህዝቢ ትግራይ በቢመዓልቱ ደቁ ካብ ምጥፋእ ኣድሒኑ ‘ዩ። ንኢትዮጵያ ‘ውን ሓዱሽ ባህሊ ፈጢሩሉ ‘ዩ። ኣብ ትግራይ ቴሌኮሙኒኬሽን ኣይነበረን፣ መብራህቲ ኣይነበረን፣ ባንኪ ኣይነበረን፣ መጓዓዝያ ኣየር ኣይነበረን፣ ትምህርቲ ኣይነበረን፣ ፋብሪካታት ስራሕ ደው ኣቢለን ነይረን ‘የን። እዚ ኩሉ
ተጀሚሩ ‘ዩ፤ ስልኪ ዘይምህላው ማለት እኮ ኣብዚን ኣብቲን ዝነበሩ ስድራቤታት ክራኸቡ ኣይክእሉን ነይሮም ማለት ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ኣብቲ ክልል መንግስቲ ኣይነበረን፤ ደሓረ መንግስቲ ተጣይሹ ‘ዩ፤መንግስቲ እንተፈሪሱ መንግስቲ ዳግም ምውዳብ ኣዝዩ በዳሂ ‘ዩ፡፡
ብዛዕባ ዝተመዛበሉ ህዝቢ ብዝምልከት፣ ተመዛበልቲ ዜጋታትና ኣሕዋትና ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣለዎም። ነዚ ድማ ብኹሉ ወገን ሓይልታት ክተሓባበሩ ኣለዎም። ዲዲኣር ‘ውን ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ። ምኽንያቱ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ባጀት መንግስቲ ንነዊሕ እዋን ምቕማጥ ንልምዓት ዝጎድእ ‘ዩ፤ ናይ ግዜ ጉዳይ ‘ምበር ነቲ ክልል ዝጎድእ ‘ዩ። ክትግበር ኣለዎ። መንግስቲ ፌደራል ጉዳይ ትግራይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ልዑል ድሌት ኣለዎ።
ትግራይ እንተዘይተቐይራ ኢትዮጵያ በይና ክትቅየር ‘ያ ኢልና ኣይንኣምንን፤ ሓቂ ንምዝራብ። ስለዚ ነዚ ድማ ‘ዩ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተባህለ፣ እቶም ዝተኣስሩ እሱራት ክፍትሑ ዝብል ጫውጫውታ ዝነበረ ንሕና ምስ ገበርናዮ ድማ ሰላም ስለ ዝሓይሽ ‘ዩ። ኣብዚ ዝርከብ ሰላም እንተሃልዩ ዕድል ንምሃብ ‘ዩ። ሐዚ ኣብ ትግራይ ኮነ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ሚእቲ ካብ ሚኢቲ ኣይደልን ‘ዩ። እዚ ሚኢቲ ሚኢታዊ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ንትግራይ ዘድልያ ሰላም ‘ዩ። ትግራይ ዘድልያ እቲ ጉዳይ ብዝርርብን ዘተን ምፍታሕ ‘ዩ።
ብኣና ወገን ኣብ ትግራይ ሓንቲ ጥይት ናይ ምትኳስ ድሌት የብልናን፡፡ እንተኽኢልና ክነልምዕ ኢና ንደሊ፡፡ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክፍለጥ ዘለዎ ኩናት ኣየድልን፡፡ ጉዳይና ብሰላምን ዘተን ክንፈትሖ ንኽእል ኢና። ስለዚ ኩናት ይቕረ። ጥንቃቐ ምግባር ፅቡቕ ‘ዩ፤ ስለዘይጠቅመና ጉዳይና ብጎንፂ ዘይኮነስ ብዝርርብን ዘተን ክንፈትሖ ኣለና ክብሉ ምግላፆም መንግስቲ ፌደራል ንሰላም ዘለዎ ድልውነት የመልክት፡፡
ኮይኑ ግና ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ብፍላይ ነበር ኣመራርሓ ህወሓትን ዝተወሰኑ ኣመራርሓ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ኣብቲ ክልል ዘይምርግጋዕ ክህልውን ህዝቢ ኣብ ስግኣት ንክኣትው ዝገብር ምንቅስቓስን ዘረባን ይገብሩ ኣለው፡፡
እዚ ፍፁም ጌጋን ንህዝቢ ትግራይ ካብ ፀገምን ኹናትን ከይናገፍ ዝገብር መገዲ ስለዝኾነ ኹሉ ክቃወሞን ክቃለሶን ይግባእ፡፡ ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ኣትሪሩ ክቃለሶ ይግባእ፡፡ሰላምን ልምዓትን ‘ምበር ኹናት ንትግራይ ኮነ ህዝቢ ትግራይ ረብሓ የብሉን፡፡ኹናትን ወረ ኹናትን ይኣክል፡፡
እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 10 ሓምለ 2017 ዓ.ም