‹‹ሃገርና ምፍታው እንትንጅምር እምነትና ዝበለፀ ሙሉእ ይኸውን››ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፡- ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ንመበል 1442 ግዘ ዝኽበር በዓል ዒድ ኣልፈጥር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ነንባዕልና እንትንተሓሳሰብን ሃገርና ምፍታው እንትንጅምርን እምነትና ዝበለፀ ሙሉእ ይኸውን ክብሉ ተዛሪቦም። እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ከምዝበልዎ፣ ነብዩ መሓመድ (ሰ.ዓ.ወ) ‹‹ንሃገርኻ ዘለካ ፍቕሪ፣ሓደ ኣካል እምነትኻ እዩ፤ ኣብ ድንበር ከለዉ፣ብድቃስ ከይተስዓሩ ሃገር ኣላህ ብዝፈትዎ መገዲ ምሕላው፣ልዕሊ ኹሉ ምድራዊ ፀጋታት ዝዛየደ ፀጋ እዩ›› ኢሎም ሊቃውንቲ ናይቲ እምነት የምህሩ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ድሮ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኾይንና ብዛዕባ ምሕረት፣ይቕረታን ፍቕርን ‘ምበር፤ብዛዕባ ፅልኢ ምሕሳብ ኣፀጋሚ እዩ።ቐፃሊ እዋናት ብዛዕባ ሓድነት እንዝምረሉ ‘ምበር፤ብዛዕባ ምፍልላይ እንዝምረሉ እዋን ከምዘይኸውን ተስፋ ይገብር ምስበሉ፤ኣስተምህሮ እስልምና ከምዝገልፆ ሓደ ሰብ ንባዕሉ ጥቕሚ ጥራሕ ዝነብር እንተኾይኑ፤ህይወቱ ትርጉም ኣይክህልዎን።ምስኡ ዝነብር ማሕበረሰብ እናጠመየ እሱ ፀጊቡ ተዝውዕል፣ጎራብቱ ተረብሾም እሱ ሰላም እንተረኸበ፣ሃገሩ ተፀጊማ እሱ እንተመቸዎ፣ኣብ ዙርይኡ ግብረተ ኽፍኣት በዚሑ ብዛዕባ ናይ ባዕሉ ቕድስና ዝሓስብ እንተኾይኑ ካብ ኣላህ ፈፂሙ ሕዝነት ኣይረክብን ክብሉ ተዛሪቦም።

‹‹ሕድሕድና ነናይ ባዕልና ዝተፈላለየ ናይ ፖለቲካ እምነት ክህልወና ይኽእል።ዘላትና ሃገር ግና ሓንቲ እያ።ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ክነሰጉም ንኽእል፤ዘለና ህዝቢ ግና ሓደ እዩ።እቲ ፀገምና’ውን ሓደ እዩ፤ድኽነትን ድሕረትን እዩ፣ ዋላኳ ዓብዪ ህዝቢ እንተሃለወና ብኢኮኖሚ፣ብዲሞክራሲ፣ብቴክኖሎጅን ብኻልኦት ዘፈራት ስልጣነን ኣብ ድሕሪት እንስራዕ ኢና።እዚ ድሕረትና ንምስዓር ፈለማ ነንባዕልና ንፋተው፣ሃገርና’ውን ነቐድም›› ኢሎም።

ፅልኢ ንዝዘርኡ፣ምስ ኣሕዋትናን ሓፍትታትናን ጎንፂ ንዝጥንስሱ፣ቑስልና እናሓኸኹ ንዘድምዩ ዕድል ኣይንሃቦም፤ኣንሕና ምስ ፍቕሪ እሳቶም ኣብ ፅልኢ፣ኣንሕና ምስ ሓድነት እሳቶም ኣብ ምፍልላይ፣ኣንሕና ኣብ ድልድል እሳቶም ኣብ ሓፁር፣ኣንሕና ምስ ሃገር እሳቶም ኣብ ቑሸት ከምዝኾና ኣይንረስዕ ኢሎም። ‹‹ንሎመዓንቲ ክንብል ፅባሕና ካብ እነበላሹ፤ ንፅባሕ ክንብል ሎሚ ንሰዋእ››ምስ በሉ፣ እቲ በዓል ናይ ደስታ፣ሰላም፣ተስፋን በረኸትን ንክኸውን ይምነ ኢሎም።

ምኽትል ቐዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ብወገኖም ኣብ ዘመሓለለፍዎ መልእኽቲ፣ ፆመ ሮሞዳን ብሰዓብቲ እምነት እስልምና ፍሉይ ሃይማኖታዊ ትርጉም ከምዘለዎ ብምግላፅ፣ ኣብቲ ዝነበረ ናይ ሓደ ወርሒ ፆመ ፀሎት ካብቲ እምነት ወፃእ ምስ ዘለዉ ወገናትና ሓድነትና ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣወንታዊ ኣጋጣሚ ዝፈጠረ ኢዩ ነይሩ ኢሎም።

እቶም ኣወንታዊ ኣጋጣሚታት ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተሰናድኡ መርሃ ግብሪታት ኢፍጥር ኣፈላላያትና እንተይሓፀሩና መኣዲ ዝተኻፈልናሉ መድረኻት ናይ ሓድነትና መርኣዪ ኢዮም ክብሉ እውን ገሊፆም። ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያውነት ተኣኻኺብና ሓድነትና ብዝበለፀ ዘማዕብሉን ዘድምቑን መርሃ ግብሪታት ሃገራዊ መሰረት ንክህልዎም ብዝበለፀ ምስራሕ ከምዘድሊ ድማ ተዛሪቦም። ኣብ መወዳእታ ኣብ ወርሒ ዓብይ ሮሞዳን ካብ ሓድነትና ዝቕድሕ ምድግጋፍ፣ ምትሕስሳብን ምድግጋፍን ኢትዮጵያዊ መሰረት ንክቕፅል ሓደራ ኢሎም።

 ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 5 ጉንበት 2013

Recommended For You