ክብረ ወሰን ፍርቂ ማራቶን ለተሰንበት ግደይ ኣፍልጦ ረኺባ

ብዝተፈላለየ ርሕቀት ኣትሌታት ዘመዝግብዎ ናይ ዓለም ክብረ ወሰን ሽዑንሽኡ ብዓለም ኣትሌቲክስ ፌደሬሽን ኣፍልጦ ኣይረኽቡን። ኣትሌቲክስ ዓለም ኹሉ ግዜ ከምዝገብሮ ዝተፈላለዩ ክብረ ወሰን ምስ ተመዝገቡ ምርመራ መበረታትዒ መድሓኒት ምጥቃምን፣ ክብረወሰን ኣብ ዝተመዝገበሎም ውድድር ዝተፈላለዩ ምርመራታት ብምግባር ዝተመዝገበ ክብረ ወሰን ኣፍልጦ ይህብ ‘ዩ። በዚ መሰረት ድማ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቫሌንሲያ ዘመዝገበቶ ክብረወሰን ዓለም ፍርቂ ማራቶን ኣትሌቲክስ ዓለም ኣፍልጦ ከምዝሃበ ዕላዊ ገይሩ ‘ዩ። ኣትሌቲክስ ዓለም ብደቂ ኣንስትዮ ማራቶንን ፍርቂ ማራቶንን ውድድር ክልተ ዓይነት ክብረ ወሰን ዓለም መዝጊቡ ኣፍልጦ ከምዝህብ ዝፍልጥ እንትኸውን፣ እዚ ድማ ብደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዘጓይዩ ዝተመዝገበን ብደቂ ኣንስትዮ ዘጓይያ ጥራሕ ዝተመዝገበ ተባሂሉ ዝተፈለየ ‘ዩ። በዚ መሰረት መንእሰይ ኣትሌት ለተሰንበት ኣብ ቫሌንሲያ ዘመዝገበቶ ክብረወሰን ዓለም ፍርቂ ማራቶን ብደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘጓይዩ ዝተመዝገበ እንትኾን ነዚ ድማ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ዓለም ኣፍልጦ ሂብዎ ‘ዩ። ለተሰንበት ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ቫሌንሲያ ፍርቂ ማራቶን ኣብቲ ርሕቀት ንመጀመርያ እዋን ተወዳዲራ 1፡ 02፡52 ብዝኾነ ሰዓት ቐዳማይቲ ኾይና እንትዛዝም ክብረ ወሰን ዓለም ክተመዝግብ ክኢላ ‘ያ። እዚ ክብረወሰን ቅድም ክብል ብተመሳሳሊ ዓመት ኬንያዊት ኣትሌት ሩዝ ቺፕጌቲች ቱርክ ኢስታንቡል 1፡04፡02 ብዝኾነ ሰዓት ተዳሒዙ ከምዝነበረ ዝዝከር ‘ዩ። ድሕሪ ኣዋርሕ ግና ለተሰንበት እዚ ክብረወሰን ብሰብዓ ሰከንድ ክተማሓይሾ ክኢላ ‘ያ። ጓል ዒስራን ሰላስተን ዓመት ዝኾነት ኣትሌት ለተሰንበት እዚ ሰዓት ብምምዝጋባ እቲ ርሕቀት ካብ ስልሳ ኣርባዕተን ደቒቓ ብታሕትን ዝዛዘመት ናይ መጀመርያ ናይ ዓለምና ኣትሌት ኾይና ‘ያ። ካብዚ ብተወሳኺ በቲ ርሕቀት ንመጀምርያ እዋን ተወዳዲራ ናይ ዓለም ክብረ ወሰን ዘመዝገበት ኣትሌት ኾይና ‘ያ። ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ንብረት ኣየር ፅቡቕ እንተኾይኑ ልምምደይ ብፅቡቕ ኩነታት እንተቐፂሉ ክብረወሰን ዓለም ከምዘመዝግብ ይፈልጥ ‘የ፣ ንቕድሚት ተመሳሳሊ ርሕቐትን ብማራቶን ንምውድዳር ሓሳብ ኣለኒ፣ ፓሪስ 2024 ኦሎምፒክ ቅድምኡ ወይም ድሕሪኡ ከምዝጎይ ግና ርግፀኛ ኣይኮንኩን›› ብምባል ንዓለም ኣትሌቲክስ ሓሳባ ሂባ ‘ያ። ለተሰንበት ፍርቂ ማራቶን ክብረ ወሰን ኣብ ዘመሓየሸትሉ ከተማ ቫሌንሲያ ቅድም ኢላ ኣብ 2020 ብጥሩነሽ ዲባባ ንዓሰርተ ክልተ ዓመታት ተዳሒዙ ዝፀንሐ ሓሙሽተ ሽሕ ሜትሮ ክብረወሰን ከምዘማሓየሸት ዝዝከር ‘ዩ ፤ ኣብ 2021 ድማ ክብረወሰን ዓለም ብምስባር ዝቐፀለት ለተሰንበት ዝገርም ብቕዓት ክተርኢ ክኢላ ‘ያ። ብፍላይ ኢትጵያዊት ዝኾነት ኔዘርላንድስ ኣትሌት ሲፈን ሃሰን ኣብ 2016 ሪዮ ኦሊምፒክ ብኢትዮጵያዊት ኣትሌት ኣልማዝ ኣያና ዝተመዝገበ ዓሰርተ ሽሕ ሜትሮ ክብረወሰን ሰቢራ ኣርባዓን ሸሞንተን ሰዓት ከይመልኦ ለተሰንበት ኣብ 2020 ኦሊምፒክ ቶኪዮ መፃረይ ውድድር ሄንግሎ ከምዘመሓየሸት ኣይርሳዕን። ለተሰንበት ኣብ ኦሊምፒክ ቶኪዮ ዓሰርተ ሽሕ ሜትሮ እዚ ዝድነቕ ብቅዓት ደጊማ ሜዳልያ ወርቂ ክተጥልቕ እያ ዝብል ግምት ብብዙሓት እንተነበረ ‘ውን፣ ሲፈን ሃሰን ብካልአይቲ ትውልደ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ባህሬን ቃልኪዳን ገዛሀኝ ተቐዲማ ሜዳልያ ከምዝወሰደት ዝዝከር ‘ዩ። ኣትሌቲክ ዓለም ምስ ለተሰንበት ክብረ ወሰን ዩጋንዳዊ ኣትሌት ጃኮብ ኪፕሊሞ ፍርቂ ማራቶን ኣፍልጦ ሂቡ ‘ዩ። ለተሰንበት ክብረወሰን ፍርቂ ማራቶን ምስ ዝሰዓረት ድሕሪ ወርሒ ኪፕሊሞ ኣብ ኢስታንቡል ፍርቂ ማራቶን ናይቲ ርሕቀት ዝነበረ ክብረወሰን ብሓደ ሰከንድ ብምምሕያሽ ተመሳሳሊ ታሪኽ ዝሰርሐ እንትኸውን ናይቲ ርሕቀት ክብረወሰን ብኬንዊ ኣትሌት ኪቢዮት ካንዲ ኣብ 2020 ቫሌንሲያ ብ57፡30 ዝተድሓዘ ከምዝነበረ ዝፍለጥ ‘ዩ።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 10 ለካቲት 2014 ዓ.ም

Recommended For You