ኣብ ሚድያታት ናእዳ ዝረኸበ ዳኛ ኩዕሶ እግሪ በኣምላክ ተሰማ

ኢትጵዮጵያ ኣብ ዓበይቲ መድረኻት ምስታፍ ዘይካኣለትሉ፣ እንተተሳተፈት ‘ውን ዕውቲ ዘይኮነትሉ ኹሉ ሓደ ጀግና ሽማ ልዕል ዘበለን ዘፀወዐን ‘ዩ ፤ እዚ ሰብ ኣብ እግሪ ኩዕሶ ዘይተሳኸዐሎም ኢትጵያውያን ዘፀናንዕ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ፅዋዕ ዓለምን ኣብ መድረኽ ኦሎምፒክ ብሄራዊ ጋንታኣ ኣብ ሜዳ ምርኣይ እንተዘይተዓደለት ‘ውን ሓደ ተወካሊ ግና ኣይሰኣነትን ። ባምላክ ተሰማ ወዬሳ ፣ ኣብ ዝሓለፉ ብዙሓት ዓመታት ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ሙያ ዳኛነት ናብ ሓደ ብርኪ ዘሳገረ እዚ ሰብ መበል 33 ፅዋዕ ኣፍሪካ ተሳታፊ ካብ ዝነበረ ጋንታ ኢትዮጵያ ንላዕሊ ብምዝርራብ ሃገሩ እናፀወዐ ይርከብ። ኢንተርናሽናል ኣልቢትር በኣምላክ ተሰማ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ሴኔጋልን ቡርኪናፋሶ ፍርቂ ፍፃመ ፀወታ ብዘድንቅ ብቕዓት ዝመርሖ መገዲ ብዙሓት ዓለም ለኸ መራኸቢ ሓፋሽ ናእዳ እናረኸበ ይርከብ። ባምላክ ንዳያኑ ብጣዕሚ ከቢድ ዝባሃል ፀወታ ሓደ ዝኾነ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕ ምሸት ፅዋዕ ኣፍሪካ ንሕንሕ ፍርቂ ፍፃመ ብዝደንቅ ኩነታት ተቖፃፂሩ ካብ ምምርሑ ንላዕሊ ኣፀገምቲ ዝኾኑ ውሳነታት ብብቅዓት ዝተዋፀአን ኣጠቓቕማ ቪኤአር ብዓለም ቤተሰብ ስፖርት ንክናኣድ ገይርዎ ‘ዩ። ዴይሊ ሜል ዝኣመሰሉ ተፈለጥቲ ሚድያታት ባምላክ ኣብ ሚድያታት ናእዳ ዝረኸበ ዳኛ ኩዕሶ እግሪ በኣምላክ ተሰማ ነቲ ፀወታ ዝመርሓሉ መገዲ ብምድናቕ ዳያኑ እንግሊዝ ካበኡ ትምህርቲ ክወስዱ ከምዝግባእ ፅሒፎም እዮም። ርግፅ ወዲ ኣርባዓን ሓደን ዓመት ኢትዮጵያዊ ኣርቢትር በዚ ፀወታ ምጎሳ ይርከብ ‘ምበር ብኩዕሶ እግሪ ዝሓለፉ ዓመታት ተመሳሳሊ ታሪኻት ኣብ ዓበይቲ መድረኻት እናሰርሐ ነይሩ ‘ዩ። ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዳኝነት ናይ 18 ዓመት ልምዲ ዘለዎን ብፊፋ ኢንተርናሽናል ዋና ዳኝነት ቅድሚ 11 ዓመት ዝተመዝገበ ‘ዩ። ብኣፍሪካን ብብርኪ ዓለምን ብዙሓት ዝተፈላለዩ ውድድራት ኩዕሶ እግሪ

ብብቅዓት መሪሑ ‘ዩ። ናይ ሎሚ ከይሓወሰ ኣብ ሰለስተ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሸውዓተ ንሕንሕ እንትዳንይ፣ ኣብ ኣፍሪካ ንሕንሕ ክለባት ሰላስተ ፅዋዕ ፀወታታት ክመርሕ ክኢሉ ‘ዩ።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

3 ለካቲት 2014 ዓ.ም  ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You