
ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ኣብ መበል 33 ውድድር ፅዋዕ ኣፍሪካ ሻምፒዮን ኮይና። ሃገራውያን ጋንታታት ሴኔጋልን ግብፅ ዘራኸበ ውድድር ፍፃመ ፅዋዕ ኣፍሪካ፣ ኣብ ስሩዕን ተወሳኺ ሰዓትን ብርቱዕ ንሕንሕ ብምግባረን ሽቶ ከመዝግብ ስለዘይከኣል ብመፍለዪ ፍፁም ቅላዕ 4 ን2 ሴኔጋል ክትዕወት ክኢላ እያ። ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ኣብ ታሪኽ ፅዋዕ ኣፍሪካ ንፈለማ እዋን ‘ያ ሻምፒዮና ኮይና። ኣብ ፍርቂ ፍፃመ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ንቡርኪናፋሶ ብምስዓር ናብ ፍፃመ ሓሊፋ።ኣብቲ ፀዋታ ሳድዮ ማኔ ኮኾብ ኮይኑ ኣብ ዘምሰየሉ ፀወታ ሴኔጋል 3 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ንቡርኪና ፋሶብምስዓር ኢያ ናብ ፍፃመ ሓሊፋ ። ሴኔጋል ተዓዊታ ንኽትወፅእ ኣብዱል ዲያሎ፣ ዴይንግን ሳዲዮ ማኔን ነተን ሽቶታት ኣመዝጊቦምወን። እቲ ፀወታ ኢትዮጵያዊ ኣርቢትር ባምላክ ተሰማ ‘ዩ። ሃገራዊት ጋንታ ግብፂ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሮን ኣብ ዝገበረቶ ውድድር ፍርቂ ፍፃመ ብፍፁም ቅላዕ 3 ን 1 ብምስዓር ናብ ፍፃመ ፀወታ ዝሓለፈት። ኣብቲ ፀወታ ኣብ ስሩዕ ሰዓትን ተወሳኺ ሰዓትን ባዶ ንባዶ ማዕረ ዝተዛዘመ እንትኸውን፣ ናብ ፍፀም ቅላዕ ኣምሪሐን ግብፂ ክትዕወት ክኢላ። ካሜሮን ካብ ዝወቕዐተን 4 ፍፁም ቅላዓት ሓንቲ ሸቶ ጥራሕ እንትተመዝግብ፣ ግብፂ ብግደኣ ካብ ዝወቕዐተን ሰለስተ ሽቶታት ኩለን ብምምዝጋብ ናብ ፍፃመ ፀወታ ሓሊፋ ።
3 ለካቲት 2014 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ