«ህዝብ ትግራይ ምስ ደላዪ ሰላም፣ ፍትሕን ማዕርነትን ዝኾነ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ብምዃን ሰላሙ ከውሕስ ኣለዎ» – ኣይተ ሙሉብርሃን ሃይለ

ኣይተ ሙሉብርሃን ሃይለ ኣብ ፓርቲ ዲሞክራቲክ ትግራይ ሓላፊ ርክብ ህዝብን እንትኾኑ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ብምቅላስ ብሚዲያ ዝሙግቱን ሓበሬታ ዝህቡን ፖለቲከኛ ‘ዮም።ንሎሚ ድማ ኣብ ዕድም ጋሻና ገይርናዮም ከምዚ ዝስዕብ ፃንሒት ገይርና ኣለና።

ሰናይ ንባብ። ወጋሕታ፡-ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዘሎ ነባራዊ ኹነታት ብኸመይ ትሪኦ? ኣይተ ሙሉብርሃን፡- ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ብፍላይ ኣብ ትግራይ እቲ ውግእ ሰፊሕ ዝኾነ ዕንወትን ክሳራን ከምኡ ‘ውን ናይ ህይወት መስዋእቲ ኣስዒቡ ‘ዩ፤ ዋላኳ መንግስቲ ፌደራል ተደጋጋሚ ዕድል ጠጠው ምባል ተኹሲ እንተሃበ ራዕዳዊ ጉጅለ ብኣወንታ ክቕበሎ ኣይከኣለን።

እስካዕ ሕጂ ኲናት እናካየደ ‘ዩ፤ እቲ ድሌት ናይ ውግእ ኣስፊሑ እናቐፀለሉ ‘ዩ ዝርከብ። ኣብዚ ሰሙን እኳ ኣብ ክልል ዓፋር ብርክት ዝበሉ ወረዳታት ብኸበድቲ ኣፅዋር መጥቃዕቲ ኸፊቱ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትና ህዝቢ ዓፋር ናይ ምፍንቓል ጉድኣት ኣብፂሑ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዘለዎ ጠጠው ንኽብል መንግስቲ ወሲኑ እነሃለወ ራዕዳዊ ህወሓት ብወገን ክልል ዓፋር ኲናት ኸፊቱ ኣሎ ምስዚ ተተሓሒዙ ናብ ህዝቢ ዝኸይድ ረድኤት እናተኣጓጎለ ‘ዩ ዘሎ ኣብዚ እንታይ ትብሎ ነገር ኣሎ?

ኣይተ ሙሉብርሃን፡– ከምዝፍለጥ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ውግእ ‘ውን ተገዲዱ ዝኣተወሉ ‘ምበር ድሌት ከምዘይነበሮ ዝፍለጥ ‘ዩ ፤ህዝብታት ኢትዮጵያ ‘ውን ካብዚ ጎንፂ ክጥቀሙ ከምዘይኽእሉን ፍታሕ ክኸውን ከምዘይኸእልን ይኣምኑ ‘ዮም፤ ኾይኑ ግና እቲ ጉጅለ ራዕዲ ከምቲ ቕድም ክብል ዝገለፅክዎ ተግባሩ ናብ ኲናት ‘ዩ ዘምርሕ፤ ብድሕሪኡ ድማ ነዚ ኣተሓሳስብኡ ኣስፊሑ ‘ዩ ይቕፅለሉ ዘሎ፤ መንግስትን ህዝብን ብውግእ ዝፍታሕ ፀገም ስለዘየለ ብሰላማዊ መገዲ ንኽፍታሕን ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ በቲ ኲናት ከይጉዳእን ቐፂሉ ድማ ሓገዝ እኽልን ዘድልዩ መድሓኒታትን ንኽረክብ እናፀዓረ ፀኒሑ ‘ዩ፤ ሐዚ ‘ውን እናገበረ ‘ዩ ዘሎ፤ ኾይኑ ግና እዚ ንኸይሳኻዕ እቲ መሪሕነት ህወሓት ኾነ ኢሉ ብፍላይ ብዓፋር ኣቢሉ ክኣትው ዝነበረ ሓገዝ ንኸይኣትውን ንኽተኣጓጎልን ገይሩ ‘ዩ፤ እዚ ንምንታይ ‘ዩ ገይርዎ እንተይልና መሪሕነት ህወሓት ጥምየት ከም መሳርሒ ፖለቲካ ስለዝጥቀመሉን ህዝቢ ብጥምየት ይውዳእ ኣሎ ዝብል ርካሽ ፖለቲካዊ ትርፊ ንምርካብ ንህዝብና ኣብ ኣዝዩ ኸቢድ ኹነታት ኣውዲቕዎ ይርከብ።

ወጋሕታ፡- ሓደ ሓደ ሰባት ሰራዊት መከላኸሊ ናብ ትግራይ ክኣቱ ነይርዎ ዝብሉ ኣለዉ ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለካ?

ኣይተ ሙሉብርሃን፡– እወ ፤ ምኽንያቱ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ስለዝኾነት፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ናይ ኢትዮጵያ እስካዕ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ሓራ ንኽወፅእ ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ወሲዱ ነቲ ህዝቢ ሓራ ከውፀኦ ኣለዎ። ምኽንያቱ ከምቲ ዝፍለጥ እቲ ውልቀ መላኺ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ኣደዳ ጥምየትን ሞትን ከምኡ ‘ውን መዕረፊ ብዙሓት ፀገማት ገይርዎ ‘ዩ።

ንህዝብና፤ ካብ ትግራይ ሓሊፉ ሓሊፉ ብእንረኽቦ መረዳእታ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ምድራዊ ሲኦል ‘ያ፤ ኣዝዩ ኸቢድ ጠለብ ናብራ፤ ብሰንኪ ስእነት መድሓኒትን ሕክምናን ብዙሕ ህዝቢ እናሞተ ‘ዩ፤ ዕሸላት መናእሰይ ኣብ ክንዲ ሙህሮ ናብ ሓዊ እናተዳጎኑ ‘ዮም ዝርከቡ፤እዚ ድማ ትርጉም ኣልቦ ኲናት ‘ዩ። መሪሕነት ህወሓት ናብ ሕጊ ንኸይቐርብን ንኸይሕተትን ጥራሕ ዝወለዖ ኲናት ‘ምበር ረብሓ ተጋሩን ህዝቢ ኢትዮጵያን ዘረጋግፅ ኲናት ኣይኮነን፤ ሰለዚ ህዝብና እቲ ስቓይ ይኣኽሎ እዚ ሓይሊ እናተመናመነ ‘ዩ ዝርከብ።

ከምቲ ዝፍለጥ ኣብ ትግራይ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት እናወናበደ ዝፀንሐ ውዳበ ‘ዩ፤ድሕሪ ኲናት ምውልዑ ‘ውን ንህዝብና ብተደጋጋሚ ‘ዮም ሃስዮሞ፤ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ይርኢ ስለዘሎ መንግስቲ ፌደራል ይኹን ኹሉ ኢትዮጵያዊ ህዝቢ ትግራይ ሓራ ንኽወፅእ ክተሓባበሮን እቲ ራዕዳዊ ካብ ህዝብና ክእለይ ኣለዎ። እቲ ጉጅለ ድማ ተፈጥራዊ ባህረቱ ብሰላማዊ መገድን ብዘተን ፀገም ክፈትሕ ስለዘይኽእል በቲ ዝርድኦ ቋንቋ ክእለይ ኣለዎ፤ እዚ ንክኸውን ድማ ህዝቢ ትግራይ ዓብዪ ግደ ክፃወት ክኽእልን፤ ፀገሙ ንኸብቅዕ ባዕሉ ህዝቢ ትግራይ ክቃለሶ ክኽእል ኣለዎ። ፀገም ህዝቢ ትግራይ ከብቅዕ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ምኽክር ሰላም ንምክያድ ኣብ ምድላው ይርከብ፤ካፍቲ ኮምሽን እንታይ ትፅቢት ይግበር? ረብሕኡኸ እንታይ ‘ዩ?ተሳትፎ ተጋሩ እንታይ ክኸውን ኣለዎ ትብል?

ኣይተ ሙሉብርሃን፡– ፅቡቕ እዚ ምኽክር ኮምሽን ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዘይነበረ’ዩ፤ ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝቕይር ‘ዩ፤ ምኽንያቱ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ስርዓታት ብሙሉኦም ብሓይሊ ዝተፅዓኑ ‘ምበር ብምኽክርን ብዘተን ዝመፁ ስርዓታት ኣይነበሩን። ስለዝኾነ ነዚ ሙሉእ ንሙሉእ ክቕይሮ ‘ዩ ዝብል አምነት ኣለኒ።

እዚ መድረኽ ምኽክር ንዝተሓሰበሉ ዕላማ ከሳኽዕ እንተኾይኑ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ እናተደራረቡ ዝመፁ ብዙሓት ፀገማትን ቕድሚ ኢህወደግ ዝነበሩ ስርዓታትን፤ ባዕሉ ዝወሰኾም ፀገማትን ስለዝነበሩ ነዚ ዝቐርፍ ክኸውን ኣለዎ፤ እዚ እንተኾይኑ ሃገርና ኢትዮጵያ እትደልዮ ፍትሓውን ሰላማውን ስርዓት ኣብ ምህናፅ ዓብዪ ተራ ክህልዎ ይኽእል ዝብል ሓሳብ ‘ዩ ዘለኒ፤ምኽንያቱ ምኽክርን ልዝብን ብጣዕሚ ወሰንቲ ጉዳያት ‘ዮም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ድሌታትን ኣተሓሳስባታትን ክህልዉ ይኽእሉ ‘ዮም፤ እዞም ድሌታት ብሙሉኦም ናብ መድረኽ እንተመፂኦም ንሕና እንድሕር ኣሰላሲልናዮምን ንህዝብናን ንሃገርናን ዝጠቅም ሓሳብ እናመረፅና እቲ ዘይጠቅም ድማ ብዘተ እናሰዓርና ናፍቲ ንደልዮ ስርዓት ዲሞክራሲ ንምስግጋር ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ክህልዎ ‘ዩ ዝብል ግምት ‘ዩ ዘለኒ።

ወጋሕታ፡- ምኽክር ሰላም እንትካየድ ኣፈላላይ ንምፅባብን ሓበራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ካብ ሙሁራትን ፖለቲከኛታትን ብሓፈሻ ካብ ህዝቢ እንታይ ትፅቢት ይግበር?ተሳትፎ ተጋሩኸ እንታይ ክኸውን ኣለዎ?

ኣይተ ሙሉብርሃን፡– እዛ ሃገር ናይ ብዙሓት ሚሊዮናት ሃገር ‘ያ። ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ ሃገራዊ ምኽክር ኹሎም ህዝብታት ኢትዮጵያ፤ ተናሓናሕቲ ወድባት፣ ዝምልከቶም ኣካላት ተሳተፍቲ ክኾኑ ኣለዎም፤ ተመልካቲ ክህሉ የብሉን ሓሳቦም ከበርክቱ ክኽእሉ ኣለዎም ኹሉ ክሳተፍ ክኽእል ኣለዎ፤ ምኽንያቱ ሃገር ክልወጥ ዝኽእል ድማ ብተሳትፎ ህዝቢ ‘ዩ፤ ስለዝኾነ ኣብዚ ህንፀት ስርዓት ኹሎም ብንቕሓት ክሳተፉ ክኽእሉ ኣለዎም።

ወጋሕታ፡- ኣብ ትግራይ ዘሎ ማሕበራዊ ቕልውላው ብዘላቕነት ንክፍታሕ እንታይ ተዝግበር ይሓይሽ?ግደ ውድባት ፖለቲካ ትግራይ እንታይ ክኸውን ኣለዎ?

ኣይተ ሙሉብርሃን፡– ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ቕልውላው ክእለ እንተኾይኑ ከም ህዝቢ ናብዚ ዓብዪ ፀገም ዘእተወና ዝተበላሸወ ፕሮግራም ፖለቲካ ህወሓት ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን፤ እዚ ፕሮግራም ኸዓ ካብ ኣተሓሳስብኡ ፈታውን ፀላእን ኢሉ ዝፈልይ ‘ዩ፤ ብምዃኑ ድማ ኣብ ሓንቲ ሃገር ፈታውን ፀላእን ብሓባር ክነብሩ ኣይኽእሉን ስለዝኾነ ድማ እዚ ኣተሓሳስባ ካብ ትግራይ ክእለይ ክኽእል ኣለዎ።

ንብዙሕ ዓመታት ብደም ህዝቢ ትግራይ ዝገበለ ህወሓት ከእለይ ኣለዎ፤ ምኽንያቱ ባህሪኡ ብኣፈላላይ ሓሳብ ስለዘይኣምንን ተነሓናሕቲ ውድባት ክነብራ ስለዘይፈቕደለንን፤ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ክእለይ ክኽእል ኣለዎ፤ እዚ እንተተኣልዩ ድማ ፍታሕ ዝኾኑ ሓሳባት ባዕልና ክነናድይ ኢና፤ ምኽንያቱ ኣብ ተጋሩ ዓቕሚ ኣሎ ‘ዩ፤ ዓቐሞም ንኸይጥቀሙሉ እዚ ሓይሊ እዚ ስለዝኸልከሎም ‘ዩ፤ እዚ ምስተኣለየ ግና ትግራይ ማእኸል ሓሳብ እንተኾይና እቶም ፀገማት ክፍትሑ ‘ዮም፤ነዚ ሓይሊ እዚ ፈሊኻ ምቅላስ ከድልይ ‘ዩ።

ህዝብን መንእሰይን ትግራይን ዓብዪ ዓቕሚ ዘለዎ ‘ዩ፤ ኾይኑ ግና ብሰንኪ ዘይረብሑ ራዕዳውያን ህዝብና ናብ ዘይግብኦ ፀገም ክኣትው ኽኢሉ ‘ዩ፤ ብፍላይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ህዝብና ይበርስ ‘ዩ ዘሎ። ህወሓት ዝፈጠሮ ኲናት መወድኢ ዘይብሉን ሓቃዊ ዘይኮነን ‘ዩ፤ ብሕሶት ተጀሚሩ ንህዝቢ ትግራይ ብኹሉ ተፀላኢ ክኸውን ዝገበረ ምስ ህዝብታት ኤርትራ፣ ኣምሓራ፣ ዓፋር ኣዳምይዎ፤ ባዕሉ ብዝፈጠሮም ፀላእቲ ህዝብና ክውቃዕ ገይርዎን ‘ዩ፤ኣብ ኸቢድ መቐራቕር ኣእትይዎን ‘ዩ፤ ካብዚ ፈፂምና ክንወፅእ እንተኾይንና ፀላኢና መሪሕነት ህወሓት ‘ምበር ካሊእ ፀላኢ ከምዘይብልና ብምርዳእ ናይ ኹላትና ዝኾነት ኢትዮጵያ ንኽንሃንፅ ኹሉ ትግራዋይ ተመልካቲ ክኸውን የብሉን ኣብዚ ክዓስል ክኽእል ኣለዎ ‘የ ዝብል።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ንሰላም ቕሩብ ‘የ እንተበለኳ ካብ ባህሪ ራዕዳዊ ህወሓት ተበጊስካ ከመይ ገይሩ ከዐውቶ ይኽእል?

ኣይተ ሙሉብርሃን፡– እዚ ግልፂ ‘ዩ። መሪሕነት ህወሓት ሒዝዎ ዘሎ መገዲ ጥፍኣትን ኲናትን ከምኡ ‘ውን ፀልማትን ‘ዩ፤ ህዝብታት ኢትዮጵያን ናይ ለውጢ መንግስትን ድማ ንዘበናት ዝደልይዎ ስርዓት ኣሎ።

እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ትኽክለኛ ዝኾነ ስርዓት ዲሞክራሲ ክህሉ ‘ዩ ድሌቶም፤ ብተፃራሪ ጠጠው ዝበለ ድማ መሪሕነት ህወሓት ‘ዩ፤ ስለዝኾነ እዞም ኽልተ ሓይልታት ሓንቲ ዘራኽብ ነገር የብሎምን፤ ኽልተ ጫፍ ‘ዮም ብኣተሓሳስባ ፀልማትን ብርሃንን፤ ጥፍኣን ልምዓትን ስለዝኾኑ ሓቢሮም ዝኸዱ ኣይኮኑን። ስለዝኾነ ድማ እቲ ናይ ለውጢ ሓይሊብኹሉ መዳይ ስዒሩ ክወፅእ ኣለዎ።

ኣብዚ ከም ተጋሩ እጃምና እንታይ ክኸውን ኣለዎ?እቲ ኣፈላላይ እናርአናዮ ኢና ዘለና፤ ብምዃኑ ድማ ብመገዲ ጥፍኣትዶ ወይስ ብመገዲ ልምዓት ተሰሊፍና ረብሓናን ህልውናናን ነረጋግፅ፤ ነዚ ድማ እቲ ዓብዪ ፀገም ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ብተንኮል ህወሓት እናተታለለን ብፍላጥን ብዘይምፍላጥን ኣንፃር ረብሕኡ ጠጠው እናበለ ንህወሓት እናደገፋ ‘ዩ ዘሎ።

እዚ ዓብዪ ጌጋ ‘ዩ ንህወሓት ብምድጋፍ ኣንፃር ረብሕኡ ክኸውን የብሉን፤ ምድጋፍ ይጉን ምቅዋም ብምኽንያት ክኸውን ይግባእ ኣንሕና ብምኽንያት ኢና ንቃወም። ንብርክት ዝበሉ ዓመታት እናተቓለስና ፀኒሕና ኢና እዞም ፀገማት እዚኦም ቕድሚ ምምፅኦም ‘ውን ህዝብና ንክነቅሕ እናተቓለስና ፀኒሕና ኢና፤ ኾይኑ ግና ኣጋጣሚ ኾይኑ ንዓናን ንናይ ለውጢ ሓይልን ዘይሽምና እናሃበ ኣንፃር ረብሕኡ ጠጠው እናበለ ንዓመታት ዝብዝብዞን ዘጎሳቖሎን ሓይሊ እናደገፈ ፀኒሑ ‘ዩ።

ይኹን ‘ምበር ኣብዚ ዝተደናገረ ብዙሕ ሓይሊ ኣሎ፤ ዝተደናገረሉ ምኽንያት ድማ ብናይ ህወሓት ፕሮፖጋንዳ ሕሶት ‘ዩ፤ ብጣዕሚ ‘ዩ ኣደናጊርዎ፤ ሐዚ ግና ጠጠው ክብል ክኽእል ኣለዎ ።ምኽንያቱ ህዝቢ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እናተረድአ መፂኡ ‘ዩ። ጉጅለ ህወሓት ካብ ማእኸል ዓዲ ንመቐለ ኣትዮም ብምቕፃል ድማ ኲናት ወሊዖም እስካዕ ደብረብርሃን ዝበፀሑ ንህዝቢ ትግራይ እናሓሰዎ ‘ዩ ነይሩ፤ እዚ ዓብዪ መረዳእታ ‘ዩ ብምዃኑ ድማ ድሕሪ ሐዚ መሪሕነት ህወሓት መንግስቲ ኾይኑ ዝቕፅለሉ ዋላ ሓንቲ ቑመና ክህልዎ ኣይኽእልን።

ምኽንያቱ ዝኸሰረ ውድብ ፖለቲካ ‘ዩ፤ እዚ ዝኸሰረ ኣተሓሳስባ ብዘበናውን ብዝሐሸ ኣተሓሳስባን ምስ ከማና ዝበሉ ውፁዓት ህዝብታት ኢትዮጵያ ብምዃን ህልውናና ሰላምና ምውሓስ ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ነዚ ዕሽሽ ክንብሎ የብልናን፤ ህዝብና ቕድሚ ሐዚ ዝተሸከሞም ይኣኽሎ ክመሃር ክኽእል ኣለዎ፤ ብምዃኑ ድማ እዞም ኽልተ ጫፋት ከምዝኾኑ ተረዲኡ ህዝብ ትግራይ ነቒሑ ምስቲ ደላዪ ሰላም፣ ፍትሕን ማዕርነትን ዝኾነ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ብምዃን ሰላሙ ከውሕስ ኣለዎ።

ንሕና ንመሪሕነት ህወሓት ንቃወሞን ንወቕሶን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብርክት ዝበሉ ተዘርዚሮም ዘይውድኡ በደላት ስለዘብፅሑ ‘ዩ፤ ስለዝኾነ ድማ እዚ ብኣግባቡ ምርዳእ ኣዝዩ ጠቓማይ ‘ዩ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ። ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ካብዚ አትይዎ ዘሎ ፀገም ንምውፃእ፤መንግስቲ ፌደራል፣ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ብሓፈሻ ሙሁራን እንታይ ክገብሩ ኣለዎም?

ኣይተ ሙሉብርሃን፡– እቲ ሓደ ህወሓትን ህዝቢ ኢትዮጵያን ዝተፈላለዩ ከምዝኾኑ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ይፈልጥ ‘ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። ህዝብን ፖለቲካዊ ውድብን ሓደ ‘ዩ ኢሉ ዝኣምን ህወሓት ጥራሕ ‘ዩ። እዚ ድማ ፍፁም ሓሶት ‘ዩ፤ እዚ ንምርዳእ ህዝቢ ትግራይ ቕድሚ ህወሓት ዝነበረን መስራቲ ኢትዮጵያን ምስ ኹሎም ህዝብታት ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰረን ዝተዋለደን ‘ዩ፤ ስለዝኾነ እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ኸቢድ ጭቆና ‘ዩ ዘሎ።

እቲ ጨቋኒኡ ድማ ብሽም ህዝቢ ትግራይ ዝነግድ ካብ ማህፀን ህዝቢ ትግራይ ዝወፀ፤ ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ጠጠው ዘይበለ ሓይሊ ‘ዩ፤ እዚ ሓይሊ ድማ ካብ ህዝቢ ትግራይ ፈሊኻ ንምጥቃዕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምቲ ቕድሚ ሐዚ ዝገበሮ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ክኽእል ኣለዎ፤ ኣብዚ ግና እቲ ዓብዪ ግደ ዝፃወት ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ‘ዩ፤ እቶም ኻልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ሓገዝቲ ‘ዮም፤ ኢትዮጵያውያን ንዓና ንተጋሩ ብምንም ምኽንያት ክፀልኡና ኣይኽእሉን። ድኻታትን ተበደልትን ኢና፤ እቲ ጉጅለ ግና ኢትዮጵያውያን ብሙሉኦም ይፀልእዎ ‘ዮም።

እቲ ፀገምን መከራን ዝወረዶ ግና ብኣውራ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ሚዲያ ዘለኹም ሰባት ክትሰርሑ ክትኽእሉ ኣለኩም፤ ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ስለዝኾነትን ትግራዋይ ሓራ ተዘይወፂኡ ኢትዮጵያ ‘ውን ሰላም ክትኸውን ኣይትኽእን። ዝተረጋገዐትን ዝበልፀገትን ኢትዮጵያ ክትህሉ እንተኾይና ዝተረጋገዐት ትግራይ ክትህሉ ግድን ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ኣብ ኲናት ዝረኸቦ ዓወት ኣብ መድረኽ ሰላምን ፖለቲካን ክደግሞ ከምዝደልይ ይገልፅ ኣሎ ኣብዚ ዘለካ ሪኢቶ እንታይ እዩ?

ኣይተ ሙሉብርሃን፡– ከምዝፍለጥ መንግስቲ ፌደራል ግምባር ኲናት ጥራሕ ዘይኮነስ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ግምባራት ኣለዉዎ ‘ዮም፤ካብኣቶም ድማ ፖለቲካዊ ግምባር፣ሓድነታዊ ግምባር፣ ዲፕሎማሲያዊ ግምባር ምርኣይ ከድልይ ‘ዩ፤ ብፍላይ ድማ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ስልጣን ዝነበረሉ እዋን ሓድነት ህዝብታት ዝኸፋፍል ስራሕ ‘ዩ እናሰርሐ ፀኒሑ።

በዚ ድማ ህዝብታት ከይተኣማመኑን ብጎቦ ዓይኖም ንኽረኣኣዩን ገይርዎም ‘ዩ፤ ብምዃኑ ድማ መንግስቲ ኣብዚ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ክሰርሕ ክኽእል ኣለዎ፤ በዚ መሰረት ድማ እቲ ንደልዮ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምህናፅ እዞም ግምባራት እዚኦም ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ፤ኣብዚ ግና ጉድለታት ክህልውዎ ይኽእሉ ‘ዮም፤ ከምቲ ዝፍለጥ እቲ ሪፎርም ምስቲ ዘለና ሰፊሕ ፀገም፤እቶም ፀገማት መሓውራዊ ስለዝኾኑ ብሓደ ሻዕ ንምዕራይ ከፀግም ይኽእል ‘ዩ፤ ኾይኑ ግና ብሓድነት ካብዚ ዝበለፀ ክሰርሕ ክኽእል ኣለዎ ‘የ ዝብል። ወጋሕታ፡-ንዝሃቡና እዋናዊ ሓበሬታ ብሽም ጋዜጣ ወጋሕታ ክብረት ይሃበልና! ኣይተ ሙሉብርሃን፡- ኣኽቢርኩም ድምፂ ህዝቢ ንክኸውን ስለዝዓደምኩምኒ የቐንየለይ!

ሄርሞን ፍቃዱ

3 ለካቲት 2014 ዓ.ም  ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You