ሃገር እትደልዮም መናእሰይ

ኣብዚ ሕዚ እዋን መናእሰይ ንሃገር ጠቐምቲ ብምዃኖም ብዛዕባ እዚ ከንዛረብ ኢና። እስኪ ክጥይቐኩም ሃገርና ድያ ንዓና ዘይጠዓመትና ወይስ ንሕና ኢና ዘይጠዓምናያ? ነዚ ሕቶ እዚ ብምምላስ ዝቕፅል ፅሑፍ ክተንብቡ ክጋብዘኩም። ኣነ ግና ንሃገርና ዘይተመቸናያ ንሕና ኢና እየ ዝብል። ንሕና ንሃገርና እንተመቺናያ ንሳ ንዓና ዘይትምችወሉ ኩነታት ኣይህሉን።

ንሳ ናይ ኣቦታትና ሓቒ ኣለዋ እዩ። ናይ ምንሊክ፣ ኣብዲሳ ኣጋ ዘርኣይ ደረስ ርስቲ። ንሕና’ምበር ንሳ ሓሳዊት ኮይና ኣይትፈልጥን። ሃገር እኮ ናይና ኣተሓሳስባ እያ እትሽከም። ብዝተዛብዐ ኣተሓሳስባ ዝተፈጠርናያ ሃገርና ኣይትምችውን ኢልካ ምሕሳብ ፍርዲ ምጉዳል እዩ ዝኸውን። ኩሉ ህዝቢ ብሓደ ልቢ ጠጠው እንተይሉ ኣብ ሃገሩ ከምዝደለዮ ገይሩ ክሰርሕ ይኽእል እዩ። ከምዝፍለጥ ሃገርና ብዝድለ መልክዑ ብዙሓት መናእሰይ ካብዘለወን ሃገራት ዓለም ሓንቲ እያ። ይኹን’ምበር ብዝተኻእለ መጠን እቲ መንእሰይ ኣብ ጉዳይ ሃገር ንቑሕ ተሳትፎ ክገብር ኣይረአይን። መንእሰይ ንሓንቲ ሃገር ማእገር እዩ።

ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ብናይ ኢኮኖሚ ዓቕሞም ኣብ ዓለም ምዕባለ ብላዕለዋይነት ዝመርሑ ሃገራት መናእሰዮም ብዝግባእ ዝተጠቐሙ እዮም። ብተፃራሪ ድማ ከይተቐየሩ ዝቐረዩ ሃገራት መናእሰዮም ብዝግባእ ከይተጠቐሙ ከምዝቐረዩ ምግማት ኣይኸብድን። ሃገርና ብዙሓት መናእሰይ ሓቝፋ ሒዛ እናሃለወት ምዃን ኮይና ቐርያ እያ። መብዛሕትኡ መንእሰይ ስራሕ ፈጢሩ ኣብ ክንድ ምስራሕ ናይ መንግስቲ ኢድ ዝፅበ እዩ። ከምኡ ‘ውን መብዛሕትኡ መንእሰይ ብወልፍን ብዘየድልዩ ነገራትን ግዚኡ ዘጥፍእ እዩ። ሰሪሑ ኣብ ክንድ ምልዋጥ ብኣቋራፂ ክህፍትም ዝደሊ መንእሰይ ውሑድ ኣይኮነን።

ከምዚ ዓይነት መንእሰይ ንሃገሩን ወገኑን ሸኺሚ ካብ ምዃን ሓሊፉ ንሃገር ዝጠቕም ኣይኮነን። ሃገር ራእይ ዘለዎ መንእሰይ እያ ትደሊ። ዝሰርሑ ኢድን ብቕንዕና ዝተመልኡ ልብን እያ ትደሊ። ሃገርና ኢትዮጵያ ክንድዚ ዝኣክል መንእሰይ ሒዛ ንምንታ ድኻ ኮይና? ኣብ ሓንቲ ሃገር ናይ በዝሒ ህዝቢ ወይ መንእሰይ ጥራሕ ዋጋ የብሉን።

ኢድ ምስራሕ ተዘይለሚዱ፣ ሓንጎል ምሕሳብ እንተዘይጀሚሩ፣ ልቢ ትሕትና እንተዘይተማሂሩ መንእሰይ ምህላው ጥራሕ ጥቕሚ የብሉን። መንእሰይ ሓይልን ብልፅግናን ዝኸውን ካብ ስንፍና ወፂኡ ምስራሕ ክጅምር እንተሎ እዩ። ተማሂሩ ስራሕ ካብ ምፅባይ ንኻልኦት ስራሕ ዕድል ክፈጥር ከሎ እዩ። ኣብ ዝሕዚ ሰዓት ብበዝሒ ህዝበን ውሑዳት ኮይነን ብኢኮኖሚ ዓቕመን ዝበልፀጋ ብዙሓት ሃገራት ኣለዋ። ዋና በዝሒ ህዝቢ እንተይኮነስ ናይ ስራሕ ባህሊ እዩ።

ናይ ስራሕ ባህሊ ኣብ ዘይብሉ ሃገር በዝሒ መንእሰይ ምህላው ጥራሕ ፀገም ‘ምበር መፍትሒ ኣይኾንን እዩ። ዝተማህሩ መናእሰይ ኣለውና ግና ናይ መንግስቲ ኢድ ዝፅበዩ እዮም። ብዙሓት መናእሰይ ኣለውና ግና ስራሕ ፈጢሮም ንምስራሕ ዝሰነፉ እዮም። ከምኡ ‘ውን ኣብ ወልፍን ዘይጠቕም ነገርን ግዚኦም ዘሕልፉ እዮም።

ሃገር እትደልዮም መናእሰይ ራእይ ዘለዎም እዮም። ካብ ንእሽተይ ነገር ተላዒሎም ኣብ ዓብዪ ቁም ነገር ክበፅሑ ዝደልዩ እዮም። ነዚ ፅሑፍ እተንብቡ መናእሰይ ናይኩም ፍልጠትን ሓይልን ስለ ትደሊ ንሃገርኩምን ንህዝብኹምን ፅቡቕ ነገር ንምስራሕ ተዓጠቑ። ናይ ፅባሕ ሃገርና ተስፋ ኣብ ኢድኩም እዩ። ብዙሕ ዝገበረልኩም ህዝብን ሃገርን ንምኽሓስ እቲ ትኽክለኛ ግዜ ሕዚ ስለ ዝኾነ ካብ ሕማቅ ነገርን ወልፍን ወፂእኹም ናብ ልምዓት ሃገርኩም እተዉ። ዘርኣውነት ንዓኹም ኣይምጥንን። ኣብዘይረብሕ ቦታ እናወዓልኩም ግዝየኹም ካብ እትቐትሉን ኣብ ወልፊ ተፀሚድኩም ካብ እትውዕሉን ግዜኹም ብኣግባቡ ተጠቐሙ። ካብ ንእሽተይ ነገር ተላዒልኩም ኣብ ዓብዪ ነገር ከትበፅሑ እትኽእሉ ኢኹም። ፅኑዕ ድሌት እንተልይኩም እመኑኒ ኣብዝሓሰብኩምዎ ከትበፅሑ ትኽእሉ ኢኹም።

መብዛሕትና ራእይ የብልናን። ኣብ ንእስነትና ውሽጢ ንሃገር ዝኸውን ክነብርክት ኣለና። ከምዚ ተዘይኮይኑ ንቕድሚት ክንስጉም ኣይንኽእልን ኢና። መጀመርያ ንኹሉ ነገር መሰረት ዝኾነ ራእይ ንልበስ። ካብኡ ናብ ዝደለናዮ ከንኸይድ ንኽእል ኢና። ሕልምና ሃፍታም ንምዃን እንተኾይኑ፣ ገንዘብ ንምርካብ እንተኾይኑ፣ ገዛን መኪናን ንምጥራይ እንተኾይኑ ብሕልምኹም ገይርኩም ከትረኽቡ እትኽእሉ ራእይ ሰኒቕኩም በርቲዕኹም እንተሰሪሕኹም ክሳኸዐልኩም ይኽእል እዩ። ራእይ ገንዘብ ምፍጣር እንትኽእል ገንዘብ ግና ራእይ ክፈጥር ኣይኽእልን። ኩሉ ነገር ከትረኽቡ ፅቡቕ ራእይ ክህልወኩም ኣለዎ። ገንዘብ ዘለዎም ሰባት ራእይ ዘይብሎም ሰባት ትፈልጡዶ? ኣነ እፈልጥ እየ። እትደልይዎ ዝህበኩም ራእይኹም እዩ።

ኣብ መንእሰይ ብበዝሒ ዝተለመደ ጥንካረኦም ዝስእኑ እቲ ሓደ ዋና ጉዳይ ምንም የብለይን ዝብል መፍረሲ ኣመላኻኽታ እዩ። ብሓደ ግዜ ዓብዪ ንምነይ እንተኾይና ትኽክል ኣይኮነን። ውሽጥና ንምልዋጥ እኹል ራእይ ስለዘይብልና ኩሉ ግዜ ምኽንያት ነብዝሕ። ለባም ሰብ ምኽንያት ኣየብዝሕን። እኳዳኣስ ተሲኡ ይሰርሕ። ናይ ቑፅሪ መጀመርያ ዜሮ እዩ። ኣብ ዓብዪ ነገር ከትበፅሑ ተደሊኹም ካብ ዜሮ ጀምሩ። ንኣብነት ብናል ሊንደን ጆንሰን ናይ ኣሜሪካ ፕረዚዳንት ቕድሚ ምዃኖም ዘይሰርሕዎ ነገር ኣይነበረን። ኣብ እዋን ቚልዕነቶም ጫማ ፀሪጎም ፤ፅሬት ሰሪሖም ፤ሻሕነ ሓፂቦም እዮም፤ ኣትክልተኛ ኮይኖም ‘ውን ሰሪሖም እዮም። ኣብ ሃገርና ብዙሓት ሰባት ካብ ንእሽተይ ነገር ተላዒሎም ኣብ ዓብዪ ነገር ዝበፅሑ ኣለዉ እዮም። ንሱኹም ‘ውን ሕልምኹም ንምዕባይን ንምልዋጥን እንተኾይኑ ድሌትኩም ሕዚ ካብዘለኹሞ ተላዒልኩም ኣብ ትደልይዎ ብርኪ ከትበፅሑ ትኽእሉ ኢኹም።

እትደልይዎ ፅቡቕ ነገር ሕልምኹም ተኸቲሉ ዝመፅእ እዩ። መጀመርያ ካብ ሕማቕ ወልፊ ውፁ፤ ካብ ዘርኣውነት ናፃ ኩኑ፤ ብናይ ኣቦታትኹም ስርዓት ተገዝኡ፤ ቕኑዓት ወላዶ ንምዃን ፃዕሩ። ውሽጥኹም እንተይፀረየ ኣተሓሳስባኹም እንተይተስተኻኸለ እተዕውትዎ ፅቡቕ ነገር የለን። ንሃገር ዝኸውን ፅቡቕ ሓሳብን ትምኒትን ይሃልኹም። ኣብዚ ስልጡን ዘመን እናነበርና ግዜና ብዘይጠቕም ነገር ምሕላፍ ብጣዕሚ ዘናድድ ነገር እዩ። ግዜ ንዓናን ንኻልኦትን ፅቡቕ ስራሕ እንሰርሐሉ ግዜ እዩ። ክሳብ ሕዚ ንባዕልኹምን ንሃገርኩምን እንተይኾንኩም ዘሐለፍኩምዎ ግዜ ነይሩ እዩ።

ካብ ሕዚ ግና ክድገም የብሉን። ስግኣት ሃገር ካብ ምዃን ወፂእና ክብርን ኩርዓትን ናብ ምዃን ከንሰጋገር ኣለና። ውሽጥና ተስፋ እንተሲእና ሂወትና እውን ተስፋ የብሉን። ውሽጥና ክነብርትዕ ተለና ኣብ ዓለም እናበርታዕና ኢና ንኸይድ። እዚ ማለት ሂወትና ዝመቻቾ ብንሓስቦ ልክዕ እዩ። ፅባሕ ብሩህ ሂወት ክህልወና ብሩህ ኣተሓሳስባ ክህልወና ኣለዎ። ኣይካኣልን ካብዝብል ኣተሓሳስባ ወፂእና ናብ ይካኣል እዩ ዝብል ሓሳብ ከንመፅእ ኣለና። መናእሰይ ሓይልኹም ኣይትቕተሉ። ንሃገርኩምን ቤተሰብኩምን ከምኡ ‘ውን ንባዕልኹም እንተይኮንኩም ግዜኹም ከይሓልፍ ተጠንቐቑ። ፅኑዕ መሰረት ክህልወኩም ኣለዎ።

ኩሉ ንምስራሕ ሓይሊ ኣለኩም። ንእስነትኩም ተተጠቂምክምሉ ንስኹም ዕድለኛታት ኢኹም። ከትጣዕሱን ዕድል ዘይብልኩም ከትቐርዩን እትኽእሉ በዚ ናይ ንእስነት ዕድሜኹም ንባዕልኹምን ንሃገርኩሙን ፅቡቕ ስራሕ እንተይሰራሕኹም ክትሓልፉ እንተለኹም እዩ። ዓወት ዓርሶም ንዘዳለዉ ሰባት ዝተቐመጠ እዩ። ንኹሉ ነገር ድልዋት ኩኑ። እናወደቕካ እናተሳእኻ እዩ ዝሳኸዐልካ። ወዲቕካ ምቕራይ ግና ኣይኮነን። እናደኸምካ ምብርታዕ እዩ…..ደኺምካ ምቕራይ ግና ኣይኮነን። እናተሸነፍካ ምሽናፍ እዩ…..ተሸኒፍካ ምቕራይ ግና ኣይኮነን።

ራእይ እንተዘይሃሊኩም መወዳእታ የብልኩምን። ናይ ምንባር ትርጉም ከንርደኦ ንኽእል ራእይ ክህልወና እንተሎ እዩ። ነዛ ዓለም እዚኣ ክንድዝኣክል ነድልያ ምዃና ንርደኦ ዋጋ ዘለና ምዃና ክርደአና እንተሎ እዩ። ፅቡቕ ነገር ኣለና እንተይልና ኣብ ውሽጢ ምስጓም፣ ኣብ ውሽጢ ምፍታን እንተሊና እዩ።

ኢድና ኣጣሚርና ከፍ እንተይልና ንባዕርስና ይኹን ንሃገርና ንውስኾ ነገር የለን። ተዘይሰሪሕኹም፣ እንተዘይፈቲንኩም ድኽነት መሪፅኩም ከፍ ከምዝበልኩም ሕሰቡ። ብዓወት ዘይተዓጀበ መንእሰይ ፅባሕ እናተጣዕሰ እዩ ዝነብር። ኩሉ ነገር ንምስራሕ ትኽክለኛ ግዜኹም ኣብናይ ሕዚ ንእስነትኩም እዩ። ኩሉ ክህልወኩም ዝኽእል ብምንባርኩም እንተይኮነስ ኣብ ውሽጢ ሂወትኩም እትሰርሕዎ ዓብዪ ስራሕ እዩ።

እብ ሓቒ ዝተመስረተ ስራሕ ስርሑ። ካብ ምድንጋር ወፂእኹም ንሃገርኩም ዝኾን ብርሃን ኣፈልፍሉ። ብናይ ካልኦት ብርሃን ንምንባር ኣይትፈትኑ። ንዓወት ተባሂሉ ዝተፈጠረ ዝተፈለየ መዓልቲ የለን። ኩሎም ራእይ ዘለዎም ንዓወት ዝተፈጠሩ እዮም። ዓወት ብራእይ ዝፍጠር ናይ ፅኑዕ ድሌት መወዳእታ እዩ። ዝኾነ ነገር ንምስራሕ እትፅበይዎ ግዜ ኣይሃሉ። ንምልዋጥ ድሌት እንተሊኩም ሕዚ ምልዋጥ እትኽእሉ ኢኹም። ንስኹም እንተተለዊጥኩም ዘይልወጥ ነገር የለን። ኩሉ ነገር ክሳኻዕ ናይኩም ምልዋጥ እናተፀበየ እዩ።

ለውጢ ዕድመ ብምውሳኽ እንተይኮነስ ብኣተሓሳስባ ልዑል ምዃን እዩ፤ ብሓንጎል ምብልፃግ፣ ብኣተሓሳስባ እንተዘይበርቲዕኹም ብኣካል ምጉርማስ ጥራሕ ዋጋ የብሉን። ለውጢ ማለት ናይ ሓሳብ ለውጢ ማለት እዩ። ፅባሕ ብሩህ ግዜ ዝህልወኩም ኣብ ኣእሙሮኹም ዘሎ ኩነታት እዩ ዝውስኖ። ሃገርኩም እትደልዎ ዜጋ ኹኑ። ብኣካል ጎርሚሶም ብኣተሓሳስባ ዝደኸሙ መናእሰይ ኣብ ዙርያኹም ኣለዉ እዮም። እዞም መናእሰይ እዚኦም ብኣካሎም ዝሓስቡ፣ ብቕልፅሞም ዝምክሑ እንስሳታት እዮም። ፅቡቕ ካብ ምሕሳብ ሓሊፎም ኣቋራርፃ ፀጉሮም ዘመልክዑ እዮም። ዓለም ሕዚ በፂሓቶ ዘላ ብርኪ ከትበፅሕ ዝገበረ ሓንጎል እንተኾን ኣካላዊ ጥንካረ ጥራሕ ግና ዓለም ዘጥፍእ ናይ ድንቑርና ጫፍ እዩ። መልክዕ ካብ ሓንጎል ከምዝወፅእ ገና ኣይተረደአናን። መልክዕ ቕንዕና እዩ። መልክዕ ኣብ ራእይ ዝተመስረተ ኣታሓሳስባ እዩ። ሕልምን ራእይን ዘይብሉ ሰውነት መልክዕ የብሉን። መልክዕኹም ኣብ ራእይኹም ውሽጢ ድለይዎ። ሃገርኩም እትደልየኩም እሙናት ዜጋ ብምዃን ናይ ባዕልኹም ግደ ከትፃወቱ እንተለኹም እዩ እናበልኩ ኣብዚ ክውድእ። ሰላም ቕነ።

 መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 28 ሚያዝያ 2013

Recommended For You