ጋንታ ፋሲል ከነማ ዓወት ብምምዝጋብ ናብ ሻምፒዮና ትገብሮ ጉዕዞ ኣጠናኺራ

ኣዲስ ኣበባ(ኤፍ ቢ ሲ)፡- ኣብ ፀዋታ ቤትኪንግ ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ፋሲል ከነማ ዓወት ብምምዝጋብ ናብ ሻምፒዮና ትገብሮ ጉዕዞ ኣጠናኺራ፡፡ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ንዋንጫ ኣፍሪካ ንዝሓለፉ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ 6 ሚሊየን ብር ህያብ ሂቡ፡፡

እታ ጋንታ ምስ ጋንታ ኣዳማ ኣብ ዘካየደቶ ፀወታ ንጋንታ ኣዳማ ከተማ ብምስዓር 2ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ፡፡ ሙጂብ ቃሲምን በዛብህ መለዮን ሽቶታት ፋሲል ከነማ ኣመዝጊቦምወን፡፡ብሕታዊት ሽቶ ኣዳማ ከተማ ድማ ሰይፈ ዛኪር ኣመዝጊቡዋ፡፡

ጋንታ ፋሲል ከነማ ብ20 ፀወታ 49 ነጥቢ ብምሓዝ ናብ ሻምፒዮና እናተቓረበት ትርከብ፡፡ኢትዮጵያ ቡና ብ18 ፀወታ 33 ነጥቢ ብምሓዝ ካልአይቲ ኮይና ትስዕብ፡፡ ጋንታ ሃዲያ ሆሳእና ድማ ብ19 ፀወታ 32 ነጥቢ ሒዛ ኣብ መበል ሳልሳይ ደረጃ ትርከብ፡፡

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ድሕሪ 8 ዓመታት ንዋንጫ ኣፍሪካ ንዝሓለፉ ኣባላት ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ 6 ሚሊየን ብር ህያብ ሂቡ። ብተወሳኺ እቲ ኮሚቴ መዛዘሚ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ንክኸውን ወሲኑ። ብተመሳሳሊ ፌዴሬሽናት ኩዕሶ እግሪ ክልላት ኣብ ውድድር ትሕቲ 17 ዓመት ንዝሰርሕዎ ስራሕ ንሕድሕድ ፌዴሬሽናት ክልልን ምምሕዳር ከተማን 300 ሽሕ ብር ደገፍ ንክግበር ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ወጋሕታ 28 ሚያዝያ 2013

Recommended For You