‹‹ብዘተ ዝተፈትሐ ፀገም ኣብ ታሪኽ ህወሓት የለን›› -ኣይተ ባርያጋብር ኣባይ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ነበር ሓላፊ ቢሮ መናእሰይን ስፖርት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ባርያጋብር ኣባይ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርዎ ቃለመሕተት ኣብ ወድዓዊ ኩነታት ትግራይ ኣድሂቦም ዝሃብዎ ሓሳብ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብ ኣትይዎ ዘሎ ፀገም ንምውፃእ ውዳበ ፖለቲከኛታት ትግራይን ተወለድቲ ትግራይን ዓብይ ግደ ክፃወቱ ኣለዎም ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም፤ ሓድነት ምህላዉ ዘላቂ መፍትሒ ንምርካብ ቐሊል ‘ዩ ይብሉ ኣይተ ባርያጋብር እዚን ካልኦት ጉዳያትን ስፍሕ ብዝበለ ሓሳብ ገሊፆም ኣለዉ። ምሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብና ኣለና ፤ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሐዚ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ብኸመይ ትሪኦ?

ኣይተ ባርያጋብር፡– ኣብዚ ሐዚ ብዙሓት ኣድለይቲ ነገራት ዘድልይዋ ሃገር እያ ዘላትና። ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ትግራይ ኣተሓሳሳቢ ‘ዩ ዘሎ። እቲ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ፤ ንሕና ህዝቢ ወኪልና ከም ምምፃእና እዚ ንርዳእ ኢና ፤ ህወሓት ‘ውን ከምዝፍለጥ ካብ ታሪኹ ፖለቲካዊ ትርፉ’ምበር ብዛዕባ ህዝቢ ኣጀንድኡ ገይሩ ኣይፈልጥን ፣ ስለዚ ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ ጉዳይ ፌደራል ‘ዩ ክኾን ዝግባእ። ስለዚ ድሕሪ ሐዚ ኣብ ትግራይ ዝበፅሕ ፀገም ህወሓት ክንገብሮ የብልናን ኢለ ‘የ ዝሓስብ። እዚ ወድብ ራዕዳዊ ተባሂሉ ተፈረጁ ‘ዩ ስለዚ ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ ጉዳይ ፌደራል መንግስቲ’ምበር ጉዳይ ህወሓት ክኾን ኣይኽእልን። ካብ መጀመሪኡ’ውን ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ክጠቕም ‘ዩ ኢልካ ተስፋ ስለዘይግበር ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ዝግበኦ ፌደራል መንግስቲ ‘ዩ። በርግፅ ኣብ ዓፋር ‘ውን ፀገማት ኣሎ፤እዚ ሰላም ንከይረጋጋዕ ድማ ህወሓት ‘ዩ ዕንቅፋት እናኾነ ዘሎ። ጉዳይ ትግራይ እንድሕር ተፈቲሑ ፀገማ እዛ ሃገር ይፍታሕ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን። ስለዚ ቅድሚ ኹሉ መንግስቲ ጉዳይ ትግራይ ትኹረት ክገብረሉ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ድሕሪ ወፍሪ ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነት መንግስቲ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዘለዎ ጠጠው ንክብል ወሲኑ ‘ዩ ፤ ሓደ ሓደ ሰባት ድማ ናብ ትግራይ ክኣቱ ነይርዎ ዝብሉ ኣለዉ፤ኣብዚ ዘለካ ርኢቶ እንታይ ይመስል ?

ኣይተ ባርያጋብር፡- በርግፅ ሰራዊት ምክልኻል ናይ ባዕሉ ኣካይዳ ኣለዎ። ፅንዓት ጌይሩ እንታይ ክገብር ከምዝኽእል ንሕና ክንነግሮ ኣይግባእን። ምስቲ ፀገም ትግራይ እንትንርኢ ግና ዝተወሰነ ምትዕርራያት ክገብር ኢና ትፅቢት እናገበርና ነይርና ፤ ግና ተናዊሑ ‘ዩ። ከምዚ ክንብል ከለና ክንሪኦ ዘለና ብመንጻር ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ። ብልፅግና ምስ ህወሓት ክሰርሕ ‘ዩ ኢለ ኣይኣምንን። ብዙሓት ጉዳያት ዘየስርሕዎ ነገራት ‘ውን ስለዘሎ። እቲ ሓደ ክልተ መንግስቲ ኣብ ሓንቲ ሃገር ክቕፅሉ ኣይክእሉን። ካልኣይ ድማ ብኣተሓሳስባ ብርኪ ‘ውን ብሓደ ዝኸዱ ኣይመስለንን፡ እንትጅመር ህወሓት ልዕልና ዝለመደ ‘ዩ ፤ ኣብ ትሕቲ ብልፅግና ኾይኑ ክሰርሕ ‘ዩ፤ክቕፅል ‘ዩ ኢለ ኣይኣምን። መንግስቲ ከስተኻኽሎ ዝግበኦም ስለዝነበረ ጠጠው ኣቢልዎ ክኾን ይኽእል ‘ዩ። ናይ ወፀኢ ፅዕንቶ ‘ውን ክህሊ ይኽእል። ህወሓት ዕጡቕ ሓይሊ ‘ዩ ፤ ህዝቢ ንህወሓት ምቅላስ ክኸብዶ ይኽእል ‘ዩ።

ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ዘሎ ጉዳይ ዓለምለኻዊ ስለዝኾነ ብድልየት እትኸዶ ኣይኮነን። ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘየድሊ ሓይሊ ምውፃእ ግቡእ ፌደራል መንግስቲ ‘ዩ ፤ ስለዚ ምስ ህወሓት ብዝግበር ምውጣጥ ኣብ ማእኸል ህዝቢ ትግራይ ክጉዳእ የብሉን። ካብዚ ንላዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሱቕ ከባሃል የብሉን ፤ ኢትዮጵያዊ ኣይኮንኩን ዝብል ስምዒት ንክለማመድ ኢና እናፈቐድናሉ ዘለና፤ ትግራይ ከሊልኻ ሱቕ እንድሕር ኢልና ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ከምዘይኾነት እናገበረ ‘ዩ።

እዚ ጥራሕ እንተይኾነ ሕፅረት መድሓኒትን ምግብን ዝተፈላለዩ ረድኤትን ስለ ዘሎ እዚ ድማ ንመንግስትን ብፍላይ ድማ ንተወለድቲ ትግራይ ሕማቕ ታሪኽ ዝገድፍ ‘ዩ። ኣብዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣምሓራን ዓፋርን ኣብፅሕዎ ዘሎ ከቢድ ፀገማት ህዝቢ ኢትዮጵያ ንድርድር ‘ውን ፍቓደኛ ዝኾን ኣይመስለንን፡ መንግስቲ ድማ ንህዝቢ ጠጠው ዝበለ ‘ዩ፣ መንግስቲ መልሲን ስምዒትን ህዝቢ ከዳምፅ ኣለዎ። ኣብዚ ማእኸል ግና ህዝቢ እናተጎደአ ስለዝኾነ ናይ ምንፃል ስምዒት ‘ውን እናተሰመዖ ስለዘሎ ህዝቢ ትግራይ ፤ ፕሮፖጋንዳ ንምፍጣር ‘ውን ምችው እናኾነ ስለዘሎ ብቕልጡፍ ነገራት ክስተኻኸል ይግባእ።

ወጋሕታ፡-መንግስቲ ብሃገራዊ ምኽክር መድረኽ ኣፈላላይ ንምፅባብ ሓበራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ኣብ ምድላው ይርከብ ፤ እዚ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ረብሓ እንታይ ‘ዩ ትብል?

ኣይተ ባርያጋብር፡- እዚ ንህወሓት ዝረብሖ ዝኽእል ብምኽንያት ህወሓት ዝተፈጠረ ምስ ጎረባብቲ ጎንፂ ብምፍጣር ጎረቤት ንከይህለዎ ገይርዎ ‘ዩ። ስለዚ እዚ ሃገራዊ ምኽክር ህዝቢ ንህዝቢ ዕርቂ ዝወርደሉ ንክዕረይን ዕድል ንህዝቢ ትግራይ ክፈጥረሉ ዝገብር ‘ዩ። ብፖለቲካ ዓይኒ ክንሪኦ ከለና ግና ህወሓት ምስ ብልፅግና ክስማዕማዕ ስለዘይኽእል ብስሩ ‘ውን ናብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ህወሓት ክምለስ ከምዘይብሉ ብዙሓት ፓርታት ቅዋም ‘ዩ ዘለዎም። ህዝቢ ኢትዮጵያ እንተኾነ ‘ውን ህወሓት ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ክሪኦን ክሰምዖን ኣይደልን። ፌደራል መንግስቲ ዝሃቦም ዕድል ህወሓት እንድሕር ተጠቒሞምሉ ፅቡቕ ነገር ‘ዩ። እቶም ገበነኛታ ካብ ትግራይ ይውፅኡ እቶም ዝተረፉ ኣብ ታሕቲ ዘለዉ መራሕቲ ህወሓትን ማለት እኒ ሳልሳይ ወያነ ባይቶና ዝኣመሰሉ ኣብ መረፃ ዝተሳተፉ ክፀንሑ ብምግባር ስግግር መንግስቲ ክምስረት ይኽእል ‘ዩ ፤ እዚ እንድሕር ተገይሩ ብዝተወሰነ መልክዑ ንህዝቢ ትግራይ ይጠቅም ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝሓስብ።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ኣብ ቐረባ ኣብ ዝገብሮ ምቁራፅ ክሲ ዘለካ ሪኢቶ እንታይ እዩ?

ኣይተ ባርያጋብር፡– ኣቦይ ስብሓት ይኹን ካልኦት ኣባላት ፖለቲከኛታት ምፍተሖም ምስ ድርድር ህወሓት ዘደሓሕዞ ሰብ ኣሎ። ምንም ዘደሓሕዝ ነበር የብሉን፤ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ምሉእ ንምግባር ኹሉ ተሳታፊ ንምግባር ዝተሰርሐ ስራሕ ‘ዩ። ኣቦይ ስብሃት ግን ድሕሪ ሐዚ ኣብ ፖለቲካ ‘ውን ተሳትፎ ክህልዎም ‘ዩ ተባሂሉ ስለዘይግመት ብ ዕ ድ መ ’ ስ ለ ዝ ደ ፍ ኡ ብሰብኣውነት ዝተሰርሐ ስራሕ ‘ዩ ኢለ ዝሓስብ።ምፍታሕ ኣቦይ ስብሃት ኣብዚ ብዙሕ ዘተሓሳስብ ኣይኮነን ።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሐዚ ኣብ ትግራይ ማሕበራዊ ቅልውላው ብዘላቕነት ንምፍታሕ እንታይ ክግበር ኣለዎ ?

ኣይተ ባርያጋብር፡– ስራሕ ህወሓት ዘይፈልጥ ኢትዮጵያዊ የለን፤ እዚ ኹሉ ስራሕ ሰሪሑ ኣብ መወዳእታ መከላከያ ምውቃዕ ማለት ሃገር ሉኣላውነት ኣሕሊፍካ ምሃብ ከቢድ ‘ዩ። እዚ ውድብ ራዕዳዊ ተባሂሉ ‘ዩ ።ምስ ራዕዳዊ ዝተብሃለ ድርጅት ኣጀንዳ ‘ውን ክህሉ ኣይግባእን። ህወሓት ዝፈጠሮ ኣብ ክልል ዓብይ ፀገም ኣሎ ‘ዩ። ከም ተጋሩ ኮፍ ኢልና እንመኻኸረሉ ዕድል የለን። ሕድ ሕድና እናተደኻኸምና ሓደ ፓርቲ ኣብ ሓደ ፓርቲ እናተወቃቀስና ኣርባዓ ሚኢታዊ ኣብ ሓደጋ ኣሎ ኣብ ዝባሃለሉ እዋን ብዛዕባ ትግራይ ኣጀንዳ ሒዝና እናመኸርና ኣይኮንናን። ፀገም እንትፍጠር ብዘተ ናይ ምፍታሕ ኣብ ትግራይ ስለዘይዓበየ እዚ ጎዲእና ‘ዩ ።

ንኣብነት ኣብ ክልል ኣምሓራ እንተወሲድና ኣብን ብልፅግና ኮፍ ኢሉ ‘ዩ ዝመክር፤ኣብ ናይ ህዝቢ ጉዳይ ክኾን ከሎ ዘይንክኡ ነገራት ኣለዉ፤ ወይም ቀይሕ መስመር እንብሎም ። ፓርትታት ኣብ ሓሳብ ጉዳይ ንከይስማዕምዑ ይኽእሉ ‘ዮም ። ኣብ ናይ ህዝቢ ረብሓ እንተመፂእና ግና ማዕረ ተሳትፍ ክህልወና ይግባእ። ኣካይዳ ህወሓት ኣሽንኳይዶ ፓርትታት ተሰብሲቦም ክመኽሩ ህዝቢ ‘ውን ክስብሰብ ኣይደልን። ሓይሊ እንድሕር ተሰብሲቡ ኣነ ክፀንሕ ኣይኽእልን ኢሉ ስለዝፈርሕ ህዝቢ ክስብሰብ ኣይድል ነይሩ። እዚ ዝፈጠሮ ፅዕንቶ ድሕሪ ህወሓት ዝተፈጠሩ ፓርትታት ‘ውን እናተርኣየ እዩ። ብሃሳብ እንተኾነ ‘ውን ኣብ ተግባር ግና ካብ ሓሳብ ህወሓት ዝተላቐቐ ኣይኮነን። እዘ ድሑር ሓሳብ ብምግዳፍ ብቅንዕና ስለ ህዝቢ ትግራይ ኣጀንዳ ገይሩ ክዘራርብ ኣለዎ።

ኩሉ ትግራዋይ ብፍላይ ድማ ኣብ ፖለቲካ ይሳተፍ ‘የ ዝብል ብትኽክል ክቃለስ ኣለዎ። ምኽንያቱ እቲ ዝመፀናሉ መገዲ ትኽክል ኣይኮነን ኢልና ንህወሓት እናወቐስናዮ ኢና ፤ እንድሕር ህወሓት ዘይትኽክል ኾይኑ ንሕና ካልእ መገዲ ኢና ክንጥቀም ዘለና ማለት ‘ዩ። እዚ ኹሉ መንእሰይ መስዋእትነት ዝኸፍል ዘሎ ዝሓሸ መገዲ ንምፍጣር ‘ዩ። ኣብቲ ክልል ዝሓሸ ነገር እንተሃልዩ ሃገር ‘ውን ተረጋጊዑ ‘ዩ ዝቕፅል። ኣነ እናተቓለስኩ ዘለኹ ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ ፤ ኾይኑ ግና ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ከኽብር ግና ህዝቢ ኣምሓራ ጎዲእኻ ኣይኮነን ፤ ነገር ግና ውዳበ ክህልወና ኣለዎ። ኣብዚ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ፅዕንቶ ኣሎ ‘ዩ ፤ ግና ዝጠንከረ ውዳበ ተዝህልወና ነይሩ ከምዚ ዝበለ ፅዕንቶ ኣይበፅሕን ነይሩ።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ኣብዚ ሐዚ ንሰላም ቅሩብ ‘የ እንተይሉ ካብ ባህሪ ራዕዳዊ ህወሓት ተበጊስካ ብኸመይ ‘ዩ ከዕውቶ ዝኽእል?

ኣይተ ባርያጋብር፡– ታሪኽ ህወሓት ካሊእ ይትረፍ ንዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ብሓባር ዝተቃለሱ ‘ውን እንድሕር ተፃሊኦም ሻሂ ‘ውን ብሓባር ኣይሰትዩን። ብዘተ ዝተፈትሐ ፀገም ኣብ ታሪኽ ህወሓት የለን ። ስለዚ ዘይፈልጥዎ ባህሪ ሐዚ ክፈጥሩ ‘የ ኢለ ኣይኣምንን። ህወሓት ካብ ዝነበሮ እኳደኣስ ሐዚ ‘ዩ ገዲዱ ዘሎ። አብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበሩ እቶም ዋና ዋና እንተመፁ ‘ውን ርሑቕ ቤተሰብ ግና ይኣስር ‘ዩ ነይሩ። በየናይ ሓሳቡ ‘ዩ ምስ መንግስቲ ብልፅግና ክዘራረብ ዝኽእል። እንተኾይኑ ግና ናትና ድልየት ‘ውን ‘ዩ።

ቅድሚ ሐዚ ‘ውን ህወሓት ኣብ ትግራይ ጨንፈር ብልፅግና ኸፊትና ህወሓት ብምዝርራብ ክነእም ‘ዩ ሓሳብ ነይርና’ምበር ናብ ኹናት ክንመፅ ኢና ኢልና ኣይሓሰብናን። ብሚድየኦም ብዛዕባ ሰላም እናተዛረቡ ብተግባር ግና ኹናት እናኸፈቱ ‘ዮም ዘለዉ። ኣካይደኦም ፅቡቕ ኣይኮነን ፣ እዚ ንምስትኽኻለ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ተወለድቲ ትግራይ ብጣዕሚ ክሰርሑ ኣለዎም። ፖለቲካ ስራሕቲ ክስርሑ ኣለዎም። እዚ ድማ ብዝተወደበ መልክዑ ኣይተሰርሐን ፣ ነዚ ‘ውን ‘ዩ ትሑት ውፅኢት እናመዝገበ ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ንክመለስ መስመር ክትሕገዝ ኣለዎ ፤ ኢትዮጵያውነቱ ክምለስ ኣለዎ። ሰብኣዊ ሓገዝ ክማላእ ኣለዎ። ቐፂሉ ‘ዩ ውፅኢት ካብ ህዝቢ ትግራይ ትፅቢት ዝግበር ። ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ደጊፉ ኣይፈልጥን ‘ዚ እውን ኣይድግፍን፤ግና ብደም ደቅኻ ዝተፈጠረ ውደብ እናበሉ ንክቕበል እናገበሩ ንብዙሕ ዓመታት መፂኦም ‘ዮም። ኣብ ትግራይ ክሰራሕ ዝግባእ ስራሕቲ ፖለቲካ ብፅንዓትን ጥንቃቐን ‘ዩ ክኾን ዘለዎ። ኣብ ካልኦት ክልላት ብቐሊሉ ናይ ለውጢ ሓይሊ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ ኣብ ትግራይ ግና ብዝረቐቐን ዒስራን ኣርባዕተን ሰዓት ስራሕ ብምስራሕ ‘ዩ ክኾን ዝኽእል።

ናብ ድርድር እንተመፀ እውን ብልፅግና ኣብ ቐፃሊ ኣብ ትግራይ ከሸንፍ ስለዘሎ ብጣዕሚ ‘ዩ ክስራሕ ዘለዎ።ስለዚ እዚ ኹሉ ንክመፅእ ብፍላይ ድማ ፓርትታት ትግራይ ናይ ምቅርራብን ሓደነትን መንፈስ ክስርሕ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ኣቲይዎ ዘሎ ፀገም ንምውፃእ መንእሰይ ከምኡ ‘ውን ምሁራን ትግራይ ግደ እንታይ ክመስል ኣለዎ?

ኣይተ ባርያጋብር፡– ህዝቢ ትግራይ ንብዙሕ ዓመታት ንኢትዮጵያ ክብል ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ ‘ዩ ፤ ተቓላሳይ ከምኡ’ውን ፖለቲከኛ ‘ዩ።ስለዚ ምሁራን ትግራይ ምስ ፌደራል መንግስቲ እንታይ ዓይነት ርክብ ‘ዩ ዘለዎም? እንታይ ዓይነት መድረኻት ክፈጥሩ ኣለዎም ? ብስሩኸ ክፍታሕ ይደልዩ ኣለዉ ድዮም ? እዚ ብዙሕ እናተሰርሐሉ ኣይኮነን። እዚ ዘይምዃኑ ‘ዩ ንታሕቲ ዝጎተና ዘሎ፡ ኣብዚ ዝምልከቶ ኣካል ብሰፊሑ ክስራሕ ኣለዎ። ሐዚ ንኣብነት ዲያስፖራት ተጋሩ ዝመፁ ኣለዉ፤ ብኢትጵያውነቶም ዘይደራደሩ፤ ናይ ተጋሩ መድረኸ ግና ኣይተፈጠረን ፤ ፌደራል መንግስቲ እዚ ክሓስበሉ ይግባእ። ንሕና ‘ውን ከመቲ ዝበልክዎ ሓድነት ስለዘይብልና ክንገብሮ ኣይከኣልናን።

ወጋሕታ፡-ኣብ መወዳእታ እተሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ?

ኣይተ ባርያጋብር፡– ብፍላይ ድማ ኣብ ዉድባት ፖለቲካን ምሁራት ትግራይን ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣብ ምንቅስቓስ ዘለዉ ለውጢ ትግራይ ደለይቲ ኹሉ ንኹላትና ሓደ ዝገብረና ጉዳይ ፈሊና ክንሕዝ ኣለና። ዘይትንከፉ ጉዳያት ክህልዉና ኣለዉ። ኣፈላላይና ኣኽቢርና ሓደ ዝገብሩና ፈጢርና ብሓድነት ክንጓዓዝ ኣለና። ኣብ ትግራይ ተስፋ ዘቑርፁ ብዙሓት ነገራት እንተሃለዉ ‘ውን ንሕና ኣብዚ ኾይና ካብ ምጉጅጃል ፣ ስም ምጥፋእ ክንቁጠብ ኣለና ፤ ኣብ ትግራይ ነቲ ፖለቲካ ዝበልፆ ህዝቢ ‘ዩ ዘሎ፤ ስለዚ ኣነ ፖለቲካ ኣባል ኾይነ ነቲ ህዝቢ ሓድሽ ነገር ከምፀአሉ ተዘይኽኢለ ናብ ፖለቲካ ‘ውን ክኣቱ የብለይን። ሓድነት ትግራይ ብዘይምህላውን ፓርትታት ብናተን መገዲ ስለዝኸዳን ጠብ ዝብል ውፅኢት ዘይረኣይ ዘሎ በዚ ምኽንያት ‘ዩ። ካብ ህወሓት ዝሓሽና ኾይና ንምርካብ ካብ ሓድነት ‘ዩ ዝጅምር። ምፍልላይን ውልቃዊ ምዃንን ኣብ ዘመን ህወሓት ክተርፍ ኣለዎም። ዝሓሸት ትግራይ ንምፍጣር ዝሓሸ ሓሳብ ፣ ዝሓሸ ስራሕን ዝሓሸ ተግባራዊ ውፅኢትን ሒዝና ክንቐርብ ኣለና። ተዘይኾይኑ ካብ ህወሓት ዝሓሽና ኾይና ንምርካብ ከፀግመና ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን።

ኣይተ ባርያጋብር፡- ኣነ እውን የመስግን።

ወጋሕታ 26 ጥሪ 2014 ዓ.ም

Recommended For You