ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ብጉያ ማራቶን ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣትሌታት ንምምራፅ መፃረዪ ውድድር ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ (ኤፍ ቢ ሲ)፡- ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ብጉያ ማራቶን ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣትሌታት ንምምራፅ መፃረዪ ውድድር ተኻይዱ። ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዘዳለዎ እቲ መፃረዪ ውድድር፥ ኣብ ከተማ ሰበታ ተኻይዱ ኣሎ።

እቲ መፃረዪ ውድድር ብክልቲኡ ፆታ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ 35 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ኢዩ።ብደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣትሌት ሹራ ቂጣታ ቀዳማይ ኮይኑ ዛዚሙ።ኣትሌት ሌሊሳ ደሲሳ ካልኣይ እንትወፅእ፣ ኣትሌት ሲሳይ ለማ፣ ጫሉ ደሶን ክንዴ ኣጣነውን ድማ ካብ 3ይ ክሳብ 5ይ ዘሎ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።

ብደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተኻየደ መፃረዪ ውድድር ኣትሌት ትዕግስት ግርማ ቀዳመይቲ ወፂኣ።አትሌት ብርሃኔ ዲባባ ካልአይ እና አትሌት ሮዛ ድማ ሳልሳይ ደረጃ ብምሃዝ ነቲ ውድድር ፈፂመን እየን፡፡ ኣትሌት ብርሃኔ ዲባባን ኣትሌት ሮዛ ደረጀን ድማ ካልአይቲን ሳልሰይቲን ኮይነን ውድድረን ዛዚመን።ኣትሌታት ዘይነባ ይመርን ሪታ ኣጋን ራብዐይቲን ሓምሸይቲን ወፂአን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ ዝነበሮ ኦሎምፒክ ቶኪዮ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ብሓደ ዓመት ተናዊሑ ሎሚ ዘበን ዝካየድ እንትኸውን፣ ሽሙ እንተይተቐየረ “ቶኪዮ 2020” ብዝብል ክካየድ ኢዩ።

ወጋሕታ 28 ሚያዝያ 2013

Recommended For You