‹‹ካብዚ ፀወታ ልምዲ ብምውሳድ ንቐፃሊ ክንዳሎ ኢና ››- ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መበል 33 ፅዋዕ ኣፍሪካ ዝሳተፉ 24 ጉጅለታት እቲ ሓደ ከምዝነበረ ዝፍለጥ ‘ዩ። እቲ ጉጅለ ኣብ ምድቡ ሓደ ምስ መዳለዊት ካሜሮን ፣ ኬፕ ቨርድን ቡርኪናፋሶ ተመዲቡ ሰለስተ ፀወታት ኣብ ሓደ ሰሙን ውሽጢ ዝተፃወተ እንትኾን ሓደ ነጥቢ ብምሓዝ ካብቲ ውድድር ዝተሰናበተ ናይ መጀመርታጋንታ ኾይኑ ‘ዩ። ናይቲ ብሄራዊ ጋንታ ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ምስ ቡርኪና ፋሶ ጋንተኦም ሓደ ማዕረ ምስተፈላለየ ብዛዕባ እቲ ጋንታ ብሓፈሻ ፃንሒቶም ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ምስ መራኸቢ ሓፋሽ ፃንሒት ገይሮም ‘ዮም። ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ከምዝበልዎ ድማ ‹‹ካብቲ ውድድር ተሰናቢትና ኢና ፤ ምኽንያቱ እቲ ፀወታ ክንስዕር ስለዘይኻኣልና። ካብ መጀመርታ ጀሚሩ እንታይ ዓይነት መልክዕ ከምዘለናን ቀለምና ንምርኣይ ሞኪርና ኢና። ግን ድማ ካብ ፀወታ ኬፕ ቨርድ ጀሚሩ ካብ ቁፅፅርና ወፃኢ እናኾኑ ነይሮም ‘ዮም። ዝኾነ ኾይኑ ንቡርኪናፋሶ ክንስዕር ኣይከኣልናን። ርግፅ ተንስዕር ነይርና ‘ውን ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ብቁዓት ኣይነበርናን። ኣብቲ ምንቅስቃስ እቲ ፀወታ ንምቁፅፃርን ዕድል ሽቶ ንምፍጣር ሞኪርና ኢና። እንተናኣሰ ሓደ ሽቶ ኣቑፂርና ኢና። ከምዝበልክዎ ግና ንምሕላፍ እኹል ኣይነበረን። ብሓፈሻ ብዙሕ ነገር ተማሂርና ኢና፤ ብዙሓት መናእሰይ ተፃወቲ ኣለዉና እዚኦም መናእሰይ ተፃወቲ ድማ ልምዲ እናረኸቡ እንትኸዱ ፅቡቕ ዓቕሚ ክፈጥሩ ይኽእሉ ‘ዮም። ኣብ ቐፃሊ ፅዋዕ ኣፍሪካ ክንራኸብ ኢና ዝብል እምነት ኣለኒ ኢሎም ‘ዮም። ከምዝፍለጥ ኣብዝሓ ተፃዊቲ ኣብ ሃገር ውሽጢ ሊግ ዝፃወቱ ‘ዮም። ከምዚ ዓይነት ውድድራት ዝሓሸ ብርኪ ብምጉዓዝ ልምዲ ኣድላይ ‘ዩ፤ እዚ ልምዲ ድማ ብሓደ ግዘ ኣይመፅእን። ካብዚ ውድደር ዝረኸብናዮ ልምዲ ‘ዩ። ብሕድ ሕድ መመዘኒ ደካማታት ነይርና። ኣብዚ ንምስራሕ ትፅቢት ክግበረና ‘ዩ። ኣብ ካሜሮን ፀወታና ኣብ ሜዳ ምቅስቃስ ውሳነ ዳኛ ኣቤቱታ ንምቕራብ ዘሕፍር ‘ዩ። ፀወታ ካሜሮን ብድጋሚ እንተትምልከቱ ናይ መጀመርያ ሽቶ ምሉእ ብሙሉእ ካብ ፀወታ ወፃኢ ‘ዩ። ርግፅ ንዓይን ንተፃወትን ካብ ዓይንና ዝተኸወለን ወፃኢ ‘ዩ ነይሩ ፣ ፀኒሐ ምስሉ ምስ ራአኽዎ ‘የ ተረዲአ ፣ ሳልሳይ ሽቶ ድማ ኣብ ኣምበል ዝተሰርሐ ጥፍኣት ዝተረኸበ ‘ዩ። ካብዚ መንፃር 4-1 ክንስዓር ኣይግበአናን ነይሩ። ካብዚ ብተወሳኺ ዝነበሩ ድኽመታት ንምእራም ቕየራ ንምግባር ፀኒሐ ነይረ። ቅየራ ቅድሚ ምግባረይ ኽልተ ሽቶ ኣብ ኽልተ ደቓይቕ ብምቑፃሩ እቲ ፀወታ ካብ ኢድና ወፀኡ ‘ዩ።እዚ ንዓና ትምህርቲ ዝኾን ‘ዩ። ኣብ ኩዕሶ እግሪ እዚኦም ዘጋጥሙ ‘ዮም።ካብቲ ውድድር ረኺብናዮ ዝበልዎ ልምዲ ድማ ኢሎም ዝገለፅዎ ናይቲ ውድድር ድልድል እንትወፅእ ምስ ካሜሩን ፣ ኬፕ ቬርድን ቡርኪናፋሶ እንትበፅሐና ካባና ብኽልተ ብርኪ ኩዕሶ እግሪ ከምዝርከቡ ንግንዘብ ነይርና ኢና። ንሕና ‘ውን ዘለና ነገር ብምርኣይ ምፍልላይና ብምፅባብ ከምዝካኣል ንምርኣይ ሞኪርና ኢና። ኣብ ቐፃሊ ብከይዲ ክዑሶ እግርና ንምስትኽኻል ክንሙክር ኢና። ንቕድሚት ኣብ ትኽክለኛ ቦታ ከምዝኾና ይኣምን። ዝጀመርናዮ ነገር ንኽቅፅል ጠንኪርና እንተሰሪሕና ምስ ካልኦት ዘለና ምፍልላይ ንምፅባብ ክንሙክር ኢና። ጋንታ ቡርኩናፋሶ ፅቡቕ ጋንታ ኣለዎም ንሕና ብዝተኽኣለና መጠን ክንፍትኖም ሞኪርና ኢና ክብሉ ኣብሪሆም ‘ዮም።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

12 ጥሪ 2014 ዓ.ም ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You