መንግስቲ ሽምካ ዝተሸከሙ ትካላት መንግስቲ ፈትሸልና

መንግስታዊ ትካላት ሃገርና እንተኒእሱ ብኣርባዕተ ዋና ክፍልታት ምምዳብ ይካኣል እዩ። ነቲ ምደባ ብሓሙሽተ፣ ሽዱሽተ ዝኸፍሉ እንተልዮም ‘ውን ፀገም የብሉን። ጥራሕ መሰረታዊ መልእኽቱ ይብፅሐለይ። በቲ ፀሓፊ ትዕዝብቲ ናይ መጀመርያ ትካላት መንግስታዊ “ማዕርግ” ዝተሸከሙ እዮም። እዞም ትካላት ቐለቦም ዝስፈረሎምን ናይ ሰራሕቶም ማዓልታዊ እንጀራ (ደመወዝ) ዝስንከተሎም ካብ ቖፎ መንግስቲ እናታሓፈሰ እዩ። ቤት ማእዲ መንግስቲ ይምላእ ኣይምላእ ነዞም ትካላት እዚኦም ዳርጋ ዝግድሾም ኣይኮነን። ሕጊ ዝፈቐደሎም መንግስታዊ በጀት እናሓፈሱ ንባዕሎምን ሰራሕተኘኦምን እናቐለቡ ይነብሩ።

ሰራሕተኘኦም ናይ ደመወዝ ኣዝመራ ዝዕፀዶ ካፍቲ ድኻ ናይታ ሃገር ዜጋታት ጁባን ኣፍን ብሽም ታክስን ግብርን እናተሸምጠጠ ስለዝኾነ ናይ መንግስቲ ቖፎ ሕልፍን ትርፍን ምዃን ዘጭንቖም ኣይኮነን። ምስ ሽሞምን መለለዪ መንነቶምን መንግስቲ ሰራሕተኛታት ብናይ ጓና ሽም (Civil Servants) እናተባህሉ ዶ ኣይኮኑን እዮም ዝፅውዑ። ብውልቐይ ናይ ጓና ቓል ናፋቒ ካብ ምዃን እዚ ቓል ካብ ናይ ኣፍ ፈረንጂ ተተርጕሙ ብናይ ባዕልና ቓል “መገልገልቲ ህዝቢ” እንተዝባሃል ወይ ከምዘለዎ እቲ እንግሊዝኛ ምጥቓም እንተዝኸኣል ትርጉሙ ንሃገርና ብሓቒ ይምጥን ይመስለኒ። ፀገሙ ተግባሩ “ሰራሕተኛ መንግስቲ” ተባሂሉ ምፅውዑ ሽሞም ኣብ ናይ መንግስቲ እንግዳዕ ተቐሚጡ “መንግስቲ ሰራሕተኛ” ብዝብል መፍለዪ ምንጥልጣሉ ደፊርና ብዙሕ ከይንዛረብ፤ እንተንዛረብ እቲ ባይታ ስለዝሰፍሕ እንሽገር ዘለና ዝተሸከምዎ ሸኽሚ ዓብዪ ሽም ይመስለኒ።

ካልኣይ ዓይነት ትካላት ላዕለዋይ ሽሙ ብምፍራስ “መንግስታዊ ዘይኮኑ” (Non-Governmental) ተባሂሎም ዝፍለጡ እዮም። ናይዞም ትካላት ናይ ስንቒ ኣገልግል መብዛሕትኡ ተጠቅሊሉ ካብ ካልኦት ሃገራት ናይ ሓገዝ ሽም ዝብል መፍለዪ እናተለጠፈሉ እዩ። ትካላት ይኹኑ ናይቲ ትካል ሰራሕተኛታት ናይ ወርሒ ኣስቤዘኦምን ቐለብ ዓመቶምን ዘወራርዱ መብዛሕትኡ ባሕሪ ተሳጊሩ ብዝመፀ መዋእለ ንዋይ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ዝኽፈሎም ብፖስታ ተኣሺጉ’ምበር ከምሰራሕተኛ መንግስቲ ገንዘብ ብኢድ እናተቖፀረ ኣይኮነን። መጠን እቲ ገንዘብ እንተኾነ ንብዙሓት እቲ ሚዛን ልዕል ዝበለ እዩ። ሸርፊ ‘ውን እንተኾነ ከቢድ ስለዝኾነ ምስ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ስኬል ደመወዝ ዝነፃፀር ምስ ጎልያድን ዳዊትን ዓቕሚ እዩ።

እቲ ሳልሳይ ትካላት “ናይ ውልቐ” ናይ “ናተይ” ውፅኢታት እዮም። እዞም ትካላት መብዛሕትኦም ህልውነኦም ዝተመስረተ ብናይ ውልቐ ሰባት ብርተዐን ጥንካረን ስለዝኾነ “ውፅኢት ድኻም” እዮም ማለት ይካኣል። ምስ ትካላት መንግስቲ ጎኒ ንጎኒ እታ ካሊእ ሃገር ዝተሸከመቶ ከምዚኦም ዝበሉ ዓይነት ትካላት / ኩባንያታት/ ኣክስዮን ማሕበራት ወዘተ እዮም። ከምዚኦም ዝበሉ ናይ ውልቐ ትካላት መግለፂኦም ንኹሎም እኳ እንተዘይጠመተ ናይ ግብርና ናይ ታክሲ ክፍሊቶም ብዝምልከት ምስ መንግስቲ “ሌባን ፖሊስን “ ወይ ከም ቑልዕነትና “ ብናይ ሕቡዕ ፀወታ” ዝሰልጠኑን ዝተራቐቑን ምዃኖም እዩ። ብራህፆምን ወዞምን ዝጠልቐዩ ምስጉናት ዘለዉ ኮይኖም ብኻሊእ ወገን ድማ ብተንኮል ‘ውን ዝጠልቐዩ ኣለዉ እዮም።

ራብዓይ ትካላት ናይ እስትንፋሶም ፍልፍል ካብ ፈጣሪ ምዃኑ ዝኣምኑን፤ ናይ ሃይማኖት ካባ ደሪቦም ፈጣሪ ብሓይሉ ከንብረና እዩ እናበሉ ብናይ ምእመናን መባእ ዝመሓደሩ እዮም። እምነቶምን ፅቡቕ ተግባራቶምን ብኣዳባባይ ዝምስከረሎም ውህዳት ናይ ሃይማኖት ትካላት ምንባሮም እንተይከሓድና ናይ መብዛሕትኦም ስራሕ ንፈትሽ እንተንብል ናይ መራሕቲ “ ውግዘትን ፈጣሪን ኣይተቝጥዑ” ዝብል ምፍርራሖም ተዘይዓግተና ነይሩ ኩሉ ነገር ከንድርጉሖ ነይርና ኢና።

ሽም ተሸኪሙ ተግባር ረሲዑ ኣብ መብዛሕትአን ትካላት መንግስቲ ናይ ቐረባ ግዜ ግዕዝይና ግልጋሎት ኣዋህባ ብዝምልከት ሓደ ኣብ ሓፈሻዊ መደምደምታ ንምብፃሕ ኣይፅግምን። ሓፈሻዊ መወዳእታ ንኹሉ ይምልከት ተባሂሉ ምድምዳሙ ዋላ እንተዘይተኻእለ ሕማቕ ጨና ዘይጎብነዮ መንግስታዊ ትካል ምርካብ እንተተኻኢሉ ዕድል ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ኣዳባባይ ብዝግባእ እንተተንጨብጪብሉ ኣይኸፍእን፤ ይግበኦ እዩ። ነዙይ እዩ “መንግስቲ ሽምካ ዝተሸከሙ ትካላት ፈትሸልና?” ብምባል ጥርዓን ንምቕራብ ዝተገደድና።

ኣብ ዝኾነ ዓይነት ትካላት መንግስቲ ግልጋሎት ንምሕታት ዝኸደ ዜጋ “ብኣግባቡ መሰለይ ተኸቢሩለይ ተገልጊለ ተመሊሰ” ስራሕ ክቡር እዩ! ሰብ ምግልጋል ምብራኽ እዩ!” ዝብል እምነት ዝተላበሱ ጨዋ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ኣጋጢሞምኻ ስለ ዝኾኑ ፈጣሪኻ ብናይ ፆም ፀሎት ክተመስግን ይግባእ።

መሰረታዊ ዝባሃሉ ግልጋሎት ማይን መብራህትን ንምርካብ እንኳዕ ናብ መንግስታዊ ትካላት ዝኸደ ሰብ ከመይ ተዋሪዱን ተፀሪፉን ከምዝድፋእ ወትሩ ግዜ ስለ ዝገጥመና ተላማሚድናዮ ኢና። “መሰለይ እኮ እዩ!” ኢልካ ምክርኻር ኣብዘን ትካላት ውሽጢ ጠጠው ካብ ዝብል ዓመታት ተቖፂሩ እዩ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣይሽንኳይዶ ንሕና ምድራውያን ዜጋታት ቐርዩ ፈጣሪ ንባዕሉ “ናይ መንግስቲ ሽም ዝተሸከሙ ትካላት ሃገርና” ብዝምልከት ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ከምዝኾኖ ኣሚናን ብኣመኔታ ተቐቢልና ምስቲ ፀገም ተላሚድና ብእህህ መዓልቲ ምድፋእና ምርጫና ገይርናዮ ኢና።

ብርክት ዝበሉ መንግስታዊ ትካላት ብዝሰብሰቦም ሓለፍቲ ህዝቢ ንምሕዛን ንምብካይን ተልእኾ ዝተዋህቦ ዝመስል ስረሖም ዜጋታት ምውራድ ካብ ዝኸውን ውዒሉ ሓዲሩ እዩ። “ውሕድ ሃፍትና ንኹሉ ዜጋ ንምብፃሕ ስለ ዘይኽእል እዩ። ” እቲ ግልጋሎት ዘይባፃሕ ምዃኑ መዓዘ ጠፊኡና። ክብሪ መሰልና እንተይ ጎደፈ ብኣግባቡ ኣታኣናግዱና እዩ ናይና ሓሳብ።

ኣብ ብዙሓት ቐበሌታት፣ ወረዳታት፣ ክፍለ ከተማታትን ቢሮታት ክልልን ግልጋሎት ንምሕታት ዝኸይድ ዝኾነ ዜጋ ኣቐዲሙ “ተዛሪቡ ኣዛራቢ ሰይጣን ከም እምነቱ ብዘይካ ብፀሎት ኣሲሩ እንተዘይከይዱ” እዚ ሰብ እዚ ክምለስ ዝኽእል ሕማም ሽኮርን ድፍኢት ደምን እናፈጠረ እዩ ዝኸውን። ቕድሚ ቐረባ እዋን ጀሚሩ ብዛዕባ ሲቪል ሰርቪስ ምምሕያሽ ወይ ሪፎርም ምውራይ ካብ ዝጅምር ንነዘ እቲ ፀገም ብዝላዕለ ብርኪ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ እቶም ሰብ ዋና ሪፎርም ውርድ ኢሎም እንተዝሪእዎ ክብሮም ትሕት ከምዘይብል ንሕና ዝተገፋዕና ዜጋታት ክነራጋግፀሎም ንኽእል ኢና።

ብተዳጋጋሚ ኣነን ካልኦት ፀሓፍት ኣብዚ ፍሉጥ ጋዜጣ “ቐለምና ንምፍሳስ ከምዝሞከርናዮ ትካላት ፍትሒ ሃገርና ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደ ከምዝኸይድ ሰማዒ ኣይረኸበን ክልቲኦም ኢዳ ዘርጊሓ ሚዛንን ሰይፍን ንዝዐተረትና እኖና ድንግል ማርያም ፍትሒ” ጥርዓና ብዘይ ምስልቻው ብብኽያት ካብ ምቕራብ ዓዲ ኣይዋዕልናን። “ኣውያተይ ተትሰምዑ፤

ረአዩ ኣቤት ኣቤት እብል ኣለኹ፤ በደል በፂሑኒ እበኪ ኣለኹ›› ብምባል ከም ነፍሰ ሄር ጥላሁን ገሰሰ ብዜማ ምቕንቓን ጥራሕ እዩ። “ናይ መንግስቲ ሽም ተሸኪሞም” ስለ ተጣየሹ መብዛህትኦም ቤት ዕዮታት መንግስቲ ግልጋሎት ኣዋህባ ብዙሕ ምባል ዋላ እንተተኻእለ ልፍዓት ስለ ዝኸውን ንገሌኹም ጥራሕ ንምርኣይ ነኻኺእኻ ምሕላፍ ዝኣክል ስለ ዝመሰለኒ እምበር ናይ ፀገምና ቆፎ ሙሉእ ብሙሉእ ንደርጉሓዮ እንተንብል ስለ ዘሐመና “ኸብዲ ይፅሮ” ኢልካ ምህላፉ ግዴታ ኮይኑና ኣሎ።

በዞም ክልተ መንግስታዊ ትካላት ዝስተናገዱ ተገልገልቲ ብሙሉኦም ኣብዘመን ዕድሚኦም ኩሉ ፀበቐ ሓመቐ ሃገርን ህዝብን እናገልገሉ ምንባሮም ምስትሙኻኑ ተገልገልቲ እዮም ማለት ይካኣል። ከም ካልኦት ሃገራት ዘይተዓደልና እምበር ከምዚኦም ዝመሰሉ ናይ ሃገር ባዓል ውዕለታታት ከግልግል እንትግበኦም ከፍ ኢሉ እንተይኮነስ ደዊሉ እውን ክኸውን ነይርዎ። መቸም ትምኒት ኣይኽልከልን ኣይኮነን ድዩ?

በዞም መንግስታዊ ትካላት ናይ ጥሮታ ፐሮሰሶም ንምውዳእ ወይ ግልጋሎት ንምጥያቕ ዝመፁ ኣረጋውያን ብናይ ኢስነ-ምግባራዊ ተግባር ከምዝተባሳጨዉ ዘስተውዐልኩ ብዓይነይ እዩ። ምናልባት ደቅ ደቆም ብዝኾኑ መናእሰይ ኣንደበት እንትጎራፈጡ ምምልካት ብምድራዊ ኮነ ብሰማያዊ ፍርዲ ዘጠይቕ ይመስለኒ። “ወደይ ሃገረይ እናገልገልኩ ምንባረይ ኣይተኽብረንን” ብምባል ቕሬተኦም ዘቕረቡ ሓደ በዓል ዋኒን ጡረተኛ ዝበፅሖም ምግፋዕ ኣብዙይ ምጥቓሱ ናይ ኣንባቢ ሞራል ኣይምጥንን። ብጣዕሚ ዘሕዝን ድማ ሓላፊት ተባሂላ ሓለቓነት ዝብል ሽም ተሸኪማ ኩነታት እናስተውዓለት ሰራሕተኛኣ ብዘይ ምግሳፃን መፍትሒ ብዘይ ምሃባን እዩ። ናይዚ ፅሑፍ ኣቕራቢ ነቲ ጉዳይ ብቅርበት ይከታተል ስለዝነበረ ስረሐይ ኢሉ ናብ ካሊእ ላዕለዋይ ሓላፊ ከይዱ ከዘራርቦ እንተሎ ዝሃቦ መልሲ ብጣዕሚ ዘሐምም እዩ። “ስነ ምግባር ብኣይን ብኣኻን ዘመን ቐርዩ። ምንም ከንገብር ኣይንኽእልን። ” ዝብል ነይሩ።

ንምዃኑ ብትካላት መንግስቲ ካብ ስነ ምግባር ዝወፁ ሰራሕተኛታት ዝቕፅዕሉ መምርሒ ዘይብሎም ይኾን? ሓለፍቲ ተባሂሎም ስልጣኖምን ናይ ሓላፍነት ግዴተኦም ኣብ ተሸከርካሪ ወንበር ተጣቢቖም ብፃሕፍቶም ምኽንያት ንተገልገልቲ ምድንባር እዩ። ኮይኑ ግና ናይ ዕለት ቐለቦም ዝስፈረሎም ካብ ናይ ድኻ ጎሮሮ እናተሓደገ ምዃኑ ኣይተረድኡን ይመስለኒ። መንግስቲ ከምዚኦም ዝበሉ ትካላት ወይ ሽሞም ይመንጥሎም ወይድማ ሽሞም የስተኻኽሎም።

መቸም እቲ ርእሰ ጉዳይ ብምንፅርፃር ተጀሚሩ ብምንፅርፃር ምውድኡ ኣግባብ ስለዘይኮነ ሓደ ልቢ ዘምውቕ ምስክርነት ብምዝካር ብእፎይታ ምስንባቱ ይቐልል። እዚ ፀሓፊ “ናይ ታክሲ ኣምባሳደር” ዝብል ናይ ግልጋሎት ሓደራ ካብ መንግስትና ምቕባሉ ስለዘገድዶ ሓሓሊፉ ሚኒስቴር እቶትን እቶም ትካላት ዘርፉን እናጋበዙ ናይ ማሕበራዊ ተሳትፎን ናይ ዜግነቱ ሃደራን ንምውፃእ ተጊሁ ፃዕሪ ይገብር። ኣብ ቐረባ እዋን ሰሜን ምዕራብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ዕዮታት እቶት ዘፈር ኣብዝተረኸበሉ ኣጋጣም ዘስተውዐሎ ሓላፊ እቲ ትካል ናይ ምትእንጋድ ብቕዓትን ናይ ሰራሕተኝኡ ግልጋሎት ኣዋህባ ብዝላዕለ ዝምስገን ኮይኑ ረኺቡዎ። ብዘይ ምንም ምግናን ናይቲ ትካል መራሒ ናይ ኣመራርሓ ብቕዓትን ናይ ‘ቶም ሰራሕተኛታት ቕልጥፍና ኣዋህባ ግልጋሎት ዝባሃል ጥራሕ እንተይኮነስ ናይቲ ቤት ዕዮ ዘፈር ኣዋቓቕራ፣ መልክዕን ንስራሕ ምችውነት ብባዕሉ ካብ ብዙሕ ሃገራትና ዝላእለ መንግስታዊ ትካላት ብዕፅፊ ሕልፊ ዘስንቅ እዩ። ናይዚ ምስክርነት ሓቅነት ኣብቲ ቦታ ተረኺብካ ምርግጋፅ ይካኣል።

ከምዚኦም ዝበሉ ትካላት፣ሓላፍትን ሰራሕተኘኦምን ብብርኪ ሃገር ለኸ ብግልፂ እንትምስገኑን ኣርኣያነቶም እንተትዝከር ንብዙሕ ዘይምግዳስ መንግስታዊ ትካላት፣ ሰራሕተኛታትን ሓለፍትን ዓብዪ ትምህርቲ ክህብ ስለዝኽእል ይምልከተኒ እዩ ባሃሊ እንተዝሓስበሉ ኣይኸፍእን። ብዝተረፈ ግና መብዛሕተኦም “ናይ መንግስቲ ክቡር ሽም ምሽካም ኣብይዎም ዝፍተኑ ትካላት” ዘድልዮም ሪፎርም እንተይኮነስ ካልኣይ ውልደት ምዃኑ እንተዝርድኡ ኣይኸፍእን። መንግስትና ፀገምና ተሰሚዑካ ዶ! ሰላም ኩኑ!

(በጌታቸው በለጠ/ዳግላስ ጴጥሮስ ኣብ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ዝተፅሓፈ)

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 28 ሚያዝያ 2013

Recommended For You