‹‹ንባዴላ ባዴላ›› ኢልካ ምቅላስ ግድን እዩ

ውድባት ህወሓትን ሸኔን ብግብረ ራዕዲ ክፍረጁ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ውሳነ ሓሳብ ምቕራቡ ይፍለጥ። ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ናብዚ ውሳነ ዘብፅሖ ህወሓት ሸኔን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ብተደጋጋሚ ጥቕዓት ይፍፅሙ ስለዘለውን ነዚ ድማ ሓላፍነት ይወስዱ ስለዘለውን ምዃኑ እቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ገሊፁ እዩ ።

እዞም ውድባት ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ሃገርና ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዜጋታትን ዘነፃፀረ ጥቕዓት ክፍፅሙ ፀኒሖም እዮም። በዚ ምኽንያት ድማ ናይ ብዙሓት ሂወት ዜጋታት ጠፊኡ እዩ፤ ኣካሎም ጎዲሉ እዩ፤ንብረት እውን ዓንዩ እዩ።

ብህወሓትን ሸኔን ይፍፀም ዝነበረ ጥፍኣት ከይዲ ግብረ ራዕዲ ስለዝኾነ እቲ ቤት ምኽሪ ብግብረ ራዕዳውነት ክስየሙ ውሳነ ሓሰብ ክቕርብ ክኢሉ እዩ። እቲ ውሳነ ሓሳብ ንክፀድቅ ናብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ይቐርብ እዩ፡፡ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ቅድሙ ሐዚ እዞም ውድባት ብግብረ ራዕዳዊያን ንክስየሙ ሓሳባት ይቐርብ ከምዝነበረ ይዝከር፡፡ስለዚ እቲ ቤት ምኽሪ ንክውስን ፅቡቕ ዕድል ተፈጢርሉ ኣሎ፡፡

ክልቲኦም ውድባት ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ብኢትዮጵያ ህዝብን ዴሞክራስን ምኽባር ሕቶ ቃልስን ዝመፀ ለውጢ ንድሕሪት ንምምላስ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋል ሃገርና ኣብ ዜጋታት ዘነፃፀረ ጥቕዓት እናተፈፀመ ምፅንሖም ይፍለጥ። በዚ ምኽንያት ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ሂወቶም ስኢኖም ፣ኣካሎም ጎዲሉ፣ ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ከምኡ’ውን ንብረት ዓኒዩ እዩ፡፡እዚ ንቐፃሊ ክድገም የብሉን፡፡ንዚ ድማ ንባዴላ ባዴላ ኢልካ ምቕላስ ግድን እዩ፡፡

እቶም መጥቃዕትታት ሕብረተሰብ ብዘላቕነት ኣብ ስግኣትን ፍርሕን ክነብር ብምግባር፣ ኣብ መንግስቲ እምነት ክስእንን ዜጋታት ነንሕድሕዶም ከይተኣማመኑን ዝገበረ እዩ። እዚኦም ኩሉ ህልውና ሃገረ መንግስቲ ኣብ ሓደጋ ንምጥሓል ተሓሲቦም ይፍፀሙ ከምዝነበሩ ቤት ምኽሪ ሚኒስትር ካብ ዝተፈላለዩ መረዳእታት ንምርዳእ ከምዝኻኣለ ገሊፁ እዩ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስትር ህወሓትን ሸኔን ብግብረ ራዕዲ ክስየሙ ምውሳኑ ትኽክልን ምዃኑ ዝተፈላለዩ ሙሁራንን እናገለፁ እዮም። ህወሓትን ሸኔን ብግብረ ራዕዲ ምስያም ንባዴላ ባዴላ ከም ምባል ትኽክለኛ ውሳነ እዩ ዝበሉ ኣቦ ወንበር ትዴፓ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ፤ህዝቢ ንባዕሉን ንሃገሩን ክብል ተሓባቢሩ ነዞም ሓይሊ ከጥፍእ ክለዓል ኣለዎ ኢሎም።

ከም ኣገላልፃ ዶክተር ኣረጋዊ ኣመራርሓ ህወሓት ደጀን ሃገር ዝኾነ መከላኸሊ ሰራዊት ጥቕዓት ብምፍፃም ሽብር ጥራሕ ከይኮነ ዘርኢ ምጥፋእ ገበን’ውን ፈፂሙ ክሳዕ ሕዚ ትኽክለኛ ፍርዲ ኣይረኸበን። ስለዚ ምስያሙ ግቡእ እዩ፡፡

ግብረ ራዕዲ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝወፀ ኣዋጅ ቁጥር 1176/2012 ኣንቀጽ 23 መሰረት ብተመሳሳሊ ተግባር ዝተዋፈሩን በዚ ውሳነ ሓሳብ ብግብረ ራዕዲ ዝተሰየመ ጉጅለ ዝምድና ዘለዎ ትካል ውልቀ ሰብ’ውን እቲ ውሳነ ፈፃሚ ይኸውን።

ገበን ግብረ ራዕዲ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ብዝወፀ ኣዋጅ ቁፅሪ 1176/2012 ኣንቀጽ 20 ንኡስ ኣንቀፅ 2 መሰረተ ቤት ምኽሪ ሚኒስትር 23 ሚያዝያ 2013 ዓም ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ/ህወሓትን ሸኔን ብግብረ ራዕዲ ክስየሙ ናይ ውሳነ ሓሳብ ከምዝቐረበሉ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ገሊፁ እዩ።

መንግስቲ ህዝቢ ብሰላም ክነብር ውሑስ ሃዋህው ናይ ምፍጣር ግቡእ ኣለዎ። ነዚ ንምግባር ድማ ህዝቢ ምስ ኣካላት ፀጥታ ተሓባባራይ ክኸውን ይግባእ። ካብ ዓይኒ ህዝቢ ዝሕባእ ዝኾነ ገበን የለን። ከም ህወሓትን ሸኔን ዝኣመሰሉ ፀረ ሰላም ሓይልታት ድማ ህዝቢ ኣሕሊፉ ብምሃብ ከቃልዖምን ናብ ሕጊ ከቕርቦምን ይግባእ።

ግብረ ራዕዲ እንተሊኡ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ኣይህልዋን እዚ ድማ ኣብ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ከቢድ ፅልዋ ይፈጥር እዩ። እዚ ከይኸውን ህዝብን መንግስትን ብምትሕብባር ነቶም ፀረ ሰላም ሓይልታት ብምቅላዕ ናብ ሕጊ ከቕርቦም ይግባእ።

ሃገር እንተዘየሊኣ ክብሪ የለን። ፀረ ሰላም ሓይልታት ድማ ዕላምኦም ውልቃዊ ረብሓ’ምበር ህዝባዊ ዕላማ ኣይኮነን። ዕግርግር ንሰራቒ ይምቹ ከምዝበሃል እቶም ፀረ ሰላም ሓይሊታት ህዝብን መንግስትን ከይረጋጋእ ብምግባር ውልቃዊ ድሌቶም ንምስኻዕ እዩ ዝሰርሑ።ስለዚ ንባዴላ ባዴላ ኢልካ ምቅላስ ግድን ይኸውን፡፡  

ወጋሕታ 28 ሚያዝያ 2013

Recommended For You