ገዛ ዕዮ ዋልያታት

ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ኢትዮጵያ መስራቲት ኣብ ዝነበረትሉ ዓብይ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ ተመሊሳ ዝገበረቶ ናይ መጀመርያ ምድብ ፀወታ ስዕረት ምትእንጋዳ ዝዝከር ‘ዩ ። እቲ ፀወታ ጋንታ ብሄራዊ ኢትዮጵያ ዓብይ ዋጋ ክኸፍሉ ዝኽእሉ ጌጋታት ምስራሕ ምቕፃሉ ዝተርኣየሉ እንትኾን ፣ምስ ኣሳናዳኢት ሃገረ ካሜሮን ዝግበር ቐፃሊ ፀወታ ንፈተውቱ ስፖርት ካብ ኸዚ ስግኣት ዘሕድር ኾይኑ ‘ዩ።

ኢትዮጵያ ምስ ኬፕቨርዴ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ምሸት ዝገበርሉ ፀወታ እቲ ጋንታ ከምዝተለመደ ብጌጋ ምኽንያት ዋጋ ዝኸፈለ እንትኸውን ተኸላኻሊ ያሬድ ባየህ ብቀይሕ ካርዲ እቲ ፀወታ ምስተጀመር ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ ካብ ሜዳ ንክወፅእ ብምግባር እቲ ፀወታ ቅርፁ ንክቕይር ኮይኑ ‘ዩ። ምናልባት ሽቶ ከይቁፀር ዝተኸላከሉ መገዲ ብጫ ካርዲ ዘውህቦ እንተነበረ ‘ውን ቀይሕ ካርዲ ብምሃብ ካብ ሜዳ ክወፅእ ክኢሉ ‘ዩ። እዚ ድማ ተቃራኒ ጋንታ ፅዕንቶ ብምግባር ንክፃወት ዝገበሮ እንትኸውን ፣ ሽቶ ‘ውን ናይ ምቑፃር ኣጋጣሚ ረኺቡ ‘ዩ።

ብተቃራኒ ጋንታ ብሄራዊ ኢትዮጵያ ናይቲ ፀወታ ሚዛን ኣብ ምክልኻል ከትኩር ብምግባሩ ኣብ ምጥቃዕ ዘነበሮ ምንቅስቓስ ዝናኣሰ ካብ ምዃኑ ዝተልዓለ ሙከራታት ዝተሳኽዕኡ ነይሮም ንምባል ኣየደፍርን። መስኡድ መሃመድ ተተኪኡ ዝኣተወ ምኞት ደበበ ኣብ ባዕሉ ጎል ከቑፅር ዝኽእለሉ ኣጋጣሚ ኣብቲ ጋንታ ዝተፈጠረ መደንገፂ ኣጋጣሚ ‘ዩ ነይሩ። ብዙሓት ኣጋጣማታት ዝነበሮ ናይቲ ፀወታ ናይ መጀመርያ ፍርቂ ፀወታ ዝተወሰኹ ደቃይቕ ኬፕቨርዴ ሽቶ ብምቁፃር እቲ ፀወታ ክመርሑ ክኢሎም ‘ዮም። ዋልያታት ካልኣይ ፍርቂ ፀወታ ብዝሓሸ ምንቅስቃስ ከምዝምለሱ ትፅቢት እንተተገበረ ‘ውን ፣ እቲ ፀወታ ሓደ ንዜሮ ብዝኾነ ውፅኢት ክዛዘም ክኢሉ ‘ዩ።

ብርግፅ እቲ ጋንታ ክበረታዕ ዝግበኦ ዝተፈላለዩ ፅቡቕ ጎንታት ዘርኣየሉ ጋንታ ከምዝኾነ ምሕባእ ኣይካኣልን። እቲ ፀወታ ምስተጀመረ ኣደዳ ቀይሕ ካርዲ ምዃኑ ንባልዕሉ ፅዕንቶ ስነልቦና ከምዝፈጥር ዝእመን ‘ዩ። ብጎደሎ ተፃወቱ ክፍተት ሸፊኖም ክፃወቱ ዝገበርዎ ፃዕሪ ዝናኣድ ‘ዩ። ካልእ ናይቲ ጉጅለ ፅቡቕ ጎኒ ኢትዮጵያ ናብቲ ውድድር ነዊሕ ዓመታት ዝወሰደላ ብምዃኑ ስዒቡ ናይቲ ጋንታ ኣባላት ብዘይ ጌታነህ ከበደ ሓደሽትን መናእሰይ ተፃወቲ ብምዃኖም ‘ዩ። እቶም ተተካእቲ ከምዚ ዓብይ መድረኽ ተሳቲፎም ስለዘይፈልጡ ብዝተኻኣሎም መጠን ግና ፅቡቕ ዝባሃል ፃዕሪ ገይሮም ‘ዮም። በዚ ኩነታታ ውሽጢ ኾይኖም ተወሳኺ ሽቶ ንከየመዝግቡ ዝገበርዎ ፃዕሪ ዝናኣድ ‘ዩ። ኣጥቃዕቲ ጌታነህ ከበደን ኣቡበከር ናስር ብዝተኽኣለ መጠን ሽቶ ንምቑፃር ፃዕሪ ገይሮም ‘ዮም። ብፍላይ ኣብ ፀወታ ዓብይ ምምሕያሽ ብምግባር እቲ ጋንታ ተወሳኺ ሽቶ ንከይቁፀሮ ዝናኣድ ምቅስቃስ ዘርኣየ ሓላዊ ማዕፆ ሃይለማርያም ሻንቆ ‘ዩ።

እቲ ጋንታ ክፍተታትን ሰናይ ጎኒ እንተሃለዎ ‘ውን ቅድመ ምድላው ውድድር ብዝተደሓሓዘ ጉዳያት ግና ሐዚ ‘ውን ጋንታ ብሄራዊ ኢትዮጵያ ባዕሉ ንክምልከት ዝገብር ምፅናዕ ኣድላይ ‘ዩ። ኣባላት ጋንታ ኬፕቨርዴ ብዙሓት ብኮቪድ 19 ብምድሓዞም ኣብ ጋንታ ዝተሳተፉ ብጠንካራ ተፃወቶም ተጠናኺሮም ኣይኮኑን። ፀገም ዳያኑ ዝነበረ እንተኾነ ‘ውን እዚ ንዋልያታት ነጥቢ ሒዞም ዝወፅሉ ወርቃማ ዕድል ክጥቀምሉ ኣይካኣሉን።

ብምዃኑ ኣብ ጠንካራ ጉጅለ ተርታ ዝምደብን ፅዋዕ ኣብ ሃገሮም ንምትራፍ ዝተለሙ ጋንታ ካሜሮን ዝህልዎም ግጥም ጠንካራ ክኾን ከምዝኽእል ምግማት ይካኣል ‘ዩ። ደቀቕቲ ዝመስሉ ጌጋታት ግና ድማ እቲ ፀወታ ምቕያር ዝኽእሉ ጌጋታትን ጥፍኣትን ክተርፍ ምግባር ናይቲ ጋንቲ ዓብይ ገዛ ዕዮ ክኾን ይግባእ። ኾይኑ ግና እቲ ጋንታ ብጎደሎ ተፃወቲ ዘርኣዮ ፃዕሪ ክድገም እንተኽኢሉ ፈተውቲ ስፖርት ዝፈጠረ ስግኣት ብምቕራፍ ካብ ምድብ ናይ ምሕላፍ ዕድል ምስፋሕ ይካኣል ‘ዩ።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

5 ጥሪ 2014 ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You