ኢትዮጵያ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ መሰረት ዘፅንሐት ሃገር ከም ምዃና መጠን ናይቲ መድረኽ ዓወት ንሓደ ግዘ ‘ውን እንተኾነ ኣጠዓዒማ ‘ያ፡፡ ኢትዮጵያ ብወርቃማ እግሪ ኩዕሶ ዘመና ፅዋዕ ኣፍሪካ ድሕሪ ሽድሽተ ዓሰርተ ዓመታት ምልዓል እንትኽእል ኣዲስ ዘመን ጋዜጣ ኢትዮጵያ ኣዳላዊት ሃገር ስለዝነበረት ካብ ምትእንጋድ ክሳብ መወዳእታ ፅዋዕ ፀብፃብ ንኣንባብያን እናብፀሐ ዝነበረ ግንባር ቀደማ ውፅኢት ሕትመት’ዩ፡፡ 6ጥሪ 1954 ፅዋዕ ኣፍሪካ ኣዳላውነት ኢትዮጵያ መኽፈቲ ፀወታ ምስ ቱኒዚያ ዝገበረቶ ፀወታ ጋዜጠኛ ስፖርት ሰለሞን ተሰማ 9ጥሪ 1954 ኣብ ዝተሓተመ ኣዲስ ዘመን ጋዜጣ ዓምዲ ስፖርት ኣብ ዘቕረቦ ፀብፃብ ከምዝስዕብ ነይሩ፡፡ ‹‹ሳልሳይ ግዜ ፅዋዕ ኣፍሪካ ውድድር 6ጥሪ 1954ዓ.ም ድሕሪ ሰዓት ኣብ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ስታድየም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቱኒዝያን ተኻይዱ ጋንታ ኢትዮጵያ 4ን2 ምስዓሩ ኣብቲ ስፍራ ብምርካብ ፣ ሬድዮ ብምስማዕ ቆልዓ ዓብይ ተባሂሉ ከይተኸፋሉ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ልቢ ዝተሓጎሰ ከምዝኾነ ኣብዚ ሰሙን ኣብ መስርሒ ቦታ ፣ መንበሪ ፣ ሆቴልን ቡና ቤትን ፣ ቦታታት ንግዲ ከምኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝውረ ወረ ኣድናቖት ናይ ተመልካቲ ኩነታት እዚ ጥራሕ ‘ዩ ወርኡ ›› ፡፡ ናይቲ ፀወታ መኽፈቲ ድሕሪ ዝተወሰኑ መዓልትታት ጋንታ ብሄራዊ ኢትዮጵያ ብተመሳሳሊ ውፅኢት ግብፂ ፀዋታ ፍፃመ ብምስዓር ክሳብ ኸዚ እንዛረቦ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዓብይ ስኬት ክፍጠር ክኢሉ ‘ዩ፡፡ ኣብቲ እዋን ኣዲስ ዘመን ሰሉስ 15ጥሪ1954ዓ.ም ኣብ ዘውፅኦ ፊት ለፊት ገፁ ‹‹ፈጣን ጋንታ ኢትዮጵያ ንጋንታ ግብፂ 4ን2ስዒሩ ›› ብዝብል ርእሲ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ነቲ ጋንታ ኣምበል ሉቺያኖ ቫሰሎ ፅዋዕ ኣፍሪካ እንተበርክቱ ዘርኢ ፎቶ ግራፍ ሒዙ ወፂኡ ‘ዩ፡፡ ናይቲ ፀብፃብ መእተዊ ድማ ከምዝስዕብ ይብል ነይሩ፡፡ ‹‹ሳልሳይ ፅዋዕ ኣፍሪካ ዝግበር ውድድር 13ጥሪ 1954ዓ.ም ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ቑፅሩ ልዕሊ 50ሽሕ ዝተኣከበ ሰብ ኣብ ስታድየም ቀዳማዊ ሃለስላሴ ተኻይዱ፣ ጋንታ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ንጋንታ ግብፂ 4ን2 ስዒሩ ፅዋዕ ኣፍሪካ ወሲዱ ‘ዩ፡፡ ኣብ ኽልቲኦም ጋንታታት ዝግበር ወድድር ኣብ ውሽጢ ሰታደየምን ወፃእን ኾይኑ ዝምልከት ዝነበረ ህዝቢ ታሪኻዊ ኣቀባብላ ይመስል ነይሩ፡፡ እቲ ውድድር ቅድሚ ምጅማሩ ግርማዊ ንጉስ ቐዳማዊ ሃይለስላሴ ፣ ንጉሰ ነገስት ኢትዮጵያ ወራሽ ልኡል መርእድ ኣዝማች፣ ኣሰፋ ወሰን ፣ ልኡል ራስ እምሩ ካልኦት ናይ ኽብሪ ተኸተልቶም ኣኸቲሎም ብፖሊስ ሰራዊት ሞተር ብስክሌት ተዓጂቦም ኣብ ስታድየም በፂሖም ‘ዮም››፡፡ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዓብይ ምንቕናቕ ዝፈጠረ 2013 ደቡብ ኣፍሪካ ፅዋዕ ኣዲስ ዘመን ምስ ዘመኑ ተጓዒዙ ጋንታ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሰላሳን ሓደን ዓመታት ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ እንትምለስ ብዙሓት ፀወታታት ተኸታቲሉ ፀብፂቡ ‘ዩ፡፡ ብኣሰልጣኒ ሰውነት ቢሻው እናተመርሐ ቤኒን ቐፂሉ ሱዳን ኣብ መወዳእታ መፃረይ ፀወታ ብበፂሒኻ ምምላስ ውፅኢት ዋልያታት ዓወት ገይሮም ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ 3 ጥቅምቲ 2005ዓ.ም ሒዝዎ ዝወፀ ሕታም ፊት ለፊት ገፁ ናይ ኣሰልጣንን ፣ተፃወትን ደገፍትን ስምዒት ዝገልፅ ብቃለ መሕተት ዝተዓጀቡ ፀብፃባት ምቕራብ ተኻኢሉ ‘ዩ፡፡
መሰረት ገ/ዮሃንስ
28 ታሕሳስ 2014 ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ