‹‹ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ጠጠው ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ›› ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ ገብረመስቀል

ኣዲስ ኣበባ፡- ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ጠጠው ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ ክብሉ መተሓባበሪ ኮማንድ ፖስት ክልል ትግራይ ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ ገብረመስቀል ተዛሪቦም። እቲ መንእሰይ ናቱ ብዘይኮነ ሓሳብን ካብ ጎኒ ብዝንዛሕ ፕሮፖጋንዳን ‹‹እስካብ ሐዚ ዝተደናገርናዮ ይኣኽለና›› ክብል ኣለዎ ኢሎም ። እቶም ሌተናል ጀነራል ከምዝበልዎ፣ ኹላትና ብናይ ትማሊ ክንነብር ኣይንኽእልን፤ ብናይ ሎሚ ንፅባሕ እናሓለምና እቲ ናይ ትማሊ ገዲፍና ንሓባራዊ ረብሓና ጠጠው ክንብል ይግበአና፤ሓባራዊ ረብሓ ማለት ሰላም እዩ ።

እዚ ፀገም ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ እንተኾነ’ውን ናይ ኹሉ ፀገም እዩ። ናይ መንግስቲ፣ህዝብን ናይ ኹለን ክልላትን ስለዝኾነ ኹሉ ይምልከቶን ፍታሕ ንምንዳይ ድማ ብሓባር እጃሙ ከበርክት ኣለዎ ኢሎም። ኣብዚ እቲ ፀገም ንኽናዋሕ ዝደልዩ ሓይልታት ኣለዉ ዝበሉ ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ ፣ተፃረርቲ ፓርትታት ፖለቲካ፣ነቲ መንእሰይ ዘደንግፁን ኣለዉ

 እዮም፤እቲ መንእሰይ ግና ካብዚ ዋላ ሓንቲ ዝረኽቦ ጥቕሚ የለን። ኹላትና ንሰላም ምስራሕ ‘ምበር እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻሊእ ዝፍክረሉ እዋን ኣይኮነን። ክሳራ ጥራሕ እዩ ዝኸውን ስለዝኾነ ክንሓብር ኣለና ክብሉ መኺሮም። ኣብ ዞባን ኣብ ወረዳን ዘሎ ሓይሊ መከላኸሊ በይኑ ክሰርሕ ኣይኽእልን ዝበሉ እቶም ሌተናል ጀነራል፤ ብፍላይ እቲ ጎንፂ መልክዑ ናብ ዘይስሩዕ ኩናት ስለዝቐየረ ነዚ ዝኸውን ትልሚ ኣድላዪ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ ተመዛቢሉ ዘሎ ህዝቢ ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ሓረስታይ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣድላይ ድጋፍ ተገይርሉ ናብ ማሕረሱ ተዘይተመሊሱ ኸቢድ ስለዝኸውን በዚ መዳይ ክንድቲ እንኽእሎ ክንሰርሕ ግድን እዩ ክብሉ ብትኹረት ገሊፆም።

ሚዲያ ኣብዚ ኣዝዩ ኣሉታዊ ፅልዋ እናሕደረ እዩ ዝበሉ እቶም ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ፤ ናይ ሰላም ሙሩኽ ምዃን ጅግና ምዃን ማለት እዩ፤እዚ ሓዊ ክቕፅል ዝደልዩ ሓይልታት ንባዕሎም ኣብኡ የለውን። እቲ መንእሰይ ዘላቶ ተፈጥራዊት ሃፍቱ ህይወቱ ንኽስእን ምግባር ተዘይኮይኑ ጥቕሚ የብሎምን፤ ንሰላም እንኸፍሎ ዋጋ ሓባራዊ ረብሓና ዘረጋግፅ ስለዝኾነ ዋና መሰረት ብሄራዊ ረብሓ ሃገርና ሰላም እዩ ኢሎም።

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 28 ሚያዝያ 2013

Recommended For You