ኣትሌቲክስ ዓለም መጉየይ ጫማ ሓድሽ ሕጊ ኣውፂኡ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ቅድሚ ቅሩብ ዓመታት ኣትሌቲክስ ዓለም ብዝተፈላለዩ ዘመናዊ ቴክኖሎጅታት ኣብ ክትዕ እንትኣቱ ምርኣይ ዝተለመደ ‘ዩ። ኣብ ስፖርት ብርክት ንዝበሉ ዓመታት ዘጓይዩ ተሪፎም ብቴክኖሎጂ እናተተከአ ኣፀጋሚ ዝበሃል ክብረ ወሰናት ብተደጋጋሚ እናሰርሑ ምርካቦም ስዒቡ ብዙሕ ክትዓት እንትላዓል ይስተውዕል ‘ዩ።

ኣትሌታት ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ካብ ዝሰትይዎ ማይ ጀሚሩ ሓይሊ ወሃብን ዝሓሸ ቕልጡፍ ሰዓት ንከመዝግብ ንክረድኦም ተገይሩ ብቴክኖሎጂ እናተሓገዙ ምምፀኦም መካትዒ ሓሳባት ንክላዓሉ ተገይሩ ‘ዩ። ካብዚ ብተወሳኺ መጉየዬ ጫማታት ብጣዕሚ ዘመናዊ እናኾኑን እናተራቐቑን ምምፀኦም ንኣትሌታት ፈጣን ሰዓት ምምዝጋብ ዓብይ ኣስተዋፅኦ እናመዝገቡ ከምዝኾኑ ኣካታዒ ኣጀንዳ ‘ዩ።

ቅድም ክብል ንዓመታት ብዝተለመዱ መጉየይቲ ጫማታት ብተፈጥሯዊ መገዲ ብዝባሃል ብርኪ ኣትሌታት ኣብ ዘመዝግብዎ ክብረ ወሰን በዚ ዘመን ብቴክኖሎጂ ተሓጊዞም ብዝጎዩ ኣትሌታት ምስባሮም ፍትሓዊ ከምዘይኾነ ብምልዓል ምኽንያታዊ ክርክር ዘልዕሉ ውሑዳት ኣይኮኑን። ብተቃራኒ ድማ ኣትሌቲክስ ከም ካልኦት ስፖርት ኹሉ ምስ ዘመኖም ምርማድ ‘ምበር ከም ዝነበሮ ምቕፃል ኣግባብ የብሉን ዝብሉ ብዙሓት ‘ዮም። ብፍላይ ኣትሌታት ከም ዓቕሞምን ስፖንሰር ከምዝገብሮም ዕጥቒ ስፖርት ኣቕራቢ ኩባንያ ኣብ ውድድር ዝጥቀምሉ ጫማ ብውፅኢት እንትረአ ጭቡጥ ምፍልላይ እናፈጠረ ምምፅኡ ብሕግን ደንብን ገደብ ክግበረሉ ከምዝግባእ ዝኣምኑ ብዙሓት እናኾኑ መፂኦም ‘ዮም።

ኣትሌቲክስ ዓለም ናይ ኣትሌታት መጉየይ ጫማ ብዝምልከት ቅድሚ ሐዚ ዝተፈላለዩ ሕግታት ተግባራዊ እናተገበረ ፀኒሑ ‘ዩ። መጉየይ ጫማ ኣትሌታት ብዝምልከት ዝላዓል ጠንካራ ምጉት ሚዛን ዝደፍእ እናኾነ ምምፅኡ ስዒቡ ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብዚ ጉዳይ ዙርያ ሕጊ ንምውፃእ ተገዲዱ ‘ዩ። ቅድሚ ሰሙን እዚ ብዝምልከት ሓድሽ ሕጊ ዕላዊ ገይሩ ‘ዩ። እዚ ድማ ኣብ ውድድር ዝጥቀምሉ ጫማ ናይቲ ሶል ርጉደት ካብ 20 ሚሊ ሜትር ንከይበልፅ ዝድንግግ እንትኾን ከም ኣውሮፓ ኣቆፃፅራ ኣትሌቲክስ ዓለም ቻምፒዮና ጀሚሩ እቲ ሕጊ ተግባራዊ ከምዝኾን ኣፍሊጦም ‘ዮም።

በዚ ሕጊ መሰረት ዕጥቂ ስፖርት ኣምረቲ ኩባንያ ኣብ ምህርቶም ምምሕያሽ ንምግባር እኹል እዋን ከምዘለዎም ዝገለፀ ኣትሉቲክስ ዓለም ፣ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣትሌታት ብመም ውድድራት ዝጥቀምዎ መጉየይ ጫማ ሶል ርጉዱ ካብ 20 ክሳብ 25ሚሊ ሜትር ከምዝረጉድ ኣዘኪሮም ‘ዮም። ማራቶን ብዝኣመሰሉ ናይ ጎዳና ውድድራት ኣትሌታት ዝጥቀምሉ ናይ መጉየይ ጫማ ሶል ርጉደት 40ሚሊ ከምዝኾነ ኣዘኪሮም ‘ዮም።

ኣትሌቲክስ ዓለም ናይ ኣትሌታት መጉየይ ጫማ ብዝምልከት እዚ ሕጊ ዕላዊ ይግበር ‘ምበር ኣትሌክስ ምስ ዘመኑ ዝጓዓዝ ኣብ ውድድር ቴክኖሎጅታት ኣትሌታት ብፍትሓዊ መገዲ ዝጥቀምሉ ኣሰራርሓ ተዘርጊሑ ንክትዓት ፍታሕ ንምሃብ ፃዕሪ ከምዝግበር ሮይተርስን ቢቢሲ ኣብቲ ጉዳይ ዙርያ ዘውፅኦ ፀብፃብ የመልክት።

እናተራሓሓቁ ዝመፁ ናይ መጉየይቲ ጫማታት ብ መምን ኣብ ጎዳና ዝግበሩ ውድድራት ብዙሓት ክብረ ወሰናት ንክማሓይሹ ዝጎልሀ ፅዕንቶ ከምዝፈጠሩ ዘዘከረ ፀብፀብ ቢቢሲ ፣ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ቶኪዮ 2020 ኦሎምፒክ ኖርዌያዊው ኣርባዕተ ሚኢቲ መሰናኽል ተወዳዳሪ ካርስቲን ዋርሆልም ብባዕሉ ተዳሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን ብ 0ነጥቢ 76ሰከንድ ድሕሪ ምምሕያሽ መጉየይ ጫማ ቴክኖሎጂ ዝፈጠሮ ምፍልላይ ከምዝተዛረበ ገሊፁ።

ኣትሌቲክስ ዓለም ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2024 ቻምፒዮና ዓለም ተግባራዊ ከምዝኸውን ዕላዊ ዝገበሮ መጉየይ ጫማ ጉዳይ ሕድሕድ ዓይነት ውድድር ሕግን ደንብታት ንምውፃእን ንምምካት ኣብ ከይዲ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ ‘ዩ። እዚ ሕጊ ተግባራዊ ንምግባር ብቕድመ ውድድር እዋን ናይ ኣትሌታት ጫማ ትኹረት ተገይሩ ጥቡቕ ቑፅፅር ዝገብር ሓይሊ ሰብ ከምዝምደብ ተገሊፁ ‘ዩ።

ወጋሕ ታ24ሕዳር 2013 ዓ.ም

Recommended For You