‹‹ንኢትዮጵያ ከገልግል እየ ዝብል ማዕረ መሰል ዝረኽበሉ መረፃ ክኸውን ኢና ንደሊ›› ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

 ኣዲስ ኣበባ:- ኣብ ወርሒ ጉንበት ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ንኢትዮጵያ ከገልግል ኢየ ዝብል ማዕረ መሰል ዝረኽበሉ መረፃ ንክኾን ከምዝደልዩ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም። እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ከምዝገለፁዎ፣ ሕድሕድ ዜጋ ሰላም መሰረት ኩሎም ነገራት ከምዝኾነ ፈሊጡ ካብ ሎሚ መዓልቲ መን ንመን ከምዝመርፅ እናሓሰበ ንኽፀንሕ ኣተሓሳሲቦም፡፡

መረፃ ስዒቡ እምኒ ዝድርቢ እንተሃሊዩ ሕብረተሰብ ብሓባር ጠጠው ኢሎም ክከላኸሉዎ ይግባእ ኢሎም፡ ፡‹‹ኣብ ኢትዮጵያ ካብ መረፃ ወፃእ ዝሰጋገር፣ ዝደራደር መንግስቲ ኣይፍጠርን›› ኢሎም። ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ስልጣን ክሕዝ ዝኸእል ብመረፃ ጥራሕ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፣ ነዙይ ፈሊጡ ዝናሓናሕ ሓይሊ እንተሃሊዩዎ፣ ውዳበ እንተሃሊዩዎ፣ ሓሳቡ ሸይጡ፣ ንህዝቢ አእሚኑ ንኽምረፅ ፃዕሪ ክገብር ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

መረፃ ዴሞክራሲያዊ ንኽኸውን ዝደልዩ ሓይሊታት ብዝተኽኣለ መጠን ነዙይ ዝምቹ ሜዳ ከምዘሎ ፈሊጦም ብምስራሕ ኣብ ኢትዮጵያ ብመረፃ ስግግር ስልጣንን ቅቡል መንግስቲን ክፈጥሩ ይግባእ ኢሎም። ካብዚ ወፃእ ዘለዉ ሓሳባት ኩሎም ግን ህልሚታትን ክኾኑ ዘይኽእሉን ከምዝኾኑ ኣገንዚቦም፡፡

ህዝቢ ዝደለዮ ክመርፅ ኣለዎ ዝበሉ ዶክተር ኣብይ፣ሰላም ክቕድምን ማዕረ መድረኽ ምፍጣሩምርግጋፅን ከምዝግባእ’ውን ኣተሓሳሲቦም፡፡ ‹‹ንኢትዮጵያ ከገልግል ኢየ ዝብል ማዕረ መሰል ዝረኽበሉ መረፃ ንኽኸውን ድሌት ኣለና፤ እዚ እንትኸውን ጥራሕ ኢዩ ኢትዮጵያ ክትዕወት ትኽእል›› ኢሎም።

ወጋሕታ 28 ሚያዝያ 2013

Recommended For You