
ትፅቢት ዝግበረሉ ብሄራዊ ጋንታ ኢትዮጵያ ዋልያታት ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ዝሳተፍሉ 2022 ፅዋዕ ኣፍሪካ ክናዋሕ ወይ ድማ ክስረዝ ዝኽእለሉ ዕድል ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ዘገባታት እናወፁ ኸሪሞም እዮም። ምዕራብ ኣፍሪካዊት ሃገር ካሜሮን እተዳልዎ መበል 33 ፅዋዕ ኣፍሪካ ምድላዋ ብእዋኑ ብዘይምዝዛማ እቲ ንሕንሕ ንክስረዝ ወይ ከዓ ካብ ኣፍሪካ ወፃኢ ክካየድ ከምዝኽእል ስግኣት ከምዘሎ ዝፍለጥ ‘ዩ። እዚ ብምኽንያት ምጉታት ምድላው ተደሓሒዙ ስግኣት ንምቕራፍ ካፍን ፊፋን እናተረባረቡ ኣብ ዝርከብሉ ኣብዚ እዋን እቲ ውድድር ክናዋሕ ወይም ክስረዝ ዝኽእለሉ ሓድሽ ስግኣት ኣጋጢሙ ‘ዩ፤ እዚ ድማ ሓድሽ ኮቪድ -19 ዘርኢ ዝኾነ ‹‹ኦሚክሮን›› ዝተብሃለ ሕማም ብምስፍሕፍሑ ፅዋዕ ኣፍሪካ በዚ ዝተልዓለ ንክስረዝ ዝተፈላለዩ ኣካላት ፅዕንቶ እናገበሩ ይርከቡ። ካፍ ብቃል ኣቀባሊኡ እቲ ውድድር ብዝተተለመሉ መሰረት ኣብ ካሜሮን ከምዝካየድ እንተገለፀ ‘ውን ፣ በዚ ጉዳይ ዝተደምደመ ውሳነ ኣይተበፅሐን ። ኣብዚ ሰሙን እናወፁ ዝርከቡ ሓበሬታ ከም ዝገልፅዎ ካፍ ናይቲ ንሕንሕ ዕድል ካብ ፊፋን ማሕበራት ክለባት ኣውሮፓ ምዝርራብ ጀሚሩ ‘ዩ። ካፍ ምስ ኣውሮፓ ክለባት በቲ ጉዳይ ዝመክር ማሕበሩን ክለባትን በቲ ሕማም ስግኣት ተፃወቲ ንምስዳድ ድልየት ከምዘይብሎም እናገለፁ ከምዝኾኑ ስዒቡ ‘ዩ። በዚ ጉዳይ ተኣማኒ ዝኾኑ ፍልፍላት ዜና እቲ ሓደ ፈረንሳይ አርኤምሲ ስፖርት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕላዊ ዝገበሮ ሓበሬታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ከምዝሰረዘን ኣብ መፃኢ ናይ ፈረንጂ ወርሒ ጥሪ መጀመርያ ዕላዊ ክገብር ከምዝኽእል ጠቒሙ ‘ዩ። ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ እዋን ብርክት ዝበሉ ወሰንቲ ተፃወቲ ስለዘስእኑ እንትጅመር ‘ውን ንውድድር ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ክለባት ኣውሮፓን ኣሰልጠንትን ፅዋዕ ኣፍሪካ ንክስረዝ ወይም ንክናዋሕ ኣብ ካፍ ፅዕንቶ ንምሕዳር ሓድሽ ኮቪድ ወረርሽኝ ተወሳኺ ዓቕሚ ፈጢርሎም ‘ዩ። ብፍላይ ክለባት እንግሊዝ ኣብቲ ሃገር እቲ ሓድሽ ወረርሽኝ ብስፊሑ ስዒቡ ተፃዊቶም ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ክኸዱን ክምለሱን ኣብ መፅንሒ ንነዊሕ እዋን ክስእንዎም ከምዘይደልዩን ብግልፂ እቲ ውድድር ንክስረዝ ፅዕንቶ እናሕደሩ ይርከቡ። ክለባት ማሕበር ኣውሮፓ ንካፍን ፊፋን ኣብ ዝፅሓፍዎ ደብዳበ እቲ ወረርሽኝ ስዒቡ ዝውሰድ ጥንቃቐ ስጉምቲ ዘእምን ስለዝይኾነ ተፃወቶም ንምስዳድ ድልየት ከምዘየብሎም ገሊፆም ‘ዮም። ካብዚ ብተወሳኺ ናይቲ ወረርሽኝ ስግኣት ኣብ መፃኢ ጥሪ ኣብ ዝኽፈት ናይ ተፃወቲ ዝውውር መስኮት ክህውኽ ከምዝኽእል ብምግላፅ እዚ ድማ ንኣፍሪካ ፅዋዕ ፀገም ከጋድዶ ከምዝኽል ገሊፆም እዚ ድማ እቲ ውድድር ንክስረዝ ወይም ንክናዋሕ ኣብ ምወትዋት ‘ዮም ዝርከቡ። ዓብይ መድረኽ ስፖርት ዝኾነ ፅዋዕ ኣፍሪካ በታ ምዕራባዊት ሃገር ኣፍሪካ ክካየድ ከምዘይኽእል ካብ ዝሓለፈ ሰሙናት ጀሚሩ ብስፍሓት እናተዘረበ ይርከብ። ካሜሮን ነዚ ዓብይ ውድድር እናገበረቶ ዘላ ምድላው ምጉታትን ነቲ ውድድር ቅድመ ኩነታት ነዚ ምኽንያት ተገይሩ ዝተቐመጠ እንትኾን ፣ ፅዋዕ ኣፍሪካ ኣብ ካሜሮን ዘይካየድ እንተኾይኑ ካፍ እቲ ውድድር ኳታር ንምግባር ቅድመ ምድላው ከምዝገብር እናተዘረበ ፀኒሑ ‘ዩ። 2022 ፅዋዕ ኣፍሪካ ብዋናነት ክካየድ ዝተሓሰበ ኣብ 2020 ወርሒ ሰነ ዝነበረ እንተኾነ ‘ውን ኣብቲ እዋን ኣብ ካሜሮን ዝነበረ ፀባይ ኣየር ፅቡቕ ብዘይ ምዃኑ ኣብ ጥሪ ንክካየድ ካፍ ቅድሚ ኽልተ ዓመት ኣብ ውሳነ ከምዝበፅሐ ዝፍለጥ ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ‘ውን ምስ ኮቪድ 19 ወረርሽኝ ስግኣት ተደሓሒዙ እቲ ውድድር ንኽልተ ዓመት ክናዋሕ ከምዝኽእል ተገሊፁ ‘ዩ። ምድላዉ ካሜሮን ንምግምጋም ብካፍ ዝተወደበ ኮሚቴ እታ ሃገር ውድድሩ ንምእትንጋድ እናገበረቶ ዘሎ ምድላው እቲ ውድድር ንክካየድ ዝተረፎ እዋን ከምዘይስማዕማዕ ዝተገለፀ እንትኸውን ፊፋ ‘ውን ጉዳዩ ብቕርበት ንምክትታል ምድላዉ ንምፍጣን ካሜሮን ግዝያዊ ቢሮ ምኽፋቱ ዝፍለጥ ‘ዩ። ካሜሮን እዚ ፅዋዕ ኣፍሪካ ንምድላው ሕቶ ኣብ ዘቕረበትሉ እዋን ኣብቲ ውድድር ዝሳተፉ ሃገራት ቁፅሪ ዓሰርተ ሽድሽተ ‘ዩ ነይሩ። ኸዚ ግና ኣብቲ ውድደር ዝሳተፉ ሃገራት ናብ ዒስራን ኣርባዕተን ዓብዩ ‘ዩ። እዚ ድማ ካሜሮን ተወሳኺ ስታድየም ንምህናፅ ግዴታ ውሽጢ ኣትያ ‘ያ። ቑፅሪ ተሳተፍቲ ሃገራት ዓሰርተ ሽድሽተ እናሃለወ ‘ውን መኽፈቲ ፀወታ ዘተኣናግድ ስታደየም ህንፀት ዙርያ ዝተፈላለዩ ውዝግብ እናልዓሉ ከምዝነበሩ ዝዝከር ‘ዩ።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ጋዜጣ ወጋሕታ 14 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም