ኣዲስ ኣበባ ብኣትሌቲክስ ውፅኢታዊ ንምግባር ፃዕሪ እናተገብረ’ዩ

ኣብ ኣዳባባይ ዓለም ብስፖርት ኣትሌቲከስ ክብርን ዝናን ዝደረበት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት እዛ ሃገር ዓሚቕ ዓቕሚ ስፖርት ዘለዎም መናእሰይ ብስፍሓት ይርከብዋ:: ኩነታት ኣየር፣ ኣቀማምጣ ቦታ ከምኡ’ውን ኩነታት ኣናባብራ ስዒቡ ገና ብዙሓት ካብ እዋን ቑልዕነቶም ጀሚሩ ዝስሕቦም ስፖርቲ ኣትሌቲክስ፤ ብብቕዓቶም ዝተመስከረሎም ተተካእቲ ኣትሌታት ካብ መሰልጠንቲ ማእኸላትን ጣብያታትን ንክለባት የቕብል’ዩ:: ብዙሓት ኣብ ውሽጢ ክለባት ብዝነብሮም ፃኒሕት ካብ ሃገር ለኸ ክሳብ ዓበይቲ ውድድራት ዓለም ለኸ ተሳቲፎም ዓወትን ዝናን ዝጎናፀፉ ‘ዮም:: ብምዃኑ ክለባት ኣትሌታት ዓቕምን ውህብቶን ብጭቡጥ ናብ ውፅኢታዊ ዘሰጋግሩ ምዃኖም ኣየከራኽርን ‘ዩ:: ኣብ ኢትዮጵያ ፍሉጣት ብዙሓትን ናይ ስፖርቲ ከዋክብቲ ዘፍረዩ ስሙያት ኣትሌቲክስ ክለባት መብዛሕተኦም መቐመጢኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ‘ዩ:: እታ ከተማ ቐዳማይ ዲቪዚዮን ሸውዓተ ክለባት ከምኡ ‘ውን ኣብ ካልኣይ ዲቪዚዮን 15 ክለባት ብምሓዝ ኣብቶም ቐዳሞት ዋላ እትሰለፍ፣ ብሃገር ለኸ ቻምፒዮናት ግና ሽማ ዝለዓል ብደረጃ ሰንጠረዣት ኣብ ናይ ቐዳማይ ቦታ ኣይኮነትን:: ብዓለም ዝድነቑ ብርቕታት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታትና ዝሓቖፉ ክለባት መበገሲት ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ብሃገር ለኸ ቻምፒዮናት ውፅኢት ምስኣና ኣብ ናይ ስፖርት ቤተሰብ ሕቶ ዘልዕል ‘ዩ:: ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ እታፈራሁ ገብሬ፤ እቲ ፌዴሬሽን በዚ ጉዳይ እዚ እናሰርሐ ምዃኑ ምስ ኣዲስ ዘመን ኣብ ዝገበረኦ ቓለ መሕትት ጠቒሰን ‘የን:: እታ ኸተማ ብርክት ዝበሉ ኣትሌታት ከም ምሓዛ መጠን ውፅኢታዊ ዘይኮነትሉ ምኽንያት እቲ ቐንዲ ኣብ መንጎ ክለባትን ማናጀራትን ብዘሎ ክፍተት ምዃኑ ዝገለፃ እተን ሓላፊት፣ ብፍላይ ውፅኢታዊ ዝባሃሉ ኣትሌታት ክለብ እናሃለዎም ኣብ ናይ ማናጀር ውድድራት ምስታፎም ነታ ከተማ ውፅኢት ከትስእን ሓደ ምኽንያት ገይረን’የን ዘቕርባ:: በዚ ናይ ኣትሌታት ጉድኣት ብምትእንጋድን ብኻልኦት ምኽንያታትን ክለባቶም ሓዊሱ ብዝግባእ መልክዕ ከተኣናግዱ ኣይረኣዩን:: ብምዃኑ ክለባትን ማናጀራትን ንምዝርራብ ብወገን እቲ ፌዴሬሽን ምትላሙ የርድኣ:: ከም ገለፃ እተን ሓላፊት፣ ኣብ ካልኦት ክልላት ዘለዉ ክለባት ውድድራት እንትህልዉ ኣትሌታቶም ነቲ ክልል ክውክሉ ይግበር:: ኣብታ ከተማ ዘሎ ኩነታት ግና ካብዚ ዝተፈለየ ‘ዩ:: ኣብ መጀመርያ ክለባት ነቲ ኣመሓዳሪ ከተማ ቐዳምነት ክህቡ ከም ዘለዎም ዝጥቑም ኣሰራርሓ ኣሎ:: ኮይኑ ግና ፈቓደኛ ኣይኮኑን:: ነዚ ፀገም እዚ ንምፍታሕ እቲ ፌዴሬሽን ብሕጊ መሰረት ከም ዝሰርሕን እቶም ክለባት’ውን ነዚ ከም ዘተግብሩ ዝርርብ ተገይሩ ‘ዩ:: ናይታ ሃገር ስፖርት ኣትሌቲክስ ዝመርሖ ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ፣ እንተተኻኢሉ ክልላት ምስ ክልላት፤ ክለባት ምስ ክለባት ብምውድዳር ካብ ክልቲኦም ዝተውፃእፅኡ ምሩፃት ኣትሌታት ካብ ክልቲኡ ብምውፃእ ብምውድዳር ሃገር ዝውክሉ ኣትሌታት ምፍራይ ዝከኣለሉ ኣሰራርሓ ክፍጠር ምግባር ይግባእ ይብላ:: ካብዚ ብተፃራሪ እቲ ፌዴሬሽን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብትልሚ ሒዙ እናሰርሐ እንትኾን ኮይኑ ግና ዘይሰርሖም ዝነበሩ ኣብታ ዓመት ዝተተለሙ ተግባራት ኣብ ምኽንዋን ከም ዝርከብ እተን ሓላፊት ይገልፃ:: ካብዞም ተግባራት እዚኦም ናይ መጀመርያ ልሙድ ቦታ ኣብ ፅገና እንትኸውን፤ ኣብ ጃን ሜዳ ምችው ክኸውን ስራሕቲ ተሰሪሖም ‘ዮም:: ጃን ሜዳ ብፍላይ ምስ ናይ ለበዳ ኮቪድ 19 ተተሓሒዙ ነታ ከተማ ናይ ኣትክልትን ፍራምረን መተዓዳዳጊ ኮይኑ ብምፅንሑ ምኽንያት እቲ ሜዳ ከም ናይ ቕድሚኡ ንልምምድ ከምኡ ‘ውን ኣብ ቐፃሊ ንዝካየድ ሃገር ኣቋራፅ ውድድር ዝምችው ኣይነበረን:: ብምዃኑ ኣትሌታት ካብታ ከተማ ንምውፃእን ኣብ ዝሓሸ ሜዳ ከፊሎም ስልጣኖም ንምቕፃል ተገዲዶም ነይሮም ‘ዮም:: ነዚ ዝተመልከተ ፌዴሬሽን፣ ብምፅራይን ፅርግያ ብምድላውን፣ ኣትሌታት ከይፅገሙ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ሰሪሑ ‘ዩ:: ኣብ ቐፃሊ ኣብቲ ቦታ ዝነብሩ ዝቐረዩ ስራሕቲ ብወገን ፌዴሬሽን ከም ዝስርሑ ኣረዲአን ‘የን:: ሰገናት መናእሰይ ካብ ምፍራይን ናይ ጣብያታት ስልጠና ምስ ምድጋፍ ተተሓሒዙ ፍሉይ ናይ ህፃናት ስልጠና ኣብ ጣብያታት ብምኽፋት እቲ ፌዴሬሽን ኣብ ምንቕስቓስ ከም ዝርከብ ገሊፀን:: ኣብታ ከተማ ክልተ ቤት ትምህርትታት (ቐዳማይ ደረጃ ቤት ትምህርትታት ስብስቴን ወንዲራድን) ናይ ህፃናት ስልጠና ፕሮግራም ዝተኸፈተ እንትኸውን፤ ኣብዞም መሰልጠንቲታት ሜዳን ኣድለይቲ ነገራትን ንምምችቻው ምስ ኣጋር ኣካላት እናሰርሐ ይርከብ:: ዓብዪ ጉያ ኢትዮጵያ ሓደ ናይ ስልጠና ጣብያ ብገንዘብ ንምድጋፍ ብምሕሳብ ምስቲ ፌዴሬሽን እናሰርሐ ከምዝርከብ ወሲኸን ሓቢረን’የን:: እዚ ናይ መጀመርያ ምዃኑ ዝጠቕሳ እተን ሓላፊት፣ በቲ ዘፈር ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ምስራሕ ትፅቢት ከም ዝግብር ይገልፃ:: ውድድር ሓዊሱ ኣብ ማእኸላት መሰልጠኒን ክለባትን ስልጠና ኣብ ቐፃሊ ብምድጋፍ፣ ኣብ ምክትታልን ምቑፅፃርን ቖላሕታ ብምግባር እቲ ፌዴሬሽን ስራሕቲ ከም ዝሰርሕ እተን ሓላፊት ይጥቑማ:: ምስ ስሩዕ ስራሕ ጎኒ ንጎኒ ምስ ወድዓዊ ኩነታት ተተሓሒዙ ክለባት እቲ ፌዴሬሽን ብሓፈሻ ንምክልኻል ከምኡ ‘ውን ነተመዛበሉ ወገናት ዝኸውን 700ሺሕ ብር ዝበፅሕ ሓገዝ ክገብሩ እቲ ፌዴሬሽን እናሰርሐ ምፅንሑ ኣታሓሒዘን ገሊፀን’የን:: ይኹን’ምበር እቲ ፌዴሬሽን ንዝሰርሖም ስራሕቲ ዕንቕፋት ዝኾኖ መዘውተሪ ስፖርት ቦታ ብወገን እቲ ኮሙሽን ቖላሕታ ክወሃቦ ከም ዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪበን ‘የን:: ካልኦት ስፖርትታት ከም ዝሰርሑ መዘውተሪታት ኩሉ ኣትሌቲክስ ‘ውን እንተዝሕሰበሉ በቢከባቢኡ ፅርግያ ሜዳታት እንተዝስፋሕፋሕ ከምኡ ‘ውን ነታ ከተማ ዝውክል ክለብ ክህሉ እቲ ፌዴሬሽን ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ሓገዝ ክግበረሉ እተን ሓላፊት ኣተሓሳሲበን::

መኣርግ ገ/ሄር

7 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You