ኣብ ግድብ ህዳሰ ዘሎ ፅዕንቶ ምምካት የድሊ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፡- ሱዳንን ግብፅን ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘሕድረኦ ዘለዋ ፅዕንቶ ንምምካት ኢትዮጵያ ብሄራዊ ስምምዕ ክትገብር ኣለዋ ክብላ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ተምሃሪት ፒኤችዲ ዝኾና ወይዘሮ መካ ኣደም ተዛሪበን፡፡

ወይዘሮ መካ ምስ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበረኦ ቓለ መሕትት ከምዝገለፀኦ፣ ግብፅን ሱዳንን ኣብ ግድብ ህዳሰ ፍትሓዊ ብዘይኮነ ጥቕመን ንምኽባር ዘገብረኦ ፅዕንቶ ንምምካት መንግስቲ ኢትዮጵያ ጠንኪሩ ክሰርሕ ኣለዎ፡፡ ሓድነት ህዝቢታት ክጠናኸር ይግበኦ፡፡

ብናይ ሰለስቲአን ሃገራት ሚኒስቴር ማይን መስኖን ዝግበር ልዝብ ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ ዝበላ ወይዘሮ መካ፣ኢትዮጵያ ንቕድሚት ብዙሕ ርሕቐት እናኸደት ከምዝመፀትን ኮይኑ ግና ኣብ ቐረባ ግዜ ዘጋጥሙ ዘለዉ ዘይምስምዕማዕ ንናይ ደገ ፀላኢ ዘቓልዕ ስለ ዝኾነ ክእረም ከምዘለዎ ተዛሪበን፡፡

ሓድነት ህዝቢታት ደካማ ብምዃኑ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ እናሐደራ ከምዝኾና ብምጥቋም ነዚ ንምምካት ኩሉ ኢትዮጵያዊ ግዝያዊ ፀገሙ ንጎኒ ብምግዳፍ ንሃገሩ ብሓድነትን ፅንዓትን ዶብ ክብል ኣለዎ ክብላ ኣታሓሳሲበን፡፡

ሱዳን ንትሸዓተ ኣመታት ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ብምዃን ትድግፍ ከምዝነበረት ብምዝኽኻር፤ ነዚ ከትድግፍ ከላ ንርእሳ’ውን ዝጠቕም ከምዝኾነ ስለተረደአት እዩ ነይሩ ኢለን፡፡ ኮይኑ ግና ብድፍኢት ግብፃውያንን ኣብ ኢትዮጵያ ሓድነት ዘይምህላውን ተረዲኦም እዮም ኣብ ጎኒ ግብፂ ክስለፉ ዝኸኣሉ ኢለን፡፡ ነዚ ንምምካት ሓድነት ብጣዕሚ ኣድላይ እዩ፡፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ዘይምርግጋዕ ንናይ ደገ ሓደጋ ዘቓልዕ ብምዃኑ ህዝቢ ክርዳእ ክኽእል ኣለዎ ኢለን፡፡

“ውሽጣዊ ፀገም ከጋጥመና ይኽእል እዩ፡፡” ኮይኑ ግና ኢትዮጵያ ናይ ደገ ፀላኢ ከጋጥማ እንተሎ ሓደ ናይ ምዃን ባህሪ ከምዘለዋን እዚ ፀገም ንሃገርን ህዝቢን ኣዝዩ ጎዳኢ ምዃኑ ብምርዳእ ዘጓንፉ ፀገማት ብሓድነትን ሕብረትን ምምካት ወሳኒ እዩ ኢለን፡፡

ግድብ ኣባይ ንህዝቢ ሱዳን ጠቓሚ ከምዝኾነ ቕድሚ ሕዚ ሰበ ስልጣን ሱዳናውያን ይነግርዎም ከምዝነበሩን ህዝቢ ሱዳን’ውን ዝጠቕሞ ከምዝኾነ ኣፀቢቑ ይፈልጥ እዩ ዝበላ ወይዘሮ መካ፤ ኮይኑ ግና ፖለቲከኛታት ሱዳን እዚ ግድብ እዚ ንሱዳን ዝጎድእ ገይሮም ምቕራቦም ጌጋ ከምዝኾነን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ እቲ ሓቅነት ንህዝቢ ሱዳን ይኹን ንሃገራት ዓዕራብ ብዝሰምዕዎ ቋንቋ ንምርዳእ ፃዕሪ ምግባር ከምዘድሊ ተዛሪቦም፡፡

ሱዳን ኢትዮጵያ ብናይ ውሽጣዊ ኵናት ተዳኺማ እያ፣ ሕዚ ኢና ክነጥቕዓ ንኽእል ብዝብል እያ ኣብ ዶብ ይኹን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ፀገም እናፈጠረት ዘላ፤ ናይ 1959 ዓ.ም ክፍፍል ማይ ሱዳንን ግብፅን ጥራሕ ዝተሰማምዕሉ ውዕል ንኢትዮጵያ ከግድዳ ከምዘይኽእል ኣመልኪተን፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 28 ሚያዝያ 2013

Recommended For You