
ትንታነ-ዜና
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ብምቕራያ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን እናተጎድአት ትርከብ።
ገዚፍ ኢኮኖሚ እናሃነፀት ዘላ ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ንግልጋሎት ወደብ ብቢሊዮናት ዶላር ወፃኢ ትገብር።ብምዃኑ ኢትዮጵያ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ከትንብር ስለዘይትኽእል እዚ ወለዶ ብሰላማዊ መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ይሓትት ኣሎ።
ነበር ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም ከምዝብልኦ ‹‹ኢትዮጵያ ምስ ዘለዋ በዝሒ ህዝቢን ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ተተሓሒዙ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ከትነብር ስለዘይትኽእል እቲ ሕቶ ኣወንታዊ መልሲ ከይረኸበ ዝዕፆ ፋይል ኣይኮነን››፤ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ንድሕሪት ዝቕልበስ ወይ ኣወንታዊ መልሲ ከይረኸበ ዝዕፆ ፋይል ኣይኮነን ክበሃል እንተሎ እዚ ሕቶ ሐዚ እንተዘይተመለሰ ‘ውን ቐፃሊ ወለዶ ዝምልሶ ወይ ዕዮ ገዛ ቐፃሊ ወለዶ ‘ዩ ዝኸውን ክብላ ይገልፃ።
ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍደገ ባሕሪ ሕቶ ምልዓላ ፍትሓዊ፣ ሕጋዊን መሰልን ‘ዩ ዝበላ ወይዘሮ ኬርያ፤ እዚ ሕቶ እዚ ምዝንግዑ እንተዘይኮይኑ ከም ሕቶ ምልዓሉ ግቡእን መሰልን ‘ዩ፤ ክሳብ ፍትሓዊ መልሲ ዝረክብ ድማ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ ክብላ ‘የን ዘርድኣ።
ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ እትረኽበሎም ኩሎም ሰላማዊ መንገድታት ከትጥቐም፣ ከትፅዕር፣ ከትሰርሕ ኣለዋ። ምኽንያቱ እዚ ክበሃል እንተሎ መሰልካን ሕቶኻን ክትሓትት ግድን ስለዝኾነ ዴሞክራሲያዊን ሰላማዊን ብዝኾነ መንገዲ ንምፍታሕ ዝተጠናኸረ ፃዕሪ የድሊ ይብላ።
ሕቶ ኢትዮጵያ ኣወንታዊ መልሲ ምርካብ ንሃገርን እቲ ኸባቢን ረብሓ ስለዘለዎ ኣወንታዊ መልሲ ከትረክብ ኣለዋ፤ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዝሰኣነትሉ ብኣጋጣሚ ዝተፈጥረ ዘይኮነስ ብናይ ታሪኻዊ ጌጋ ዝመፀ ‘ዩ ዝበላ ወይዘሮ ኬርያ፤ ብምዃኑ ‘ውን እተን ናይ እቲ ዞባዊ ሃገራት ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ተተሓሒዙ ዝፍጠር ቅርሕንቲ ክህሉ የብሉን ይብላ።
ኣብቲ ዞባ ሓበራዊ ዕቤትን ሰላምን ክነግስ ከም እኒ ኢትዮጵያ ዝበላ በዝሒ ህዝቢ ዘለዎንን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኣፍደገ ባሕሪ ክረኽባ ስለዝግባእ ዝረኽባሉ መንገዲ ምፍጣር የድሊ። ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ምርካባ ንበዓላን ነቲ ዞባን ኣዝዩ ጠቓሚ ‘ዩ። ብፍላይ ዝተረጋገዐ ኢኮኖሚን ሰላምን ፀጥታን ክነግስ ኣዝዩ ዝሕግዝ ‘ዩ።ኣፍደገ ባሕሪ እንተረኺባ ንኢትዮጵያ ጥራሕ እንተይኮነስ ነቲ ከባቢ ‘ውን ብኹለመዳይ ተረባሒ ‘ዩ ክብላ የማላኽታ።
ካሊእ ነዚ ሓሳብ እዚ ዝድግፉ ድማ ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ ገብረመስቀል ‘ዮም። ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ እንትገልፅዎ፤ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣወንታዊ መልሲ እንተረኺቡ ተረባሕቲ ዝኾና ኩለን ሃገራት እቲ ከባቢ ‘ምበር ኢትዮጵያ ጥራሕ ኣይኮነትን። ኢትዮጵያ ተጠቓሚት ኣፍደገ ባሕሪ ምስእትኸውን ተደጋጊፍካ ንምዕባይ ዝሕግዝ ‘ምበር ንማንም ሃገር ዝጎድእ ኣይኮነን ይብሉ።
ከም ገለፃ ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፤ ኣብ ምዕባይ ኢኮኖሚን ምስፋን ሰላምን ፀጥታን እቲ ከባቢ ዘለዎ ረብሓ ልዑል ስለዝኾነ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ክምለስ ኣለዎ፤ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እትኸዶ ዘላ ክያዶ ትኽክል ‘ዩ፤ ብሓይሊ ኣይኮነትን እትኸድ ዘላ ብሰላም ‘ዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ነገር ብሰላም እንተኸይድካዮ ኢኻ ተራባሒ እትኸውን፤ እዚ ድማ ንኹለን ሃገራት እቲ ከባቢ ዝጠቕም ‘ዩ።
እቲ ሕቶ ትኽክልን ፍትሓዊን ክሳብ ዝኾነ ካልኦት ሃገራት ክቕበለኦ ኣለዎን ዝበሉ ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፤ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ምምላስ ማለት ተሓባቢርካ ብኢኮኖሚ ንምዕባይን ሰላምን ፀጥታን ንምርግጋዕን ዝጠቅም ስለዝኾነ ካልኦት ሃገራት ‘ውን ክድግፈኦ ኣለዎን። ከምኡ ‘ውን ኩሉ ኢትዮጵያዊ ክድግፎ ኣለዎ ክብሉ ይምዕዱ።
ነዚ ብኣወንታ ምምልካት የድሊ። ሃገራት ቐርኒ ኣፍሪካ ክዓብያ ዝኽእላ ብምድግጋፍ ‘ምበር ብምንፅፃል ኣይኮናን። ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሓቢርካ ንምዕባይ ‘ምበር በይና ንምዕባይ ኣይኮነን። ሓቢርና ንዕበ ዝበለ ክድገፍ ‘ዩ ዝግበኦ ‘ምበር ብኣሉታዊ መልክዕ ክረኣይ የብሉን ክብሉ ይገልፁ::
ኤርትራ ሰፊሕ ኣፍደገ ባሕሪ ሒዛ ተዘይ ተጠቒማትሉ ትርጉም የብሉን ዝበሉ እቶም ጀነራል፤ ኩልና ብስምምዕነት ተተጠቂምናሉ ንኹልና ዘርብሕ ‘ምበር ዝጎድእ ኣይኮነን። ዘይምጥቓም ንወለዶ ‘ዩ ዘምክን ዘሎ ‘ምበር ካሊእ ትርጉም የብሉን ክብሉ የመልክቱ።
ኣፍደገ ባሕሪ እንተዘይተጠቒምካሉ ምህላዉ ትርጉም የብሉን፤ ናብ ረብሓ ክውዕል እንተሎ ብእኡ ልክዕ ኩለን ሃገራት እቲ ከባቢ ይለምዓን ይቕየራን፤ ንቐፃሊ ወለዶ ምሕሳብ የድሊ፤ እዚ ክኸውን እንተኾይኑ ድማ ኢኮኖሚያዊ ፀገም ይፍታሕ፤ ኢትዮጵያ እንተተጠቐመት ኩሉ ይርባሕ ‘ምበር ጉድኣት የብሉን፤ ብፍላይ ኤርትራ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ከትዕንቕፅ ኣይግበኣን ክብሉ ምዒዶም።
ኢትዮጵያ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ምልዓላ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘሰግእ ኣይኮነን፤ብሓይሊ ኣፍደገ ባሕሪ ክወስድ ‘የ ኣይበለትን፤ ንዘራረብ፤ ሓቢርና ንጠቐም፤ ሓቢርና ንዕበ ‘ያ ትብል ዘላ፤ ቕንዕና እንተልዩ ናብ ስግኣት ዘብፅሕ ኣይኮነን፤ ኣወንታዊ መልሲ ‘ዩ ዘድሊ። ብሓባር እናተጠቐምካ እንተዓቢኻ ሰላምን ልምዓትን ይነግስ ‘ምበር ካሊእ ጉድኣት የብሉን ይብሉ።
ኢትዮጵያ ብዘይ ኣፍ ደገ ባሕሪ ማለት ቖንጆ ገዛ ብዘይ ኣፍደገ ማለት ‘ዩ፤ ኣፍደገ ዘይብሉ ገዛ መቓብር እንተዘይኮይኑ ገዛ ክኸውን ኣይኽእልን። ስለዝኾነ ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከም ሃገርን ህዝብን ምቕፃልን ዘይምቕፃል ጉዳይ ህልውና ስለዝኾነ ኣቓሊልካ ዝረኣይን ናብ ድርድር ዝቐርብ ጉዳይ ኣይኮነን ክብል ዝገልፅ ድማ ፖለቲከኛ ኣይተ ስዩም ዮሃንስ ‘ዮም።
ኢትዮጵያ ምስ ዘለዋ በዝሒ ህዝብን ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ተኣሳሲሩ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ከትነብር ስለዘይትኽእል ኢትዮጵያዊ ጥራሕ እንተይኮነስ ዓለም ‘ውን ነዚ ተረዲኡ ክድግፍ ይግባእ፤ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኣወንታዊ መልሲ እንተረኺቡ ህላወ ሃገርና ካብ ምርግጋፅ ሓሊፉ ናይቲ ዞባ ኩለ ኩለመዳያዊ ዕቤት ንምርግጋፅ ‘ውን ዝሕግዝ’ዩ፤ ከምኡ ‘ውን ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ዝምጥና ክብሪ ረኺባ ተሓፊራ ከትነብር ዕዙዝ ግደ ኣለዎ ይብሉ።
ካብ ናይ በዓላ ረብሓ ሓሊፉ ኣብቲ ዞባ ዝተረጋገዐ ኢኮኖሚ፣ ሰላምን ፀጥታን ክህሉ ስለዝሕግዝ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ተደጋጊፍካ ሓቢርካ ናይ ምዕባይን ሂብካ ናይ ምቕባልን መትከልን ሰላማዊ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪን ኣወንታዊ መልሲ ክወሃባ ይግባእ ክብሉ ይገልፁ።
ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ብዘይ ኣግባብ ብምስኣና ዲፕሎማሲን ኢኮኖሚያዊ ሉኣላውነታን እናተጎድአት ፀኒሓ ‘ያ፤ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ዝነበርዋ ኣፍ ደገ ባሕሪ ብዘይ ኣግባብ ዝሰኣነት ጥራሕ እንተይኮነትስ ብታሪኽ ይኹን ብጂኦግራፊ ካብ ኣፍ ደገ ባሕሪ ዝረሓቐት ስለዘይኮነት መሊሳ ከትረክብ ኣለዋ ክብሉ የርድኡ።
ኢትዮጵያ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብፍላይ ካብ ዘመነ ኣክሱም ኣትሒዛ ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ ከምዝነበረት ታሪኽ ድርሳናት የርድኡ።ኮይኑ ግና ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ጌጋታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣፍደገ ባሕሪ ኣልቦ ኮይና ትርከብ።
መበገሲ ምስኣን ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጣልያን ከትወድቅ ምኽኣላ ስዒቡ ዝመፀ ናይ ኤርትራ ናይ ምግንፃል ድሌት ‘ዩ እንትኾን ኤርትራ ብህዝበ ውሳነ ናይ ምግንፃል መሰላ እንትፈቀደላ ኣፍደገ ባሕሪ ሒዛ ብምግልፃላ ኢትዮጵያ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ከትቐሪ ከኢላ ‘ያ።
ኢትዮጵያ ሐዚ ብዘለዋ ሃፍተ ገነት፣በዝሒ ህዝቢ ካብ ባሕሪ ብዘለዋ ጂኦግራፊያዊ ርሕቐት ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ፍትሓዊን እዋናውን‘ዩ።ከምኡ ‘ውን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝተረጋገዐ ኢኮኖሚያዊ ምንቕስቓስን ሰላምን ክህሉ ዝሕግዝ ስለዝኾነ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ እዚ ወለዶ ናይ ህልውና ጉዳይ ስለዝኾነ አወንታዊ መልሲ ንክረክብ ዝተጀመረ ፍትሓዊ ሕቶ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ክብሉ የመላኽቱ።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 26 ሰነ 2017 ዓ.ም