
ዜና ጠዓሞት
ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ
ጎረቤት ሃገራት ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብቕንዕና ንክርድእዎን እቲ ሕቶ ንምልማዕን ንምዕባይን ካብ ዘለና ድሌት ከምዝኾነን ክርድኡ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ እንትዝትዩ ከምዝበልዎ፤ ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ምላሽ ንክረክብ እናሰርሐት ከምትርከብ ‘ውን ኣረዲኦም።ጉዳይ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኣጀንዳ ፖለቲካ ከምዘይኮነ ብምግላፅ፤ እቲ ጉዳይ ንኢትዮጵያ ጉዳይ ህልውና ‘ዩ ኢሎም።
ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘይምህላዉ ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ልዑል ፅልዋ እናሕደረ ከምዝርከብ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ጉዳይ ቅልጡፍ መፍትሒ ከምዘድልዮ ኣመላኺቶም።ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ከምዘድልያን እዚ ድማ ብሕግታት ንግዲ ምላሽ ክረክብ ‘ዩ ኢሎም ከምዝኣምኑን ገሊፆም።
ኣፍ ደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ኣጀንዳ ፖለቲካ ዘይኮነስ ጉዳይ ህልውናኣ ‘ዩ ክብሉ ናይ ኩሉ ግዜ ድሌት ኢትዮጵያ ምስ ጎረቤታ ብሓባር ምልማዕ ‘ዩ።ኢትዮጵያ ሰላም ምዃናን ምልማዓን ንዕቤት እቲ ዞባ ኣወንታዊ እጃም ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገርን ልዑል በዝሒ ህዝቢ ዘለዋን ‘ያ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሰላምን ልምዓትን ንኢትዮጵያ ቁልፊ ጉዳያት ከምዝኾኑ ጎረቤታ ክፈልጡ ከምዝግባእ ፀሪሖም።
- 2 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ወፃኢ ንግዲ
ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት 11 ኣዋርሕ ካብ ወፃኢ ንግዲ ልዕሊ 7 ነጥቢ 2 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ረኺባ።
ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣፈፃፅማ ትልሚ 11 ኣዋርሕ ሪፖርት እቲ ትካል ንቤት ምኽሪ እንተቅርቡ፣ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ካብ ወፃኢ ንግዲ 7 ነጥቢ 2 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ምርካቡ ገሊፆም። ኣብ በጀት ዓመት መወዳእታ ሓፈሻዊ እቶት ልዕሊ 8 ቢሊዮን ዶላር ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሮም።
ንግዲ ንምዝማን፣ ሃገራዊ እቶት ንምዕባይ፣ ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምግታዕ፣ ዋጋ መነባብሮ ንምንካይን መሰረተ ልምዓት ዕዳጋ ንምስፋሕን ዝተኻየዱ ንጥፈታት ንቤት ምኽሪ ኣብራህሪሆም።
ልዕሊ 5 ነጥቢ 6 ቢሊዮን ፈልስታት
ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሎሚዓመት ልዕሊ 5 ነጥቢ 6 ቢሊዮን ፈልስታት ንምትካል ምድላው ምግባሩ ቢሮ ግብርና ክልል ኦሮሚያ ኣፍሊጡ።
ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮን ሓላፊ ዘፈር ሓለዋ እፅዋትን ደጀኔ ሂርጳ ንጋዜጣ ፕላስ ትግርኛ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብቲ ክልል ናይ ሎሚዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንምክያድ እኹል ምድላው ተገይሩ።
በዚ ‘ውን ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት እቲ ክልል ልዕሊ 5 ነጥቢ 6 ቢሊዮን ፈልስታት ምድላዎምን ካብዚ ወርሒ ጀሚሩ ከም ኩነታት ኣየር በቢኸባቢኡ ስራሕቲ ምትካል ከምዝጅመር ገሊፆም።
መብዛሕቲኦም ፈልስታት ሃገር በቆልን ምስ ነባሪ ኣየር እቲ ከባቢ ዝስማዕምዑን ምዃኖም እቶም ሓላፊ ገሊፆም።ንምግቢ እንስሳት፣ ንፋብሪካ ከምኡ ‘ውን ንለውጢ ነባሪ ኣየር ልዑል ኣበርክቶ ንምግባር ዓቕሚ ንዘለዎም ፈልስታት ትኹረት ከምዝተወሃበ ተዛሪቦም።
5 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ሬሚታንስ
ኣብ በጀት ዓመት ትሽዓተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ካብ ወፃኢ ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ ብሬሚታንስ 5 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ተላኢኹ ክብል ግልጋሎት ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ገሊፁ።
ሓላፊ ክፍሊ ትልሚ እቲ ግልጋሎት ወንድወሰን ተረፈ ንፋና ዲጂታል ከምዝበለዎ፣ ኩለመዳያዊ ተሳትፎ ዲያስፖራ ንምጥንኻር ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ። ኣብዚ በጀት ዓመት ምስ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ተተሓሒዙ ዲያስፖራ ናብ ሃገር ዝልእኾ ሬሚታንስ ንኽውስኽ ጠመተ ሂቡ ምስርሑ ተዛሪቦም። በዚ ድማ ካብ ዲያስፖራ ዝልኣኽ ሬሚታንስ ንምዕባይ ብዝተገበረ ደገፍን ክትትልን 5 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ብሬሚታንስ ናብ ሃገር ምልኣኹ ሓቢሮም።
ዲያስፖራ ናይ ሸርፊ ወፃኢ ኣካውንት ክኸፍት ምግባሩ ሓቢሮም፣በዙይ ‘ውን 18 ሺሕን 889 ኣካውንት ምኽፋት ተኻኢሉ ኢሎም። ብዝተኸፈተ ኣካውንት 25 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዶላር ምዕቋሩ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፣ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ልዑል ዕብየት ምርኣዩ ኣረዲኦም።
ዩኒቨርሲቲ መቐለ ልዕሊ 2 ሽሕን 300 ተምሃሮ ኣመሪቑ
ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብዝተፈላለዩ ዓውድታ ትምህርቲ ብቀዳማይ፣ካልኣይ ን ሳልሳይ ዲግሪን ዘምሃሮም ልዕሊ 2 ሽሕን 300 ተምሃሮ ኣመሪቑ።
ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ፋና ሓጎስ(ዶ/ር) ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ተረኺበን ከምዝበልኦ፤ ናይ ሎሚ ተመረቕቲ ተምሃሮ ካብ ዝኾነ ይኹን ንላዕሊ ህዝብን ሃገርን ብትግሃት፣ብቕንዕናን ተኣማንነትን ንምግልጋል ክዳለዉ ኣለዎም።
ዩኒቨርሲቲ መቐለ ካብ ምምሃርን ምስትምሃርን ብተወሳኺ ኣብ መፅናዕትን ምርምርን ብምስራሕ ንዝለዓለ ውፅኢት ከምዝበቕዐ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ብዝተጠናኸረ መልክዑ ከምዝቕፅለሉ ኣረጋጊፀን።
ብካልእ ዜና ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም 1 ሺሕን 357 ተምሃሮ አማሪቑ ኣሎ። እቶም ምሩቓን ብ33 ዓይነታት ትምህርቲ ብስሩዕ፣ ክረምቲን ምሸታዊን ፕሮግራማት ዝተምሃሩ ‘ዮም።
ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ኮነ ሕፅረት ቀረብ የለን
ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ዝኾነ ዓይነት ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ኮነ ሕፅረት ቀረብ የለን ክብሉ ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃቡዎ ገሊፆም።ኣብ ቀረብን ዝርገሐን ነዳዲ እናተርኣየ ዝርከብ ፀገም ብዘይተገበአ መገዲ ብዝተጋወሐ ዝተሰሓሓተ ሓበሬታ ምኽንያት ዝተፈጠረ ‘ዩ ኢሎም።
ኣብ ወርሒ ግንቦት መንግስቲ ሓፈሻዊ ድጎማ ነዳዲ ከምዘልዐለ ብምዝኽኻር፣ ይኹን ‘ምበር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት እቲ ድጎማ ብዝምልከት ስኑዕ ሓበሬታ ተጋዊሑ ‘ዩ ኢሎም።
ነዚ ስዒቡ ድማ ዋጋ ነዳዲ ዝለዓለ ክኸውን ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ክህሉ ከምዝገበረን ብምኽንያት ስሱዓት ነጋዶ ሕፅረት ነዳዲ ከምዘሎ ንምምሳል ፈተነ ከምዝተገበረን ኣብሪሆም። ብምዃኑ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝኾነ ዓይነት ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ከምዘየለን ኣብ ቀረብ ማሕለኻ ኣብ ልዕሊ ዝፈጥሩ ኣካላት ክትትልን ስጉምቲን ምውሳድ ከምዝተጀመረ ኣብሪሆም።
በዚ ድማ ፍቓድ ካብ ምሕዳግ ካብ 300 ሺሕ ክሳብ 500 ሺሕ ብር ቅፅዓት ገንዘብን ሓሊፉበ ኣብ ሰብ ዋና መከፋፈሊ ነዳዲ ካብ 2 ክሳብ 5 ዓመት ዝበፅሕ ናይ ማእሰርቲ ቅፅዓት ከምዝመሓላለፍ ኣተሓሳሲቦም።
ወጋሕታ 19 ሰነ 2017 ዓ.ም