
ዜና ትንታነ
ማይ ናይ ሓንቲ ሃገር ዕብየትን መፃኢ ዕድልን ካብ መንጎ ዝውስኑ ሃፍትታት ተፈጥሮ ነቲ ዝዓበየ ብፅሒት ከምዝሕዝ ሰብሞያ ሃፍቲ ማይ የረድኡ። ኢትዮጵያ ልዑል ዝኾነ ማይ ገፀ ምድርን ከርሰ-ምድርን ከምዘለዋ እንተተዘረበ ‘ውን፤ ንዘመናት ነዚ ሃፍታ ብኣግባቡ ኣብ ረብሓ ከየውዓለት ተሪፋ ‘ያ ይብሉ እዞም ሰብሞያ።
ንምዃኑ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሃገርና ብሃፍቲ ማያ ናይ ምጥቃም ሃዋህዋ እንታይ ይመስል? ግድብ ኣባይ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍም ብምብፅሑ እንታይ ዓይነት ትርጉም ይህልዎ? ክንብል ንምሁራን እቲ ዘፈር ሕቶ ኣቕሪብና።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር መምህር ምምሕዳር ሃፍቲ ማይን ኢንጅነሪንግን ከምኡ ‘ውን መስራትን ፕሬዝዳንት ማሕበር ሰብሞያ ሃፍቲ ማይ ኣማኑኤል ኣባተ(ዶ/ር) ከምዘረድእዎ፤ “ኢትዮጵያ ልዕሊ 122 ቢሊዮን ሜትሪክ ኪዩብ ማይ ገፀ ምድርን ኣብ ቀረባ ዝወፅኡ መፅናዕትታት ክሳብ ልዕሊ 40 ቢሊዮን ሜትሪክ ኪዩብ ዝግመት ሃፍቲ ማይ ኸርሰ ምድሪ ኣለዋ።
ካብዚ ውሽጢ ንዝስተ፣ ንሃይድሮ ኤሌክትሪክ ይኹን ንልምዓት መስኖ እናተጠቀመቶ እትርከብ ተደማሚሩ ካብ 10 ሚኢታዊ ኣይበልፅን ይብሉ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ብሃፍቲ ማያ ናይ ምጥቃም ዓቕማ ምምሕያሽ ኣርእዩ ‘ዩ፤ ነዚ ‘ውን ህንፀት ግድብ ኣባይን ስራሕቲ ልምዓት መስኖን መርኣያ ‘ዮም” ኢሎም።
“ኢትዮጵያ ዝዓበየ ሃፍታ ማይ ‘ዩ” ዝብሉ ኣማኑኤል (ዶ/ር)፤ ነዚ ሃፍቲ ብኣግባቡ ኣብ ረብሓ ብምውዓል ውሕስነት ምግቢ ምርግጋፅ ይኹን ብርኪ መነባብሮ ሰባት ምምሕያሽ ትኽእል ‘ያ። ግድብ ኣባይ ንቐረብ ሓይሊ ብልዑል ደረጃ ዘዕብይ ዘዕቢ ብምዃኑ ንዘፈር ኢንዱስትሪ ዘተኣማምን ውሕስነት ዝህብ ‘ዩ፤ ህዝቢ ኢትዮጵያ ረብሓ ማይ ብኣግባቡ ንኽርዳእን ንማይ ዋጋ ንኽህብን ሓዱሽ ምንቕቓሕ ዝፈጠረ ‘ዩ” ሎም።
ማይ ነዳዲ 21 ክፍለ ዘመን ‘ዩ ዝብሉ ኣማኑኤል (ዶ/ር)፤ ግድብ ኣባይ ‘ውን ብብዙሕ ላዕልን ታሕትን ፀቕጥታትን ኣቢሉ ንኽሓልፍ ዝተገደደ በዚ ምኽንያት ምዃኑ የረድኡ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣርባምንጭ መምህርን ተመራማራይን ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማይ ኣርባምንጭ ኣያኖ ሲርቦ(ዶ/ር)፤ ኣማኑኤል (ዶ/ር) ብዘቕረብዎ ሓሳብ ዝድግፉ ምዃኖም ብርኢቶኦም የረድኡ። ኢትዮጵያ ፅቡቕ ሃፍቲ ማይ ኣለዋ ተባሂሉ እንተተሓሰበ ‘ውም ሃፍቲ ማያ ብኣግባቡ ኣብ ረብሓ ይውዓል እንተተባሂሉ ግና ብመንፅር ዘለዋ በዝሒ ህዝብን ስፋሓት መሬትን እኹል ‘ዩ ዝበሃል ኣይኾነን ይብሉ።
ኢትዮጵያ ብማይ ናይ ምጥቃም ጅማሮ ንጥፈታት እናካየደት ምዃና ከም ፅቡቕ ዝረኣይ ምዃኑ ኣልዒሎም፤ ብፍላይ ግድብ ኣባይ ከም ሃገር ህዝቢ ናይ ማይ ረብሓ ዝረኣየሉን ኢትዮጵያውያን ብናይ ዓርሶም ዓቕሚ ናይ ዘመናት ሕራነኦም ዘውፅእሉ ዓብዪ ዓወት ምዃኑ ሓቢሮም።
ግድብ ኣባይ ህዝብታት ኢትዮጵያ ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንክኾኑ ዘኽእልን ምህርቱ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብምቕራብ ሸርፊ ወፃኢ ክርከብ ዝገብርን ምዃኑ ተዛሪቦም። ብፍላይ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ዝግበር ንግዳዊ ምትእስሳር ኢትዮጵያ ብዘፈር ኢነርጂ ግደ መሪሕነት ንኽትፃወት ሃፍቲ ማያ ልዑል ኣበርክቶ ከምዘበርክተላ ይገልፁ።
ኢትዮጵያ ሃፍቲ ማያ ጥራሕ ክሳብ 45 ሽሕ ሜጋ ዋት ዝግመት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍልፋል ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘለዋን 3 ነጥቢ 8 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ብመስኖ ንምልማዕ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘለዋ መፅናዕትታት የመላኽቱ ዝበሉ ኣያኖ(ዶ/ር)፤ ዛጊድ ነዚ ሃፍቲ ብዘይምጥቃማ ውሕስነት ምግቢ ክተረጋግፅ ከምዘይኸኣለት ሓቢሮም፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዘፈር ማይ እናተሰርሐ ዝርከብ ስራሕ ተስፋ ዝህብ ምዃኑን ዕብየት ኢትዮጵያ ዘወንጭፍን ምዃኑ የመልክቱ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደብረብርሃን መምህር ፖለቲካል ሳይንስን ዓለም ለኻዊ ርክብን ኣይተ ሓሳቡ ተስፋ ከምዘብርህዎ፤ ግድብ ኣባይ ምዝዛሙ ነቲ ዞባን ንመላእ ኣፍሪካን ምንቅስቓስ ልምዓት መርኣያ ዝኸውን ዓወት ተገይሩ ይረኣይ። ኣፍሪካ ካብ ኻልኦት ኣህጉራት ንድሕሪት ትተርፈሉ ሓደ ምኽንያት ሃፍቲ ተፈጥሮኣ ንምልማዕ ዘኽእል ናይ ገንዘብን ቴክኖሎጅን ዓቕሚ ብምስኣና ‘ዩ።
ኢትዮጵያ ነዚ ብዝቕልብስ መልክዑ ብናይ ዓርሳ ዓቕሚ ንግድብ ኣባይ ሃኒፃ ንፍፃመ ምብፃሓ ንኣፍሪካውያን ዓብዪ ልምዲ ዝህብ ‘ዩ። ኣፍሪካውያን ገንዘብን ዓቕሚ ሓይሊ ሰቦምን ኣተሓባቢሮም ካብ ፀገም እንተዘይወፂኦም ካብ ወፃኢ ዝወርደሎም ነገር ከምዘየለ ዝመሃርሉ ‘ዩ ይብሉ።
ሕፅረት ሓይሊ ዝዓበየ ዕንቅፋት ልምዓት ምዃኑ ዝተዛረቡ ኣይተ ሓሳቡ፤ ግድብ ኣባይ ምዝዛሙ ብፍላይ ኣብቲ ዞባ ንዘሎ ሕፅረት ሓይሊ ክቐርፍ ዝኽእል ‘ዩ ይብሉ። ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ዘለዋ ሓይሊ ንሃገራት እቲ ዞባ ብምክፋል ፀገመን እናቐረፈት ምዃና ሓቢሮም፤ እቲ ግድብ ምዝዛሙ ትገብሮ ቐረብ ሓይሊ ብዕፅፊ ከዕብየላ ዝኽእል ብምዃኑ ንሃገራት እቲ ከባቢ ቑልፊ ፍታሕ ብምዃን የገልግል ክብሉ የረድኡ።
ግድብ ኣባይ ምዝዛሙ ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማሲያዊ፣ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ረብሕኡ ልዑል ከምዝኾነ ብምጥቃስ ብሄራዊ ሓድነትን ኩርዓትን ዝውስኽ ምዃኑ ‘ውን የመልክቱ።
ኣማኑኤል (ዶ/ር) ሃገራት ብመንፅር ንማይ ዝህብኦ ዓብዪ ዋጋን ትኹረትን ኢትዮጵያ እንትረኣይ ኽፍተት ከምዘለዋ ሓቢሮም፤ ብማይ ናይ ምጥቃም ልምዳ እናተመሓየሸ እንትመፅእ ጥንኩር ትካል ምምሕዳር ማይ እናፈጠረት ክትኸይድ ከምዘለዋ ተዛሪቦም።
ሃፍቲ ማይ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ኣብቲ ዘፈር መፅናዕትን ምርምርን ምግባር ከምዘድሊ ገሊፆም፤ ብመንፅር እዚ ቕድም ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኢንስቲትዩት ሃፍቲ ማይ ምንባሩ ብምዝኽኻር፤ እዚ ትካል ዓርሱ ኽኢሉ ጠንኪሩ ክወፅእ እናተገብኦ ማእኸል ናብ ምዃን ክወርድ ምግባር ግቡእ ከምዘይኾነ የመልክቱ።
ብኣንፃሩ ግብፂ ልዕሊ 44 ሽሕ ኣብ ዘፈር ማይ ዝሰርሑ ምሁራንን ሰብሞያን ከምዘለዉዋ ዝሓበሩ ኣማኑኤል (ዶ/ር)፤ ኣብ ኢትዮጵያ ቑፅሪ ኣብ ዘፈር ማይ ዝሰርሑ ተመራመርቲ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ሃፍቲ ማይ ብዝተፈላለዩ መማረፅታት ንምጥቃም ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኽፍተት ስለዝፈጥር ንቐፃሊ ነዚ ኣሰራርሓ ምስትኽኻል የድሊ ይብሉ።
ኣያኖ (ዶ/ር) ኣብ ቐፃሊ ኢትዮጵያ ግድባት ሃይድሮ ኤሌክትሪክ ኣብዚሓ ብምህናፅን ስራሕቲ መስኖ ብምስፍሕፋሕን ሃፍቲ ማያ ብኣግባቡ ኣብ ረብሓ ኣውዒላ ንህዝባ ካብ ተፀባይነት ክተላቕቅ ትፅቢት ይግበረላ ይብሉ።
ዓበይቲ ሩባታት ጥራሕ ዘይኾኑስ ገባር ሩባታትን ተፋሰሳትን ‘ውን ኣብ ዝርከቡሉ ከባቢ ንልምዓት ብምውዓል ተጠቃሚነት ክተረጋግፅ ከምዘለዋን ሃፍቲ ማይ ብዘላቕነት ንምቕፃል ‘ውን ኣብ ስራሕቲ ሓለዋ ከባቢ ትኹረት ምግባር ከምዝግባእ ሓቢሮም።
24 መጋቢት 2003 ዓ.ም ብናይ ዓርስና ዓቕሚ ንምህናፅ እምነ ኩርናዕ ግድብ ኣባይ እንትነንብር ብማሕበረሰብ ዓለም ክውድእዎ ‘ዮም ዝብል እምነት ኣይነበረን ዝበሉ ኣይተ ሓሳቡ፤ ነዚ ዓብዪ ፕሮጀክት ክንዛዝም ምኽኣልና ብሄራዊ ኹርዓትን ሓድነትን ኣጊናፂፉና፤ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ክብደት ኢትዮጵያ ንክውስኽ ገይሩ ይብሉ።
ሩባ ኣባይ ኣብ ዓለም ኢ-ፍትሓውነት ካብ ዝነገሶም ኣጠቓቕማታት ሃፍቲ ተፈጥሮ እቲ ሓደ ምንባሩ ብምግላፅ፤ እቲ ግድብ ፍትሓዊ ተጠቃምነት ዘረጋገፀ ብምዃኑ ምትሕብባር ብሕታዊ መማረፂ ከምዝኾነ ዘርእይንን ከም ኣብነት ዝፅራሕ ን ‘ዮ ይብሉ።
ኢትዮጵያ ዝሃነፀቶ ግድብ ሩባ ኣባይ ናይ ምጥቃም መሰለን ንዝተኸልከላ ሃገራት ላዕለዋይ ተፋሰስ መሰጋገሪ ድልድል ኾይኑ ዘገልግል ምዃኑ ጠቒሶም፤ ኻልኦት ኣሰራ ንኽስዕባ ዘኽእል ኣብ ቐፃሊ ‘ውን ኢትዮጵያ ናይ ማይ ሃፍታ ንኽትጥቀም ዘነቃቕሕ ምዃኑ ተዛሪቦም።
በሪሁ ኣረጋ
ወጋሕታ 26 ሰነ 2017 ዓ.ም