ትውልዲ ሓድነቱ ኣስጢሙ ታሪኽ ዓዱ ክሕሉን ንሃገሩ ክቐድም ከምዘለዎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡- እዚ ትውልዲ እዚ ሓድነቱ ኣስጢሙ ታሪኽ ሃገሩ ክሕሉ ይግበኦ ክብሉ ፕረዚዳንት ማሕበር ሓርበኛታት ጥንታዊት ኢትዮጵያ ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን ስለሺ ገሊፆም፡፡ናይ ሕዚ ወለዶ ንሃገር ከቐድም ከምዝግባኦ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣገንዚቦም ለብዘበን ንመበል 80 ዓመት በዓል ‹‹መዓልቲ ዓወት›› ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣራት ኪሎ ትማሊ ብድምቐት ኣብዝተኸበረሉ ልጅ ዳንኤል ከምዝበልዎ፣ ሃገር ምፍራስ ብጣእሚ ቐሊል እንትኾን ምህናፅ ግና ከቢድ እዩ፤ መንእሰይ ወለዶ ዓዱ ክሕሉ ኣለዎ፡፡ ‹‹ታሪኽና ብሰላም እነኽብር ዘለና፣ ደቕነ ብሰላም ተማሂሮም ብሰለም ዝኣትዉ ዘለዉ ሰላም ስለ ዘሎ እዩ፡፡

ሃገርና ናይ ባዕላ ታሪኽን ሃይማኖትን ዘለዋ ሃፍታም ሃገር እያ ዝበሉ ልጅ ዳንኤል፤ ኢትዮጵያ ንምጥፋእ ዝፍትኑ ዘለዉ ናይ ውሽጥ ደገን ሓይልታት ህዝቢ ሓድነቱ ኣብርቲዑ ክምክቶም ይግባእ ኢሎም፡፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፈታዊ ስራሕ፣ ናይማቱ  ዘይደሊ ኩሩዕ ህዝቢ እዩ፡፡ እዚ ወለዶ እዚ ከም ግድብ ህዳሰ ዝበለ ታሪኽ ኣብ ምስራሕ እዩ ዝርከብ፣ ኮይኑ ግና ነዚ ታሪኽ ንምውሳድ ዝንቐሳቐሱ ሓይልታት ስለዘለዉ ትውልዲ ሓድነቱ ኣስጢሙ ታሪኹ ዓዱ ክሕሉ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብኻሊእ ወገን ኣብቲ ስነ ስርዓት ተረኺበን መደረ ዘስምዓ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ጣልያን ንኢትዮጵያ ካልኣይ ንምውራር ኣብዝፈተነሉ እዋን ጀጋኑ ኣቦታት ዓብዪ ታሪኽ ዘመዝገብሉ መዓልቲ እዩ፡ ፡ እዚ ትውልዲ እዚ ታረኽ ወለዱ ተረዲኡ ሓድነቱ ኣስጢሙ ሃገሩ ክሕሉ ከምዝግበኦ ተዛሪበን፡፡

ጣልያን ንኢትዮጵያ ንምውራር ኣብዝመፀሉ ግዜ ኣፅዋር ውግእ ሒዙ ጥራሕ እንተይኮነስ ብዘርኣውነት፣ ሃይማኖት፣ ከምኡ’ውን ኸባቢ መሰረት ገይሩ ብምክፍፋል ከምዝነበረ ተዛሪበን፡፡ ሓይልና ብምድኻም ድልየቱ ንኸስምር ፈተነ ዋላ ገይሩ ይንበር ጀጋኑ ኣቦታት ነዚ ተንኮል ኣቐዲሞም ነቒሖም ብምንባሮም ሓሳቡ ከፍሽልዎ ክኢሎም እዮም ኢለን፡፡

ጀጋኑ ኣቦታት ምስትውዓል ብዝተመልኦ ዝገበርዎ ቓልሲ ሕዚ ዝኒሀ ትውልዲ ርእሱ ኣቕኒዑ ክኸይድ ምግባሮም ዘዛኻኸራ እተን ምክትል ከንቲባ፣ ኢትዮጵያውያን ካብ ማሕበር ሓርበኛታት ወለዲ ክማሃሩ ዝግበኦም ናይ ፀላኢ ናይ ምክፍፋል ተንኮል ብምስትውዓል ሓድነት ምጥንኻር ከምዘድሊ ተዛሪበን፡፡

ቐዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ መዓልቲ ሓርበኛታት ኣመልኪቶም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ እንተመሓላልፉ፣ናይ ሕዚ ወለዶ ደቂ እቶም ሓርበኛታት ስለዝኾነ፣ ናይቶም ሓርበኛታት ዕዳ ስለዘለዎን ኢትዮጵያ ንብዙሕ ዘበናት ዋጋ እናተኸፈለላ ኣብዚ ስለዝበፅሐት፣ኣብ ቐፃሊ ዝኽፈል ዋጋ ከም ኣቦታቱን ኣዴታቱንን ካብ ዝኾነ ይኹን ነገር ንላዕሊ ሃገር ከቕድም ኣገንዚቦም።

‹‹ብሓሳብ፣ ብኣመለኻኽታ፣ ብርእዮተ ኣለም፣ ብኣሰራርሓ ኣፈላላይ ክህሉ ይኽእል ኢዩ፣ ንቃወሞ ሓሳብን መንግስቲን ክህሉ ይኽእል ኢዩ፣ ንቃወማ ሃገር ግን ክትህሉ ኣይግባእን ሃገር ኣትሒዝና ክንፃወቶ ዝግበአና ቁማር እውን ኣይህሉን›› ኢሎም።

ሃገር ሓርበኝነት ከምዘድልያን ሓርበኝነት ድማ ንሃገር ዝኽፈል ዋጋ ሃገር ካብ ትህበካ ነገር እንትበልፅ ከምዝኾነን’ውን ኣገንዚቦም።ኣብዚ ሕዚ እዋን እናጋጠሙና ዝርከቡ ፈተናታት ብዓወት ክንሓልፎም እንተኽኢልና፣ከምቶም ሓርበኛታት ወለድና ኣብ ጅግንነትና ኣብ መላእ ዓለም እናተመስከረሉ፣ ወለዶ እናመስገነና ክቕፅል ኢዩ እውን ኢሎም።

እቲ መዓልቲ ጀጋኑ ሓርበኛታት ንኢትዮጵያውያ ካብ ሓሙሽተ ዓመት ወራር ጣሊያን ሓራ ምውፀኦም ዝዝከረሉ ኢዩ ኢሎም። ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ኩሎም ሓርበኛታት ብኣገዛዝኣ እቶም ንጉስ ዝሕጎሱ፣ ዝስማዕምዑን ዝድግፉን ኣይነበሩን ዝበሉ ዶክተር ኣብይ፣ ካብ ዝኾነ ይኹን ንላዕሊ ሃገር ክቕድም ኣለዎ ኢሎም ዝተዋግኡ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ኣብቲ እዋን ዝነበረ ፀላኢ’ውን ኣብ ኢዱ ካብ ዝነበረ ዓቕሚ ብዝበለፀ እቶም ሓርበኛታት ኣብቶም ንጉስ ዝነበሮም ቅሬታ ተዓዋቲ ክገብረኒ ኢዩ ብምባል ከም መሳርሒ ክጥቀመሉ ከምዝተንቀሳቐሰ ገሊፆም። ይኹን ’ምበር ኩሎም ሓርበኛታት ኣብ ክብሪን ፍቕሪን ሃገሮም ፅኑዕ ቅዋም ከምዝነበሮም፤ ቅሬተኦም ምስ ምምሕዳር መንግስቲ’ምበር ምስ ሃገሮም ስለዘይነበረ ኣብ ሉኣላውነት ሃገሮም እንተይተደራደሩ፣ ብረብሓ ፋሽሽት እንተይተታለሉ፣ ናፅነት ሃገሮም ንምኽባር ናብ በረኻ ወፂኦም ከምዝተቓለሱ ኣብሪሆም።

እቶም ሓርበኛታት ንኽብሪ ሃገር ዝኽፈል ዋጋ ናይ ዝኾነ ይኹን ኣካል መፀዋዕታ ከምዘየድልዮ ኣብነት ከምዝኾኑ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም። ናይቶም ሓርበኛታት ተጋድሎ ሃገር ንምድሓን ሓድነት ዜጋታት ኣድላዪ ከምዝኾነ ዝተርኣየሉ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፣ብሄር፣ ቋንቋ እምነትን እንተይገደቦም ሃገር ሓደ ከምዝገበረቶም ንሓንቲ ሃገር ብሓደ ጠጠው ከምዝበሉ እዚ ድማ ቐልጢፎም ፍሪኡ ክሪኡ ከምዝገበሮም ሓቢሮም።

‹‹ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ዝተንፀባረቐሉን ኢትዮጵያን ምስ ሙሉእ ክብራ ሓሊዮም ንተተካኢ ወለዶ ዘመሓላለፉ ጀጋኑ ንዝክረሉ መበለ 80 ዓመት በዓል ሓርበኛታት ንብሄራት፣ ብሄረሰባትን ሕዝቢታትን ኢትዮጵያ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ›› ክብሉ ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

እቶም ኣፈ-ጉባኤ መበል 80 ዓመት መዓልቲ ሓርበኛታት ኣመልኪቶም ናይ እንኳ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ እንተመሓላልፉ፣ መዓልቲ ሓርበኛታት ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ሕዝቢታትን ኢትዮጵያ ብዙሕነቶም ሓፁር ኮይኑ እንተይተፈላለለዮም፣ ኣፈላላይ ሓሳብ እንተይነፀሎም ሃገርን ህዝቢን ንምድሓን ባሕሪ ተሳጊሩ፣ ኣፅዋር ተሓንጊጡ ህዝቢ ዝውድእ መሳርሒ ተዓጢቑ ንዝመፅአ ወራሪ ፀላኢ ብሓድነት ተሰሊፎም ብምቅላስ ኣኽሊል ዓወት፣ ቀንዲል ኣይሰዓርን ከምኡ’ውን ዘለኣለማዊ ዓወት ከምዝተጎናፀፉ ንህዝቢ ዓለም ዘብሰሩላ መዓልቲ ከምዝኾት ገሊፆም፡፡

ብዘፍሰሱዎ ደምን ብዝተኸስከሰ ኣዕፅምቶምን ኢትዮጵያ ምስ ሙሉእ ክብራ ሓሊዮም ንተተካኢ ወለዶ ከምዘመሓላለፉዋ ገሊፆም፡፡ መዓልቲ ሓርበኛታት ኢትዮጵያ “ኢትዮጵያውያን ነኒባዕሎም ስለዘይስማዕምዑ ዝደለኹዎ ክፍፅም ኢየ” ኢሉ ብጉራ ዝመፅአ ፀላኢ አሕፊሮም ዝመለሱሉ ከምዝኾነ እቶም ኣፈ ጉባኤ ኣገንዚቦም፡፡

ናይ ሕዚ ወለዶ ድማ ንፋስ ብዘምፀኦ ወረ እንተይተታለለ፣ ብናይ ሕሶት ወረ እንተይተዳህለለ፣ ብስምዒት እንተይኮነስ ብህድኣት፣ ብኣፈላላይ ዘይኮነስ ብሓድነት፣ ብምርሕሓቕ ዘይኮነስ ብመንፈስ ምድማር ዝተጀመረ ጉዕዞ ሓድነትን ምዕባለን ክቕፅል ብምግባር ቀትሪን ለይቲን ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 28 ሚያዝያ 2013

Recommended For You