ተካእቲ ሉሲ ታሪኽ ንምስራሕ እናተዳለዋ ‘የን

 ቕድሚ ወርሒ ብእንግዶት ዩጋንዳ ዝተዳለወ ናይ ማእኸላይ ምብራቕ ኣፍሪካ (ሴካፋ)፤ ትሕቲ 20 ዓመት ፅዋዕ ብምውሳድ ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ፈላማይ ዝኾነ ዓብዪ ዓወት ዘሳኽዓ ተካእቲ ጋንታ ሉሲ፤ ኣብ ድሮ ጥዑም ዓወተን ናብ ኻሊእ ጉዕዞ ዓወት እናደየባ ‘የን።ኣብ 2022 ብእንግዶት ኮስታሪካ ዝካየድ ትሕቲ 20 ዓመት ፅዋዕ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ፤ ኣብ መፃረዪ ኣፍሪካ ተሳተፍቲ ንምዃን፤ሳልሳይ ዙር መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ምሸት ገይረን ንቦትስዋና ኣብ ሜድኣ ሰለስተ ንሓደ ብምስዓር ተመሊሰን ‘የን።ንብሄራዊ ጋንታ ኢትዮጵያ ፅዋዓት ዓወት ኣርያት ኦዶንግ፣ረድኤት ኣስረሳኸኝን መሳይ ተመስገንን ኣብ መረብ ዓዕሪፈን ‘የን።

እቲ ጉጅለ ድሕሪ ዓወት ናብ ሃገሩ እንትምለሳ ፕሬዚደንት ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣይተ ኢሳያስ ጅራ፤ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ እቲ ፌደሬሽንን ኣካቢ ኮሚቴ ላዕለወት ሊግ ኣይተ ኣሊሚራህ መሓመድ፣ኣባል ፈፃሚ ስራሕ እቲ ፌደሬሽንን ኣካቢ ብሄራዊ ዳያኑ ኣይተ ኢብራሂም መሓመድ ከምኡ ‘ውን ዋና ፀሓፊ ኣይተ ባህሩ ጥላሁን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተረኺቦም ህያብ ዕምበባ ብምብርካት ኣቀባብላ ገይሮምለን ‘ዮም።

‹‹ኹርዓት ኢትዮጵያ ዝኾንክን ጀጋኑ ኾሪዕናልክን ኢና››ዝበሉ ኣይተ ኢሳያስ ጅራ፣ ኣብ ቦትስዋና ተረኺቦም ነቲ ፀወታ ዝተኸታተሉ እንትኾኑ ንኣባላት ብሄራዊ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ‹‹እንኳዕ ደስ በለክን።ብታሕጓስ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ እናደወሉ ‘ዮም።ኾይኑ ግና ብዙሕ ስራሕ ትፅቢት ይግበረልና ምስ ኣሰልጠንቲ ክንዘራረብ ኢና።ብዝተረፈ ታሪኽ ንምስራሕ እናተዳለውክን ኢኽን።ናብ ኮስታሪካ ክትኸዳ ሒደት ፀወታታት ‘ዩ ዝተርፍክን።ነዚ ድማ ወነ ሰሊቕክን ኣብ ሜዳና ኣፀብቕክን ክትፃወታ ኣለክን።ኣነ ከም ፕሬዚደንት ኣዝዩ ደስ ኢሉኒ ‘ዩ።ከም ጋንታ ኩላትና ሕጉሳት ኢና።ኣሰልጣኒ ፍሬው፣ኹላትክን ተፃወቲን ኣሰልጣኒ እቲ ጋንታ ኣብዚ ዝተረኸብኩም ሰብሞያ እንኳዕ ደስ በለኩም።›› ብምባል መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ተካእቲ ጋንታ ሉሲ ካብ ሜድአን ወፃኢ ዘመዝገበኦ ዘተኣማምን ውፅኢት ናብ ቐፃልን ራብዓይ መፃረዪ ንምሕላፍ ዘለወን ተስፋ ዓብዪ ‘ዩ።ኣብ ምላሽ ፀወታ ብገፊሕ ሽቶ ተዘይተሳዒረን ራብዓይ ዙር መፃረዪ ተፀምቢረን ‘የን ምባል ይከኣል።

 ኣብ ፅዋዕ ሴካፋን ዘደንቕ ፀወታን ብርክት ዝበሉ ዓወታት ኣብ መረብ ተጋጠምተን ከዕርፉ ዝኽኣላ ንኣባላት ብሄራዊ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ ሴካፋ ዋንጫ ንፈላማይ እዋን ተሳቲፈን፤ ኣብ ሓሙሽተ ፀወታታት ሓንቲ ከይተስዓራ ንኽብሪ ቻምፒዮንነት በቒዐን ‘የን።ኣብ ውድድር ሴካፋ ብሓፈሻ ዓሰርተ ሸሞንተ ሽቶታት ኣመዝጊበን ሰለስተ ጥራሕ ኣንጊደን ‘የን።እዚ ድማ እታ ጋንታ ንቐፃሊ ኣብ ዝግበር ፀወታ ጥንኩራት ተነሓናሕነት ሓሊፉ ብውፅኢት ዝተዓጀበ ነዊሕ ጉዕዞ ከምዝገብር ግምት ተዋሂቡወን ‘ዩ።

መፃረዪ ዋንጫ ዓለም ኻልኣይ ዙር ዝተፀምበራ ተካእቲ ሉሲ ንሩዋንዳ ኣብ ሜድኣን ካብ ሜድኣ ወፃእን ብተመሳሳሊ ኣርባዕተ ንዜሮ ብድምሩ ሸሞንተ ንዜሮ ብምስዓር ንሳልሳይ ዙር መፃረዪ ከምዝበፅሓ ዝፍለጥ ‘ዩ።ኣብዚ ዙር ቦትስዋና ሓፈሻዊ ፀወታ ከሸንፋ እንተኽኢለን ምስ ታንዛንያን ቡርንዲን ኣብ ራብዓይ ዙር ክራኸባ ‘የን።ታንዛንያ ኣብ ፈላማይ ፀወታ ሓፈሻዊ ፀወታ እንተስዒረን ምስ ታንዛንያን ቡርንዲን ኣብ ራብዓይ መፃረዪ ክራኸባ ‘የን ማለት ‘ዩ።ታንዛንያ ኣብ ፈላማይ ፀወታ ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም ድማ ቡርንዲ ኣብ ሜድኣ ሰለስተ ንሓደ ረቲዓ ‘ያ።ይኹን ‘ምበር እዚ ፀዋታ ብፀቢብ ኣፈላላይ ምዝዛሙ፤እቲ ቐፃሊ ፀወታ ናብ ቐፃሊ ዙር ናብ ቐፃሊ ዝሓልፍ ጋንታ ንምፍላይ ወሳኒ ‘ዩ ዝኸውን።ተተካእቲ ሉሲ ቻምፕዮን ኣብ ዝኾናሉ ናይ ሎምዘበን ፅዋዕ ሴካፋ ታንዛንያ ኽልተ ንሓደ ቡርንዲ ሓደ ንዜሮ ምስዓረን ይፍለጥ።

ኣብ ፀወታ ሃገራት ኣፍሪካ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት መፃረዪ ፀወታ ኣብ ሳልሳይ ዙር ዓሰርተ ሽዱሽተ ሃገራት ዝፋለማ እንትኸውን ኣብ ሕድ ሕድ ፀወታ ተዓዋቲት ትኸውን ብሄራዊ ጋንታ ናብ ራብዓይ መፃረዪ ፀወታ ክትሓልፍ ‘ያ።ኣብ ራብዓይ መፃረዪ ውድድር ሸሞንተ ሃገራት ንሽዑ ዝወዳደራ እንትኾና ኽልተ ፀወታታት ተፈልየን ንመወዳእታን ሓምሻይ ዙርን መፃረዪ ፀወታ፤ ኣርባዕተ ጋንታታት ዝፍለያ ‘ዩ ዝኸውን።ኣብ መወዳእታ ድማ ኣርባዕቲአን ጋንታታት ኣብ ኽልተ ፀወታታት ተወዳዲረን ኽልቲአን ሰዓርቲ ሃገራት ኣብ ፅዋዕ ዓለም ዝፋለማ ‘የን።

 ትርሓስ ፍቃዱ

30 ሕዳር 2014 ዓ.ም  ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You