ቖራፃት ደቂ ኢትዮጵያ ኣብ ወሳኒ ግምባር ህልውና

 ሃሩር ቐትርን ቑሪ ለይትን ከይገደሾም ጥራሕ እግሮም ኣብ በረኻን ኣብ ጎዳናን ልምምድ ጉያ ዝሰርሑ፤ ምቑሳልን ምድማይን ኣእጋሮም ጠጠው ዘየብሎም፤ካብ ቓንዝኦም ብኣግጋቡ ከይሓወዩ ንኽብሪ ባንዴራ ሃገሮም እስካዕ መወዳእታ ዝፋለሙ፤ሕማሞም ተፃዊሮም ውድድሮም ብዓወት ብምውፃእ ንኽብሪ ሃገሮም ኣብ ዝኾነ እዋን ዘብዒ ኾይኖም ጠጠው ኣትሌታታ ዝብሉላ ት ሃገር ኢትዮጵያ ትበሃል።

ፃዕዳ ረሃፆም ብምፍሳስ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ወዲቖም እናተስኡ፤ልዕሊ ጥቕሞም ንጥቕሚ ሃገሮም ኣቐዲሞም ንባንዲርኣ ዝጎዩላ ጀጋኑ ስፖርት ዓለም ወሑዳት ኣይኮኑን።ዑንቂ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝበሃሉ ‘ውን ውድድራት ብምስዓር ጥራሕ ኣይኮነን፤ሃገሮም ኣብ ዝደለየቶም እዋን ሓይሎምን፣ገንዘቦምን ብምብርካት ብተግባር ብምምስካር ዝቕድሞም የለን።ሎሚ ‘ውን እዞም ዑንቑታት ሃገሮም ፈተና ህልውና ኣብ ዝገጠማ እዋን ገንዘቦም ጥራሕ ዘይኮነስ ኽቡር ህይወቶም ንምሃብ ከምዘይስስዑ ቕድሚ ሃገሮም ዝኾነ ጉዳይ ክህልዎም ከምዘይኽእል ብተግባር ኣርእዮም እዮም።

ኣብ ቕድሚ ዓለም፤ኣብ ኣደባባይ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ኣፍልጦን ክብርን ንኽትጎናፀፍ ካብ መንጎ ዝገበርዋ ስፖርተኛታት ፈላማይ ስፍራ ኣትሌቲክስ ከም ዝሓዘ ዝፍለጥ እዩ።በዚ ሰፖርት ካብ መንጎ ዝተመዝገቡ ዓወታት ብኦሎምፒክ ኽልተ መዳሊያ ወርቅን ሓደ ሜዳልያ ነሓስን፤ኣብ ኣትሌቲክስ ቻምፕዮን ዓለም ድማ ሓሙሽተ ወርቂ፣ኽልተ ብሩርን ኽልተ ነሓስን ብድምሩ 13 ሜዳሊያታት ብሰለስተ ኣትሌታት ጥራሕ ተመዝጊቡ እዩ።

 እዞም ጀጋኑ ኣትሌታት ድማ ሻለቃ ሃይለ ገብረስላሴ፣ገዛኸኝ ኣበራን ፈይሳ ሌሊሳን እዮም።መዐቀኒ ሚዛን ስፖርትን ዑንቂ ኣትሌቲከስ ስፖርትን ዝኾኑ እዞም ኣትሌታት፤ሐዚ ድማ ንኽበሪ ሃገሮም ኣብ ዓውደ ኩናት ተሰሊፎመ እዮም።ቐዳማይ ሚኒስቴር ፊድርኢ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ዓውደ ግምባር ምኻዶምን ሃገሮም ዝፈትዉ ኹሎም ‹‹ኣብ ዓውደ ግምባር ንራኸብ›› ኣብ ሰላማዊ ፍልምያ፤ዓወትን ሰዓራይነትን መለለይኦም ስለዝኾነ ስሙይ ኣትሌት ሻለቃ ሃይለ ገብረስላሴ ህልውና ኢትዮጵያውያን እናተፈታተነ ዝርከብ ወድዓዊ ኹነታት ከም ዘይረአየ ምሕላፍ ኣየኽአሎን።ቕድሚ ሐዚ ብምኽንያት ኲናት ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ወገናት

 ብገንዘብን ብናውትን እናደገፈ ዝፀንሐ ጅግና ኣትሌት ሃይለ፤ፃውዒት ቐዳማይ ሚኒስቴር ብምቕባል ኣብ ጎኒ ሰራዊት መከላኸሊ ጠጠው ንምባል ድልው ምዃኑ ካብ ዘረጋግፅ መዓልታት ተቖፂሮም እዮም።ብኦሎምፒክ ናይ ኽለተ ወርቂ፤ኣብ ሻምፒዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ክብረ ወሰናት፣በዓል ቤት ብዙሕ ክብርን ዋንጫን ዘኾነ ሃይለ፤ኣብ ዝኾነ እዋን ንምዝማት ፍቓደኛ ከምዝኾነ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለም ከየተረፈ መዘራረቢ ኾይኑ እዩ።

ጅግና ኣትሌት ሃይለ ቐዳመወት ጀጋኑ ስዒቡ ናብ ስፖርት እንትኣቱ፤ንዑኡ ዝርኣዩ መብዛሕቲኦም ኣሰሩ ስዒቦም ንኽብሪ ሃገሮም ተሰሊፎም እዮም።ሎሚ ‘ውን ከም ትማሊ ንኽብሪ ሃገር ዝጎዩ ዘየኮኑስ ንህልውንኣ ናብ ዓውደ ኲናት ዝዘምቱ ከምዝኾኑን ከመኡ ‘ውን ጅግንነቶም ዘረጋገፁ ውሑዳት ኣይኮኑን።ናይ ሲድኒ ኦሎምፒክን ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ኤድመንተንን ብዓል ቤት ማራቶን ወርቂ ሜዳሊያ ኣትሌት ገዛኸኝ ኣበራ ‘ውን ፃወዒት ተቐቢሉ ምስቲ ጅግና ኣትሌት ተፀምቢሩ እዩ።

ኣብ ሪዮ ኦሎምፒክ ሃገሩ በዓል ቤት ብሩር ሜዳልያ ዝገበረን ኣብ ዴጉ ሻምፒዮነ ዓለም ሜዳል ነሓስ ዘምፀአ፤መንእሰይ ቕድሚ ለውጢ ዝነበረ ጨቋኒ ስርዓት ኣብ ኣደባባይ እናተቓወመ ዝነበረ ደፋር ኣትሌተ ፈይሳ ሌሊሳ ‘ውን ፃውዒት ንምቕባል ግዘ ኣይወሰደሉን።

ሃገር ከም ሃገር ንኸትቕፅል ዕድላ ኣብ ሓደጋ እንትወድቕ ኣኽቢሮም ኣብ ዓውደ ኩናት ካብ መንጎ ዝወፈሩ ኣትሌታት ሓደ ኮማነደር ማርቆስ ገነቲ እዩ።ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ሻምፒዮናት ውፅኢታዊ ክኸውን ዝኸኣለ ፕሬዚዳንት ማሕበር ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያውያን ዝኾነ ኣትሌት ማርቆስ፤ ከም መሓዙቱ ኣብ ዓውደ ግምባር ንምርኻብ ወሲኑ ተበጊሱ እዩ።

ኢትዮጵያውያን ብዝፍለጡሉ ነዊሕ ርሐቐት ዘይኮነስ ብሓፂር ርሕቐት ውፅኢታዊት ዝኾነት ኣትሌት ፋንቱ ምጌሶ ድማ ንሃገራ ኣድላይት ኣብ ዝኾነትሉ ዘፈር ካብ መንጎ ዝኾኑ ከምዝኾነት ብኣንደበታ ኣረጋጊፃ እያ።

እዞም ኣትሌታት ኣብ ግምባር ተሰሊፎም ንሃገሮም ሰላም እናተዋደቐ ዝርከብ ሰራዊት መከላኸሊ እናበረታትዑ እንትኾኑ፤ ምስ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ኣብ መድረኽ ዓለም ባንዴርኣ ልዕል ኣቢሎም ዘምበልብሉላ ኢትዮጵያ ጁንታ ፈፂሙ ከምዘይዘርጋን፤ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ ጎኒ መከላኸሊ ሃገር ተሰሊፎም ከምዝፋለሙ ገሊፆም።

23 ሕዳር 2014 ዓ.ም ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You