ጋንታ ኣርባምንጭ ከተማን መከላከያን ናብ ፕሪሜርሊግ ምምላሰን ኣረጋጊፀን

ኣዲስ ኣበባ ፣ጋንታታት ኣርባምንጭ ከተማን መከላከያን ናብ ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ምምላሰን ኣረጋጊፀን።

ኣብ ላዕለዋይ ሊግ ምድብ ‹‹ሐ›› እናተወዳደረት ትርከብ ጋንታ ኣርባምንጭ ከተማ፣ መበል 21 ሰሙን ፀወታኣ ቅድሚ ምክያዳ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ ጋንታ ኮልፌ ብጋንታ ቡታጅራ ምስዓራ ስዒቡ ኣርባምንጭ ከተማ ናብ ፀወታ ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ዓመት 2014 ዓ.ም ምምላሳ ከምዘረጋገፀት ሶከር ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

ንፈለማ እዋን ኣብ 2004 ዓ.ም ናብ ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ዓብያ ዝነበረት ጋንታ ኣርባምንጭ ከተማ፥ ኣብ 2010 ዓ.ም ናብ ላዕለዋይ ሊግ ምውራዳ ይዝከር።

ብተመሳሳሊ ኣብ ላዕለዋይ ሊግ ኢትዮጵያ ምድብ “ሀ” እናተወዳደረት ትርከብ ጋንታ መከላከያ፣ ኣብ ዘበነ 2014 ዓ.ም ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ተሳትፎኣ ዘረጋገፀትሉ ውፅኢት ኣመዝጊባ።

ምስ ጋንታ ደብረ ብርሃን ዝተፃወተት መከላከያ ብብሕታዊት ሽቶ ቴዎድሮስ ታፈሰ 1 ን 0 ክትስዕር ክኢላ።ነዚ ስዒቡ ድማ ሓደ ፀወታ እናተረፎ ዳግም ናብ ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ተመሊሳ ኣላ።

ጋንታ መከላከያ ኣብ 2011 ዓ.ም ካብ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ምውራዳ ይዝከር።ጋንታ ኣዲስ ኣበባ ከተማ ቅድም ክብል ናብቲ ሊግ ምምላሳ ኣረጋጊፃ ኢያ።

 መሰረት ገ/ዮሐንስ

ወጋሕታ21ሚያዝያ2013

Recommended For You