መሳርሒ ዜማ መዝሙር በገና

ኣብ ዓለምና ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት፤በገና ወይ ድማ ሃርፕ ዝበሃል መሳርሒ ዜማ እንተሃለወ’ውን ከከም ኹነታት እተን ሃገራት ቕርፁን ቑፅሪ ክሩ (ኣውታሩ) ዝተፈላለየ እዩ።ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ በገና ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ምስ ዝተጠቐሰ ዓይነት በገና ሓደ ከምዝኾነ ይእመን።ምኽንያቱ መብዛሕትኡ በዓል ዓሰርተ ኣውታር ስለዝኾነን ቅዱስ ዳዊት’ውን፤ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ከመስግነካ እየ ስለዝበለን እዩ።

ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ጀሚሩ ሰለስተ ዓይነት መሳርሕታት ዜማ ከም ዝነበሩ ኣብ መፅሃፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ይርከብ።ንሳቶም ድማ እቲ ቐዳማይ ባዓል ኣውታር መሳርሒ ዜማ እንትኸውን እቲ ዘማሪ ብኢዱ ወይ ድማ ብመንክኢ ገይሩ እንትሃርሞ ድምፂ ዘውፅእ እንትኸውን፤ከም በገና፣ክራርን ጭራን ኣብዚ ዝምደቡ እዮም።

እቲ ኻልኣይ ዝንፋሕ መሳርሒ ዜማ እንትኸውን፤ከም መለኸት፣እምብልታን ሸምበቆን ዝበሉ እዮም።እቲ ሳልሳይ ዓይነት መሳርሒ ዜማ ድማ እቶም ኣቕሑት ነንባዕሎም ብምልታም ወይ ድማ ብኢድ ብሓይሊ ብምውቃዕ ድምፂ ዜማ ዝህቡ እንትኾኑ ከም ኸበሮ፣ነጋሪትን ፀናፅልን እዮም።

መረዳእታታት ከምዝሕብርዎ መሳርሒ ዜማ መዝሙር በገና ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ቕድሚ ልደተ ክርስቶስ ከምዝኾነን ብቐዳመወት ነገስታት ኢትዮጵያ እዩ ኣትዩ ይበሃል።ኣብ ቐረባ ካብ ዝነበሩ ነገስታት ‘ውን ሃፀይ የውሃንስ፣ሃፀይ ቴዎድሮስ፣እቴጌ ጠሃይቱን ሃፀይ ሚኒሊክን በገና ይድርድሩ ነይሮም እዮም።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተሓበረ ብመሰረት ኣመዳድባ መሳርሕታት ዜማ፤በገና ኣውታር ካብ ዘለዎም መሳርሕታት ዜማ እቲ ብዕድመ ዓብይን ኣቦ ክበሃል ዝኽእልን መሳርሒ ዜማ እዩ።

በገና ካብ ተዋፅኦ እንስሳትን እፅዋትን ዝስራሕ መሳርሒ ዜማ እንትኸውን፤ቑመቱ ካብ 90 ሴንቲ ሜትር እስካብ 140 ሴንቲ ሜትር ይበፅሕ።እቲ ኣውታር ካብ መዓንጣ በጊዕ፣ላሕምን ብዕራይን ዝስራሕ እንትኸውን ቖርበት በጊዕን ላሕምን ድማ ነቲ መውፅኢ ድምፂ ከም መሸፈኒ የገልግል።እቶም እፅዋት ድማ፤ኣውሊዕ፣ሰራውን ፅሕድን እንትኾኑ መብዛሕትኡ እዋን ካብ ኣውሊዕ እዩ ዝስራሕ።

ከምቲ ዝፍለጥ ግጥምታት ዜማ መዝሙር ምስጋና፣ለመና፣ከምኡ’ውን መወድስ ምስ ፈጣሪ ወይ ድማ ምስ ነብስና ንምርኻብ ንተመስጦን ውሽጣዊ ሰላም ንምርካብን ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ።ንግጥሚ መጥዓሚኡ ዜማ እንትኸውን ንዜማ ድማ መሳርሒ ዜማ መዝሙር ወይ ድማ ሙዚቃ ፍሉይ ሕብርን ስምዒትን የላብሶ ብፍላይ ድማ ብመሳርሒ ዜማ በገና።

እምበኣርከስ ከምቲ ዝፍለጥ በዓል ፋሲካ ንሰዓብቲ እምነት ክርስትና ናብ ፈጣሪኦም ዓብዪ ምስጋና ዘቕርቡሉ እዋን ስለዝኾነ ነዛ ትስዕብ ግጥሚ ዜማ መዝሙር ምስጋና ሓደ ዘማሪ ክነዜም፡-

ተመስገን ከመስግነካየ

ንሳህሊ ምሕረትካ ንፍቕርኻ ርእየ

ተመስገን ሰዓበኒ ኢልካኒ

ብቕኑዕ ጎዳና መሪሕኻኒ።

ናውተይ ሒዘ ኣንጊሀ ክወፍር

ዝተቐደሰት መንግስትኻ ከኽብር

ኣብ ፀግዒ ቤትካ ኣብ ፅላል ክሓድር

እሙን ባርያኻ ተሰምየ ክነብር።

ምስ ክልተ ጎይቶት ሓንኪሰ ከይነብር

ሕማቕ ከይከውን ሰነፍ ወተሃደር

ዕርፈይ ኣፅኒዐ ንቕድሚት ክጥምት

ኣሰንየኒ ክሳብ እታ ዕለት።

በጃኻ ብርቱዕ ነብሱ ዝህብ ንጉስ

ኣብ ምድሪ የለን ዘደንቕ እዩ ናትካስ ።

 ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ21ሚያዝያ2013

Recommended For You