
ዘፈር ቱሪዝሙ ንዕብየት ኢኮኖሚ ሓንቲ ሃገር ዋና ማእገር ካብ ዝብሃሉ ሓደ ከምዝኮነ ይግለፅ ‘ዩ። ቀንዲ ፍልፍል ኢኮኖሚ ተባሂሎም ካብ ሞንጎ ዝተፈለዩ እቲ ሓደ ስለዝኾነ ‘ውን ኣብዛ ሃገር ዝርከቡ ሃፍትታት ቱሪዝም ብምልማዕ ዘፈር ቱሪዝም ንዕብየት ኢኮኖሚ ዋና ማእገር ንምግባር መንግስቲ ፍሉይ ኣንፈትን ትኹረትን ገይሩ እናሰረሐሎም ካብ ዘለው ዘፈራት ሓደ ‘ዩ።
ነዚ ከም መርኣያ ዝኾን ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ብዙሓት ንምስሕብ ቱሪዝም ዝኾኑ ብባህላዊ፣ ታሪኽዊን ተፈጥሮኣዊን ቦታት ንምልማዕ ቀሊል ዘይብሃሉ ተሰሪሖም ‘ዮም እናተሰርሑ ይርከቡ ኣለው። ካብዚኦም ከም ገበታ ንሃገር፣ ገበታ ንወለዶ … ብዝብል ከም ኣብ መስሕብ ቱሪዝም ገርዓልታ ዝርከብሉ ኣብ ህንፀት ዘሎን ካልኦትን ዝተሃነፁን ዝርከብዎም ‘ዮም።
ካብዚ ብተወሳኺ ነባራት መሰሕብ ቱሪዝማትን ሙዝየማት ካብ ምሕዳስ ሓሊፉ ‘ውን ኣብ ዝተፈላላዩ ከባቢታት ዝርከቡ ልዑል ረብሓ ዘለዎም ሓደሽቲ ሙዝየማት ‘ውን እናተኸፈቱ ይርከቡ። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፉ ሰሙን ንህዝቢ ክፍቲ ዝተገበሩ ቀዋሚ ኤግዚቪሽን ሙዝየም ሳይንስን ኣብ ፈተነ ስራሕ ዝፀንሐ ሙዚየም ብሄራዊ ቤተ መንግስቲን ምርኣይ ይክኣል።
ነዚ መሰረት ብምግባር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ቀዋሚ ኤግዚቪሽን ሙዝየም ሳይንስ ብዕሊ ኣብ ዝተኸፈተሉ ከምዝበልዎ፤ ቀዋሚ ኤግዚቪሽን ሙዝየም ሳይንስ ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ እንሰርሐሉን እንሃንፀሉን ዓብይ ሃፍቲ ዝሓዘ ‘ዩ።
ህንፃ ሙዚየም ሳይንስ ቅድሚ ከባቢ ክልተ ዓመት ተሃኒፁ ብግዝያዊ ኤግዚቪሽን ምምራቑ ዝዝከር ኮይኑ፤እቲ ኤግዚቪሽን፤ ኣብ ኣርቴፊሻል ኢንተሊጀንስ፣ለውጢ ከባያዊ ኣየርን ምላሽ ኢትዮጵያን፣ግብርና፣ሓይሊ ማይን ኢነርጅን፣ኤሮኖቲክስን ኣቪየሽንን ጠመተ ዝገበሩ 5 ምድባት ዓውደ ርእይ ዝሓዘ ከምዝኾነ ተፈሊጡ ኣሎ።
እቲ ቀዋሚ ኤግዚቪሽን ንምስራሕ ልዑል ሃፍቲ ከምዝሓተተ ዝተሓበረ ኮይኑ፤ ብጣዕሚ ጠቓሚ ነገር ዝሓዘ ከምዝኾነን ኢትዮጵያውያን ፅባሕ ምስራሕን ምልዋጥን እንተደልዮም ደቆም ናብዚ ኤግዚቪሽን ከምፅእዎም ከምዝግባእ ‘ውን ኣብቲ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሓቢሮም ‘ዮም።
ብተወሳኺ ቆልዑ ኣብቲ ሙዚየም ዘለዉ ነገራት ብተግባር ብምርኣይ ናይ ፅባሕ መንነቶም ምስራሕን ናይ ፅባሕ ድሌቶም ጋህዲ ምግባርን ከምዝክኣልን እቲ ኤግዚቢሽን ንቆልዑ ዓብይ በረከት ሒዙ ከምዝመፀ ዝተገለፀ ኮይኑ፤ መናእሰይ ቴክኖሎጂ ብግቡእ ንክጥቀሙን ኢሉ ‘ውን ፈጣርቲ ንክኾኑን በሪ ዝኸፍት ከምዝኾነ ተሓቢሩ ‘ዩ።
ከምኡ ‘ውን መማህራን፣ተመራመርትን ፅባሕ ምስራሕ ዝደልዩ ሰባትን ኩሎም እዚ ኤግዚቪሽን ንክጉብንዩ ፃውዒት ዝቐረበ ኮይኑ ንህንፀት እቲ ቀዋሚ ኤግዚቪሽን ደገፍ ንዝገበሩ ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣመስጊኖም ‘ዮም።
ብተወሳኺ ‘ውን ኣብ ሃገርና ፈላማይ ዝኾነ ሉላዊ ኣዳራሽ ምርኢት ቅርፂ ህዋ ዕላዊ ዝተገበረ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ 1000 ሜትሮ ስኬር ሜትሮን 36 ሜትር ዲያሜትርን ሒዙ ዝዓረፈ እቲ ኣዳራሽ ነዚ ዘበን ብዝምጥን ቴክኖሎጂ መርኣዪ ዲጂታል ምስሊ 4k ዝተገጠመሉ ከምዝኾነ ተፈሊጡ ‘ዩ።
ፍልጠት ንምድህሳስ፣ንምምሃርን ንምንቕቓሕን ምችው ዝኾነ ሙዝየም ሳይንስ ንጎብነይቲ ክፍቲ ከምዝኾነ ‘ውን እቲ ቤት ፅሕፈት ብምሕባር፤ ህዝቢ ‘ውን መፃኢ ተስፋ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኢትዮጵያ መፂኡ ንክዕዘብን ተዓዲሙ ‘ዩ።
ካሊእ ሕድሳት ተገይሩሉ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ፈተነ ስራሕ ዝፀንሐ ሙዚየም ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ንህዝቢ ክፍቲ ከምዝኾነ ተፈሊጡ ‘ዩ። እቲ ቤተ መንግስቲ ጥንታዊ ተሽከርከርቲን መካነ እንስሳትን ሓዊሱ ኣብ ውሽጡ ብዙሓት ታሪኻዊ ቅርስታት ዝሓዘ እንትኸውን፣ ደረጀኦም ዝሓለዉ ኣብያተ ምግብን ስፓታትን ከምዝርከብዎም ተሓቢሩ ‘ዩ።
ከም ፀብፃብ ፋና፤ እቲ ሙዚየም ክፍቲ ምዃኑ ዝገለፁ ዋና ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ምትኩ ደሬሳ፣ እቲ ቤተ መንግስቲ ንኢትዮጵያ ካብ ተሓጋዝነት ንምልቓቕ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ብምዝኽኻር፤ ካብ ሓወፅቲ ዝርከብ ኣታዊ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት እዛ ሃገር ንዝርከቡ ፕሮጀክትታት ንምዝዛም ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ ‘ዩ።
እቲ ሙዚየም ኩሉ መዓልቲ ካብ ሰዓት 3፡00 ክሳብ 11፡30 ንህዝቢ ከፍቲ ከምዝኸውነን ስሩዕ መእተዊ ዋጋ 300 ብር ከምኡ ‘ውን ንፍሉይ ትኬት 1 ሺሕ በር ከምዝኾነ ተፈሊጡ ኣሎ።
ብተመሳሳሊ ካብ ዓውዲ ቱሪዝም ከይወፃእና ብኮሚሽን ቱሪዝም ኦሮሚያ ዝተዳለወን ኣብ ቱሪዝምን ቴክኖሎጂን ትኹረት ዝገበረ ፎረም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ሶኒ ጀሚሩ ክሳብ ቅድሚ ትማሊ እናተሳለጠ ኣብ ዝነበረ እዋን፤ ካብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝርከብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ንምዕባይ ብቴክኖሎጂ ዝድገፍ ስርዓተ ሓበሬታ ምስፋሕ ከምዝግባእ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ገሊፀን፡፡
ኢትዮጵያ ብዙሓት ተፈጥሮኣውን ሰብ ስራሕን ሃፍቲን ባህላዊ ክብርታትን ዋላ ይሃልዋ ካብቲ ዓውዲ እትረኸቦ ዘላ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ግን ከም እቲ ዝድለ ኣይኮነን። ይኹን ‘ምበር ድሕሪ ለውጢ መንግስቲ ኣብቲ ዓውዲ ፍሉይ ትኹረት ሓደሽቲ መባፅሕቲን ብምልማዕ፣ ነባራት ንምሕዳስ ከምኡ ‘ውን እቲ ዓውዲ ናይ ምዝማን ስራሕ ከምዝተኻይዱ እተን ሚኒስትር ይሕብራ።
ብፍላይ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ስርዓት ሓበሬታ ብምስፋሕ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝርከቡ ረብሓ ኢኮኖሚ ክውስኽ ከምዝግባእ ብምርዳእ፤ እቲ ፎረም ብቐንዱ ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ተግባራዊ እናተገበሩ ዘለዉ ቴክኖሎጂታት ዝፋልጡሉ ተሞክሮ ዝርከበሉ ነቲ ዘፈር ናብ ዝልዓለ ብራኸ ንምስግጋር ዝሕግዙ ምይይጣት ዝተኻየደሉ ከምዝኾነ ተፈሊጡ ‘ዩ።
ብሓፈሻ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝተፈላላዩ ክፋላት እዛ ሃገርን ዝካየዱ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ቱሪዝም ዝተባባዕ ስራሕ ከምዝኾነን ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ‘ውን ከይተረፈ መርኣያ ‘ዩ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 19 ሰነ 2017 ዓ.ም