
ጥበብ ኣብ ሓንቲ ሃገር ኩለመዳይ ዕብየት ወሳኒ ግደ ካብ ዝፃወቱ ሓደ ከምዝኾነ ይግልፅ ‘ዩ። ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት እንትንርኣ ጥበብ ኣብ ዕብየተን ናይ ባዕሉ ዓሻራ ዝፃወት ከምዝኾነ ‘ውን ይርኣይ። ኣብ ኢኮኖሚ ካብ ዘለዎ ዓብይ ግደ ብተወሳኺ ኣብ ቱሪዝምን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ናይ ምምራሕ ዓቕሚ ከምዘለዎ ይሕበር ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ኪነ-ጥብብ ንደቂ ሰባት ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ካልኦት ፀገማትን ብምቕራፍ ዓብይ ግደ ከምዘለዎን፤ ኢትዮጵያ ሐዚ ናብ ዘላትሉ ዕብየትን ከምኡ ‘ውን ንሓባራዊ ትርኽቲ ጉልህ ኣበርክቶ ምግባሩ ይግለፅ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ መላእ ኢትዮጵያ ምስ ዝተውፃፅኡ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ጥበብ ኣብ ዝዘተይሉ እዋን ከምዝበልዎ፤ ጥበባት ንመንነት ሃገርን ዕቤትን ቁልፊ ከምዝኾኑን ባህላዊ ሃፍቲ ሓሊዮም ዘፅንሑ ‘ዮም። ከምኡ ‘ውን ጥበባት ንማሕበራዊ ሓድነት ኣጠናኺሮም ብምስራሕ ብዙሕነት ንዘለዎም ማሕበረሰባት ድምፂ ከምዝኸኑን ብመዳይ ትምህርቲ ‘ውን ፈጠራን ምኽንያታዊ ኣተሓሳስባን ከምዘዕብዩ ሓቢሮም ‘ዮም።
በዚ መሰረት ቢሮ ባህሊ፣ ቱሪዝምን ኪነጥበብን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ኣብ ዘፈር ኪነ-ጥበብ ፍሉይ ተሰጥዎ ዘለዎም ሰብሞያታት ክእለቶም ንከውፅኡ ንምግባር፤ ተተካእቲ ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብ ንምፍራይ፤ ብኪነ ጥበብ እናዘናግዑ ናይታ ከተማ መሰረተ ልምዓታት ንምፈላጥ ዝዓለመ ዝተፈላላዩ መሪሕ ሓሳብ ብምንዳፍ ከተማ ሓቆፍ ፌስቲቫላት ኪነ ጥበብ እናተኻየደ ፀኒሑ ‘ዩ።
እቲ ቢሮ በቢዓመቱ ካብ ዘካየዶ ከተማ ሓቀፍ ፌስቲቫል ኪነ ጥበብ ናይ ሎሚ መበል 16 ዝኽበር ዘሎ ብጥበብ ሃገር ንምህናፅ፣ ሓድናትናን ሓበራዊነትናን ንምጥንኻር ‹‹ጥበብ ንኢትዮጵያ ምልዕዓል›› ብዝብል መሪሕ ቃል ብዙሓት ነበርቲ ከተማ፣ ሰብ ሞያ ጥበብን ተጋበዝቲ ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ብድምቀት ተኸቢሩ ‘ዩ።
ኣብዚ ፌስቲቫል ካብ ዝተረኸባ ናይ ካስማ ኪነ ጥበብ ኃላፊነቱ ዝተወሰነ ናይ ውለቀ ማሕበር መስራቲትን ኣባልን ዝኾና ወይዘሮ ትዕግስት ለማ ናይ ኢትዮጵያውያን ኣሰራርሓ ክዳን ውፅኢት ፈጠራ ዝኾነ ኣሰራርሓ መፍተሊ ጡጥ ንምርኢት ካብ ዘቅረባ ‘የን። ካብ ተኽሊ ጡጥ ክሳብ ምኽዳን ዘሎ ስራሕቲ ፈትሊ ጡጥ ዓርሱ ዝኸኣለ ዓይነት ቀሊል ኢንዱስትሪ ‘ዩ።
እዚ ድማ ኣዶታት ሃገርና ብባህላዊ ሰሪሐን ይኸድና ዝነበራ መበገሲ ኢንዱስትሪ ‘ዩ ምባል ይክኣል። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዋና መሰረት ክዳን ካብ ዝብሃሉ መሰረት ሓደ ጡጥ ‘ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ቀለሙን ዓይነቱን ብምፍላይ መግለፂ ባህሊ መንነት ‘ዩ። እዚ ድማ ናይ ኣኩሱም፣ ወላይታ፣ ወሎን የሐረር… እናተብሃለ ብዝተፋላላየ መግለፂነት ጥበብ ይስስራሕ ይግለፅ።
‹‹ካስማ ልዕሊ 40 ዕድመ ዝኾነን ኣዶታት ዘራኸበ ‘ዩ›› ዝብላ ወይዘሮ ትዕግስት፤ እዚ ፈጠራ ስራሕ ፈትሊ ጡጥ ንምፍላጥ ልምዲ ኣዶታት ከምዝነበረ ይዛረባ። ናይ ሎሚ ወለዶ ዘይፍልጦ ምዃኑ ብትዕዝብቲ ዝተዛረባ ወይዘሮ ትዕግስት፤ እተተማሂሮም ግና ናይሎሚ መናእሰይ ፈጣንን ብቅልጠፍ ዝርድአም ምዃኑ ይዛረባ።
ከም ሓሳብ ወይዘሮ ትዕግስት፤ ከምዚ ኣይነት ናብ ኢንዱስትሪ ዝወስዱ ነባር ባህልታት ኢትዮጵያ ኣብ ስርዓት ትምህርቲ ውሽጢ ተኻቲቶም ክወሃቡ ይግባእ። ነበር ሃገር በቆል ውፅኢት ፈጠራ ምልምማድ ናብ ዘመናዊ ኣሰራርሓ ከምዝወስዶም ይገብር። ናይቲ ዘፈር ሰብ ሞያታት ፅንዓት ንክገብሩሉ መበገሲ ይኸውን ‘ዩ።
ካብ ማሕበር ካስማ ኪነ ጥበብ ዝተረኸባ ካልኢቲ መምህር ኣመለወርቅ ጋናን ከምዝገለፅኦ፤ እቲ ማሕበር ኪነ ጥበብ ሃገር በቆል ዝኾኑ ስራሕቲ ኢትዮጵያ ፈጠራታት ጥበብ ንክምለሱ ስልጠና ይህብ። ናይ ስፌት ጎፍላ፣ ካብ ቀርኒ ዝዳለዉ ዋንጫታት ሻሻት ይሰርሓ። ቁሩብ ናብ ዘመናዊነት እንትምፃእ ድማ ስራሕቲ ጥልፍን ዳንቴልን ይሰርሓ። ባህላዊ ዓይነታት መስተ ‘ውን ከምዘዳልዋ ይሕብራ። ከምኡ ‘ውን ካብ ሓምሓም ሸሎኻ፣ ካብ ቀርኒ ድማ ከም ሻሻት ዘበሉ ባህላዊ መሳተይ ከምዝሰርሓ ‘ውን ይገልፃ።
ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓላፊት ቢሮ ባህሊ፣ ኪነ ጥበብን ቱሪዝምን ሂሩት ካሳው (ዶ/ር) ኣብ መበል 16 ከተማ ሓቆፍ መኽፈቲ ባህሊ ፌስቲቫል ከምዝገለፅኦ፤ ኪነ ጥበብ ሃሳት ካብ ቃላት ዝሓለፈ ሓይሊ ምትሕልላፍ ዝከኣለሉ ‘ዩ። ኪነ ጥበብ ናይ ለውጢ መሰጎሚን ብልሓት መፅንዒ ለውጢን ‘ዩ፤ ተሻጋሪ ዝኾነ ኣተኣኻኻቢ ሓሳብን ብምስራፅ ሕዝብን ሓባርነትን ንምልዕዓል ብልፅግና ዝገብር ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ‹‹ኪነ ጥበብ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነ ዓለም ‘ውን ዘተኣሳስር ‘ዩ›› ዝበላ እተን ሓላፊት፤ በቢዘበኑ ዘሎ ጥበብን ፍቅሪ ሃገርን ዘንፀባርቅ ውን ‘ዩ ይብላ።
ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ወይዘሮ ሸዊት ሻንካ ኣብ መኽፈቲ እቲ ፌስቲቫል ላይ ከምዝገለፅኦ፤ የምድላው እቲ ፌስቲቫል ኪነ ጥበብ ንሃገር ምሰሊ ዘለዎ ረብሓ የዕቢ። ዝተፈላላዩ ናይዛ ሃገር ብሄር ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ፈጥራ ባህሊ ንክፋለጥ ይገብር። ነባራት ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ንጀመርቲ ልምዶም ዘርእዩሉን ሰብ ሞያ ሓዱሽ ኪነ ጥበብ ንክፈጥሩ ዝገብርን ‘ዩ ይብላ።
ከም ገለፃ እተን ሚኒስትር፤ ኪነ ጥበብ ኣተኣኻኻቢ ትርኽቲ ብምህናፅ ሕውነታዊነት ንክጠናኸር ዝገብር ‘ዩ። ኩሉ ዓይነት ብልፅግና ብምምፃእ ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ዝሰኣለሉ ዘፈር ውን ‘ዩ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 12 ሰነ 2017 ዓ.ም