ኣብዛ ሃገር እዚኣ ብሓሶት፣ ብምምሳልን ዘየንፀርፀረ መን ኣሎ? ኣነ ብወገነይ ኣዝዩ መሪሩኒ ኣሎ። መስዩ ክሳብ ዝወግሕ ዝሰምዖ፣ ዘንብቦ ኩሉ ሓሶት እዩ። ብማሕበራዊ መራኸቢ ንሓድነት ህዝቢ ዘላሕልሕ ናይ ሓሶትን ፅልኢን ምንባብ ሰልቺዩኒ። ሓሲኻ ምትዕራቕ እናሃለወ ሓስዮም ዘፃልኡ ዝበዝሕሉ ዘመን ኢና በፂሕና ዘለና። ሃገር ከቕውም ዝኽእል ጠፊኡ ሃገር ንምፍራስ ምቕድዳም ናይ መብዛሕትና ዕላማ ኮይኑ ኣሎ። ካብ ሃገርን ህዝብን ንላዕሊ ዘሐጉስ እንታይ ከምዘሎ ኣይፈልጥን።
ዝተመሃረን ዘይተማሃረን ኩሉ ነገር ክኣልም፣ ናይ ሓሶት ወረ ክፈጥር ዝውዕል እዩ። መብዛሕትና ኣብ ክንዲ ሃገር ምህናፅ ፍልጠትና ንናይ ሃገር መከራ ነውዕሎ ኣለና። ሓንጎልና ንኽፋእን ተንኮልን ካብ ንጥቀመሉ ሃገር ንምልዋጥ ተነውዕሎ ኣበይ ምበፃሕና ነይርና። ሰብ ንምንታይ ሃገር ንምፍራስ ይምሃር? ሰብ ንምንታይ እዩ ሃገር ንምጉዳእ ዝመሃር? ነዛ ሃገር እዚኣ ብሓድነት ጠጠው ንብለላ መዓዝ እዩ? ካብ ክፍኣት ወፂእና ንናይ ፅድቂ ስራሕ ንተግሀሉ መዓዘ እዩ? ኩልና ደው ኢልናላ ዘለናላ ሃገር እኮ ብደምን ኣዕፅምትን ኣቦታትና ዝተሃነፀት እያ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ከምድሌትና ንረግፃ ዘለና ሃገር ንዓና ክብሉ ብዝተሰውኡ ወገናትና እዩ። እስኪ ካብ ውልቃውነት ወፂእኹም ከም ህዝቢ ሕሰቡ፤ እስኪ ከም ሃገር ንሕሰብ። ንስኻትኹም ዋላ ኣይጥመይኩም ካልኦት ብዙሓት ዝጠመዩ ሰባት ዘለዋ ሃገር እያ። ብዙሓት ዝተሸገሩ ኣሕዋትና ናብራ ንምሽናፍ ደፋእፋእ ዝብሉላ ሃገር እያ። ንሕና ልክዕ ብኣቦታትና ከምዝኾራዕና ቐፃሊ ትውልዲ ‘ውን ብኣና ዝኾርዐላ ሃገር ንፍጠር። ክሳብ ሕዚ ሃገርና ብምኽንያት ናይ ሓሰውቲ ወረ ብዙሕ ፀገም በፂሕዋ እዩ። እናደመየት…እናቖሰለት ብዙሕ ግዜ ገይራ ኣላ። ህዝብና ብሓሶት ወረ ፍቕሩን ሓድነቱን ዝሰኣነሉ እዋን ብዙሕ እዩ። ናይ መብዛሕትና ሂወት ብንዛረቦ ልክዕ ቓል ዝተሰፈረ እዩ። ቓላት ኣብ ሂወት ሕድ ሕድና ቐታልን መድሕንን ኮይኑ ኣሎ።
ሃፀይ ምኒሊክ ህዝቢ ንወፍሪ ኣዊጆም ዓድዋ ዝኣክል ዓብዪ ዓወት ኣመዝጊቦም እዮም። ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ፅቡቕ ቓላት ተጠቒሞም ኣብ መንጎ ህዝቢታት ምንቕቓሕ ፈጢሮም እዮም።ቓላት ከምዝገበርናዮ እዩ። ሓይሊ ቓላት ብዝግባእ ዝተረደአ ሰብ ኣብ ሂወቱ ዝስእኖ የለን። ቃል ኣብቲ ትክክል ቦታ ብኣግባቡ ከንጥቐም እንተኺእልና ደሊና ንስእኖ ነገር ኣይህሉን። መብዛሕትና ግና ካብ ፅቡቕ መልሓስ ወፂና ብመርገምን ብወቐሳን ንነብር ህዝቢ ኢና። ክሳብ ሕዚ ኣብ ሂወትና ዘይተሳኽዑ ዝቐረዩ ነገራት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መገዲ ምስ ንዛረቦም ቓላት ርክብ ዘለዎም ስለ ዝኾኑ እዩ። ፖለቲከኛታት፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ነጋዶ ብዛዕባ ቓል ተትጥይቕዎም ብኣግባቡ ክነግርኹም ይኽእሉ እዮም። ፖለቲከኛታት ንህዝቢ ከምድሌቶም ዝዝውርዎም ብቓላት እዩ። መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ፈጣሪን ፍጥሩን ዘሎ ናይ እምነት ድልድል ዘሐይልዎ ብቓላት እዮም። ብዛዕባ ቓላት ሓይሊ ክትፈልጡ ይግበአኩም። ሰብ ንመን ይመስል ንዘረቡኡ ዝብል ኣባሃህላ ኣሎ። ፅቡቕ ቓላት ምሳኹም ክሳብ ዘለዉ ኩሉ ግዜ ሰዓርቲ ኢኹም። መብዛሕትኦም ዝተሳኸዐሎም ሰባት ብፅቡቕ ቓላት ዝተመልኡ እዮም። ጎበዛት ሰባት ኣብ መልሓሶም ናይ ምስጋና ቓላት እዮም ሒዞም ዝጓዓዙ ።
ኩሉ ነገር ተለዋዋጢ ኣብ ዝኾነሉ ዓለም እናነበርኩም ክትሕመይሉ እትኽእሉ ሓደ ነገር እንተሃለወ ፅቡቕ መልሓስ ዘይምጥቓም እዩ። ፅቡቕ መልሓስ እንተሒዝኩም ኣብ ዝኾነ ግዜ ምስ ዝኾነ ማሕበረሰብ ተረዳዲእኹም ከትነብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ሓደ ሰብ ብፅቡቕ ቓል ክትስዕሩዎ እንተዘይክኢልኩም ብኻሊእ ክትስዕሩዎ ኣይትኽእሉን። ዓለም ንጥዑያት ሰባት ማዕፆኣ ክፍቲ እዩ። መብዛሕትና ብኽፍኣትን ብመርገምን ተመሊእና ኣብ ዝተዓፀወት ዓለም ደዊልና ዘይኽፈት ማዕፆ እናንኳሕኳሕና ንርከብ። ማዕፆታትና ክኽፈቱ ዝኽእሉ ብፅቡቕ ቃላት እዩ። ሕልምና ዝሳኻዕ ንኻልኦት ፅቡቕ ክንሓስብ እንተለና እዩ። ንባዕልትና ጥራሕ እናሓሰብና፣ ኣነ ጥራሕ እናበልኩ ዝኸፍቶ ማዕፆን ዝፈጥሮ ተኣምርን የለን።
ኩሉ ኣብ ልብና ውሽጢ ዘሎ ነገር ዋላ’ኳ እንተዘይፈለጥኩ ቕኑዓት እንተኾይና ተጠቀምቲ ኢና። ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ብዛዕባ ሓይሊ ቓላት ዝፈልጡ ውሕዳት እዮም። እዚኦም ንባዕሎም ባሪኾም፣ ብሓጎስ፣ብፍቕሪ ዝነብሩ ኮይኖም ኣብ ቕድሜና ጠጠው ዝበሉ እዮም። እዚኦም ኩሉ ነገር ተሳኺዕሎም ክንርኢ እንተለና ወይ ኣነ ከምኦም ገይሩ ከምፈጠረኒ ኢልና ንቐንአሎም ሰባት እዮም። መብዛሕትና ቓላት መረዳድኢ ጥራሕ ጌርና ንሓስብ ኢና ግና ቃላት ናብ ንደልዮ ቦታ ንምኻድን ንምብፃሕን መንገዲ ዝፈጥሩልና ሓይልና እዮም። ብሓፈሻ ቓላት ፍልፍል ኩሉ ታሕጓስ እዮም ኢለ ምዝራብ እኽእል እየ።
ኣብ ልብኹም ምራቓን ውዳሰን ቓላት እንተዘይሃልዮም ፅቡቕ ነገር ከምእትስእኑ ሕሰቡ። መፃኢ ሓሳብኩም እናመኸነ፣ ተስፋኹም እናሞተ ምዃኑ ቑፀሩ። ዘድልየኩም ኩሉ ብትዛረብዎ ቃላት ዝተወሰነ እዩ። ሓደ ሓደ ሰባት ኩሉ ሃልይዎም ከመይን እንታይን ክዛረቡ ከምዘለዎም እንተዘይፈሊጦም ድኻታት ኮይኖም ክነብሩ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ሓደ ሰባት ድማ ዋላ ብዙሕ ነገር ኣይሃልዎም ብዝዛረብዎ ፅቡቕ ቃላት ጥራሕ ብዙሕ ረኺቦም ይነብሩ። ቓላት በትሪ ንግስናን ሹመትን እዩ። ኩሉ ግዜ ፅቡቕ ቓል ንዓኻ ይኹን ንኻሊእ ክብርን ታሕጓስን እዩ ዝህብ።
ፅቡቕ ቓላት ምጥቃም እትኸፍልዎ ዋጋ ኣይህልዎኩምን። ሰባት ከምዝደለይዎ ክዛረብኹም ይኽእሉ እዮም፤ ካባኹም ዝወፅእ ቃል ግና ነቲ ነገር ከባኣእሶ ወይ ከዝሕሎ ይኽእል እዩ። ፅቡቕ መልሓስ ቑጠዐ ተዝሕል ዝባሃል ኣባሃህላ ኣሎ። እዚ ኣባሃህላ ኣብ ናይ ኩልና ሂወት ትኽክል ኮይኑ ይርከብ። ንሕና ንዛረቦ ቓል ፅቡቕ ክኸውን ይግባእ። ሓደ ሰብ ናባኹም መፂኡ ብሕራነ ክዛረበኩም ይኽእል እዩ። ነዚ ሕራነ ማይ ወይ ቤንዚን እትርብርብሉ ንስኹም ኢኹም። ዝተቖጠዐ ሰብ ብፅቡቕ ቓላት ገይርኩም ክተረጋግዑዎ እትኽእሉ ንስኹም ባዕልኹም ኢኹም።
ተናዲዱ ንምውቓዕ ዝመፀ ሰብ ላዛ ብዝተመልኦ ቓላት ብምዝራብ ኣረጋጊዕኻ ክምለስ ከምዝኽእል ምስትውዓል የድሊ። መብዛሕትና ሰባት ግና ከም ኣመፃፅእኡ ንምልስ ሰባት ኢና። ምስተናደደ ሰብ ምንዳድ ኣየድልን እዩ። ምኽንያቱ ምስ ዝተፈላለየ ባህረ ዘለዎም ሰባት ኢና ንነብር። ማሕበራዊነት ብዙሕ ነገር ኣለዎ። ምስ ደቒ ሰባት ንምርድዳእ እንተደሊኻ ሕማቕ ነገር እንትገጥመካ ርኢኻ ከምዘይረአይኻ ምሕላፍ፣ ሰሚዒኻ ከም ዘይሰማዕኻ ምሕላፍን ምኽኣልን የድሊ። እምኒ ንዝደርበየልካ መሊስካ እምኒ ትድርብየሉ ተኾይንካ፣ ዝፀረፈካ ኩሉ ትፀርፎ እንተኾይንካ ሰላም ዘምፅእ ኣይኮነን። ሓደ ሓደ መስተውዐልቲ ሰባት ዝተሰንጎየሎም እምኒ ተቐቢሎም ኣብ ቑም ነገር እዮም ዘውዕልዎ።
ሓይሊ ምጥቓም፣ ምፅራፍ፣ ምንሻው ፣ ምርጋምን ዘይኮነስ ብፅቡቕ ስብእናን ዝርርብን ሰባት ምስዓር ልመዱ። ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ናይ ሃገርና ሓድነት እናበከሉ ዘለዉ ካብ ሕማቕ ኣንደበት ዝወፁ እኩይ ቓላት እዮም። ቓላት ብትኽክል እንድሕር ዘይተጠቒምናሎም ጉድኣት ናይ ምብፃሕ ሓይሎም ልዑል እዩ።ኣብ ሩዋንዳ ከቢድ ናይ ዓሌት ምፅናት ዘብፀሐ ቓል እዩ። ንኻልኣይ ኵናት ዓለም መበገሲ ዝኾነ ከም ምኽንያት ዝለዓል ቓል እዩ። ቓላት ልክዕ ከምጥቕሞም ጉድኣቶም ‘ውን ልዑል እዩ። ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ ውሽጢ ሃገርና እንሰምዖም ትርጉም ዘይብሎም ናይ ፅልኢ ዝርርብ ኣለዉ። ብመራኸብቲ ብዙሃን እንፍንዎም መልእኽትታት ሃገር ንምፍራስ ሓይሊ ኣለዎም።
ቓላት ክንጥቀም እንተለና ጥንቃቐ ዝተመልኦ ክኸውን ኣለዎ። ክዛረብ እንተለኹ ብናተይ ዘረባ ካሊእ ከምዘይጎድእ ርግፀኛ ክኸውን ኣለኒ። ካብዚ ሓሊፉ ናተይ ዝርርብ፣ ናተይ ቓላት ካብ ምሕጓስ ሓሊፉ ንኻልኦት ናይ ሓዘን ምኽንያት እንተኾይኑ ጥቕሚ እናሃብኩ እንተይኮንኩስ እናቐየምኩ እየ ዘለኹ። ህዝቢ ምስ ህዝቢ፣ ሃይማኖት ምስ ሃይማኖት፣ ብሄር ምስ ብሄር ንምጉናፅ ስረሐይ ኢሎም መልእኽቲ ዝነዝሑ ፈተውቲ ዓርሶም ዝኾኑ ውልቐ ሰባት በቢኸባቢኡ ኣለዉ። ህዝቢ ብምክፍፋል ናይ ውልቖም ጥቕሚ ንምስኻዕ ሓሶት እናፈጠሩ፣ ዘይኮነን ዘይተገብረን ነገር ከምዝተገብረ ኣምሲልካ ምቕራብ ህዝቢ ዘጋግዩ ብዙሓት እዮም።
ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ሃገርና ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሕብረትናን ሓድነትናን የድልያ። ስምዒታዊ ምዃን ጉድኣት እምበር ጥቕሚ የብሉን። ነገራት ንርእየሉ ስኽን ዝበለ ኣእምሮ የድሊ እዩ። ብዝተጋገየ ወረ ተመሪሕና ውሕዳት ዓርሶም ዝፈትዉ ውልቐ ሰባት ብዝፍንውዎ ዝተጋገየ መልእኽቲ ካብ ምድንጋርን ንጥፍኣት ካብ ምህፃፅ ነቲ መልእኽቲ ርግዕ ኢልና ምርኣይ ዝሓሸ እዩ ኢለ ይሓስብ። ፅቡቓት ቃላት ምጥቓም ንቕድሚት ዘሰጉሙ ምርኩስ እዮም። እኩይ ቓላት ድማ ንቕድሚት ከይንኸይድ ዕንቕፋት እዮም። ካብሕዚ ጥዑያት ሰባት ኩኑ፤ ንሃገርኩም ዝጠቕም ፅቡቕ ቓላት ኣፈልፍሉ። ሓሲኹም ካብተፃልኡ ሓሲኹም ምትዕራቕ ባህሊ ግበሩ። ክሳብ ሕዚ ብሓሶት ወረታት ብዙሕ ክሳራ በፂሑ እዩ። ሕዚ ግና ብምሕሳብ ብምስትውዓልን ክኸውን ኣለዎ እብል። ፕሮፌሰር ኬሊ ጃሚሰን ብዛዕባ ቓላት እንትዛረብ ኣብ ቓላት ዘለኩም ግንዛበ ብፅቡቕ ኣንደበት ብናይ ባዕልኹም ምልዕዓል እትገብርዎ ጉዕዞ ጀሚሩ ማለት እዩ።‹‹ ቓላት ናይ ቕድሚት ጉዕዘኹም ንምቕናዕ ንምርዳእ ዝተዳለዉ እዮም። ከምዚ ዝኾነሉ ግዜ ድማ ሕዚ እዩ። ቓላትኩም ክብድ ዝበሉን ንደቒ ሰባት ዘአምኑን ዝጠቕሙን እንተኾይኖም ድማ ዓርስኹም ንትደልይዎ ነገር እናዳለኹም ከምዝኾነ ርግፀኛ ኩኑ›› እዩ ኢሉ ነይሩ። እመኑኒ ፅቡቕን ዘሐጉስን ቓላት ተዛሪብኩም እትስእንዎ ነገር የለን። ክፉእ ነገራት ዝተቐመጡ ንኽፉእ ተዛራቢ እዩ።
ክተሸንፉ እትኽእሉ ብሓይሊ ብርቱዓት ስለ ዝኾንኩም እንተይኮነስ ሰባት ምስማዕ ዝደልይዎ ነገር ክተውርዩ እንተለኹም ጥራሕ እዩ። እዚ ሓቒ ኣብዝኾነ ዓውደ ሂወት ዝሰርሕ እዩ። ፅቡቕ ነገር ሰሪሕኹም ሃገርኩም ምጥቓም’ኳ ተዘይከኣልኩም ሃገርን ህዝብን ዝጎድኡ ክፉእ ናይ ሓሶት ተረት ብዘይ ምንዛሕ ናይ ባዕልኹም ግደ ክትፃወቱ ይግበአኩም። ቓላት ንኽፍኣት ነገር ምጥቓም የጥፍእ እዩ።
ሰባት ወረ እንታይዝኣክል ሕማቕ ምዃኑ እንትገልፁ ‹ ካብያ ኵናት ዝፈትሖስ ወረ ዝፈትሖ› ይብሉ። ንልቢ ደቂ ሰባት ብሓጐስ ክትመልኦ እንተዘይክኢልካ ንሓጥያት ኣፍካ ኣይትኽፈት። መልሓስ ዓፅሚ ናይ ምስባር ሓይሊ ኣለዋ። ኩሉ እቲ ሎሚ እንብሎ ዘለና ብተፈላለየ መራኸቢ ሓፋሽ መልክዑ ቐይሩ ዝውረየሉ ዘመን ኢና ዘለና። ምእንቲ ዅላትና ኢልና ካብ ዘየድሊ ቓላት ከንዕገስ ኣለና እናበልኩ ኣብዚ ክዛዝም። ሰናይ ቕነ።
(ፍልፍል፤ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን)
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ21ሚያዝያ2 013ዓ .ም