ፅዋዕ ሴካፋ ዘልዓላ ተተከእቲ ሉሲ ተሸሊመን

ኣብ ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት ውድድር ቻምፒዮና ዝኾነ ጉጅለ ብሄራዊ ኢትዮጵያ ኣቀባብላ ተገይርሉ እዩ። እግሪ ኩዕሶ ፌደሬሽን ነቲ ጉጅለ ሽልማት ገንዘብ ኣበርኪቱ እዩ።

ኢትዮጵያ ትሕቲ 20 ዓመት ጉጅለ ደቂ ኣንስትዮ ካብ 20 ጥቅምቲ ክሳብ 30 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ኣብ ዩጋንዳ እናተኻየደ ዝፀንሐ ትሕቲ 20 ዓመት ምብራቕን ማእኸላይ ኣፍሪካ ሃገራት ፅዋዕ (ሴካፋ) ውድድር ኣዳላዊት ዩጋ ንዳ ብምስዓር ባዓል ዋና ፅዋዕ ከምዝኾነ ዝዝከር ‘ዩ። እቲ ጉጅለ ናብ ሃገሩ እንትምልስ ኣቀባብላ ዝተገበረሉ እንትኾን፣ናይ ምስጋና መርሃ ግብሪ ብፌደሬሽኑ ወገን ተገይርሉ ‘ዩ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ፌደሬኢ ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ ፣ ሚንስትር ድኤታ ዘፈር ስፖርት ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት ፣ናይ ኪነ ጥበብን ዘፈር ፈጠራ ሚንስትር ዴኤታ ነፊሰ ኣልማሃዲ ከምኡ ‘ውን ፌዴሽን እግሪ ኩዕሶ ስራሕ ፈፃሚ ኮሚቴ አባላት ተረኺቦም ‘ዮም።

ሴካፋ ምክትል ፕሬዝዳንት ከምኡ ‘ውን ፕሬዝዳንት ፌዴሬሽን እግሪ ኩዕሶ ኢሳያስ ጅራ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝገበርዎ መደረ ‹‹ኣብ ሴካፋ መወዳእታ መዓልቲ ዝነበረ ኩነታት ከመይ ሸቶ ይቁፀረና ብዝብል ብዘይምርግጋዕ ስምዒት ብኽልተ ዝተኸፈለ ተቃራኒ መስመር ዝነበረ ስምዒት ‘ዩ ነይሩ። እዚ ናብ ሓደ ብምምፃእ ዘለዎም ዓቕሚ ኣውፅኦም ናብዚ ብርኪ ንክበፅሕ ዝገበረ ሰብ ጥራሕ እንተይኾነስ ፈጣሪ ‘ውን ተሓዊስዎ ስለዝኾነ ክመሰግኖ ንፈቱ። እዚ ዓወት ዘመዝገቡ ኣባላት ብሄራዊ ጉጅለ ብምሉኦም ካብ ልቢ ነመስግን›› ኢሎም።

እቲ ፌደሬሽን ድማ ነቲ ኣባላት ጉጅለ ሽልማት ገንዘብ ዘበርከተ እንትኾን ፣ ንጉጅለ ዋና ኣሳልጣኒ ፍሬው ሃይለ ገብርኤል ናይ ሚኢቲ ሸሕ ከምኡ እውን ሕድሕድ ተፃወቲ ስልሳ ሽሕ ብር ሽልማት ተበርኪቱ ‘ዩ። ናይቲ ጉጅለ መራሒ ሰብዓ ሽሕ ፣ ባዓል ሞያ ቴክኒክ ሰብዓን ሓሙሽተን ሽሕ፣ ንባዓል ሞያ ሕክምና 50 ሽሕ ከምኡ ‘ውን ንካልኦት ኣባላት ብሓፈሻ ሓደ ሚልየን ሸሞንተ ሚኢቲ ሰልሳ ብር ወፃኢ ተገይሩ ‘ዩ። ብደቂ ኣንስትዮ ብሄራዊ ጉጅለ ብዝኾነ ብርኪ ናይ መፈለምታ ፅዋዕ ዘመዝገቡ ተተካእቲ ሉሲ ናይ ሎሚ ሴካፋ ፅዋዕ ንፈላማ እዋን እንተተሳተፋ ‘ውን ብሓሙሽተ ፀወታ ሓደ ‘ውን ከይተስዓሩ ን ክብሪ ቻምፒዮን በፂሐን ‘የን። ኣብቲ ውድድር ብሓፈሻ ዓሰርተ ሸሞንተ ሽቶታት ኣቁፂረን ሰላስተ ሽቶ ጥራሕ ኣተኣናጊደን ‘የን።

እዚ ድማ ብሄራዊ ጉጅለ ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝካየድ ናይ ትሕቲ 20 ዓመት መፃረይ ፅዋዕ ተሳታፊ ንክኾና ኣኽኢልወን ‘ዩ። ተተካእቲ ሉሲ ብሓሙሽተ ፀወታ ዓብይ ነጥቢ ዝኣከበ እቲ ጋንታ ሰዓራይ ዝኾን ውድድር ፅዋዕ ምልዓል ዝኻኣሉ ንጁቡቲ ሸውዓተ ንባዶ፣ ኤርትራ ሓሙሽተ ንባዶ ፣ታንዛንያ ኽልተ ንሓደ ፣ ቡሩንዲ ሓደ ንባዶን ዩጋንዳ ሰለስተ ንኽልተ ብዝኾነ ውፅኢት ስዒረን ከምዝኾነ ዝዝከር ‘ዩ።

ብሓሙሽተ ፀወታታት ንኢትዮጵያ ሸሞንተ ዝተፈላለየ ፀወታታት ሽቶ ዘቑፀሩ እንትኾን ረድኤት ኣስረሳኸኝ ሽድሽተ ሽቶ ብምቑፃር ቀዳሚት ‘ያ። ቱሪስት ለማ ኣብቲ ውድድር ኣባዕተ ሽቶ ዘቑፀረት ተፃዋቲት እንትኾን መሳይ ተመስገን ኣሪያት ኣዶንግ ክልተ ክልተ ሽቶ ከቑፅራ ክኢለን ‘የን። እፀገነት ግርማ ፣ ቤተልሄም በቀለ፣ ብዙኣየሁ ታደሰን ሓደ ሓደ ሽቶ ብምቑፃር ኢትዮጵያ ሴካፋ ፅዋዕ ንክተልዕል ዓብይ ሚና ነይርወን ‘ዩ። ኣብ ሎሚ ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት ውድድር ኣዳላዊት ዩጋንዳ ፣ ኢትዮጵያ፣ ታንዛንያ ፣ኤርትራ ፣ጁቡቲ ቡርንዲ ዝተሳተፋ ሽድሽተ ሃገራት ‘የን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 9 ሕዳር 2014

Recommended For You