ፈተነ ሃገር ምፍራስ ከምዝፈሸለ ተገሊፁ

 ኣዲስ ኣበባ፡-ኣብ ኣጣዬ ዝተፈጠረ ጎንፅን ትንኮሳን መሰረት ብምግባር ኣምሓራን ኦሮሞን ብምፅላእ ሃገር ንምፍራስ ዝተገበረ ዘይተሳኸዐ ፈተነ ምዃኑ ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ፌዴሪኢ ዋና መተሓባባሪ ስራሕቲ ህንፀት ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ ኣፍሊጦም።ካብ ሃገር ንምውፃእ ዝሞከሩ ኣባላት ጁንታ መብዘሕትኦም ከምዝተደምሰሱን ዝተወሰኑ ድማ ንድሕሪት ተመሊሶም ናብ ሽንጥሮ ምእታዎም ኣመልኪቶም።

ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ ኣብ ወድዓዊ ኩነታት ሃገር ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ከምዘፍለጥዎ፤ኣብ ኣጣዬን ከባቢኡን ኣብቲ ሕብረተሰብ ትንኮሳ ብምፍፃም ኣምሓራን ኦሮሞን ጎንፂ ንክፍጠር በምግባር ሃገር ንምፍራስ ፈተነ ተገይሩ እዩ።ንሃገሩ ህይወቱ ዝሃበ ሰራዊት ምክልኻል ኣብቲ ኸባቢ ዝተሓሰበ ኽፉእ ተግባር ንክፈሽል ገይሩ እዩ።

ኣብቲ ከባቢ ብዝነበረ ስነ ስርዓት መርዓ ምኽንያት ገይሮም ጎንፂ ብምፍጣር ከምኡ’ውን ሃይማኖታዊ ኣቦ ብምቕታል ጎንፂ ንምፍጣር ፈተነ ከምዝተገበረ ዝሓበሩ ሌተናል ጀነራል ባጫ፣ካብዚ ሓሊፉ’ውን ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ ገዛ ብምቅፃል ጎንፂ ንምፍጣር ከምዝተገበረ ኣፍሊጦም እዮም።ካብዚ ንዳሓር ብዝተፈጠረ ዘይምርግጋዕ ህይወት ሰብ ከምዝጠፍአን ንብረት ከምዝዓነወን ኣፍሊጦም እዮም።

ከም ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ ገለፃ፣እቲ ጁንታ ኣብ ስራሕ ኣብዝነበረሉ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ዩኒቨርሲቲታት ኦሮሞታት ተምሃሮ ብምቕታል ፣ብተመሳሳሊ ኣብ ኦሮምያ ኣብ ዝርከቡ ዩኒቨርስቲታት ድማ ተምሃሮ ኣምሓራ በምቕታል ጎንፂ ንምፍጣር ፃዕሪ ይገብር ነይሩ እዩ።ኣብ ኣጣዬ ዝተፈጠረ’ውን ናይዚ ተንኮል መቐፀልታ እዩ።

 ኣምሓራን ኦሮሞን ክፃልኡ ብምግባር ሃገር ንምፍራስ ቐሊል እዩ ዝባሃል ኽፉእ ዕላማ ዘለዎም ሰባት ኣብ ኣጣዬን ከባቢኣን ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ ጎንፂ ብምፍጣር ፀገም ፈጢሮም እዮም ዝበሉ ሌተናል ጀነራል ባጫ፣ኣብዚ ፀገም ዝተሳተፉ ፖለቲካ ኣባላት ኾኑ ዝኾነ ውልቀ ሰብ ብምፍላይ ናብ ሕጊ ከምዝቐርቡ ኣፍሊጦም እዮም።

ኣብቲ ከባቢ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስ ኣምሓራን ጎንፂ ተፈጢሩ ዝብል ዝተልዓለ ወረ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም፣ ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስ ኣምሓራን ይትረፍ’ዶ ጎንፂ ምፍጣር ተደጋጋፎም ብምስራሕ ናይ ሓባር ትልሚ ብምውፃእ እናተንቀሳቐሱ ከምዝርከቡ ኣፍሊጦም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባታት ሰሜን ሸዋ ፣ ኦሮሞ ብሄረሰብን ደቡብ ወሎን ዝተጣየሸ ኮማንድ ፖስት ስራሕቲ እናሰርሐ ይርከብ።ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ንክምለሱ ንምግባር ንሃገሩ ህይወቱ ንምሃብ ዘይስስዕ ሰራዊት ብጉልበትን ብገንዘብን ከምዝሰርሕ ቃል ኣትዮም እዮም።

ሰራዊት ምክልኻል ብዝመልከት ዝናፈሱ ጉጉይ ሓበሬታታት ጠጠው ክብሉ ከምዝግባእ ዘጠንቀቑ ሌተናል ጄነራል ባጫ ደበሌ፣ብፍላይ መራኸቢ ሓፋሽ ኽልተ ናይ መከላከያ ሰራዊት ኣመራርሓታት ኦነግ ሸኔ እናዕጠቐ ዝብል ዝተዘርገሐ ወረ ካብ ሓቂ ዝራሓቐ ምዃኑ ኣፍሊጢም እዮም።‹‹ኹናት ካብ ዝፈትሖ ወረ ዝፈትሖ›› ከምዝብሃል ማእገር ሃገር ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ንምክፍፋል ዝግበር ፃዕሪ ብሓዊ ከም ምፅዋት እዩ ዝቑፀር ኢሎም ።

ኢትዮጵያ ንምጥፋእን ምክፍፋልን ዝትኮስ ጥይት ንሕና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብግንባርና ንቕበሎ’ምበር ሃገር ኣይትብተንን ዝበሉ ሌተናል ጄነራል ባጫ ፣እቶም ጀነራላት ጁንታን ኦነግን በምውጋእ ዓብይ ስራሕ ዝሰርሑ ኢትዮጵያ ኣለውኒ ካብ እትብሎም ኣዘዝቲ ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም እዮም።50 ዓመት እናተጎተተ ውፅኢት ዘየምፀአ ኦነግ ዝድግፍሉ ምንም ምኽንያት የለን።እንኳዕ ንኦነግ ምድጋፍ ንኣናእሽተይ ጉዳያት ጥንቃቀ ዝተመልኦ ስራሕ ዝሰርሑ እዮም።ጉዳይ ጉጉይ ሃበሬታ ዝዘርግሑ መራኸብቲ ሓፋሽ ብመግለፂ ጥራሕ ዝሕለፍ እንተይኾነስ ኣብ ቐፃሊ ብሕጊ ከምዘሕትት ገሊፆም እዮም።

ሌተናል ጄነራል ባጫ ደበሌ ኣብ መግለፂኦም ፤ካብ ሃገር ንምውፃእ ካብ ዝሞከሩ ኣባላት ጁንታ መብዛሕትኦም ከምዝተደምሰሱ ዝተረፉ ድማ ናብ ድሕሪት ተመሊሶም ናብ ሽንጥሮ ከምዝኣተው ኣፍሊጦም እዮም።መለለይ ካርዲ ብምድላው ሽሞም ብኻልእ በምቕያር ናብ ሱዳን ንምውፃእ ከምዝሞከሩ ገሊፆም እዮም።

ካብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝተረፈ ናይቲ ጁንታ ተረፍመረፍ ናብ ሱዳን ንምእታው ዓብይ ምድላው ከምዝገበረ ገሊፆም ፣ እዝ ድማ ብሰራዊት ምክልኻል ተደምሲሱ እዩ።እቲ ጉጅለ ናብ ወፃኢ ሃገር ብምኻድ ትእዛዝ እናሃበ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኹናት ብምኽፋት ሃገር ንምፍራስ እንተሓለመ’ውን ኣይተሳኸዐሉን ኢሎም እዮም።

ነቲ ጉጅለ ንምድምሳስ ኣብ ዝተሰርሐ ስራሕቲ ብዘይ ምቁራፅ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ እናተሳተፈ ዝርከብ ፅንዓት ዘለዎ ሰራዊት ኣለና ዝበሉ ሌተናል ጄነራል ባጫ፣መስዋእትነት ንምኽፋል ድልው ዝኾነ ተኣማኒ ሰራዊት ምህላዉ ፍልፍሉ ኢትዮጰያዊነት ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ሰራዊት ብወያናይ ዴሞክራሲ ዝተሃነፀ ተዝኾን ነይሩ እዚ ዘኣክል ፅንዓት ዘለዎ ስራሕ ንምስራሕ ከምዘይከኣል ኣመልኪቶም ፣ፍቕሪ ሃገር ኣብቲ ሰራዊት በምህላዉ ህይወቱ’ውን ሓዊሱ መስዋእቲ በምግባር ጅግንነቱ እናርኣየ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም እዮም።

 መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ21ሚያዝያ2013

Recommended For You