
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከተማ ኣትሌቲክስ ፌደሬሽን ነታ ከተማ ዝምጥን ተተካእትን ፣ሰገናትን መናእሰይን ጎየይቲ ትኹረት ብምግባር ምስራሕ ከምዝግባእ ኣፍሊጡ ‘ዩ። ነዚ ድማ ናይ ኢትየጵያን ኣፍሪካን ርእሰ መዲና ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ውፅኢታዊ ክገብር ዝኽእል ሰገናትን መናእሰይን ኣትሌታት ብብዝሓትን ብፅሬት ንምፍራይ ክዝሰርሕ እቲ ፌዴሬሽን ኣብ ዝነበሮ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣፍሊጡ ‘ዩ።
ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ክለባት ኣትሌቲክስ ዘለዉ እንትኾኑ ‘ውን ኣብ ዝተፈላየ ኣብ ዝካየዱ ሃገር ለኸ ቻምፒዮናታት እቲ ምምሕዳር ዘመዝገብ ውፅኢት ግና ከምቲ ትፅቢት ዝግረሉ ከምዘይኾነ ፅንዓታት ይሕብሩ ‘ዮም። እዚ ስዒቡ እቲ ፈደሬሽን ነታ ከተማ ዝምጥን ተተከእቲ፣ ሰገናትን መናእሰይን ጎየይቲ ትኹረት ሂቡ ምስራሕ ኣድላይ ከምዝኾነ ገሊፁ ‘ዩ። ፕሬዝዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ቢንያም ምሩፅ ኣብ ዝተድሓዘ ዓመት ብትልሚ ተዳሒዞም ኣትሌቲክስ ስፖርት ተግባራት እቲ ሓደ ከተማ ብዝምጥን ብርኪ ብዝላዓለ ተሳትፎን ተጠቃሚነት ምርግጋፅ ከምዝኾነ ኣብቲ ጉባኤ ገሊፆም ‘ዮም።
እቲ ፌዴሬሽን መበል 39 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ እናካየደ እንትኾን ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ዘተ ከምዝገበረ ቢሮ መናእሰይን ስፖርት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ድሕረ ገፁ ኣፍሊጡ ‘ዩ። ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ በጀት ዓመት 2013 እቲ ፌዴሬሽን ኣፈፃፅማ ሪፖርት፣ ዝተረኸቡ ውፅኢትን ዘጋጠሙ ፀገማት ስፍሓት ዝተልዓልሉ ሪፖርት ቀሪቡ
‘ዩ። ኣብ 2014 ዓ.ም በቲ ፌደሬሽን ዝስርሑ ትልምታት ምስ ቐረቡ በቲ ኣባላት ጉባኤ ብዘተ ተጠናኺሩ ክፀድቅ ከምዝካኣለ ከተማ ስፖርት ኮምሽን ሓበሬታ የመልክት። በዚ ድማ ስፖርት ኣትሌትክስ ተሳትፎ ፣ስልጠናታትን ውድድራትን ካብ ኮቪድ 19 ፕሮቶኮልን መምርሕን ኣንፃር ትኹረት ተዋሂብዎ ምስራሕ ከምዝግባእ ገሊፆም ‘ዮም።
ናይታ ከተማ ኣትሌቲክስ ንምጥንካር ስፖንሰር ሺፕ እና ሃፍቲ ኣሰባስባ ትኹረት ተዋሂቡ ከምዝሰርሕ ኣመልኪቱ ‘ዩ። እቲ ፌዴሬሽን እዚ ትልሚ ንምስኻዕ ምስ ኹሉ መዳርግቲ ኣካላት ሓበራዊ ኣሰራርሓ ዘርጊሑ ከምዝሰርሕ ተገሊፁ ‘ዩ። ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ነቲ ፌደሬሽን ውፂኢታውነት ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ዘበርከቱ ኣካላት ድማ ኣብቲ ጉባኤ ኣልፍልጦን ምስጋናን ምስክር ወረቐት ተበርኪትሎም ‘ዩ።
ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ነታ ከተማ ኣትሌቲክስ ዕብየት ናይ እጃሞም ዓሻራ ንምዕራፍ ብዙሕ እናፃዓረ ዝፀንሐ ከምዝኾነ ዝፍለጥ እንትኸውን ፣ ብዘተፈላለዩ ግዝያት ዘጋጠምዎ ኢኮኖምያውን ምምሕዳራዊን ፈተና ስዒቡ ብዝድለ ልክዕ ነታ ከተማ ዕብየት ኣትሌቲክስ ሰሪሑ ‘ዩ ኢልካ ንምዝራብ ኣይካኣልን። ነዚ መርኣይ ገይሩ ዝውሰድ እቲ ትካል ብሓይሊ ሰብን ናውትን ምድርጃው ብዘይምኽሉ ኣብ ወረቐት ዘስፈሮም ትልምታት መሬት ወሪዱ ንምስራሕ ዝተፀገመሉ ኣጋጣሚ ብዙሕ ‘ዩ። ካብ ቀረባ ናብዚ ግና ዝነበሩ ፀገማት ፈሊኻ ንቀፃሊ ስራሕ ከም ሓደ ግብኣት ብምውሳድ ናይታ ከተማ ኣትሌቲክስ ንምልማዕ ሓድሽ መገዲ ጀሚሩ ‘ዩ። እቲ ትካል ብሓድሽ ለውጢ መገዲ ምርማድ ዝጀመረ ናይቲ ፌዴሬሽን ስራሕ ፈፃሚ ብምምራፅ እንትኸውን ኣብ ቀረባ ወዲ ሻምበል ምሩፅ ይፍጠር ቢንያም ምሩፅ ፕሬዝዳንት ገይሩ ምምራፁ ዝዝከር ‘ዩ።
ናይቲ ፕሬዝዳንትን ናይ ካልኦት ስራሕ ፈፃሚ ኮምቴ ኣባላት ምምፀኦም ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኣዲስ ኣበባ ምምሕያሽ ኣወዳድባ ንክመፅእ ኣኽኢሉ ‘ዩ። ስለዚ ኣትሌቲክስ ንምልማዕ ፅቡቕ ናይ ስራሕ ከባቢ ምፍጣር እቲ ሓደን ቀንድን እንትኾን ናብ ተግባር ንምምፃእ ኣወዳድባ ቢሮ ብምስትኽኻል ኣማሊኡ ‘ዩ። እቲ ቢሮ ሰብ ሓይልን ናውትን ብምውዳብ ድማ ኣብ ጃን ሜዳ ዝነበረ ቤት ፅህፈት ኣብ መገናኛ ኮማደር ደራርቱ ቱሉ ህንፃ ብምዝውዋር ከም ሓድሽ ከምዝተወደበ ዝፍለጥ’ዩ።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
2 ሕዳር 2014 ዓ.ም ወጋሕታ ጋዜጣ