‹‹ግድብና ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ግድባት ዝያዳ መፅናዕቲ ዝተገበረሉ ኾይኑ ረኺበዮ ›› ኢንጂነር ጌዲዮን ኣስፋው ኣብ ጉዳይ ህዳሰ ግድብ ኣማኻርን ተደራዳሪን

ትርሓስ ፍቃዱ

ኻልኣይ ዙር ምልኢት ማይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዲፕሎማሲ ዘምፅኦ ፅዕንቶ ይህሉዶ ይኸውን?እስካዕ መኣዝ እያኸ ግብፂ ንኢትዮጵያ ብፅዕንቶ ሕጊ ጠፍኒጋ ንምእሳር እትናፍቕ?ዝብሉን ካልኦት ሕቶታትን፤ብኣማኻሪ ሚኒስቴር ማይን መስኖን ኢነርጂን ኣብ ዙሪያ ግድብ ህዳሰ ተደራዳርን፤ኣካቢ ኤክስፐርታት ኢትዮጵያ፣ከምኡ’ውን ኣፍቲ ዘፈር ብርክት ንዝበሉ ዓመታት ምስ ዘገልገሉ ኢንጂነር ጌድዮን ኣስፋው ምስ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ዝገበርዎ ፃንሒት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና።ሰናይ ንባብ።

ሕቶ፡-ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ካብ መፈለምታ ጀሚሩ ብርክት ዝበሉ ፀገማት እናበፅሖ ከምዝነበረ ዝፍለጥ እዩ፤ይኹን‘ምበር ድሕሪ እዚ ኹሉ ማሕለኻታት ኽልቲኦም መተንፈሲ ተርባይናት ስራሕ ጀሚሮም እዮም፤ካብ መፈለምታ እስካብ ሐዚ ዘሎ ዲፕሎማስን ናይ ወፃኢ ፅዕንቶን ከመይ ይገልፅዎ?

ኢንጂነር ጌድዮን፡-ዓብዪ ግድብ ህዳሰ እምነ ኹርናዕ ካብ ዝቕመጠሉ እዋን ኣትሒዙ፤ኣብ ልዕሊ እቲ ግድብ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተፈላለዩ ርኢቶታትን፤ ቕዋማትን እናተንፀባረቑ ነይሮም።እቲ ናይ መፈለምታ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኽልቲአን ሃገራት እንግዶት ተገይሩ ዘብፅሖ ፅዕንቶ ብዝምልከት ንምርድዳእ ዓለምለኻዊ ፓናል ኤክስፐርት ተጣይሹ ካብ ሰለስቲአን ሃገራት ኽልተ ኽልተ ኣባላት ዘለዉዎን ኣርባዕተ ድማ ካብ ጀርመን፣ካብ ደቡብ ኣፍሪካ፣እንግሊዝን ፈረንሳይን ብሓፈሻ ዓሰርተ ኤክስፐርታት ንሓደ ዓመት ዝኣክል ብዛዕባ እቲ ግድብን እቲ ግድብ ዘስዕቦ ፅዕንቶን ሰሪሖም ሪፖርቶም ንሰለስቲኦም መንግስታት ኣቕሪቦም እዮም።

ካብዚ እዋን ጀሚሩ ዘሎ ኹነታት እንትሕሰብ፤ኣፍቲ ሪፖርት’ውን ዝተፈላለየ ርኢቶ እናተውሃበ ነይሩ።ሰለስቲኦም መንግስታት ኣፍቲ ሪፖርት ዝተፈላለየ ቅዋም ነይርዎም።ከምኡ ኾይኑ’ውን ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪካ ይኹን ኣብ ካሊእ ዓለም ንዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዝመስሉ ብዙሓት ኣሻሓት ግድባት ኣለዉ እዮም። ኾይኑ ግና ብሱዳን ብግብፅን መለዓዓላይነት እቲ ግድብ ዓለምለኻዊ ትሕዝቶ ንኽህልዎን ፅዕንቶ ንምሕዳርን ኣዝዩ ብዙሕ ስራሕ ስለዝተሰርሐ ግድብና ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ኻልኦት ግድባት ዝያዳ ዘተ ዝተገበረሉን፤ብርክት ዝበሉ ፅሑፋት ዝተዳለወሉ ኣግባብ ብዘይኮነ መገዲ ፅዕንቶ ንምብፃሕ ፈተነ ዝተገበረሉ ግድብ ኾይኑ እየ ረኺበዮ።

ብብርኪ ዓለም ካብ ግድብ ህዳሰ ዝበልፁን ዝንእሱን ግድባት ኣለዉ።ብምዃኑ ድማ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣብ ኣፍሪካ ይኹን ኣብ ዓለም ናይ መጀመሪያ ግድብ ኣይኮነን።ይኹን ‘ምበር ግብፂ ነቲ ግድብን ኹነታቱን ምስ ጥቕማ ብምዝማድ ኣዝዩ ዝኸረረ ኾይኑ ንኽርኣይ ብምግባራ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኽብድ ዝበለ ወፍሪ ሚድያን ዲፕሎማስን እናተኻየደ ፀኒሑ እዩ።እዚ ኣካይዳ ድማ ኣግባብ ብዘይኮነ መገዲ ዝተኻየደ እዩ።እዚ ንምርዳእ ብወገን ኢትዮጵያ ብዙሕ ፃዕሪ ተገይሩ እዩ።

ንኣብነት ግድብ ኣስዋን ምስ ግድብ ህዳሰ እንትነፃፀር ልዕሊ ዕፅፊ ትሕዝቶ ማይ ዘለዎ ዓብዪ ግድብ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሱዳን ንባዕሉ ልዕሊ ሓሙሽተን ሽዱሽተን ግድባት ከምዝተሰርሐ ግልፂ እዩ።ኣብ ካልኦት ሃገራት ‘ውን ተሰሪሖም እዮም ፤ኢትዮጵያ ንመጀመሪያ እዋን፤ ገንዘብ ባዕላ ብምሽፋን ንምስራሕ ኣብ ዝገበረቶ ፃዕሪ ብዙሕ ናይ ዲፕሎማስን ወፍሪ ሚድያን እናተኻየደላ ነይሩ።እዚ ድማ ብዘይ ኣግባብ እዩ እናተኻየደ ዝነበረ።

ዋና ነቲ ግድብ ዝቃወሙ ኣብ ምኽንያታዊ ኣሰራርሓ እቲ ግድብ ወፍሪ ዝገብሩ ሃገራት፤እቲ ግድብ ታሕተወት ሃገራት ይጎድእ እዩ ብዝብል ዘይኮነስ ብዝያዳ ኢትዮጵያ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ማለት ‘ውን ልቓሕ ይኹን ረድኤት ከይደለየት ብምስርሓ እንትኸውን፤እዚ ዝዓይነቱ ኣካይዳ ንባዕሉ ንሃገራት ኣፍሪካ ፅቡቕ ኣብነት ኣይኸውንን ካብ ዝብል እዩ።ኻልኦት ሃገራት’ውን ዓርሰን ኽኢለን እዚ ኣብነት ሒዘን ክሰርሓ ይኽእላ እየን ዝብል ስግኣት ዝሓደሮም ታሕተወት ሃገራት፤ ሕብረተሰብ ዓለም ብዘይኸውን መገዲ ጥቕሚ ማይና ክጎድኣና እዩ ብዝብል ሓሳብ ብዙሕ ወፍሪ ኣካይዶም እዮም።

እቲ መፈለምታ ኢትዮጵያ ዘይተቐበለቶ ኣብ መንጎ ኽልተ ሃገራት ዝተገበረ ስምምዕነት 1959 እዩ። ኢትዮጵያ ካብ 1959 ጀሚራ ንዝሓለፉ ሰለስተ መንግስታት ብደብዳበ ንማሕበረሰብ ዓለም ፤ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ገይራ ከምኡ’ውን ብሕብረት ኣፍሪካ ተቓውሞኣ ገሊፃ ኣቕሪባ እያ።እቲ ስምምዕነት ከምዘይትቕበልን ታሕተወት ሃገራት ኣብዚ ስምምዕነት ተደሪኾም ዝገበርዎ ስምምዕነት ንሕና ንቐፃሊ ኣብ እንገብሮ ልምዓት ብዝኾነ ዓይነት ተቐባልነት ከምዘይብሉ ብማሕበረሰብ ዓለም’ውን ዝፍለጥ እዩ።

ብምዃኑ ድማ ዘይተቐበልናዮ ክፍፍል ማይ መሰረት ዝገበረ ተቓውሞ ማይ እዩ እናተኻየደ ዘሎ። እቲ ግድብ ኣብ ልዕሌና ፅዕንቶ የብፅሕ እዩ ካብ ዝብል ዝለዓል ናይ ዲፕሎማሲ ወይ ድማ ናይ ሚዲያ ወፍርታት’ውን ኣለዉ።እቲ ሓደ ብዓቕምና ስለ ዝሰራሕናዮ እንትኸውን፣እቲ ኻልኣይ ድማ ብታሕተወት ሃገራት ዝተገበሩ ስምምዓት ስለዘይትቕበልን እቲ ሳልሳይ ድማ ብናይል ናይ ምጥቃም መሰልና ኣሕሊፍና ስለዘይንህብ እዩ።

ሕቶ፡-ኣብ ቐረባ እዋን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ኣብ ፓርላማ ቐሪቦም ኻልኣይ ዙር ምልኢት ማይ ከምዘይጎድኦም፤ናይ ባዕሎም ምድላው ከምዝገበሩ ተዛሪቦም፤እዚ ብመንፅር ዲፕሎማሲ ከመይ ይርኣይ?

ኢንጂነር ጌድዮን፡- ቕድሚ ሓደ ሰሙን ዝሃብዎ ርኢቶ ናፍቲ ሓቂ እናመፁ ከምዘለዉ ዘርእይ እዩ።ብፍላይ ግብፂ ብብዙሕ ኣሻሓት ኪሎ ሜትር ራሕቒ ዝርከብን ንዓኣቶም ትርጉም ዘለዎ ዓመታዊ ፍሰቱ እስካብ ኣስዋን ዘብፅሖ ዘይምቕያሩ እዩ።ይኹን’ምበር ኣብ ቐረባ ዘሎ ግድብ ሮዛሪስ ሱዳን ድማ ዓመታዊ ፍሰቱ ዘይኮነስ መዓልታውን ወርሓውን ፍሰቱ ናይ ምልውዋጥ ኹነታት እዩ፤ ንእሽተይ ግድብ ስለዝኾነ እቲ ዋና ናይ ሱዳን ሓሳብ እሱ እዩ ማለት እዩ።

ብምኽንያት ግድብ ህዳሰ ዝበፅሕ ፅዕንቶ ኣብ መንጎ ኽልቲአን ሃገራት ዝተፈላለየ እዩ።ሐዚ እቲ ርኢቶ ድሕሪ ምሃቦም ድማ ዝተቐየረ ርኢቶ ከምዘሎ ብዝመስል መልክዑ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ እናኸዱ ይርከቡ።ኣብዚ ግብፂ ከም እትጉዳእ ኻሊእ ዓይነት ርኢቶታት እናሃቡን ስምምዕነት እንተዘይሃልዩ እቲ ግድብ ክምላእ የብሉን ዝብል ቕዋም እናካየዱ እዮም።ስለዚ መሰረታዊ ዝኾኑ ጥቕምታት ዝምስረቱ ኣብ ጥቕሚ ህዝብን እታ ሃገር ብዘለዋ ፖሊሲን እዩ።ኣብዞም ዝተፈላለዩ እዋናት ብኽልቲአን ሃገራት ዝዝረቡ ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ኽልቲአን ሃገራትን ሰብሞያን ከምኡ‘ውን ኻልኦት ኣካላት ብዝዛረብዎ መሰረት ተገይሩ ናይ ቅዋምን ፖሊሲን ለውጢ ኣይግበርን።ስለዝኾነ ድማ እቲ ዝተትሓዘ መንፈስ ዘተ መምርሒ ስዒቡ ዝኸይድ እዩ ዝኸውን።

ሕቶ፡-ኢትዮጵያ ሐዚ’ውን ቕዋማ ኣጠናኺራ ምቕፃላ ጋህዲ ኾይኑ እንከሎ፤ብወገን ግብፂ ግና ኣብዚ ሐዚ እዋን ናይ ቕዋም ምዝናፍ ኣይርኣይንዶ?

ኢንጂነር ጌዲዮን፡- ቕድም ኢለ ከምዝበልክዎ እዩ፤ምዝናፍ ቕዋም ይርኣይ እዩ።ኣብ ሕድሕድ እዋን ዝግበሩ ምዝናፋት ድማ ኣብ ድሕሪቱ እንታይ ኣሎ፤ውሽጣዊ ፖለቲካ ምቕናይ ኣድላዪ እዩ።ሓደሓደ እዋን ብስራሕ ሓለፍቲን ብታሕተወት ሃገራትን ዝግበሩ ናይ ሚዲያ መግለፅታት መሰረቶም እንታይ ከምዝኾነ ምፅናዕ ኣድላዪ እዩ።

ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ግብፂ ኣብ ሃገሮም ፓርላማ ዝገበርዎ ገለፃ ‹‹ኣብ ቴክኒክ ተመስሪተ እየ እዚ ዝገብረልኩም እቲ ምልኢት ማይ ዋላ ሓንቲ ጉድኣት ኣየብፅሕን፤ንዝበፅሕ ጉድኣት’ውን ተዳሊውና ኢና›› እዮም ዝበሉ።ብወገነይ እዚ ፅቡቕ ቕዋም እዩ።ምድላዎም ‘ውን ፅቡቕ እዩ።ምልኢት እቲ ግድብ ጉድኣት ከምዘየብፅሕ ንማሕበረሰብ ዓለም ምግላፆም ፅቡቕ እዩ።እዚ ድማ ንድሕሪት ተመሊሱ ዝካየድ ነገር ስለዘይኮነ ኣብ ዝቕፅሉ ዘተታት ክልዓሉ ዝኽእሉ ሓሳባት እዮም።

ከምዚኦም ዝበሉ ላዕለወት ሰበስልጣን መንግስቲ ዝገብርዎም መግለፅታት ከም ቐሊል ዝርኣዩ ኣይኮኑን።ብብርኪ ኤክስፐርት ካብ እንገብሮ ንላዕሊ ኣብ ልዑል ሓላፍነት ዘለዉ ኣካላት ዝዛረብዎም ነገራት ኢሉ’ውን ትርጉምን መሰረትን ዘለዎም ብምዃኖም እዞም ጉዳያት ኣብ ዘተ ዝልዓሉ ጉዳያት እዮም።

እቲ ዋና ነገር መግለፂ ዝተውሃበ በየናይ ብርኪ እዩ? ዝብል እዩ።እዞም ናይ ግብፂ ሚኒስትር ኣፍታ ሃገር ንላዕለወት ሰበስልጣን ዝመርሑ ሰብ እዮም።ስለዝኾነ እዙይ ብዝተዛረበ ኣንደበቶም ተመሊሶም ኻልእ ነገር ንምዝራብ ኣፀጋሚ እዩ ዝኾኖም።ብፍላይ ብብርኪ ኣመራርሓ ኣብ ዘለዉ ኣካላት ዝዝረቡ ነገራት፤ብልምዲ ዓለምለኸ ከም ቅዋም ፖሊሲ ተገይሮም እዮም ዝውሰዱ።መራሕቲ ሃገር፤ ላዕለወት ሰበስልጣናት ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ዝዛረብዎ ዘረባ ከም ቕዋምን ፖሊሲን ሃገርን እዩ ዝቑፀር።

ሕቶ፡-ኣብ ቐፃሊ ኢትዮጵያ ምልኢት ማይ ንምክያድ ዝእግዳ ነገር ከምዘየለ እናገለፀት ነይራ፤ንምዃኑ ኻልኣይ ዙር ምልኢት ማይ ብወገን ዲፕሎማሲ እንታይ ፅልዋ ይህልዎ?

ኢንጂነር ጌዲዮን፡- ኣሰራርሓ ግድብ ብፍላይ ከም ህዳሴ ዝበለ ዓብዪ ፕሮጀክት ትልሚ ኣመራርሓ ኣለዎ።ስለዝኾነ ባዓልቤት እቲ ግድብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ እዩ።ዓብዪ ኣመራርሓ ዝህብ ቦርድ ኣለዎ።ሚኒስቴር ድማ ብቐረባ ይከታተሎ እዩ።ብምዃኑ ድማ ናይቲ ኸይዲ ስራሕ ከም ድሌትካ ዝቀያየር ኣይኮነን፤ኹነታት እንተዘየገዲዶም እቲ ትልሚ ዝቀያየር ኣይኮነን።እዚ ፕሮጀክት ዝምራሕ ብመሰረት ዝተፈረሞ ኮንትራት እዩ።

ስለዝኾነ እቲ ናይ መጀመሪያ ምልኢት ከምቲ ዝፍለጥ እዋኑ ሓልዩ ኣፍቲ ዝተተለመሉ እዋን እዩ ዝተኻየደ።ድሕሪኡ ድማ እቲ ስራሕ ቐፂሉ ኣብ ኻልኣይ ምልኢት ድማ ብመሰረት ዝተትሓዘሉ ትልሚ እዩ ዝካየድ።እቲ ግድብ ብዙሓት ክፍልታት እዮም ዘለውዎ፤ስራሕቲ ሲቪልን፣ስራሕቲ ኤሌክትሮ መካኒካል፣ስራሕቲ ብረታብረት፣ ስራሕቲ መንገዲ፣ናይ ሰራሕተኛታት ካምፕ፣ስራሕቲ ምፅራይ ደኒ ከምኡ’ውን ካፍቲ ከባቢ ንዝተልዓሉ ሰባት ክሰፍሩ ምግባር የጠቓልል።ብፍላይ ስራሕቲ ኤሌክትሮሜካኒካልን ስራሕቲ ኤሌክትሮስቲል ኣዝዮም ኸበድትን ብሓደሽቲ ኮንትራክተራት ዝተትሓዙ ብምዃኖም ነንሕድሕዲኡ ትልሙ ሓልዩ እንተዘይተሰሪሑ እዞም ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዝሰርሑ ኮንትራክተራት ተዋዲዶም እንተዘይሰሪሖም እቲ ስራሕ ዝተኣጓጎል ብምዃኑ ብቐሊሉ እቲ ሓደ ተግባር ንቐፃሊ ግበሮ ኢልካ ብቐሊሉ ፅዕንቶ ዝግበረሉ ስለዘይኮነ ምቅይያር ኣይከኣልን።ምኽንያቱ ብቕደም ሰዓብ ክስራሕ ስለዘለዎ እዩ።

እቲ ኻልኣይ ምልኢት ዝግበር ኣብ ውሽጢ እቲ ስምምዕ ዘሎ ጉዳይ እዩ።ኣብ 2018 ኣ.ፈ እዞም ሰለስተ ሚኒስትራት ዘለውዎ ኮሚቴ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃእን ሚኒስትራት ደሕንነትን ኣብ ዘለዉዎ ሰለስተ ሃገራት ብዝወሰኖ መሰረት 15 ሰባት ፈላጣት ማይ ካብ ኢትዮጵያ፣ካብ ግብፅን ሱዳንን ሓሙሽተ ሓሙሽተ ዘለውዎ እዩ።እቲ ኸይዲ ኣመላልኣ ድማ ብስምምዕነት ሰለስቲአን ሃገራት ዝተገበረ እዩ።

ኣብ ናይ መጀመርታ ዙር 4 ነጥቢ 9 ቢሊዮን ሜትር ኪዩቢክ ማይ ከምዝምላእ፣ቐፂሉ ድማ 13.5 ቢሊዮን ሜትር ኪዩቢክ ፣ቐፂሉ ድማ 10.5 ቢሊዮን ሜትር ኪዩቢክ ፣ቐፂሉ 10.4 ቢሊዮን ሜትር ኪዩቢክ እናበለ ኣብ ኣርባዕተ ብርኪ ዘቐመጦም ጉዳያት ኣብ ስምምዕነት ዝተበፅሐ እዩ።እዚ ረቒቕ ስምምዕነት፤ ኣብ ሰነድ ስምምዕነት ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ኣሎ።

ሐዚ ኽልቲአን ሃገራት፤ ስምምዕነት ምልኢት ማይ ኻልኣይ ዙር ተዘይተገበረ ዝብላሉ ምኽንያት መሰረት ዘይብሉ እዩ።ምኽንያቱ ቕድም ክብል ኣብዚኦም ስምምዕ ዝተገበረ እንትኸውን፤ኢትዮጵያ ድማ ነዙይ ስዒባ እያ እናሰርሐት ዘላ።ኣብዚ ሐዚ እዋን ብወገን ሱዳን 20 ሚሊየን ህዝቢ ክጉድኣኒ እዩ ዝብል ኣውያት ኣሎ።ከምኡ እንተኾይኑ እቲ ናይ መጀመርታ ዙር 13.5 ቢሊዮን ሜትር ኪዩቢክ ማይ ዝብል ስምምዕነት ተቐቢልናዮ እንዲና።ምኽንያቱ እዚ ስምምዕነት ብሚኒስትራት ተቐባልነት ዝረኸበን ኣብ ረቒቕ ስምምዕነት ዝኣተወ እዩ።እቲ ቑፅሪ ምልኢት ሰለስቲአን ሃገራት ዝተስማምዓሉ እዩ።መዓዝ ከምዝምላእ ‘ውን ሰለስቲአን ሃገራት ዝተስማምዓሉ ጉዳይ እዩ።

ስለዚ ግብፅን ሱዳንን እቲ ግድብ ጉድኣት ከብፀሐልና እዩ ዝብልኦ ነገር ቴክኒካዊ መሰረት ዘይብሉ እዩ።ከምቲ ዝፍለጥ እቲ ግድብ ሰላም ማሕበረሰብ ዓለም ዘናግዕ ኣይኮነን።ምኽንያቱ ናብ ሕቡራት መንግስታት ዝውሰዱ ጉዳያት ፀጥታ ዘናግዑ ነገራት እንትኾኑ እዮም።ስለዝኾነ ኣንሕና ኢትዮጵያውያን ዝጀመርናዮ መድረኽ ጉዳይ ኣፍሪካ ብኣፍሪካ እነቕርቦ ጉዳይ፤ ውፅኢት ኣየምፅእን ማለት ግቡእ ኣይኮነን።

ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ከባቢ መወዳእታ ነሓሰ፤ከምቲ ዝተብሃለ ወይ ድማ ድሕሪ እቲ ህንፀት ኽልቲኦም ተርባይናት ክጅመር እዩ።ስለዚ ኣብ ዝኾነ እዋን ወይ ድማ ቕድም ኢሎም ዝረኽብዎ ማይ ወይ ድማ ካብኡ ልዕል ዝበለ ማይ እቶም ታሕተወት ሃገራት ይረኽቡ ማለት እዩ።ስለዝኾነ ፅዕንቶ ከብፅሐልና እዩ ዝብል ኣባህላ ቴክኒካዊ መሰረት የብሉን።

ሕቶ፡-ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣብዝን ኣፍትን ዝልዓሉ ጎንፅታትን ዘይምርግጋዓትን ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ እንታይ ፅዕንቶ የሕድሩ?

ኢንጂነር ጌዲዮን፡- ኣነ ብወገነይ ከም ሓደ ኢትዮጵያዊ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ዘይምርግጋዕ ንኹላትና ከም ስግኣት እንቖፅሮን ኹላትና ተሓባቢርና ጠጠው ክነብሎ ከምዘለና ይስምዓኒ።

ብዝኾነ መልክዑ ናይ ወፃኢ ሓይሊ ምፅዋር ዝከኣል ውሽጣዊ ሓድነትን ጥንካረን እንትህሉ እዩ።ውሽጣዊ ሓይልን ጥንካረን ኣብ ዘይብሉ ኹነታት ብዝተፈላለየ መልክዑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝልዓሉ ተቓውሞታት ንምፅዋር ኣዝዩ ኣፀጋሚ እዩ።ህዝቢ ኢትዮጵያ ቐዳምነት ዝህቦን ክህቦ ዝግባእን ድሕንነት ሕድ ሕድ ኢትዮጵያዊ እዩ።ሕድ ሕድ ኢትዮጵያዊ ኣብ ውሽጢ ሕገ መንግስቲ ከምዝተደንገገ ብህይወት ናይ ምንባር መሰል እዩ።ህይወት ሕድ ሕድ ኢትዮጵያዊ ብዘተኣማምን ኹነታት ምሕላው እንተዘይተኻኢሉ ኻሊእ ዓብዪ ነገር ንምስራሕ ኣዝዩ መፀገሚ ኹነታት እዩ ዝፈጥር።

ናይ ወፃኢ ፅዕንቶ ንምፅዋር ፈለማ እቲ ናይ ውሽጢ ክረጋጋዕን እቲ ሐዚ ዘሎ ኹነታት ምልዋጥ የድሊ።እዚ ናይ ውልቀይ ሪኢቶ እዩ።ብተወሳኺ ድማ ርኢቶ ኹሉ ሰብ እዩ።ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ኹነታት ክቕየር ኣለዎ።

ብመዳይ ልምዓት ዘሎ ነገር ፅቡቕ ጅማሮ እንተኾነ’ኳ ብድሕንነት ሰብን ብህይወት ናይ ምንባር ተስፋን ዘፀልምቱ ኹነታት ክንቕይሮም ዘለና ይመስለኒ።ተዘይኮይኑ እቲ ንሰርሖ ልምዓት ትርጉም የብሉን።

ሕቶ፡ሓደ ሓደ ምሁራት ፕሮጀክት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ናይ ኢትዮጵያ ፕሮጀክት እዩ፤ካብ መፈለምታውን ምዝታይ ግቡእ ኣይኮነን ይብሉ ንምዃኑ ኣብ ዶብ ተሳገርቲ ሩባታት ዝህሉ ዓምለኻዊ ስምምዕነት እንታይ እዩ ?

 ኢንጂነር ጌዲዮን፡ ዓለምለኸ ሕጊ ኢትዮጵያ ሃፍታ ንኸይትጥቀም ዝኽልክላ ኹነታት የለን። ይትረፍዶ ኢትዮጵያ ዝኾነ ሃገር ኣብ ሉኣላዊ ክልሉ ምልማዕ ዝኽልክል ሕጊ የለን።እዚ ድማ ብዓይንና እንሪኦ እዩ።ንኣብነት ኣብ ሱዳን ዝግበር ልምዓት ንርእይ ኢና።ከምኡ’ውን ኣብ ግብፂ ዝግበር ልምዓት ንርኢ ኢና።ኣብ ግብፂ ቕድሚ 50ን 60 ዓመታት ዝተሃነፀ ግድብ ካብ ናትና ዝበለፀ እዩ።ኣብ ውሽጢ ግብፂ ናብ 4 ሚሊዮን ሄክታር ዝፅጋዕ መሬት ኣልሚዖም እዮም።

ካብ ተፋሰስ ኣባይ ወፃኢ ሩባ ቲሺካ ኣውፂኦም ናብ በረኻ ወሲዶም ብዙሓት ቓላያት ሰሪሖም እዮም።ኣባይ ካብ ተፈጥሮ ፍሰት ወፃኢ ብትሕቲ ቐይሕ ባሕሪ ኣሽሊኾም ናብ ሲናይ በረኻ ወሲዶም ኣልሚዖም እዮም።ብተመሳሳሊ ድማ ሱዳናውያን ሓሙሽተ ሽዱሽተ ዝኾኑ ግድባት ሰሪሖም እዮም።መሬት ብመስኖ ኣልሚዖም እዮም።እዚ ድማ ብዓይኒ ዝርኣይ እዩ፤ኢትዮጵያ ናብ ናታቶም ዝፅጋዕ ልምዓት ይትረፍ ዋላ ሓንቲ ኣየልመዐትን።ብፍላይ ብመስኖ።

ኣባይ እሳቶም ብሉ ናይል ኣብ ዝብልዎ ናብ ሓደ ሚሊየን ሄክታር ብመስኖ ዝለምዕ ፤ባሮ ኣኮቦን ተከዘን ብኻልኦት ተፋሰሳት ንምልማዕ ዘኽእሉ ኹነታት ስለዘለዉ ነዚኣቶም ምልማዕ እዩ።ኣይተልምዑ ዝብል ሕጊ የለን።

ናይል ናትና እዩ ኢሎም ሚኢቲ ብሚኢቲ ተሰማሚዖም ንምውሳድ እንትፍትኑ፤ማሕበረሰብ ዓለም ሱቕ ኢሉ ምርኣዩን ንምንታይ ዘይምባሉን ኣዝዩ እዩ ዝገርመኒ።86 ሚኢታዊ ማይ እናዋፃእና ብኸመይ ኢና ባዶ እዩ ዝብፀሐኩም ኢሎም ዝከራኸሩን፤ንዝከራኸሩ ድማ ድጋፍ ዝህቡ ወገናት ምህላዎም እንታይ እዩ እቲ ሓቂ፤እዚ ርኡይ ስለዝኾነ ድዩ?እዚ ኹነታት ንማሕበረሰብ ዓለም ምሽጥር እዩ።

ንኣብነት ኣብ ኣሜሪካ ኮሎራዶ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ማይ ይማቐላ እየን።ኣሜሪካ ከም ልዕልቲ ሃገር 95 ሚኢታዊ ወሲዳ ካብ 5 እስካዕ 10 ሚኢታዊ ዝኸውን እያ ንሜክሲኮ ትህባ።ናብ ቱርክን ኻልኦት ሃገራን እንትንኸይድ ድማ ሉኣላዉያን ሃገር ኾይኖም፤ ወነንቲ ማይ ኾይኖም፤ኣብ ሩባ ናይልን ማይ የብልኩምን ዝተብሃሉ ኢትዮጵያውያን ጥራሕ እዮም።ኹሉ ነገር ግልፂ እናሃለወ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ምውጋዝ ከመይ ዘይከኣለ?ዓበይቲ ሚዲያታት ዓለም ብተፃራሪ ጠጠው ዝብሉ ብዛዕባ ጉድኣት ህዝቢ ግብፂ እናተዛረቡ ጥራሕ እዮም ዝስምዑ።ብምዃኑ ድማ እቲ ዘሎ ኹነታት ዘሕዝን እዩ።ከምዚ ዝበለ ኣካይዳ ክንፈቅድ የብልናን፤በቲ ዝሓዝናዮ ቅዋም ክንፀንዕ ኣለና።እቲ ህዝቢ’ውን መሰሉ ከኽብር ክኽእል ኣለዎ።እዚ ምዕሩይ ዘይኮነን ፍትሓውነት ዘይብሉ ኣካይዳ ጠንኪሩ ንማሕበረሰብ ዓለም ምርዳእን እቲ ዝሓዝዎ ቅዋም ክልውጡ የድሊ።

ሕቶ ኣብ ዓለም ልዕሊ 250 ዶብ ተሳገርቲ ሩባታት ኣለዉ፤ንምዃኑ ኣብዚኣቶም ዝተኻየዱ ሰራሕቲ ልምዓት ይኹኑ ኣብ መንጎ እቶም ተሻረኽቲ ሃገራት እናተገበሩ ዝነበሩ ኸይድታት ዘተ እንታይ ይመስሉ?

ኢንጂነር ጌዲዮን፡ ኣብ ዶብ ተሳገርቲ ሩባታት ዝግበር ዘተ ኣብ ዝኾነ ቦታ እንትንኸይድ ነዊሕ እዋን ዝውድኡ እዮም።ምኽንያቱ እተን ሃገራት ነናይ ባዕለን ጥቕሚ ኣሕሊፈን ንዘይምሃብ ኣብ ብዙሕ ውፃእ ውረድ ምእታወን ኣይተርፍን።ኣብ ህንድን ፓኪስታንን ኣብ ኻልኦት ዶብ ተሳገርቲ ሩባታት ከም ካናዳ-ኣሜሪካ፣ኣሜሪካ-ሜክሲኮ ከምኡ ‘ውን ኣብ ሃገራት ኣፍሪካን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ከምዚ ዝበለ ፀገም የጋጥም እዩ።ይኹን’ምበር መወዳእትኦም ኲናት ኣይኮነን።

ብወገን ሱዳንን ግብፅን ናብ ኲናት ክንኣትው ኢና ዝብል ዋጭ ዋጭ፤ ኣብ ዝኾነ እዋን ናይ ሓንቲ ሉኣላዊት ሃገር ጥቕሚ ብሓይሊ ኣገዲድኻ መሰል ማይ ምኽባር ኣይከኣልን።እዚ ግልፂ ስለዝኾነ ክርድእዎ ይግባእ።ኣብ ዝኾነ ቦታ ተገይሩ ኣይፈልጥን።ስለዝኾነ ድማ ካብ ከምዚ ዝበለ ቕስቐሳን ቕዋምን ክቑጠቡ አለዎም።

ህዝብና ኣብ 80ታት ብሰንኪ ዝነበረ ጥምየት ብሚሊዮናት ዝቑፀሩ ሰባት ሞይቶም እዮም።ኣፍቲ እዋን ዋላ ሓደ ግብፃዊ ይኹን ሱዳናዊ ኣይሞተን።ኣብ ግድቦም ናይ ምውህላል ኽእለት ነይርዎም።እዚ እናርኣና ኣይትልምዑ ዝብል ነገር ኣዝዩ መገረሚ እዩ።ዘሕዝን’ውን እዩ።ይኹን ‘ምበር ምልማዕና ክንቕፅል ኢና።ዋላ ሓደ ሓይሊ ነዚ ጠጠው ዘብል ኣይህሉን።ስለዝኾነ ድማ ምትሕብባር እዩ ንሰለስቲአን ሃገራት ዝጠቕመን።

ሶርያ፣የመንን ሊቢያን እናርኣየ ናብዚ ንእቶ ማለት ኸቢድ እዩ።ምኽንያቱ ጎንፂ እቲ ሓዊ ዝልብልቦ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኹሉ እዩ።ስለዝኾነ እዚ ናይ ህልኽ ኣካይዳ ንህዝብን ንሃገርን ኣይጠቅምን።ብምዃኑ ድማ መራሕቲ ሃገር ህዝቦም ናብ ስምምዕነት ምድፋእ ‘ምበር ብሓይሊ ልምዓት ጠጠው ክነብል ኢና ዝብል ኣካይዳ ዘዋፅእ ስለዘይኮነ ተዝቑጠቡ ፅቡቕ እዩ።

ሕቶ፡ምስ ሩባ ኣባይ ተተሓሒዙ ብተደጋጋሚ ዝልዓሉ ናይ 1902 ናይ 1959 ስምምዓት ግብፅን ሱዳንን እዩ፤ብሓቂ እዞም ስምምዓት ንኢትዮጵያ ዝምልከቱ እዮም ክንብል ንኽእልዶ?ንምንታይ እዮም ሸኺሎም ክሟገቱ ዝደልዩ ዘለዉ?

ኢንጂነር ጌዲዮን፡-ኣብ እዋን ሃፀይ ሚኒሊክ ምስ ኢንግሊዝ ዝተፈረመ ውዕሊ እዩ።ብርግፅ ኣነ ናይ ሕጊ ሙሁር ኣይኮንኩን፤ይኹን ‘ምበር ኣፍቲ ውዕሊ ከምዘንበብክዎ ኢትዮጵያ ብማይ ኣይትጠቐም ዝብል የለን።

ናይ 1959 ኣይምልከተናን፤ብኽልቲአን ሃገራት ዝተፈረመ እዩ።ውዕሊ ኽልቲአን ሃገራት እዩ።ኣፍቲ ውዕል ብዛዕባና ከልዕሉ‘ውን ኣይኽእሉን።ንሳቶም’ውን ኣይብሉን።ይኹን‘ምበር መሰል ኣጠቓቕማ ማይ ኢትዮጵያ ኣብ ኣገዳዲ ኹነታት ዝብልዎ እዚ እዩ።እዚ ድማ ዝኸውን ነገር ኣይኮነን። ዘተና ብዛዕባ እቲ ምልኢት ስለዝኾነ፤ብዛዕባ ምምላእ ማይ ክንፈራረም ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ዓመታዊ ኦፕሬሽን‘ውን ክንዛተይ ንኽእል ኢና።ስለዝኾነ ሕሉፋት ውዕላት ንልምዓት ኢትዮጵያ ዝኣስሩ ኣይኮኑን፤ክኣስሩ ውን ኣይኽእሉን።

ዘተና ብዛዕባ እቲ ምልኢት ስለዝኾነ፤ብዛዕባ ምምላእ ማይ ክንፈራረም ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ዓመታዊ ኦፕሬሽን ‘ውን ክንዛተይ ንኽእል ኢና።ስለዝኾነ ሕሉፋት ውዕላት ንልምዓት ኢትዮጵያ ዘዐንቅፉ ኣይኮኑን፤ከዐንቅፉ’ውን ኣይኽእሉን።

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ21ሚያዝያ2013

Recommended For You