‹‹ህወሓት ብህዝቢ ትግራይ ዝሽቕጥ ዝነበረ ውድብ ’ምበር ንህዝቢ ዘገልግል ኣይነበረን››መምህር መኮነን ዘለለው

መምህር መኮነን ዘለለው ነባር ተጋዳላይ ህወሓትን መስራቲ ትግራይ ዴሞክራስያዊ ፓርቲን (ትዴፓ) እዮም። ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ወልቃይት ዝተወለዱ እንትኾኑ ዝዓበዩን ዝተማሃሩን ግና ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ እዩ። ካልኣይ ብርኪ ምስ ወድኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መሰልጠኒ ምምህራን ኮለጅ ኮተቤ ተመሪቖም ተመሊሶም ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ብመምህርነት እናምሀሩ እናሃለዉ ኣብቲ እዋን ንዝነበረ ዓፋኒ ስርዓት ንምቅላስ ናብ ገድሊ ህወሓት ብምፅምባር ዝተወሰነ ዕድመኦም ኣብ ብረታዊ ቓልሲ ኣሕሊፎሞ እዮም።

ይኹን’ምበር ኣብ ከይዲ ናይ ዕላማ ፍልልይ ስለዘጋጠሞም ካብቲ ውድብ ብምውፃእ ኣብ ኣሜሪካ ከይዶም ምስ ከምኦም ዝበሉ ብፆቶም ብምዃን ‹‹ትግራይ ዲሞክራስያዊ ምትሕብባር›› ዝብል ውድብ ብምምስራት ሰላማዊ ቓልሲ ከካይዱ ፀኒሖም ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ምስመፀ ናብ ሃገሮም ብምምላስ ምስ ከምኦም ዝበሉ መቓልስቶም ‹‹ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ›› ዝብል ውድብ ብምምስራት ኣብ ሰላማዊ ቓልሲ እናነጠፉ ይርከቡ። እምባኣርከስ መምህር/ተጋዳላይ መኮነን ፖለቲካዊ ልምዶም ከካፍሉና ኣብ ናይ ሎምዓንቲ ሕታምና ዕዱም ጋሻ ገይርናዮም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ናብ ቓልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብኸመይን መዓዘን ተፀምቢሮም?

መምህር መኮነን፡- ኣነ ናብ ህወሓት ኣብ ዝተፀምበርኩሉ እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበረ ደርጊ እዩ። ከምዝፍለጥ ስርዓት ደርጊ ንህዝቢ ብጣዕሚ ወፃዒን ዓፋንን ስለ ዝነበረ ምእንተ ፍትሕን ሰላምን ህዝቢ ትግራይ ከምኡ’ውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ክቓለስ ኣለኒ ብምባል ናብ ቃልሲ ወፂአ። ህወሓት ዝተመስረተትሉ ኣብ 11 ለካቲት 1967ዓ.ም እንትኸውን ውድብ ህወሓት ተመስሪቱ ድሕሪ 9ወርሒ ወይ 1968ዓ.ም እየ ናብቲ ውድብ ተፀምቢረ። ኣብቲ ግዘ ንሱ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈላለዩ ወፅዓታት ይበፅሕዎ ነይሮም፤ በዚ ኩነታት እዚ ተደፋፊአ እየ ናብቲ ቃልሲ ኣትየ።

ህዝቢ ትግራይ ካብ ቐደም ጀሚሩ ፀላኢ እናተኻላኸለ መፂኡ እዩ። ንኢትዮጵያ ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ እዩ። ኮይኑ ግና ዝተፈላለየ ወፅዓ ይበፅሖ ስለዝነበረ ዕላማና ኣብ ትግራይ ኢሉ’ውን ኢትዮጵያ ዲሞክራሲ፣ ሰላም፣ ፍትሒ፣ ሓድነትን ኢኮኖሚያዊ ምዕባለን ንምምፃእ ኢና ንቓለስ ነይርና። መጀመርያ ናይ ህወሓት ዕላማ’ውን ከምዚ እዩ ነይሩ። ህዝቢ ብምልዕዓል፣ ድልዱል ሰራዊት ብምምስራት ንካልኦት ፓርቲታት ስዒርና ኢና። ኮይኑ ግና መራሕቲ ህወሓት ናብ ናይ ባዕሎም ስልጣንን ጥቕምን ምጉያይ ስለ ዝኣተዉ ህዝቢ ትግራይ ተመሊሱ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት እዩ ኣትዩ።

ወጋሕታ፡- ካብቲ ውድብ ብኸመይን መዓዝን ተሰናቢቶም?

መምህር መኮነን፡-ህወሓት መጀመርያ ናይ ህዝቢ ሕቶን ድሌትን ሒዙ እዩ ናብ በረኻ ወፂኡ ነይሩ። ኣነ’ውን እቲ ዕላማ ኣሚነሉ ምስተፀምበርኩ ኣብ ከይዲ እቲ ናይ መጀመርያ ዕላማ ካብ መስመሩ እናለቐቐን ንህዝቢ ዘይጠቅም ፕሮግራም እናኾነ ምስ መፀ በዚ ምኽንያት ናይ ዕላማ ኣፋላላይ ብምፍጣሩ ኣብ ከባቢ 1978 ዓ/ም ካብቲ ውድብ ጠቕሊለ ብምውፃእ ናብ ኣሜሪካ ከይደ።

ህወሓት ኣብቲ ግዘ ንሱ ዕላማን ድሌትን ህዝቢ ንፀጋም ብምግዳፍ ናብ ናይ ባዕሉ ስልጣንን ጥቕምን ብምእታዉ ከምኡ’ውን እቲ ድሓረ ዝተኸተሎ ኣካይዳ ይትረፍ ዶ ንህዝቢ ትግራይ ንህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ጠንቂ እዩ ነይሩ። ኣነ እዚ ውድብ እዚ ጠጠው ክብል ኣለዎ ዝብል እምነት ስለ ዝነበረኒ ናብ ወፃኢ ከይደ ነቲ ቓልሲ ብምቕፃል ብ1987 ዓ.ም ምስ ከም እኒ ዶክተር ኣረጋዊ ብምዃን ‹‹ትግራይ ዲሞክራሲዊ ምትሕብባር(ትዲም) ዝብል ውድብ መስሪትና ብሰላማዊ መገዲ ክንቃለስ ፀኒሕና ኢና። ሕዚ ‘ውን ድሓረ እቲ ለውጢ ምስተፈጠረ ናብ ሃገርና ንኽንኣቱ ዕድል ምስተፈጥረ ናብ ዓድና ኣቲና ናይ ህዝቢ ፓርቲ ክንኸውን ስለ ዘለና ምስኒ ዶክተር ኣረጋዊን ካልኦትን ብምዃን ትግራይ ዲሞክራሲ ፓርቲ ናብ ዝብል ስም ብምቕያር ንንቀሳቐስ ኣለና።ሕዚ እውን ኣባልን ከም ኣማኻሪን ኮይነ እናሰራሕኹ እየ ዝርከብ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ብምንቅስቓስ ደገፍቲ ኣፍሪና ኢና።

ወጋሕታ፡- ምግንፃል ዝብል ዕላማን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ድዩ ነይሩስ ወይስ ናይ ህወሓት ጥራይ እዩ ነይሩ?

መምህር መኮነን፡- ህዝቢ ትግራይ ኢትዮጵያውነት ስምዒቱ ልዑል እዩ። ብኢትዮጵያውነቱ ዘይወላወል ህዝቢ እዩ። ነዚ ሓሲብና ኣብ ንቃለሰሉ ህዝቢ ትግራይ ኩሉ ዝከኣሎ ኣበርኪቱ እዩ። ኣብ ካልኦት ክልላት ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ውድባት ከም ናይ ውድብ ህወሓት ዝበለ ሰራዊት ኣይመስረቱን ነይሮም። ህወሓት ግና ህዝቢ ትግራይ ኣላዓዒሉ ብርቱዕ ሰራዊት መስሪቱ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ነቲ ዝነበረ ስርዓት ንምንቓል ተረባሪቡ እዩ። ንሕና ንሃገር ሓሲቢና እናተቓለስና እናሃለና ንምግንፃል ሃሲቦም ዝቓለሱ ነይሮም እዮም።

ህወሓት ክጥዕሞ እንተሎ ኢትዮጵያ ይብል። ተዘይጢዕምዎም ደሞ ነፃነት ትግራይ ብምባል ናይ ምግንፃል ሓሳብ የልዕሉ ነይሮም። ኣብዚ ኩነታት እዚ ኣነ ኢትዮጵያውነት ዝብል መርገፂ እዩ ነይሩኒ። ህወሓት ግና ናይ ምግንፃል ማኒፈስቶ ክሳብ ምውፃእ በፂሖም እዮም። ግን ብዙሕ ሰብ ተቓዊምዎ እዩ። ህወሓት ኣብዛ ሃገር ስልጣን ምስተቖፃፀሩ በብ ክልሉ ንዐዖም ዝመስሉ ውድባት ብምፍጣር ስልጣኖም ንምንዋሕ እዮም ዝሓስቡ ነይሮም። ኣብ መንጎና ፀበብቲ ነይሮምና። እዚኣቶም ስልጣን ንምሐዝ ጥራሕ እዮም ይጓየዩ ነይሮም።

መጀመርያ ህወሓት እንትምስረት ናይ ምግንፃል ሕቶ ኣይነበሮን። እቲ ናይ ምግንፃል ሕቶ ኣብ ከይዲ እዩ መፂኡ። እኒ ስብሓት፣ ኣባይ፣ መለስ ከምኡ’ውን ስዩም ማኒፈስቶ ነዲፍኩም ኣምፅኡ ምስተባህለ ኣብቲ ፅሑፍ ናይ ምግንፃል ኣካቲቶም መፂኦም።መጀመሪያ ኣብ ሞንጎና ምትእምማን ስለ ዝነበረ እቲ ማኒፈስቶ ከይራኣናዮ ተሓቲሙ ናብ ወፃእ ከይዱ እዩ። ድሓረ ምስተሓተመ ኣብ ጉባኤ ማለሊት ተራእዩ እኒ ኢህኣፓ እቲ ምግንፃል ዝብል ከምተኻተተ ሪአሞ ከምኡ’ውን ናይና ሰራዊት ክቕበሎ ኣይከኣለን ነይሩ። ካብኡ ብዕምቖት ስለዘይተሓሰበሉ እዩ ፀገም የብሉን ድሓና ክነትርፎ ኢና ኢሎም። ንሕና’ውን ናይ ምግንፃል ማኒፈስቶ ኣውፂእኹም ዝነበርኩም ሃገር ከዲዒኹም ነይርኩም ኢኹም ይቕርታ ሕተቱ ኢልናዮም።

ካብኡ እኒ መለስ እዚ ናይ ምግንፃል ዝብል ሓሳብ ብስምዒት ብዕምቖት ብዘይ ምፍታሽ ዝተፃሕፈ እዩ እምበር ንሕና እውን ኣይነኣምነሉን ኢሎምና። ንሕና ድሌት ህዝቢ ንርስዕ ኣለና፤ ንፍትሒ፣ ሰላምን ዲሞክራሲን ኢና ንቓለስ ዘለና ንምንታይ ንውልቕና ጥቕምን ስልጣንን ንሓስብ እንተበልና ኮይኑ ግና ናይ ኣራኣእያን ኣመላኽታን ፀገም ኣለዎም እዩ እናበሉ ክንለቅቕ ገይሮምና። ካብኡ ኣነ’ውን ንኽወፅእ ወሲነ። ኣብቲ ግዜ ንሱ ካብኦም ወፂኻ ናብ ደርጊ ከይትኣቱ ዝገደደ እዩ ነይሩ። ናይቶም ካልኦት ከም እኒ ሻዕብያ ዝበሉ ውድባት ከይንኣቱ ‘ውን ዕላማና ኣይራኸበን ነይሩ።

ወጋሕታ፡- ህወሓት ኣብ ውሽጢ 27 ዓመታት ዝሰርሖ ስራሕ ከመይ ይገልፅዎ?

መምህር መኮነን፡-ህወሓት ኣብ ውሽጢ 27 ዓመታት ስለ ሓድነት ህዝቢ ተይኮነስ ኣብ ኣፋላላይ እዩ ይሰርሕ ነይሩ። ዓንቐፅ 39 ኣብ ሕገ መንግስቲ እንትካተት ህወሓት እንተመችይዎ ክቕፅል እንተዘይመችይዎ ድማ ንምግንፃል ዝሓስብ ዝነበረ ፓርቲ እዩ። በቢ ክልሉ ንዕኡ ተኣዘዝቲ ዝኾኑ ውድባት ኣቐሚጡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ እዩ ዝሓስብ ነይሩ። ተቃውሞ ህዝቢ እናደንፈዐ ክመፅእ እንተሎ ንምግንፃል እዩ ይሓስብ ነይሩ።

ህወሓት ሓድነት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ክልሕልሕ ገይሩ እዩ። እቲ በቢ ከባቢኡ ዝላዓል ዘሎ ጎንፂ ህወሓት ዝፈጠሮ ፀገም እዩ።ነዛ ሃገር እዚኣ ብቋንቋ መቓቒሉ ክትባታተን እዩ ገይሩ። ቐደም ብኽፍለ ሃገር እንተላ ከምዚ ዓይነት ምክፍፋል ኣይነበረን። ካብ ዝገርም ድማ ብኣፉ ንህዝቢ ትግራይ ዝሓልይ ይመስል። ኮይኑ ግና ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕም ስራሕ ኣይሰርሐን። ህዝቢ ትግራይ ከይረሳዕኻ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓደ ምግባር ምተኻእለ ነይሩ። ግን ክገብሮ ኣይከኣለን። ንውልቐ ጥቕሙን ስልጣኑን እዩ ይሓስብ ነይሩ። ንሕና ሓድነትና ኣጠናኺርና ሃገር ንቕድሚት ክነቕፅል እዩ ነይሩ ዕላማና። በዚ’ውን እዩ ከይተሳማዕማዕና ቐሪና ከንወፅእ ዝኸኣልና።

ህወሓት ቕድሚ ሕዚ ዘይነበራ ክልላት ብምፍጣር ህዝቢ ክካፋፈል ገይሩ እዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያውነቱ ክስእንን ገይርዎ እዩ። እንትጥዕሞ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ኣሕዋት ኢኹም ይብል እንትኸፍኦ ድማ ፀላኢ መፀካ እናበለ ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ምስኩሉ ብሄር ክፃላእ ገይርዎ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ከይመሃር፣ ከይምዕብል፣ መነባርኡ ከየማሓይሽ ገይርዎ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ኩሉ ግዘ ብዛዕባ ፀላኢ’ምበር ስለ ዕቤት መነባብርኡ ከይሓስብ ገይርዎ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ካብ ጭቖና ንምንጋፍ መሪር ቓልሲ ብምክያድ ደቑ ስልጣን ክሕዙ ዋላ እንተገብረ ኮይኑ ግና ክሳብ ሕዚ ኣይሓለፈሉን። ሕዚ እውን ኣብ ድኽነትን ጉስቑልናን እዩ ዝኒሀ። ስለዚ እዚ ዘሪአካ ህወሓት ብሽም ህዝቢ ትግራይ ዝሽቕጥ ዝነበረ ውድብ እምበር ንህዝቢ ዘገልግል ከምዘይነበረ እዩ።

ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ እዩ ከይዱ። ብህዝቢ ኢትዮጵያ ክፅላእ ዓብዪ ግደ ተፃዊቱ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ፀገሙን ድኽነቱን ካሊእ ተወሳኺ ፀገም እዩ ፈጢርሉ። ካብ ተግባር ተጋሩ ክትፅበዮ ዘይትኽእል ኣብ ርእሲ መከላኸሊ ሃገር ግፍዒ ፈፂሙ እዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ግና ለባምን ትዕግስተኛን እዩ። ኣሰር ህወሓት ኣይተኸተለን።

ካብ መፈለምታ ኣትሒዙ ህወሓት ፀገም ብሰላም ፈቲሑ ኣይፈልጥን። ስለዚ ሕዚ ዝግበር ዘሎ ነንባዕልኻ ውግእ ብጣዕሚ ዘሐዝን እዩ። ንናይ ደገ ፀላኢ በሪ ዝኸፍት እዩ። እዚ ፈፂሙ ክኸውን ዘይግበኦ ዝነበረ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ህወሓት ናብ ዘይተደለየ ኵናት ኣትያ እያ። ከምዝፍለጥ ውግእ ድማ ሂወት ሰብ፣ እንስሳን ንብረትን ዘጥፍእ እዩ። ኣብ ህወሓት እናሃለና ህዝቢ ትግራይ እናደገፈና ደርጊ ጥራሕ ተይኮናስ ከም እኒ ኢዲዩን ኢህኣፓን ዝመሳሰሉ ፓርቲታት እናሳዓርና ኢና መፂና ነይርና። ኮይኑ ግና ህወሓት ነቲ ንፁርን ቕንዑን ዝነበረ ዕላማ ኣብ ከይዲ ጠምዚዙ ንውልቐ ረብሕኡ እዩ ኣውዒልዎ። ሕዚ ህወሓት እቲ ዋና ሓይሉ ተደምሲሱ እዩ፤ስለተደምሰሰ ብመልክዕ ሽፍትነት እዩ ዝንቐሳቀስ ዘሎ።

ብልፅግና ንህወሓት ብምውጋዱ ብጣዕሚ ፅቡቕ እዩ። ኮይኑ ግና ህወሓት ዝፍፅሞም ዝነበረ ጌጋታት ከይድገሙ ጥንቓቐ የድሊ እዩ። ካብ እቲ ዝነበረ ስርዓት ተናሕናሕቲ ፓርቲታት ኣብ ምስትእንጋድ ዝሓሸ ኮይኑ ክርከብ ክኽእል ኣለዎ። ኣብዚ ዝተወሰነ ሽግራት ንርኢ ኣለና ኢና፤ እዚኦም ብቕልጡፍ ክስተኻኸሉ ኣለዎም ኢለ ይኣምን። ሓደ ሓደ ኣባላትና ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ካብ መንግስታዊ ሓላፍነቶም ክለዓሉ ንርኢ ኣለና ኢና። መንግስቲ ምኽርን ነቐፌታ ክቐርበሉ ከሎ ብፀጋ ክቕበል ኣለዎ። እቲ ሓደ ናይ ህወሓት ዓብዪ ፀገም ዝነበረ ኣይትንቐፉና፣ ፀገምና ኣይትንገሩና ስኺልኩም ተስማዕምዒኹም ናባና እተዉ ዝብል ኣተሓሳስባ እዩ ነይርዎ። ኣብ ብልፅግና ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ከይህሉ ጥንቓቐ ክግበር ኣለዎ ኢለ ከተሓሳስብ እደሊ።

ወጋሕታ፡- ትዴፓ ሕዚ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ? ዕላምኡ ኸ እንታይ ይመስል?

መምህር መኮነን፡- ትዴፓ ዕላምኡን ፕሮግራሙን ኣቐሚጡ እዩ ዝንቐሳቐስ ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ቕድሚ ሕዚ ንፍትሒ፣ ንማዕርነት፣ ንዲሞክራሲን ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ኢሉ ብምቕላስ ብዙሕ መስዋእቲ ከፊሉ እዩ። ይኹን’ምበር ነዚ ኩሉ መስዋእቲ ከፊሉ ዝረኸቦ ረብሓ የለን። ህዝቢ ትግራይ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ተሓዲጉ እዩ፤ ህዝቢ ዝቖፃፀሮ ስርዓት ኣይነበረን። ውሱናት ከምድሌቶም ዝገብርዎ እዩ ነይሩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ስልጣን ኣይረኸበን ነይሩ።

ስለዚ ንሕና ህዝቢ ትግራይ ካብ ተደጋጋሚ ኵናት ወፂኡ ምስ ኩሎም ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ብሰላምን ብፍቕርን ክነብር፣ ዝሓሸ መነባብሮ ክምስርት ኢና ንቓለስ ዘለና። ስልጣን ናይ ህዝቢ ክኸውን ኣለዎ ኢልና ንኣምን። ህዝቢ ብነፃነት ደስ ዝበሎ ክመርፅ  ክኽእል ኣለዎ። ብህዝቢ ዝተመረፁ ሓለፍቲ ህዝቢ ከግልግሉ ኣለዎም’ምበር ሹመኛታት ክኾኑ የብሎምን። ዝተመረፀ ፓርቲ ንህዝቢ ዘገልግል ውድብ ክኸውን ኣለዎ ኢልና ኢና ንኣምን።

ንሕና ብዝላዕለ ብርኪ ብኢትዮጵያውነትን ሓድነትን ንኣምን ውድብ ኢና። በዚ መሰረት ኣብ ኩሉ ኢትዮጵያ ትኽክለኛ መረፃ ክካየድ ኣለዎ ኢልና ኢና ንኣምንን ንድግፍን። ህብረ ብሄር ፕሮግራም እዩ ዘለና። ኩሉ ብሄር ንሃገሩ ማዕረ ተቖርቋሪን ተረባሕን ክኸውን ኣለዎ ኢና ንብል። ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተዛዋዊሩ ሰሪሑ ሃፍቲ ከፍሪ ኢና ንደሊ።

ወጋሕታ፡-ለብዘበን ኣብ ዝግበር መረፃ ከመይ ትዳለዉ ኣለኹም?

መምህር መኮነን፡- ለብዘበን 6ይ ሃገራዊ መረፃ ኣብ ትግራይ ድሒሩ ክካየድ እዩ ዝብል ሓሳብ ሒዝና እናተነቐሳቐስና ኢና ንርከብ። እቲ መረፃ ዝካየድ ህወሓት መሊኡ ምስ ጠፍአ ስለ ዝኸውን ክሳብ ሽዑ ንሕና ኣባላትና እናመልመልና ምድላዋት እናገበርና ኢና ንርከብ። በርግፅ ቅድሚኡ ብሰንኪ ህወሓት ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ክንድትዝድለ እናተንቓሳቐስና ብዘይ ምፅናሕና ተጎዲእና ኢና። ሕዚ’ውን ንምንቕስቓስ እናፈተንና ዋላ ንኹን ክንድትዝድለ ከይንቐሳቐስ ህወሓት መሊኡ ብዘይ ምጥፍኡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ተዛዋዊርና ስራሕና ከንሰርሕ ኣይከኣልናን። ሚድያ ‘ውን ከምድሌትና ኣይንረክብን ዘለና።

ሰላማዊ ዝኾነ መረፃ ከይህሉ ህወሓት ብዙሕ ዕንቕፋት እናፈጠረ መፂኡ እዩ። ንሕና ፍፁም ሰላማዊ፣ ዲሞክራሲን ፍትሓውን መረፃ ኣብ ትግራይ ክህሉ ኣለዎ ኢልና ኢና ንሰርሕ ዘለና። ቕድሚ ሕዚ ብሰላማዊ መገዲ ከንንቐሳቐስ እንተፈተንና ኣባላትና ብምብራር፣ ቤት ፅሕፈት ከይንኸፍት፣ ዕላማና ንህዝቢ ከይነፋልጥ ተኸልኪልና ፀኒሕና ኢና። ሕዚ ግና ብዝሓሸ መገዲ ንንቐሳቀስ ኣለና። ኮይኑ ግና ሕዚ እውን ፀገምና መሊኡ ተፈቲሑ ማለት ኣይኮነን።

ወጋሕታ፡- ብመንግስቲ ፌዴራል ከምኡ ‘ውን ብብልፅግና ትግራይ ዝገብረልኩም ሓገዝ እንታይ ይመስል?

መምህር መኮነን፡- ኣብ ትግራይ ዘሎ ብልፅግና ገና ንባዕሉ ስለ ዘይጠንከረ ንዓና ዝገብረልና ሓገዝ ውሱን እዩ። መሊኡ ባይታ ኣይረገፀን፤ ብሰንኪ ህወሓት ብህዝቢ ኣይተሓቖፈን ዘሎ። ብልፅግና ትግራይ ንቐፃሊ ንመረፃ ዝቐርብ ውድብ ስለ ዝኾነ ክጥንክር ይግበኦ። ንሕና’ውን ናይ ባዕልትና ፕሮግራምን ዕላማን ስለ ዘለና ንህዝቢ ብዝግባእ ክነፋልጥ ይግበአና። ብልፅግና ትግራይ ሓደ ሓደ ኣባላትና ኣብ ካቢኔን ካልኦት መንግስታዊ ሓላፍነት ክሳተፉ ገይሩ እዩ፤ እዚ ፅቡቕ እዩ። ኮይኑ ግና ንሕና ዝተዋሃበና መንግስታዊ ሓላፍነት ብዝግባእ እናተዋፃእና ናይ ባዕልትና ስራሕቲ’ውን ከንስርሕ እናተገበአና ናይ ብልፅግና ደገፍቲ ክንኸውን ትፅቢት ይግበረልና እዩ። ከምዚ ክኸውን የብሉን። ንሕና ናይ ባዕልትና ፕሮግራም ኣለና እዩ። እቲ ናይ መንግስቲ መሓውር ግና ኩልና ክጠናኸር ስለ ንደልዮ ከንተሓጋገዝ እዩ ዘለና። ንሕና ‘ውን ንቐፃሊ ናብ ውድድር ስለ ንቐርብ ስራሕና ከንሰርሕ ይግበአና።

ትዴፓ ከም ፓርቲ ሓሳቡ ብነፃነት ክገልፅ ኣለዎ፤ ንሕና ብልፅግና ብዝደልዮ ሓሳብ ጥራሕ ክንኸይድ ኣይንኽእልን፤ ፓርቲና ናይ ባዕሉ ዕላማን ፕሮግራምን ኣለዎ እዩ። ኮይኑ ግና መንግስታዊ መሓውር ኣብ ምጥንኻር ክንተሓጋገዝ ይግበአና። ዝተወሃበና መንግስታዊ ሓላፍነት’ውን ብዝግባእ ክንዋፃእ ይግበአና። መንግስቲ ክንድትዝግባእ እናሓገዘና ኣይኮነን። መንግስቲ ናይ ኩሎም ፓርቲታት ሓሳብ ተቐቢሉ ሓቢሩ ንምስራሕ ይፅዕር ኣሎ እዩ። እዚ ክበረታታዕ እዩ ዝግበኦ፤ቕድሚ ሕዚ ከምዚ ዓይነት ኣይነበረን። ይኹን’ምበር ኣብ መንጎ መንግስትን ተናሕናሕቲ ፓርቲታን ሓሓሊፉ ዘይምርድዳእ ስለ ዘሎ ክስተኻኸል ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ንኽናገፍ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ?

መምህር መኮነን፡- ህዝቢ ትግራይ ብዝላዕለ ብርኪ ናይ ፖለቲካዊ ቃልሲ እናካየደ ዝመፀ ህዝቢ እዩ። እዚ ህዝቢ እዚ ንፍትሒ፣ ንማዕርነትን ዲሞክራሲን ብዙሕ ናይ ኣካልን ሂወትን ዋጋ ኸፊሉ እዩ። ናይ ፍትሒ ዋጋ ክባር ምዃኑ ዝፈልጥ ህዝቢ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ሕዚ እዋን ህወሓት ካብ ተወገደ ህዝቢ ኣብ ጎኒ መንግስቱ ብምዃን ሰላሙ ክሕሉ ኣለዎ።

ህዝቢ ትግራይ እታ ነፃነቱ ክረኽባ ብሰላም ክቓለስ ኣለዎ። ብሓይሊ ዝኣምን ሓይሊ ህዝቢ ትግራይ ክሓቑፎ የብሉን። ህዝቢ ትግራይ ደቑ ናብ ውግእ ሰዲዱ ዝረኸቦ ነገር የለን። ፍትሒ፣ ማዕርነትን ሰላምን ንዘየምፀአሉ ሓይሊ ክቓለሶ እዩ ዝግበኦ። መናእሰይ ትግራይ እናታለልካ ክዐጥቑ ምግባር ትኽክል ስለዘይኮነ ህዝቢ ኣብዚ ኩነታት እዚ ንምንታይ ኢና ደቕና ናብ ውግእ ንሰድድ ዘለና ኢሉ ክሓትት ይግበኦ። ደቑ መሳርሒ ፖለቲካዊ ህወሓት ክኾኑ የብሎምን። ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፍታሕ እንተኾይኑ ህዝቢ ደቑ ንሰላም’ምበር ናብ ውግእ ብምስዳድ ክኸውን የብሉን።

ኣብ ወፃኢን ውሽጥን ዘሎ ትግራዋይ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ክረክብ እንተኾይኑ ቃልሱ ኣብ መድረኽ ንኽኸውን ክሕግዝ ኣለዎ። ብዅናት ዝመፅእ ሰላም የለን። ብውግእ ዝመፀ ኣካል ኣብ መወዳእትኡ ወፃዒ እዩ ዝኸውን። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ቓልሱ ሰላም፣ ፍትሕን፣ ዲሞክራስን ምስ ዘኣምን ውድብ ጠጠው ክብል ይግበኦ። ብውግእ ዝመፀ ሓይሊ እናተዋግአ እዩ ዝቕፅል ሰላምን ዲሞክራሲን ኣይረኣዮን እዩ። ነዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ሪኢዎ ዝሓለፈ ኩነታት እዩ። ሰላም ብዘይደልዩ ሓይልታት ክታተል የብሉን። ህዝቢ ትግራይ ፀገሙ ክፈትሕ ዝኽእል ብሰላማዊ ቓልሲ ጥራሕ እዩ። ጎንፂን ፅልእን ዝደሊ ኣካል እንተሃልዩ ህዝቢ ትግራይ ክቓለሶ እዩ ዝግበኦ። ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ክፍታሕ እንተኾይኑ ኩሉ ሰላም ደላዪ ኣካል ዝኸኣሎ ግደ ክፃወት ይግበኦ ብምባል እየ ከተሓሳስብ ዝደሊ።

ወጋሕታ፡- ወረዳ ወልቃይት ክልል ኣምሓራ ናይ ይግበኒ ሕቶ ከምዘለዎ ይፍለጥ እዩ። እዚ ዘዋጥጥ ዘሎ ሕቶ ንሶም ኣብቲ ከባቢ ተወላዲ ከምዃኖም መጠን ብኸመይ ዘላቒ መፍትሒ ክረክብ ይኽእል ይብሉ?

መምህር መኮነን፡- ህዝቢ ወልቃይት ንዘመናት ሓቢሩ ብሰላምን ብፍቕርን ዝነበረ ህዝቢ እዩ። ከምኡ’ውን ክልቲኡ ኣምሓርኛን ትግርኛን ዝዛረብ ህዝቢ እዩ። ብሓይሊ ኣምሓራይ ወይ ትግራዋይ ኩን ከትብሎ ኣይትኽእልን ኢኻ። ናይ ባዕሉ ስነ ልቦና ዘለዎ ህዝቢ ኮይኑ ብኢትዮጵያውነቱ ዝኣምን ህዝቢ እዩ። ብቋንቋ ክትሓፅሮ ኣይትኽእልን። ኣነ’ውን ህወሓት ከትምስረት እንተሎ ከባቢ ጀሚረ ክሳብ ሕዚ ዝቓለስ ዘለኹ ብኢትዮጵያውነት መንፈስ እምበር ትግራዋይ ወይ ኣምሓራይ ንምዃን ኣይኮንኩን። እቲ ህዝቢ ካብ ጭቖናን ዓፈናን ንኽናገፍ ከምኡ’ውን ሰላምን ልምዓትን ክረክብ ኢሉ ምስ ካልኦት ከምኡ ዝመሰሉ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ብምዃን ብዙሕ መስዋእቲ ኸፊሉ እዩ። እዚ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ኣምሓራይ ወይ ትግራዋይ ንምዃን ኣይነበረን።ይኹን’ምበር ሕትኡ ክሳብ ሕዚ ከይተመለሰሉ ተሪፉ እዩ።

ህዝቢ ወልቃይት ካብ ዝሓለፉ ስርዓታት ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ዝተበደለ ህዝቢ እዩ። ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ኣይረኸበን። ስለዚ ነዚ ህዝቢ እዚ ዘድልዮ ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕዳርን፣ ሰላምን ሓድነታዊ ፍቕርን’ምበር ካሊእ ኣይኮነን። ህወሓት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ቋንቋ መሰረት ገይሩ ክልላት ብምፍጣር ህዝቢ ክፋላለ ገይርዎ እዩ። ሕዚ ኣብ ፖለቲካ ንንቀሳቐስ ዘለና ኣካላት ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓድነቱ ኣስጢሙ ብቋንቋን ብሄርን ተሓፂሩ ከይተርፍ ኣብ ዝደለዮ ከባቢታት ኢትዮጵያ ክነበር፣ ሃፍቲ ከፍሪ ኢና ከንሰርሕ ዘለና። ንብዙሕ ዘመናት ብዘይ ምንም ፀገም ሓቢሩ ዝነበረ ህዝቢ ናተይ ናትካ ዝብል ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝጠቕሞ ኣይኮነን።

እዚ ሕዚ ዝለዓል ዘሎ ፀገም ፖለቲከኛታት ዝፈጠርዎ ፀገም እዩ። ከምዚ ዓይነት ሕቶ ኣብ ህዝቢ እንተሓልዩ’ውን መሰረት ድሌት ህዝቢን ሕገ መንግስት ጌርካ ዝፍታሕ’ምበር ብሓይሊ ኣይኮነን። ስለዚ መጀመርያ ህዝቢ ድሌቱ እንታይ ከምዝኾነ ክሕተት ኣለዎ። ፖለቲከኛታት ብዝፈጠርዎ ፀገም ህዝቢ ክብደል የብሉን። ትማሊ ጁንታ ብሓይሊ እዩ ሒዝዎ ነይሩ እናበልና ሕዚ’ውን ብሓይሊ ንምሓዝ ንሙክር እንተኾና ካሊእ ጁንታ ኢና ንኸውን ዘለና። ስለዚ ፖለቲከኛታት ህዝቢ ንህዝቢ ዘቓራርብ’ምበር ዘረሓሓቕን ቕርሕንቲ ዝፈጥርን ሓሳብ ሒዞም ናብ ህዝቢ ክወርዱ የብሎምን። ህዝቢ ወልቃይት ድማ ብፖለቲከኛታት እንተይተዓሸወ ከም ቐደሙ ኢትዮጵያውነት መንፈስ ሒዙ ብሓባር፣ ብሰላምን ብፍቕርን ክነበር ኣለዎ ኢለ ከተሓሳስብ እደሊ።

ወጋሕታ፡-ንዝነበረና ፃኒሕት የቐንየልና።

መምህር መኮነን፡- ኣነ ‘ውን የቐንየለይ።

 መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ21ሚያዝያ2013

Recommended For You