ሰላማዊ መረፃ ንምክያድ ድሕንነት ህዝብን ሃገርን ክረጋገፅ ኣለዎ

ትርሓስ ፍቃዱ

እቲ ሕዚ ኣብ ሃገርና ዝስትውዓል ዘሎ ናይ ተንኮልን ምብልላዕን ፖለቲካ ብምክብባርን ብቕንዕናን ክነካይዶ ተዘይኽኢልና እቲ ሓደጋ ብዙሕ እዩ። ምችው ምህዳር መረፃ ንምፍጣር ኹሎም ፓርትታት ፖለቲካ ካብ ዝተፀናወቶም ባህሪያት ተንኮልን ምብልላዕን፤ ናብ ቅንዕና ዘለዎ ፖለቲካ ንኽትካእ ምፅዓር አድላይን ወሳንን እዩ።

ብኣንፃሩ ድማ ኣብ ውሽጢ ምብልላዕ ፖለቲካ ተኣሊኽና፤ኻልኦት ንምብላፅ ምምናይ ሓደገኛ ኣካይዳ እዩ፤ደሕንነት ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ።ብተወሳኺ’ውን ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ዝፈታተን እዩ።ንህልውና ፓርትታት’ውን ዘስግእ ኹነታት ዝፈጥር ስለዝኾነ እቲ እንምነዮ ዘላቒ ሰላምን ብልፅግናን ንምርግጋፅ ኸቢድ እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ንምክያድ እናተሸባሸበት ትርከብ።ምዝገባ ተነሓናሕቲ ፓርትታ ፖለቲካ ተወጊኑን ምዝገባ ናይቶም መረፅቲ’ውን ካብ ዝጅመር ቐንዩ እዩ፤ ይኹን’ምበር ሐዚ’ውን ድባብ ናይቲ መረፃ ዝርብሹን ፆሎሎ ዝለኽዩን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዘርኢ መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕትታት እናተፈፀሙ እዮም።ብፍላይ ንመፃኢ መረፃ ፓርትታት ፖለቲካ ብተንኮል ፖለቲካን ኣካይዳ ዓይኒ ዑሙተይን ተጣቢቖም ንምፅናሕ እንተመሪፆም ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሓደጋታት ምግማት ኣይኸብድን።

እቲ መረፃ ሰላማውን ፍትሓውን ከምኡ’ውን ብህዝቢ ተኣማኒ ኾይኑ ንኽዛዘም ብፍላይ ፓርትታት ፖለቲካ፤ ኣብ መረፃ ምስዓርን ዘይምስዓርን ከም ዘሎ ትፅቢት ክገብሩን ክኣምኑን ይግባእ። እቲ ዘኽበርዎ ቃል ተግባራዊ ክገብሩ ይግባእ።ካብዚ ዝሓለፈ ፖለቲካ ከም ቑማርን መድረኽ ምብልላዕን ገይርኻ ምሕሳብ ነቲ መረፃ ፅቡቕ ድባብ ኣይፈጥረሉን። እዚ ድማ ደሕንነት ህዝብን ሃገርን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ወጠንቲ እቲ ተንኮል ኣወዳድቖኦም ሕማቕ እዩ።

እቲ መረፃ ዲሞክራሲያዊ ምግባር ይኹን ኢትዮጵያ ክትበፅሖ ኣብ ዝግበኣ ብርኪ ክትበፅሕ እትኽእል ናይ ሃገር ሰላም ብዘተኣማምን መገዲ ምርግጋፅ እንትከኣል እዩ።ምህናፅ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት፣ ልምዓትን ብልፅግናን ምምፃእ ዝከኣል ሰላም እንትህሉ ጥራሕ እዩ።ዋጋ ሰላም ኹለመዳያዊ እዩ። ንደሕንነት ሃገርን ንህዝብን ዝጭነቑን ዝሓስቡን ፓርትታት፤ ኣብ ዝመፅእ ግንቦት ንዝካየድ መረፃ ሰላማዊ ኾይኑ ንኽዛዘም ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎም።

ሰላም እናረጋገፅናን እናስፈንናን፣ዲሞክራሲ እናሃነፅናን እንተተጓዒዝና ንባዕልና’ውን ሰላም ክንረክብ ኢና፤ናብራ ናይቲ ህዝቢ ክነመሓይሽ ኢና። ልምዓትን ብልፅግና ክነስፋሕፍሕ ኢና። ብሓፈሻ ኹለመዳያዊ ልምዓትን ሃገራዊ ሓድነት ክነረጋግፅ ኢና። ብመንፅር እዚ ምርግጋፅ ሃገራዊ ደሕንነትን ሰላምን ብዋጋ ዝግመት ኣይኮነን።ንሃገርናን ንወገናን ዝጠቅም ሓሳብ ምምሃዝን ኣብ ስራሕ ምውዓልን ዝከኣል ሰላምን ህድኣትን እንትህሉ እዩ።

ብኣንፃሩ እቲ ህዝቢ ኣብ ድኽነት እንትወድቕን ሃገር ሰላም እንተስኢናን ዝጥቀም ዜጋ የለን።ነዚ እዩ ድማ ኣብ ዝኾነ እዋን ፓርትታት ፖለቲካ ንሰላምን ድሕንነትን ሃገር፤ ብቐዳምነት ብሰናይ ፍቓድ፣ተሓታትነትን ቖራፅነትን ከርእዩ ኣለዎም ዝበሃል። ፀገማትን ኣፈላላይን ሓሳብ እንተሃለዩ’ውን፤ብስለትን ኣፈላላይ ናይቶም ፓርትታት ዝግለፅ ካብ ተንኮልን ውዲትን ዝርሓቐን፤ ብቕንዕናን ፊት ንፊት ብምርኻብን ብምዝታይን ፍታሕ ምቕማጥ እንትኽእሉ እዩ።እዚ ስርዓት ዲሞክራሲ ንምምስራት ኾነ ዘላቒ ሰላም ሃገር ንምርግጋፅ ተመራፂ ፍታሕ እዩ።

ዝተፈላለዩ ዕላማታት ሒዞም ዝተወደቡ ፓርትታት ፖለቲካ ብቕንዕና እንተተቓሊሶም ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝምጥን ስርዓት ፖለቲካ ንምምራሕ ብቕዓት ይፈጥር።ንህዝብን ንሃገርን ዘገልግል፣ንሎሚ ይኹን ንቐፃሊ ወለዶ ዝጠቅም መሰረተ ስርዓት ብምፍጣር ታሪኽ ምስራሕ ይኽእሉ እዮም። ሓድነት ሃገርን ናይ ህዝቢ ሰላም ኣብ ዘተኣማምን መሰረት ዝሃንፁ’ውን እዮም።

ብኣንፃሩ ምኽንያት እናደለዩ፣ ውዲታት እናጎንጎኑ፣ እናአነቡን እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ንምውዳቕ ዝሰርሑ እንተኾይኖም ኣብ ርእሲኦም ይኹን ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ፀገም ከምፅኡ እዮም።ናይ ውልቀ ወይ ድማ ናይ ጉጅለ ፅልኢትን ጎንፅን የጎሃህሩ፤ህዝቢ ምስ ህዝቢ እናጓነፁ ካብ ፖለቲካ ንምኽሳብ ዘዕገርግሩ’ውን ኣለዉ፤ እዚ ድማ ንሓድነት ሃገርን ንህዝቢ ሰላም ኸቢድ ሓደጋ ኣለዎ።

ብምዃኑ ድማ ዝተፈላለየ ሓሳብ ሒዞም ኣብ ጉዳይ ሃገር ዝዛተዩ ፓርትታት ብጉዳይ ሃገር ዝተሓባበሩ፤ይጠቅም እዩ ዝበልዎ ሓሳብ ኣብ ስራሕ ንምውዓልን ዝደልይዎ ስልጣን ንምርካብ ኣብ መረፃ ዝሳተፉ ተናሓናሕቲ’ምበር ፀላእቲ ክኾኑ የብሎምን። ዕላማ ተፎኻኸርቲ ዝሐሸ ኹነታት ንምምፃእ፤ ሓሳብ ንሓሳብ ከተሓናፍፁ’ምበር ንምጥፍፋእ ኣይኮነን። ዕላምኦምን ሓሳቦምን ናብ ህዝቢ ኣቕሪቦም ኣፍቲ መረፃ ብመሰረት ዝረኽብዎ ድምፂ ህዝቢ ብሰላም ክመርሑን ኹሎም በብግድኦም ስልጣን ምምቓል ተዘይኮይኑ ድማ፤ ‹‹ንዝሓለፈ ኽረምቲ ገዛ ኣይስራሕን›› ከምዝበሃል ንዝመፅእ መረፃ ምድላው ገይሮም ንምስዓር ምስራሕ’ምበር ምሕዛን ኣየድልን።

ምኽንያቱ ኣብ ስርዓት ዲሞክራሲ፤ ህልውና ፖለቲከኛታት ኣብ ድጋፍ ድምፂ ዜጋታት ዝተመስረተ እዩ። ዜጋታት’ውን ብተረኦም ፖለቲከኛታት ብዘለዎም ፖሊሲ፣ ብዝህብዎ ተስፋን ውሳነን ዝስሓቡ እዮም።ፓርትታት ዘለዎም ጥንካረን ብቕዓትን ይምዘኑ፣ ጭዋነትን ብቕዓትን ሕፁያት ይግምግሙ፤ዝተልዓሉ ጉዳያት ምስ ድሌቶምን ኣርኣእይኦምን ብምግንዛብ፤ኣብ መወዳእታ ምስ ውልቃዊ ጥቕሞም ብምንፅፃር ሓድነት ሃገር ብኣእምርኦም ኣስተንቲኖም ብሓፈሻ ይሓይሽ ንዝበልዎ ድምፆም ክህቡ እዮም።መሰል መረፅቲ ዜጋታት ዝረጋገፅ ድማ ካርዲ መረፃ እንትወስዱ ጥራሕ እዩ።ስለዝኾነ ድማ ካርድና ኣብ ኢድና ንሓዝ።

ኣብ መንጎ ፓርትታት ዝግበር ንሕንሕ ነዚኦም መሰረት ዝገበሩ ክኾኑ ይግባእ።በዚ መሰረት ድማ ህዝቢ ዝመረፆ ፓርቲ ሃገር ይመርሕ። ውፅኢት ናይቲ መረፃ ድሕሪ ምፍላጡ ድማ ንተደማፅነትን ንስልጣንን ዝግበር ንሕንሕ ብመረፅትን ብኹሎም ተወዳደርቲን ተቐባልነት ዘለዎ፤ ናፃን ፍትሓውን መረፃ ዝህቦ ረብሓ ምቕባል ከምዘሎ ኾይኑ ፓርትታት ብሕብረት ኾይኖም ናይቲ መራፂ ህዝቢ ሰላም ንምርግጋፅ ፍትሓውን ልምዓት ዝርከበሉን ቃልሲ ምግባር ኹሉ ግዘ ዕላምኦም እዩ።ምኽንያቱ ሰላማዊ ቃልሲ ፖለቲካን፤ ፖለቲካዊ ሓድነትን ንዘላቒ ልምዓት ወሰንቲ እታወታት እዮም።ብምዃኑ ድማ ፓርትታት ፖለቲካ ብሓንሳብ ተሓባቢሮም ሰብኣዊ መሰላት፣ልዕልነት ሕግን ነቲ ስርዓት ዲሞክራሲ ግቡእ ሓለዋ ኽረክብ ምግባር ይግበኦም።

ጉዳይ ህዝቢ ይርደኣና እዩ ዝብሉ ሰባት እዚ ተግባራዊ ንምግባር ቕኑዕ መገዲ ከርእዩ ትፅቢት ይግበረሎም።ሓቂ ዝቕበልን ብሓቂ ዝምራሕ ኣእምሮ፣ዕርቂ፣ ፍቕርን ሰላምን ዝቕበል ልቢ፣ምዕሩይ መንፈስ ዝፍልፍል ሕልና ምህናፅ የድልየና። ብምኽንያት ዘርኣውነት፣ብሃይማኖትን፣ብኣፈላላይ ሓሳብ ፖለቲካን ህዝቢ ናብ ጎንፂ እናለዓዐልና ፣ሓድነት ህዝቢ እንሽርሽር እንተኾይና ውፅኢቱ ተተሓሒዝና ምጥፋእ እዩ ዝኸውን።ምኽንያቱ ነቲ ኻልእ ቐቲልኻ ናይ ኻሊእ ህይወት ኣይልምልምን።ነቲ ኻልእ ብምድካይ ኽብረት ኣይርከብን። ምስምማዕ የግዲ ተዘይኾነ’ውን ምትእምማን፤ተዘይተሰማማዕና’ውን ክንዛተይ ንኽእል ኢና።ብሓድነት ሃገር ንህነፅ።

ሕዚ ኣብዛ ሃገር ዘለዉ ማሕበራዊ፣ቑጠባውን ፖለቲካውን ፀገማት ካብ መሰረቶም ዝፍትሑ ብመረፃ ብምዃኑ እቲ ህዝቢ ናይ ኸባቢኡ ሰላም ኣብ ምሕላው ወሳኒ ግደ ኣለዎ። መንግስቲ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝካየዱ ጎንፅታትን ዘርኢ መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕትታትን ኣብ ሰላማውን ዝተሳኸዐ ኸይዲ መረፃን፤ልዑል ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ።ብምዃኑ ድማ እቲ መረፃ ሰላማውን ዝተሳኸዐን ንምግባር ኹላትና እጃምና ክንዋፃእ ይግበአና።

ብምኽንያት ዘርኣውነት፣ብሃይማኖትን፣ብኣፈላላይ ሓሳብን ፖለቲካን ህዝቢ ናብ ጎንፂ እነለዓዕል፣ሓድነት ህዝቢ እንሽርሽር እንተኾይና ውፅኢቱ ተተሓሒዝና ምጥፋእ እዩ ዝኸውን።ምኽንያቱ ነቲ ኻልእ ቐቲልኻ ናይ ኻሊእ ህይወት ኣይልምልምን።

(ፍልፍል፤ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን)

ወጋሕታ 21 ሚያዝያ 2013

Recommended For You